Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስርዓት ህግደፍ ነዚ ዓድታት ዘብርስ ብታሕቲ ታሕቲ ክሰርሓሉ ዝጸንሐ ውጥን ህዝቢ ብጠለቡ ይትግብሮ ከምዘሎ ንምምሳል ይፍትን ኳ እንተሎ፡ ሰስብሑ መሬት ህዝቢ እናመንዘዐ፡ ህዝቢ ንዘፍረዮ ኣእካል ካብ ቆፎታቱን ብሎኮታት ከተማትትን እናመንዘዐ ብዓቢኡ ድማ ነቶም ከልምዑን ከፍርዩን ጉልበት ዘለዎም መንእሰያት ደቁ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጸሚዱ ስድራቤታት ብምልማስ እዩ ነቲ ህዝቢ ብጥምየትን ድኽነትን ናይ ምንብርካኽን ጽግዕተኛ መንግስቲ ናይ ምግባርን መደብ ተተሓሒዙዎ ጸኒሑ። ስለዚ ጠንቂ ናይዚ ምፍንቓል ‘ዚ ለውጢ ኩነታት ኣየር ዘይኮነ፡ ኣዕናዊ ፖሊሲ ናይቲ ስርዓት እዩ።

mendefera

ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ ካብ መንደፈራ ክሳብ እምኒ ሓይሊ ዘሎ 15 ኪ.ሚ. ዝኸውን መሬት፡ ብዘይካ ጐቦታትን ጀራዲንን ካብ ዋናታቱ ዝዀኑ ሓረስቶት መንዚዑ፡ ባዕሉ ብዝመጽአን ብዓሰርተታት ዝቝጸራ ትራክቶራት ክሓርሶ ጀሚሩ ኣሎ።