Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Demo Londonኣብ ለንደን ንርከብ ኣባላት ተቃወምቲ ውድባትን በርጌሳዊ ማሕበራትን ብሓባር ፣ ን ዕለት 8 January 2011 ተመዲቡ ዘሎ ፌስቲቫል ህግደፍ ፣ኣውያት ህዝብና ከነቃልሕ ተቃውሞና ከነስምዕ

ፈስቲቫል ህግደፍ ምዕራባዊ ዞና ሰሜን ኣሜሪካ ካብ 14 ነሓሰ ስጋብ 16 ነሓሰ ኣብ ከተማ ኦክላንድ ብዘይ ሓደ ፍረ ተዛዚሙ። ሕግደፋዉያን ዘመኖም ከምዘብቅዔ ከም ጸሓይ ቀትሪ ተኾሊዑሎም። ዘይተኣደነ ገንዘብ እዮም ኣጥፊኦም ኣለና ንኽብሉ። ቁጽሪ ተሳተፍቲ ግና ኣይግድን። ናብቲ ባህላዊ ምሸት ዝኸዱ መብዛሕትኦም ትሕቲ ዕድመ ህጻውንቲ ኣብ ርእሲ ምኻኖም እቶም ዝርካቦም ዓበይቲ ድማ ነቲ ስርዓት ኣሚኖምሉ ዘይኮነስ ንቆርጫጭ ክርእዩ ኢሎም እዮም ከይዶም።  ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ኣዳልዮም እተን ቅድሚ ሕጂ ዝሳተፋ ዝነበራ ካብ ኣርባዕተ ዘይውሕዳ ጋንታት ስለ ዝኣበያ እቲ ዉድድር ኣብ ዓሰርተ ሓሙሸተ ዘይበጽሑ ሜዳ ዘይመልኡ ተጻወቲ’ዩ ተሓጺሩ። እዚ ካብ ሰለስተ ስጋብ ኣርባዕተ ሽሕ ህዝቢ ዝሳተፎ ዝነበረ ውድድራት ካብ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ሚእቲ ዘይበዝሑ ሰባት እዮም ተሳቲፎሞ። እቲ ህዝቢ ብሃንቀዉታ ዝተጸበዮ ጸወታ ግና ግጥም ህግደፍን እባላት ማሕበር ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጥን እዩ ኔሩ።

festivalብምኽንያት ባሕቲ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ መበገሲ ዝገበረ ፌስቲቫል ንሰላም ኣብ ዓባይ-ብሪጣንያ ንዕለት 23 ነሓሰ 2008 ዓ-ም ተዳሊዩ ከም ዘሎ ንኹሉ ደላዪ ፍትሒ ሃገራዊ ክንሕብር ንፈትው።

FesLonወኪላት ስርዓት ህግደፍ ነዛ ኣብ ዓዓመቱ ዘካይድዋ ፌስቲቫል ንምክያድ ብዙሕ ሸበድበድ ክብሉ ከምዝቀነዩ ዝስሓት ኣይኮነን ፤ እዚ ክገብር ድሕሪ ምቅናዩ ግን ኣሰልጦ ክረክብ ኣይተኻእለን ዓቢ ፍሽለት ከኣ ኣጋጢምዎ ኩሉ መደባት ተሰናኪሉን ፈሺሉን።