Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ማሕበር ጥርናፈ ኤርትራውያን ንዲሞክራስን ፍትሕን ኣብ ቅዋሙ ንዘስፈሮ መደብ መሰረት ብምግባር ሎሚ ዕለት 24/1/2010 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ከተማ የተቦሪ ኩሎም ግዱሳት ኤርትራውያን ኣባላቱ ኣብ ዝተኣከቡሉ ኣዳራሽ ቀዳማይ መስራቲ ጉባኤኡ ኣካይዱ።

ሰንበት ዕለት 24/1/2010 ዓ.ም.ፈ. ሰዓት 16:00 ኣብ ክቪበሪ
Beväringsgatan 9 ብማሕበር ጥርናፈ ኤርትራውያን ንዲሞክራስን
ፍትሕን ዝተዳለወ መስራቲ ጉባኤ ክግበር ስለዝኾነ

ኣብዛ እንነብረላ ዓለም መብዛሕትና ደቂ ሰባት ብተስፋን እምነትን ኢና እንነብር።  ደቂ ሰባት እታ ሃገረይ ኢሎም ዝኾርዑላን ዝንየቱላን ንኹሎም ዜጋታት ብማዕረ መሰሎም ተሓልዩ ክኸብሩላን ክጽዕሩላን ክከላኸሉላን ናይ ነብስወከፍ ሃገራዊ መሰልን ግቡእን እዩ። ኣብታ ሃገር ሰብኣዊ መሰላት ምስ ዘይከብርን ምእኩል ምሕደራ ምስ ዘይህሉን ወይ ውን ብሰንኪ ዘይምዕሩይ ምጣኔ ሃብታዊ ዝርገሐን ሕማቕ ምሕደራን ዝስዕብ ስእነት ሰላምን ዓጸቦን ምስ ዘጋጥም እምነትን ተስፋን ኣብቂዔን፡ ዜጋታት ሃገሮም ራሕሪሖም ናብ ስደት ሃጽ ክብሉ ይራኣዩ።