Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ኣመሪካ፡ ዋሺንግተን ዲሲን ከባቢኣን ዝርከቡ ኤርትራውያን  ብመንገዲ ወኪል ኣኽሩኽ ኣሰና ኣብ ኣመሪካ ተስፊት ክፍሉ ንወርሒ 20 ዶላር ብምውጻእ ዘዋህለሉዎ 780 ዶላር፡ ከምኡ ‘ውን ኣብ ኒውዮርክ ዝርከብ ገባር ሰናይ  ዳኒኤል ተወልደ 120 ዶላር፡ ኣብ ሚሽንጋን እትርከብ ሓንቲ ብመደባት ኣሰና ዝተመሰጠት ግድስቲ ስድራቤት 100 ዶላር ድምጺ ኣሰና ንምስሳን ብድምር ሓደ ሽሕ ዶላር ከበርክቱ ከለዉ። ኣብ በይ ኤርያ ዝነበር ሓደ ካልእ ግዱስ ኤርትራዊ 200 ዶላር ኣወፍዩ።

MWማእከላይ ባሕሪ ሰንጢቖም ማልታ ብምጕሳይ ሓደገኛ ጉዕዞ ዝፈጸሙ ዝበዝሑ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ዝርከቡዎም 250 ስደተኛታት ኣብ ላምፐድሳ ኢጣልያ ከምዝኣተዉ ታይምስ ዝተባህለ ናይ ማልታ ጋዜጣ ሓቢሩ።