Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መልእኽቲ ሕርሚ፡ ብክቡር ሊቀ ካህናት ቀሺ ገብረሚካኤል ዮውሃንስ።

ዝኸበርኩም ካህን፡ ኣብቲ ግሉጽ መልእኽቲ ሕርሚ ንኩሎም ጳጳሳት ዝብል ኣብ www.tewahdo.org ኣብ audio ስብከት ናይ ሓደ ሰዓት ምሉእ ዝሃብክሞ ረዚን መልእኽቲ ሰሚዐዮ ደጋጊመ ከኣ ይሰምዖ ኣሎኹ።እቲ መልእኽቲ ካብ መንፈሳዊ ትሕዝትኡ ይኹን፡ ካብ ኣቀራርብኡ፡ ልብኻ ዝመስጥ፡ ይበል ዘብል እዩ።ክብደቱ ይትረፍ ንገበርቱ ንሰማዕቱ ዘርዕድን ዘንቀጥቅጥን እዩ።