Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ካብቲ ናይ መንግስቲ መጠንቀቕታ ብምብጋስ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት  ስርዓት ህግደፍ ኣብ ሱዳን ዘካይዶ ንጥፈታት እንዳ ወሰኸ ይኸይድ ከምዘሎ ካብ ከሰላ ዝመጸና ሓበሬታ የረጋግጽ።

ክሉ ከም ዝፈልጦ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ወርሓት ሰነን ሓምለን ዝጅምሮ ብስም ፌስቲቫል ዝጽዋዕ ሆሆን ዳንኬራን ኣብ መላእ ዓለም እናዞረ ብሕልና ኣልቦ ዝኾኑ ስሱዓት ስነ-ጥበባውያን ተሰንዩ ወሰን ኢሉ ዝምታን ዝርፊያን ካብ ዝተሓሓዞ ዓመታት ኣቑጺሩ ኢዩ። መቐጸልታ ናቱ ክኣ እንሆ ሎሚ ዘመን ኣብ ዞባ ኤውሮጳ ብከተማ ሎንዶንዝመረ ዝምታ ከመይ ከም ዝነበረ ኣብቲ ውዕሎ ካብ ዝነበሩ ዜጋታት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ጆባእ ንብለኩም። ጃንዳህግደፍ ኣቐዲሙ ዳምዳም ክብለሉ ዝቐነየ ፌስቲቫል ግዚኡ ኣኺሉ ካብ ዓርቢ ዕለት 03 ሓምለ ክሳብ 05 ሓምለ 2009 ዓ-ም ኣብ ዘሎ ጊዜ ከካይዶ ወጢኑ ብኡ መጠን ክኣ ዓርቢ ኣጋምሸት ሚሩ እኳ እንተተባህለ፡ ዝኣትወሎም ሰብ ብዘይ ምርካቦም፡ እቶም ዝርካቦም ምእንቲ ሕጻውንቲ ደቆም ክብሉ 25.00 ፓውንድ ከፊሎም ዝኣተዉ ወለዲ ቀንፈዞው ክብሉ ከም ዘምሰዩ ኣብ መወዳእታ ክኣ ብሰንኪ እኹል ሰብ ዘይምእታው ላህማም ምሸት ከም ዝሓደሩ እቶም ኣብቲ ሕድሮ ዝተረኸቡ ወሃብቲ ሓበሬታ ኣረጋጊጾም።ከም ቀደም ይመስለክን ውሕጅ ይወስደክን።

ብታሕሳስ 2/2007 ኣምባሳዶር ኤርትራ ኣቶ ኣሕፈሮም ንኣብ ኦታዋን ከባቢኣን ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ ውግእ ክጅምር ኢዩ ዝብል ኣርእስቲ ሒዙ ህዝባዊ ኣኼባ ጸዊዑ።
ኣብዚ ኣኼባዚ ዝተሳተፉ ሰባት ምስኡ ደሚርካ ክሳብ 70 ኣቢሎም ይኾኑ።

Sawaሓደ ካብ ቀንዲ ውድቀታት ስርዓት ህግደፍ፡ ጌጋታቱ ዘይቅበልን ምስ ግዜ ዘይምዕብልን ምዃኑ እዩ። ንፖሊሲታቱ ክዉንነት ነጺጉዎ ክንሱ፡ ‘ዋላ ትንፈር ጤል እያ’ ኢሉ ሜላታት ጥራይ እናቐያየረ ህልኽ ሓዊሱ ‘ዩ ከተግብሮ ዝፍትን።