Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

The Italian Media Echos the Tragedy of Lamedusa Vistims, While the Barbaric Regime in Eritrea Prepars to Dance on their Grave: “The massacre of October 3 already forgotten Bologna hosts the party of the dictatorship of Eritrea” – Espresso

The Italian Media has started to echo the message of justice The massacre of October 3 already forgotten Bologna hosts the party of the dictatorship of Eritrea Shared nobody noticed that the city, the gold medal of

The Italian Media has started to echo the message of justice

The massacre of October 3 already forgotten Bologna hosts the party of the dictatorship of Eritrea

Shared nobody noticed that the city, the gold medal of the Resistance and the symbol of steadfastness against terrorism, is offering its image in one of the bloodiest regimes of our time

Click on the link to read more in Italian – Espresso

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
8 COMMENTS
  • Haile G. Tensae June 29, 2014

    መልቐስ ንጀነራል ዉጩ!!!!!!!
    ስቕ ኢልካ ዘይሕለፍ ዓቢ ሰብ መይቱ
    ዋላ ንጽለ ኣዮ! ዓቢ ሰብ ነይሩ ኣብ መንግስቱ
    ክንነግረሉ ከምቶም ዝሓለፉ ኣሕዋቱ
    ባህልናዩ ዓቢ ሰብ እንድሕር ሞይቱ
    ራእሲ እኮ እዩ! ነይሮም ኣብ ሰዓቱ
    ተግባሩ! ሕንጊድ ዘይገጥም ሓኽሊ ኣብ ልዓት።

    ወየ!!!! ወየ!!!! ወየ!!!!!!!
    ዉጩ ተባህለ ጎያያይ ዘላላይ!!!!
    ጀነራል ከይዱ እዚ ዝባሃል ዘላላይ
    እንታ ዉጩ ስምካ ጅግና ተቓላሳይ
    ወዲ እዘን ጸላይት! ወዲ እዘን ኢታይ!!!።

    ተባዕ ነይሩ ተወርዋሪ ተጋዳይ
    እሙን ተላኺ ናይ ጎይታኡ! ዝብል ኣያያ!!!!!

    ኣንታ ዉጩ !!!!! ዉጩዶ!!! ዘየበለ
    ኣብ ልዕሊ ጸላኢዶ ዘይደበለ
    ናዶው ክዝበጥ ከሎ ዘመስከረ
    ኣብ ልዕሊ ረሳታት ደርጊ ዝተሰቕለ
    ኣፍዓበት ሰጊሩ ንባጽዕ ነቐለ።

    ታሪኽ ባጽዕ መሪር ክዝከረ!!!
    ናይቀዳማይ ከይ ኣክል ካል ኣይ ዝመረረ!!
    ኣብ ሳሊና ክንደይጂግናወ ዘይሓረረ
    ክንደይ ጂግናሞ! ምስ ጨው ተጸምበረ
    ሳሊና ዝተገብረ ክንደይ ኣሎ ዘይተነግረ
    ክንርስዖ ንፍትን!! ታሪኽ መሪር ካብ ዕረ ዝመረረ
    ኩሉ ገዲፍና ዓለልና ባጽዕ ምስ ተሰገረ።

    ድሕሪ ባጽዕ ነቐለ ንደንከልያ
    ዓሰብ ወደብ ነጻ ክገብራ ከሕውያ
    ኣይጸንሔትን ኣስመራ ተታሕዘት ብዓባያ
    መልእኽቱ ፈጸመ ዓሰብ ነጻ ደንከልያ።

    ዉጩ!!! ዉጩ!!! ተጋዳላይ ጂግና
    ፊደል ከይቖጸረንሜዳ ዘርከበ ቃልስና
    ሃ!! ሁ!! ሂ!!! ኢሉ ዝጀመረ ኣብ ሜዳና
    ተማህረ በብሓደ ከርክብ ንብጾትና
    ክድይብ ኣብ እንግድዓ ሙሁራትና
    ክዓጽድ ኣብ እዋን ሕቶን ርእይቶን! ቃልስና
    መንድዓት ኮይኑ ንምሁራት ተጋደልትና
    ተሓዝለ ኣብ እንግድዓ ጀጋኑና
    ሕጽረቱ ፈሊጡ ኣርኪቡ ሓለፈና
    እናበሉ ይገልጹ ገለ ገለ ብጾትና።

    ኣንታ እዞም ካርነሽም ንዓኻ ወሊዶም
    እዚ ኩሉ ጹሩራ ኣብ መንኮብ ናይ ሓዎም
    ንባሕሪ ገጽኩም ከይትወርዱ ተባሂሎም
    ንባሕሪ! ንፍልፍል! ከይትወርዱ በገዛእ መርየቶም
    ተኸልከሉ መርየቶም! ብዙሓት ደቆም ኣሰዊኦም
    እረ! ናታትኩም መዓርግ እንታይ ክኾኖም።

    ወየ እዞም ሓማስየን ማይ ቛጺሮም
    ኩሉኹም ጀነራላት ኮለነል ብላሽ ኮይኖም
    መርየት እንዳቦኦም ክውሰድ ተታሊሎም
    መሲልዎምደታ!! መንግስቲ ናይ በይኖም።

    ደቂ ሓማሴን ኣሕዋቶም ኣታሊሎም
    ኣይጥዑምን ዝቕኒ ሰብ ጹሩራ ኮይኖኖም
    ዓዲ ንፋስ ሓማሰን ተሸየምቲ በይኖምን
    ሰብተራ ኣለዉ ክመጹዮም የግዳስ! ኣጽንሕሎም።

    ጀነራል ዓንድማይራም ወዲ ኻርነሽም
    ወዲ ድምበዛን ዓንሰባ ወደ ደቂ ተሽም
    ብዓል ፍልፍል! በዓል ባሕሪ ባራ መርየት ገሳስም
    ንዘይ ፈተኻዮ ተብሎ ግስም!!! ግስማ!!! ግስማ!!!።

    ኣንታ ጀነራል በትሪ ናይ ለባማት ኩሎም
    ማሕጸ ጎራሓት ነበርካ ተብሎ ክርትም!! ክርትም!!
    መደልደል ዓራት ዋላ መጺጽ ግጥም!!!!!!!!
    ዝተገብረ ይገበር ኣይንገርን ሕትም! ተግባሮም
    ወዳጀ ዉርዝውና ስጥም ግጥም! ኣመሎም
    ነቓዕ ዘይርከቦ ኩሉ ሕትም!! ሕትም!!።

    ወይ ዉጩ! እዚ ልቡ ዘይዓበየ!
    ኽንደይ ስድራቤት ብኣኻ በኸየ
    ክንደይ ጎበዝ እዎ ብኣኻ ተሳቐየ
    ንኽንደይ በራዉር! ጎራዙ! እወ! ዘየብከየ
    ክንደይ መራዑት ብኽያተን ዛረየ!!!
    ፍትሒ ዘይፈልጥ ህዝቢ ዘብከየ!!
    ንዘዕበይዎን! ንዝመሃርዎን!! ኣብ ጉድጓድ ዘእተየ።

    ዓቢ ጀነራል ናይ ሃገር ኤርትራ
    ብዓል ዓቢ ኮኾብ ብዓል ጹሩራ
    ከይ ዓበየ ከደ ምስ እዚ ኩሉ ጉራ
    ንጭካነ ቢዱ ዝዓተራ! ብኻራ ዝመትራ
    ኣያይ!! ኣያይ!! እናበለ ሓኽሊ ኻራ።

    መኪናኻ ክንደይ መናእሰይ ንሱዳን ኣስጊራ!!!
    ኣንታ ክንደይ ኣብ ጉድጟድ ቀቢራ
    ወዮ ዶላር!! ዛኣከብካዮ መን ይቑጸራ
    ክንደይከ ካሻ! መጸ ካብ ረሻይዳ ሰብ ካራ
    መሳኪን ቖላዑ ልቢ ዘይ ቖጸራ
    ክንዲ ትሕብሕቡ ትሸጥዎም ንሰብ ካራ
    ኣይጽብቑን ታሪኽኩም በብሓደ ይቕበራ።

    ወየን እታይዶ ጸሎተን ኣብጺሔን
    ወዮ ዉጩ! ወደን ምስ ኪዳን ከይዱለን
    ኣብ ቃረዛ ኸሎ ዝስለም ወሊደን
    ዝባኑ ከይተቐልዔ ብዓጀባ ተፋንዩ ወደን
    ታሪክ ወደን ሓተላ ሃገር ምኻኑ ይነገረን!!!!

    ፍትሒ ይንገስ
    ሃይለ ገብረ ትንሳኤ
    ኢንድያናፖሊስ ኢንዳያና
    ሰምየን ኣመሪካ
    2 ማዝያ 2014

  • Haile G. Tensae June 29, 2014

    መጋረጃ ይቀንጠጥ!!!!! 32
    ህውከት እዩ ኣመለይ!!
    ፎርኦን! ናይ ኤርትራ
    ቁምነገር ዘይገብር ጥራሕ ጃህራ!!!!!!

    ህውከት ዝኣመለይ!!!!
    ሰይጣን ባሪኹለይ!!!!!!
    ሕልና ነይብለይ!!!!!!
    መቕዘፍቲ ተግባረይ!!!!

    ዝሓስቦ ዝገብሮ ኩሉ ይሰልጠለይ
    ጨካን ዝመንፈሰይ ስጋ ሰብ ቀለበይ
    ብደም ተጠሚቐ ጋንየን ፈቒዱለይ
    ክቕንጽል ይነብር ዕረፍቲ ዘይብለይ።

    ኣቐዲመ በጺሔዮ ክኸብር ክነብር!!!
    ሚሂረ!! ኣዕብየ!! ከም ከልቢ ዝነብሕ ዝግዕር
    ብዓይኒ ዝላኣኽ ዝደልዮ ዘስምር
    ንቖላሕታ ዓይነይ ኣንቢቡ ዝምስክር
    ዝገብሮ ዝኾነ ምስጢርዩ መስተንክር።

    ክሓስብ ከልኹ ሰራዊተይ ክዕዘብ
    መሪጸ ይቕንጽል ይብሉለይውን ዘብዘብ
    ዝሓትት የለን እንትርፎ ዝዕዘብ
    ቃል እንተ ኣውጺኡ ብኣጋ ይኽተብ
    ብቕልጡፍ ይኣቱ ኣብ ጉድጋድ ይድብደብ።

    ክጅምር ከለኹ ኣቐዲመ ኣጽኒዔ
    ንሕስያ ንኸይገብር ንዓይ ዘቖጥዔ
    ይግርፍ ብጨዓ ዝመረረ ካብ ኣምዔ
    ብኽያት እንተብዝሔ እምብዛ ተነብዔ
    ይድከር ይኽትከት ደም እንዳ ኣጉስዔ
    ዝተረፉ ይለኣኹ ስልጣነይውን ጸንዔ
    ኣዲኡ ትሕዘነሉ ሂወቱ ምስ ኣብቅዔ።

    ኣደ ተጋዳላይ ተዅድዳ ትዘልል
    ኣነ እንተኾነ ንወዳ ይቐትል
    ዝዓበዩ ወዲኤ ዝነኣሱ ይምንክል
    እንተ ንሳሞ ትስዕስዕ ትዘልል።

    ኣቦኡ እንተዅነ ካብኣ ዘይሓይሽ
    ጉራዴኡ ሒዙ ይድብል ይምርሽ
    ንብረቱ ወሲደ ገዛኡ ዝሕምሽሽ
    ምንም ከይሓሰበ! ደጋጊሙ የመጉስ።

    ፈላጣት ዝበሃሉ ብዙሕ ዝተማህሩ
    ብሩሑቕ ክትሪኦም ይመስሉ ዘይድፈሩ
    ቅርብ ኢልካ ክትሰምዖም ዩኾኑ ወኻሩ
    ከይጸዋዕካዮም ባዕላቶም ይኹርኩሩ
    ኣሳማቶ መማህር ዘይሓስቡ ዘይመኽሩ
    ነዚኦም ዝኣምን ኣብ ቑሪ! ምሕዳሩ።

    ዕድለኛ ኮይነ ብዙሕ ተዓዲለ
    መሪጸ ይቕንጽል ገለ ከይበደለ
    ስም ሰብ! የጥፍእ! ንጸላኢ እናሰለለ
    ከም ከልቢ ዝነብሑ ኣኻልባተ ኣዕሲለ
    ኣብ ስደት እንተነበር ካብ ህዝቢ ነጺለ
    ብቂምታን ብቕንእን ኣእምሮይ ሸብሊለ
    እንሆ! ይነብር ዓራተይ ኣደልዲለ።

    ስድራ ቤት ዘሪገ ጥርጠራ! ኣሕዲረ
    እምነት ጠፊኡ! ወላዲ እንተ ኣማረረ
    ፍቑራት ስድራ ቤት! ጽልእን ኣሕዲረ
    ገዛውን ትዓኑ ኣቦን ወድን ኣመሳኺረ
    ዝነበረ ንብረት ይዘርፎ ቆቛጺረ።

    ኣብዚሔ ይኣስር! ደጋጊመ ይገርፍ
    ዝሸምኩዎም! ኩላቶም ንዓዲ ዝዘርፍ
    መኮነናተይ! መንእሰይ ንስደት ዘጉርፍ
    ይሸይጥ ቖላዑ ዶላራት ዝጉድፍ
    ሓለውተይ በዚሖም! ኣነንከ! ዝዓርፍ
    ብሰልም ይሓድር ዝድቕስ ዘንሳፍፍ።

    ቀደም ተመሪቐ ብጋንየን! ብሰይጣን!
    ኩሉ ገቢተዮ ሃብቲ ኮነ ስልጣን።

    ኣነስ ብዙሕ ተዓዲለ ኩሉየ ወኒነ
    ንዓይ መን የርክበኒ ዋላ ዝሓንሓነ
    ዝቐተልኩ እንቐተልኩ ዘይርከቦ ፈዳይ ሕነ
    ጨሪሸ ከጽንታ ደጋጊመ ወሲነ
    ዘይሰምዕ ህዝቢ ገጠመኒ ዋይ ኣነ!
    ዋይ ኣነ!።

    እዚ! ናተይ ዕድል ንዓይ ይገርመኒ
    ኣቡኡ! ቐቲለሉስ ወዱ ይስዕበኒ
    ሓዉ! ቐቲለሉስ ሓው የገልግለኒ
    ሓፍቱ! ቐቲለሉስ መሊሱ ይኽተለኒ
    ሰብኣያ! ቐቲለላስ ንዓይ ትስዕመኒ
    ወዳ! ቐቲለላስ ኣዲኡ ትሓቑፈኒ።

    ዝኣሰርኩ እንተ ኣሰርኩ ምስጋና ይበዝሓኒ
    ኣብዜሔ ምስ ዝቐትል እምብዛ ይጠብቁኒ
    የጥምየዮም! ዕድመኻ የንውሓዮ ይብሉኒ
    በላዕ ሰብ! ምዃነይ ብዙሕ ጠቐመኒ።

    ሃገር ገይረያ ሓዳር ኣልቦ
    ቆላዑ ይዓብዩ ብዘይ ኣቦ
    ማንም ኣይሃቦን ኣቓልቦ
    ማእምናት ኣብዚሔ ወርቂ ዘቦ
    ክሕነና ዝውዕላ ስራሕ ኣልቦ
    ፍሽኽታይ! ንልበን ይሰልቦ
    ኣቐዲመ ፈሊጠዮ ብዓንተቦ።

    ኣብ ህውከት የንብሮም ሰላም ይህቡኒ
    ሸቐልቐል! ኣቢለ ንዓይ ይርህወኒ።
    ሰብ ! ኣይኮንኩን ጋንየን ወሊዱኒ።

    ጥ ነጋንንቲ ማፍያ ህግደፍ
    መብረስትን! መጥፋእቲ ህዝቢ ኤርትራ!!!

    ሰላም ንደለይቲ ፍትሒ!!!!!!!
    ሃይለ ገብረትንሳኤ
    ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና
    9 ሰነ 2014

  • Haile G. Tensae June 29, 2014

    ሓወይ ኣበይ ኣሎ!!!!!!!!
    ንዓይ ጠፊኡኒ ኣሎ!!!
    ሓፍተይ ኣበይ ኣላ!
    ጠፊኣትኒ ተሸሪባላ!!!

    ኣበይ ኣሎ ሓወይ!!!!! ኣንታ ንገሩኒ!!!
    ኣበይ ኣላ! እዛ! ሓፍተይ በጃኹም ኣዳልዩኒ!!!
    እዚ ሓውይ እዚ ምቃል ጎነይ
    እዛ ሓፍተይ እዛ ጽላል ዓይነይ!!!
    ብጀካኣ!! ኣባዲ ዘይብለይ!!!!
    ትራኣየኒ ኣብዛ!! ቕድሚ ዓይነይ።

    እንኪ ዓቢ ዘራይ ዝኾነነልይ
    እንኪ ዘልል ኣጆኻ ዝብለለይ
    ኣበይ ከደ እዚ ሓወይ ናተይ
    ጠፊኡኒ ሓወይ ድለዩለይ
    ጸገመይ! ሕሰመይ!! ሕዝቢ! ፍለጠለይ።

    እዚ ሓወይ ዓቢ ናይ ገዛና
    ኣቐዲሙ ከይዱ ራሕሪሑና
    ኢሎምኒ! ከይዱ ነጻነት ከምጽኣልና
    ኣይተመልሰን ቁሪ ኣእትዩልና
    ምስከደሞ ምዓስሞ ጥዒሙና።

    እታ ሓፍተይ ዝነበረት ጎርዞ
    ንመርዓኣ እናተባህለ!!! ኣምጻኣዮ! ሓዞ ሓዞ!!!
    ንበረኻ ከደት ወሰኸትሉ ንቓልሲ ጉዕዞ
    ንስድራ ኮነ! ንዓድና ኣፍዘዞ
    ነጻነት መጺኡ! ተፈጸመ ሃገራዊ ጉዕዞ።

    ገረመኒ እቶም ዘይተመልሱ
    ፈቐድኡ ሓሊፎ ጎቦ እናጠሓሱ
    ዓስቢ ዘይርክርቦ ንብላሽ ፈለሱ
    ወልዲ ስዉኣት ምንም ዘይተኻሕሱ
    ኣብ ክንዲ ደበሶም ሰዓቡ ዝነኣሱ
    ቅዱምን ድሑርን ኣሕዋተይ ዘይተመልሱ
    ወዶም!! ጟሎም!! ዱር ዝጣሕሰሱ
    በብሓደ ገዛና ፈሪሱ ።

    ዝተመልሰ ሓወይ!!! ኣሎ ኣብቲ ዒራዒሮ
    ማእሰርቱሞ! ኣብ ዓለም ዘተይገበሮ
    ብማእሰርቲ ደንዚዙ ኣጥፊኡ ኣእምሮ
    ናህና ሓዘን ክንደይ ኢልካ ክትይቑጸሮ።

    ከይዱ ሓወይ ዱር ቀሳቂሱ
    ብመረብ ሰገረ ዉሕጅውን ጥሒሱ
    ቀጸለ መገሻ! ብረሻይዳ ተሓቢሱ
    ዶልር ብምስኣኑ ከብዱ ተፈሪሱ
    ኣብ ኩርቢት ሲናይ!!! ኣሕዋተይ ፈለሱ
    ንወለዲ መንከ ኢዩ ደቢሱ
    ሓዘን ናይ ገዛና ደጊሙ ተሓዲሱ
    ወግሔ ጸብሔ ጸሊም ናብራ ንሱ!!!!
    ዉላድ የለን ንንብዕት ዝሕብሱ።

    ሓወይ ከይዱ ሰሃራ ሰጊሩ
    ልብያ ኣትዩ ኣብኡ ተኣሲሩ
    ብኽንደይ መከራ ኤውርጳ ተሳጊሩ
    ናብራ ስደት ከርተዩ ሓዳሩ
    እቲ ሓደ ኣብ ባሕሪ ሓዲሩ
    ሓወይ ጠፊኡኒ! ዓሳከ!!!! ተደረሩ።

    ዝተረፈ ኣይተቐብረን! ኣብ ሳዱቕ’ዩ ገና
    ንዘይፈለጠ ኣብ ላምፓዱሱ ኢልኩም ንገሩልና
    ኣይረኸበን ባይታ ናይ ሃገርና
    ኣሕዋተይ ኮይኑ መቕብሮም ኣብ ጋህሲና።

    ተሓቲተ ብናይ ሎሚ ሃዋርያት!!!!!!!!
    ምስ ጨነቖም ናይ ሓወይ ኩነታት!!!!!
    ኣበይ ኣትዩ ሓውካ??? ዚኹሉ ዓመታት?????
    ሓቢኤዮ ንኸይዛረብ እዝኹሉ ዘበናት
    ናይ ሓወይ ሓቢኤ!!ሳዕሲዔ ንብዙሕ መዓልታት!!!
    ገልን ከይገብር!!! ንበይነይ ኣብዛ ብኽያት
    ይኣኽለኒ! ተሓቲተ!! ክድሕድሖ እቲ ኣውያት!!!
    ክወጽእ ንደገ! ኬኢዊ ኣብ ቕርዓት
    ዓቢ ምስ ንእሽቶ ኩሉኹም ኣቦታት!!
    ተሰዊሩ ሓወይ!!! ድለዩ ፈቀዶ ዓድታት!!!
    ሲኢነዮ ሓወይ ንነዊሕ ዓመታት።

    “ሓውኻ ዘይብሉ ኣይዓድኻን!!!!!!!!
    ዓርክኻ ዘይብሉ ኣይጟይላኻን
    ላሕምኻ ዘይብሉ ኣይደምበኻን
    ጥሻኻ ዘይብሉ ኣይ ዓድኻን
    ብሕጊ ዘይምራሕ ኣይስርዓትካን
    ኣጽቂጥካ ምንባር ኣይጸንሓካን
    ድለዮ! ንሓውኻ ኣብ ዓድን! ኣብ በረኻን!
    ኣማኒ ካብ ኮንካ! ጥልመት ኣይናትካን
    ዓደቦና ኮይና ወላድ መኻን”።

    እቲ ሰይጥን! ሓወይ!! ሃገርና ኣንዲዱ!!!!!
    ዝነገሰ ሓወይ!! እምብዛ ዓቢዱ
    በርኻ ምስከደ ብዙሕ እዩ ሰዊዱ
    ተቐይሩ እምብዛ መንጉዱ
    ዓድና ኣብረሶ! ኣሲሩ ቐፊዱ
    ሕጊ ንኸይገብር! እምቢሉ ሓንጊዱ
    ኣጥመየና ክንመውት ኣፍቂዱ
    ንዝሓትት ሓንቂቕካ! እናበለ ኣቢዱ
    ዓለም ገሪምዋ ናይዚ ጭካነስ ገዲዱ
    ንሕስያ ዘይብሉ ንህዝቢ ኣንዲዱ
    ንመንእሰይ ኣብ ሓዊ ኣጚዱ
    ህዝብና ኣደንቖሮ ብጓይላ ኣዕቢዱ
    ክነብር ኣብ ከርተት ንስደት ኣስዲዱ
    ኣብ ዓዲ ዝነብር! ብፍርሒ ቐይዱ
    ሃገርና ኣጽነታ ጋንየን ተወሊዱ።

    ዉድቀት ንማፍያ ህግደፍ
    ዓወት ንደለይቲ ፍትሒ!!!!!
    ሃይለ ገብረትንሳኤ
    ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና 29 ሰነ 2014

  • Smerrrrrrrr June 29, 2014

    Guys let those people dance, I mean they are just party animals and no matter what we do they will still come and dance. I think instead of going after their bologna festival we should go after the government in Asmara. Those so call supporters are our brothers and sisters and they know what we know about the government so by going after them we are not telling them anything but wasting our time and pushing them to more of what they are doing. I might be wrong but that’s how I see it

  • bekhit June 30, 2014

    ሓውና ሃይለ፥
    እቲ ብዛዕባ ውጩ ዘልቀስካዮ ንዓኻ ዝምልከት ውልቃዊ ርእይቶኻ’ዩ። እቲ ንውጩን ንሓማሴንን ኣተኣሳሲርካ ዝበልካዮ መልእኽቲ ግን ንብዙሕ ሰብ ስለ ዝትንክፍ ኣይግድን። ኣብ ሓንቲ ካብ መስመራትካ ”ይመጹ ኣለዉ ሰብ ታራ” ኢልካ ‘መስለኒ። ብኣጠማምታኻ እዚ መንግስቲ (ህግደፍ) ፥ መንግስቲ ሓማሴን’ዩ ። ብበደል ናይዚ ስርዓት’ዚ ድማ ኩሉ ክፋላት ሓማሴን (ደምበዛን፥ ካርነሽም፥ ደቀ-ተሽም፥ዓንሰባን ካልእን) ተሓታቲ ጌርካዮ ኣለኻ። ስለዚ እቲ በዓል ሃይለ ተቓሊሶም ዘምጽእዎ ስርዓት ነዞም ዝጠቐስካዮም ህዝቢ ዝግልል’ዩ ዝኸውን ዘሎ። ስለዚ መንግስቲ በዓል ሃይለ ምስ ዝመጽእ ነዚ ሕጂ ንነብሮ ዘለና ዕጽፊ ጌሩ ንከም በዓል ሓማሴን ዝረግጽ እንተዳኣ ኮይኑ ጸቢብን ክመጽእ ዘይብሉን ዩ። ትቃለስ እንተኮንካ ንኩሉ ኤርትራዊ ዘዕግብ መንግስቲ ኣብ ምትካል ተቃለስ። እንተዘይኮይኑ ንሓማሴን ዶ ንሰራየ ዝግልል መንግስቲ ኣብ ኣስመራ ክትተክል እንተዳኣኮይንካ ትሓስብ ዘለኻ ሕልሚ ደርሆ ምኻኑ ጥራይ ፍለጥ።

  • Dani June 30, 2014

    F u hassusat and weyane

  • wolde June 30, 2014

    ህግደፋውያን,
    ኣብ ቦሎኛ, ሓደራኹም እዛ ትስዕብ ደርፊ ድረፉለይ።

    „ዓሳታት ናይ ባሕሪ ፌስታኹም ኣኽብሩ
    ሳላ ጀነራላትና ደቅና ተደረሩ።“

    እዛ ትስዕብ ደርፊ

    „ዓሳታት ናይ ባሕሪ ፌስታኹም ኣኽብሩ
    ሳላ ሰራዊትና ዘማች ተደረሩ።“

    1977 ከተማ ባጽዕ ክትትሓዝ ከላ
    ንዝሞቱ ሬሳታት ኢትዮጵያ ተደሪፋትሎም።
    !!! ግፍዒ !!! ግፍዒ !!! ግፍዒ !!!
    ንሬሳታት ኤርትራውያን እኳዋ ሽዑ ግዜ እውን ብሳዕሳዒት ኢና ነፋንዎም ነይርና።

  • Haile G. Tensae July 1, 2014

    ክቡር በኺት
    መጀመርያ ሰላምታ የቕርበልካ። ኣብ ንጀነራል ዉጩ፡ ዝተለቅሰ መልቀስ፡ ዘንበብካዮ ስክፍታኻ ብምግላጽካ ከመስግነካ ይፈቱ። ደጊመ ደጊምካ ከተንብቦ እቲ መልቀስ ይምሕጸነካ። ቀጽሊ፡ ከረጋግጸልካ ዝደሊ፡ እዞም ኩሎም መኳንንቲ ኤርትራ ብትውልዶም፡ ምንም እኳ ካብ ኣውራጃ ሓማሴን ይኹንምበር፡ ንህዝቢ ሓማሴ ግና መንድዓት፡ ኮይኖሞም ከምዘለዎ ክትርዳኣኒ ይደሊ። ኣብ ኤርትራ ፍትሕን ስርዓት ከቕርቡ ኣይከኣሉን እሞ፡ ህዝቢ ይቃለስ ኣሎ። “ወዲ ላምና ከብቅዕ እዩ።” ንብዙሓት ጨኩንካ ንነዊሕ ግዜ፡ ክንበር ኣይከኣልን እዩ።
    እቶም” ሰብ ተራ፡ ሕግን ስርዓት ዝሕልዉ፡ ንፍትሒ ዘገልግሉ፡ ንኹሉ ኤርትራዊ ብሕጊ፡ ዘገልግሉ፡ ብወገንይ ወገንካ ዘይክተሉ፡ ካብ ኩሉ ብሄራት፡ ዓልየታት፡ ኣውራጃታት፡ እምነታት፡ ሚዛን ዝሓለወ፡ ንኹሉ ዘጽልል፡ ስርዓት ዝኽተሉ እዮም ክኾኑ ዘለዎም’። እዚ ዘሎ ስርዓት ስርዓት ኣይኮነን ማፍያ ናይ ሸፋቱ ስርዓት እዩ። እናፈለጡ፡ ዝተማህሩን ዘይተማህሩ ብወዲ ላምና የገልግሉ ንዘለዉ ግና ናይ ገበን ገበን እዩ።
    እንተ ኣነ ኩሉ ኤርትራዊ ብሕግን ብስርዓትን ተካባቢሩ ዝነብራላ ኤርትራ ንክትህሉ ዕድመይ ምሉእ ኣብ ቃለሲ ከምዘለኹ ከበስረካ ይፈቱ። እዚ ናይ ሕጂ ስርዓት ኣብ መርየት ኤርትራ፡ ንዉሉድ ወለዶ ክሕሰብ ከምዘይብሉ እየ ዝጽዕር።
    እዚ ናይ ሕጂ ስርዓት፡ ደቁ ዝሸይጥ፡ ደቁ ዝቐትል፡ ብደቁ ዘይርሕርሕ ምኻኑ ግና ክበርህ ኣለዎ። ናይ ሸፋት ሽርዓት እዩ። ወዲ ላም እዩ ንዝብል ግና፡ ተሓባብሪ ናይ ሽፍታ ከም ዝኾነ ክበርህ ኣለዎ።
    ህዝቢ ሓማስየን፡ ኣይተጠቕሙን፡ እንተኾነ፡ “ወድላምና፡ ወይስ መንግስትና” ዝብል ግን ካብ ሓልፍነት ኣይከመልጥን እዩ።
    ሓውካ
    ሃይለ

POST A COMMENT