Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክሕንጸጽተባሂሉ ኣብ ኤርትራ ተላቢዑ ዝነበረ ወረ ሓሶት ምዃኑ ኣፈኛ ስርዓት ህግደፍ ዓሊ ዓብዱ ምስ ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝገበረኦ ምልልስ ተኣሚኑ።

ካብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣትሒዙ “ ዶባት ኤርትራን እትዮጵያን ንምሕንጻጽ ኣብ ባይታ ግብራዊ ንጥፈታት ተጀሚሩ ‘ሎ፡ ምእንቲ ‘ዚ  ኢትዮጵያ ሰራዊታ ካብ ዶባት ስሒባ፡ ሰራዊት ኤርትራ ‘ውን ናብ ባረንቱ ተሳሒቡ ‘ሎ ፡ ካርታ ዝስእላ ነፈርቲ ኣብ ዶባት ይዝንብያ  ኣለዋ፡ ጸረነፈርቲ ከይትኩሰለን ‘ውን ንሓይልታት ምክልኻል መምርሒ ተዋሂቡ፡ ደጊም ሲ ዶባት ክሕንጸጽ ‘ዩ” እናተባህለ ኣብ ኣስመራ ታሕቲ ታሕቲ ተላቢዑ ዘሎ ወረ፡ ስርዓት ህግደፍ ምእንቲ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ሃልኪ፡ ኮነ ኢሉ ህዝቢ ንምድንጋር ዝዘርግሖ ናይ ሓሶት ወረ ምዃኑ ምንጭታት ሓቢሮም።

እቲ ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ዶባዊ ግጭት ሕጋዊ መዕለቢ ክገብረሉ ብ2000 ዝቖመ ኮምሽን ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዕማሙ ከይፈጸመ ትማሊ ብወግዒ ከምዘብቅዐ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ዜና ሓቢሮም።