Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Fish PFDJትማሊ 6 ሕዳር ‘ደሃይ ካብ ኤርትራ’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝተዘርግሐ ሓበሬታ፡ ኣብ ስርዓት ህግደፍ ብልሽውና ክሳብ ክንደይ ሳዕሪሩ ከምዘሎ ጠቒስናልኩም። ሎሚ ድማ ከም ኣብነት ናይዚ ሕማም’ዚ ኣብ ናይሮቢ ኬንያ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ህግደፍ ዝተኸስተ ጉዳይ ነቅርበልኩም።


ኤርትራዊ ኣትለት ዘርእሰናይ ታደሰ ኣብ በርሚንግሃም ዓዲ እንግሊዝ ሎሚ 11 ኣብ ዝተኻየደ ናይ ፍርቂ ማራቶን ቅድድም ብምዕዋት ወርቂ ማዳልያ ተሸሊሙ።


ኤርትራዊ ኣትለት ዘርእሰናይ ታደሰ ኣብ በርሚንግሃም ዓዲ እንግሊዝ ሎሚ 11 ኣብ ዝተኻየደ ናይ ፍርቂ ማራቶን ቅድድም ብምዕዋት ወርቂ ማዳልያ ተሸሊሙ።

ኣብ መወዳእታ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን “ኣብ ማእከላይ ባሕሪ 5 ኤርትራ ድሒኖም 75 ግን ሃለዋቶም ኣብ ስግኣት ኣሎ” ዝብል ወረ ብማዕከንት ዜና ዓለም ምስተሰምዐ፡ ዋላ እቶም ሞት ርእዮም ካብ ሞት ዝደሓኑ ዝደሓኑ ክልተ ህጻናት ዝርከቡዎም ውጻእ-መዓት “ብዘይካና ዝተረፈ የለን” እናበሉ ኸለዉ ከይተረፈ፡ ሚልዮናት ህዝቢ ኤርትራ ክንኣምኖ ኣይደለየን። ልቡ ሓቝፉ ቀንዩ። ነቲ ጥፍኣት ‘ኣሜን’ ኢሎም ዝተቐቡሉዎ እቲ በላዕተኛ ስርዓት ህግደፍን ዓሳታት ማእከላይ ባሕርን ጥራይ እዮም። ሕጂ ግን እንሆ እቶም ዝደሓኑ መለስቲ ኣውያት ምዃኖም፡ እቶም ካልኦት 75 ንጹሃት ኤርትራውያን ዜጋታት ግን፡ ኩሎም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ተዋሒጦም ብጅምላ ሃሊቖም ኣለዉ። እቲ ጥፍኣት ተረጋጊጹ ‘ሎ። ንብዓትን ኣውያትን ዘይኣኽሎ መሪር ሓዘን እዩ።

zereiብሃር ኤርትራዊ ኣትለት ዘርእሰናይ ታደሰ፡ ሎሚ 12 ጥቅምቲ ኣብ ሪዮ ዲ ጀኔሮ፡ ብራዚል፡ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ፍርቂ ማራቶን ውድድር ቀዳማይ ኮይኑ ተዓዊቱ። ንሳልሳይ ግዜ ናይ ፍርቂ ማራቶን ሽምፕዮን ዝተዓወተ ቀዳማይ ወዲ ተባዕታይ ብምዃን ከኣ ታሪኽ ሰሪሑ።

መፈጸምታ ነቲ ብኣባላት ጉጅለ ህግደፍ ክካየድ ዝጸነሔ ናይ ምዝመዛ ወፍሪ ኣብ ዙርያ ወሽመጥ ዓረብ ንዝርከቡ ኤርትራውያን ነቲ ኣብ ከተማ ርያድ ሓፋሽ ህዝቢ ዘፍሸሎ ኣኼቦኦም ንምጽጋን ከመይ? ኣበይ? መዓስ? ምስመን? ንዝብል ሕቶታት መጽናዕቲ ድሕሪ ምውሳዶም (መኸተ) ብዝብል ጭርሖ ተሰምዩ ካብ ደሞዝ ሙሉእ ንላዕሊ ግምት ዝተዋህቦ ወፍሪ ድሕሪ ኣስታት ክልተ ወርሒ ዳግማይ ሓፈሻዊ ኣኼባ ተኣዊጁ ንዕለት 14.03.2008 ኣብ ከተማ ርያድ ብተጽዕኖን ጸቕጥን ናይ ኣምባሳደር ህግደፍ ኣብ ፍርቂ ደሞዝ ከምዝጸደቐ ካብ ውሽጢ ኣኼባ ዝመጸና ሉኡኽ ሓቢሩ።