Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ቆልዓ እንከሎኹ ኩሉ ዓብዪ ሰብ ወረጃ፡ ኩሉ ምሁር ሰብ ለባም፡ ኩሉ ቀሺ ወይ ሸኽ ኃይማኖታዊ፡ ኩሉ ተጋዳላይ ሓቀኛ… ወዘተረፈ እዩ ዝመስለኒ ዝነበረ። ሎሚ ምልስ ኢለ እንተገምገምክዎ ግና ኣብ ሓደ ሽም ተቓራኒ ትሕዝቶን መንነትን እዩ ዘሎ። ኩሉ ሰብ ዝጽዋዕ ሰብ ኣይኮነን። ንኣብነት እዞም ንህዝብና ካብ ደርጊ ከፊኦምዎ ዘሎዉ ሰባት (ሕጊ-ግደፍ) ተጋደልቲ ዝብል ስም ኣለዎም፡ እቲ ሓቀኛ መንነቶም ግን ዓመጽትን ጎሓላሉን ስለዝኾኑ ነቶም ኣብ ፈቐዶ እኽራናትን ጎላግልን ዝገደፍዎም ስውኣት ጠሊሞም፡ ንስድራን ውሉድን ስውኣት ከኣ ደም ክሳብ ዝጎስዑ የሳቕይዎም ኣሎዉ።

ታሪኽ ቆራጽ ፈራዲ ኢዩ፡ ፍርዲ አብ ምፍጻም እዉን ነግ ፈረግ ምባል ባህሪኡ አይኮነን። አብ ግዕዞ ታሪኽ ዝኾነ ፖለቲካዊ ስርዓት ልክዕ ከም ሐደ ህያዉ ፍጡር ይዉለድ፡ይጉብዝ ይአርግ፡ ይመዉት፡ ኢዩ። ካብ ጉቡእ ናይዚ ባህርያዊ ዑደትዚ ዘምልጥ ስርዓት ወይ ፍጡር ከአ የልቦን። እዚ ሐደ ፍጹም ሕጊ ናይ ባህርይ ኢዩ።