Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣቦታትና ክምስሉ ንድሕሪት ጠምት ንቕድሚት ኣምት ይብሉ ማለት ካበይ ተበጊስካ ኣብቲ ጉዕዞ ኸ እንታይ ጽቡቕን ሕማቕን ኣጓኒፉካ ሓሲብካን ገምጋም ጌርካን ናብቲ ዝቕጽል ጉዕዞ ካብቲ ሕሉፍ ዝተፈጸመ ሕማቕ ንኸይድገም ይሕግዘካ ማለት ዩ።

abrhaley

ስርዓት ህግደፍ፡ ኣእሚኑን ኣብ ዜጋታቱ ድርኺት ፈጢሩን ዘይኮነስ፡ ብማእሰርትን ቅትለትን ዘመሓደር ጽዩፍ ስርዓት እዩ። ስልጣኑ ሕጋውነት ስለዘይብሉ፡ ርእሰ ምትእምማን የብሉን፡ ኣብ ቀጻሊ ስግኣት’ዩ ዝነብር። ስለዚ ነቲ ክሳብ ምሉእ ዕድሚኡ ዝምነዮ ፖለቲካዊ ስልጣን ብሓይልን ኣስገዳድን፡ ብራዕዲ-ሽበራን ምፍርራሕን እዩ ከጻንሖ ዝፍትን። ብሰንኪ እዚ ሕግን ሓሳብሎን ዘይብሉ ሽፍታዊ ኣካይዳ ኸኣ ብዙሕ ገበናት ኣዋህሊሉ ‘ሎ። ጥርዚ ናይዞም ገበናት፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዜጋታት፡ ብዝያዳ ድማ ኣብ ልዕሊ መንእሰያትን ኣባላት ሰራዊትን ብትሕዞ ዝፍጽሞ ናይ ምርሻን ስጉምትን ቅትለትን እዩ።