Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

VOICE OF ASSENNA: ምምሓው ያታዊት ስድራቤትን ሓደጋ ንቐጻልነት ኤርትራን – by Dr Gebre Gebremariam – Part 4

https://www.youtube.com/watch?v=1fI2GFPT94s&feature=youtu.be

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Hagos May 29, 2018

    ክብረት ይሃበልና ፤ የቐንየልና ።
    ነዚ ዝመስል ታሪኽ ባህልን ውርሻን እንከለናስ ነቲ ናትና ከይኽበርና ነቲ ናይ ባዕዲ እነማዕዱስ እንታይ ዓይነት በሃማት ኮን ኢና?
    ነቲ ናትና ፈንፊና ናይ እንዳማትና ተኻሪና እንታይ ዓይነት ሃገር ክንምስረት ንኽእል ?

  • KW.georgis May 31, 2018

    ናይ በረኸታታትን ተስፋጼናትን ሃተፍተፍ

    ብውኔኹም ዘይትሓስቡ ኣብ ክንዲ ምሕላም፣
    ብሓቂነት ዘይትገጥሙ ኣብ ክንዲ ምህዳም
    እሙናት ዘይትኾኑ ኣብ ክንዲ ምጥላም።

    ጎበጥቲ ወጺኦም ምስተኣወጀ ነጻነት፣
    ኤርትራ ፍሑኽ ከይበለት እግራ ከይተኸለት፣
    እንተስ ብሕመቕና እንተስ ብውዲታት፣
    ኣይመጸን እቲ ባህጊ ናይ ህዝብና ድሌት፣
    ሃገራዊ ህንጸት ናይ መሬትና ልምዓት፣
    ቁጠባዊ ሕንጻጽ ንሃገርና ዕብየት፣
    ሓንቲ ኣይተገብረን ተመሊስና ድሕሪ።

    ኣብ ክንዲ ነብዝሕ ሕርሻዊ ማእቶት፣
    ንዝነበረ ኣማዕቢልና ብሓዲሽ ጥበባት፣
    ብዘበናዊ ኢንዱስትሪታት ሰፊሕ ሕርሻታት፣
    ካብኡ ብምቕጻል ዕብየት ፋብሪካታት፣
    እቶትና ምዝያድ፣ ብብዝሒ ብዓይነት፣
    ምስ ዓለም ምዝማድ፣ ብንግድታት፣
    ንናይ ገንዘብ ሕጽረት ብምሕታት ልቓሓት፣
    ንሰብ ሃብቲ ብምኽፋት ዕድላት፣
    ዝጎድል ዓቕሚ ብምምሃር ጥበባት፣
    ምእንቲ ክንጥቀመሉ ዘለና ጸጋታት፣
    በዚ ግና ኣይተበገስናን ጎዲሉ ራኢታት፣
    ክዉን ኣይኮነን ናይ ህዝብና ትምኒት፣
    ሃለው ለው በዚሑ ውሒዱ ራኢታት።

    ኣብ ምጅማር ከላ እያ ሃገአርና ዝተኾልፈት፣
    ምዉት ዝተወልደ ህጻን ዝመሰለት፣
    ዘይተጸበየቶ ሕማቕ ዝረኸበት፣
    ኣደ ብሕምምታ ደቃ ኣብ ሳዕሲዒት፣
    ዋላ እንዳሞተት፣ ኩሉሻዕ ሳዕስዒት፣
    ኣደ እንዳተቐንዘወት ደቃ ኣብ ሳዕስዒት፣
    ኣስመራ ብምኻድ ኩሉሻዕ ሳዕስዒት፣
    ኣብ ክንዲ ንሓስብ፣ ብምዕቡል ራኢታት፣
    ባዓል ኣይግዱ ኢና ኔርና፣ ብሓቂ ጸማማት፣
    ድርኺት ኣይገበርናን፣ ሓሳባት ኣይሃብናን ነቲ ዘሎ ስርዓት፣
    ኣስመራ ንኸይድ ጥራሕ ንኽንድሰት፣
    ዓለም እንዳኸፍአትስ ኩሉ ሻህዕ ሕጉሳት፣
    ሕጂ ኣይኮነን ኣውያት፣ ብኽያት፣
    ንዝገበርናዮ ጉድለታት ጌጋታት፣
    መምሃሪ ንግበሮ፣ ዝተገብረ ጌጋታት፣
    ሓሳብና ነጽፍፎ ንጠምት ንቕድሚት
    ኣብ ልዝብ ንእቶ፣ ሓሳብ ንለዋወጥ፣ ልቦናታት፣
    ንሕጂ መዚንና፣ ንቕድሚት ንጠምንት።

    ሕጂ ድማ ገደደ ብስመ ምሁራት፣
    ቁም ነገር ገዲፎም ጽውጽዋያት፣
    ይዛረቡ ኣለዉ፣ ሃለውልዋት
    ቃላት ኣጠቂዮም ፈልሰፋታት፣
    ናይ መጻኢ ልቢወለድ፣ ጽውጽዋይ ንቕድሚት፣
    ኣብ ጭቡጥ ዘይምርኮስ፣ ኣብ ባይታ ዘይብሉ መሰረት፣
    ምቐጸልታ ልብወለድ ናይ ኣምሓራ ነገስታት፣
    ሓንጎሎም ዝሓጸበ ከለዉ ቆዑት፣
    የውጽእዎ ኣለዉ ናቶም ትምኒት፣
    ኣየ ኣያ ተስፋጼን፣ ኣየ ኣቦይ በረኸት፣
    ንዕኡ እንዳለፍለፉ ይሃድሙ ንቕድሚት፣
    የላግጹ ኣለው ብስም ምሁርነት፣
    ንኸደናግሩ፣ ንዓያሹ፣ ንገርህታት።

    ገሊኦም ዘይዋሓጠሎም ናይ ኤርትራ ሃገርነት፣
    ሃገራውያን ዝመሰሉ ምስተደልዩ ብሂወት፣
    ንውድባት ዝፈረዱ፣ ብሃይማኖት፣
    ከምቶም ናይ ሃይለስላሴ ፈላስፋታት፣
    ፍርዶም ዘሕለፉ፣ ናብባዓል ዳን ኮኔል ይኹን ናብ ጋዜጠኛታት፣
    ምሁራት ሕጊ የሕሊፎም ፖሊቲካዊ ፍርድታት፣
    ንጀብሃ ፈሪዶማ፣ ብኣስላመይቲ፣ ዘይሃገራዊት፣
    ንህባዊ ሓይልታት ዓዲሎማ ፍጹም ዲሞክራሲያውነት፣
    ካብዚ ዝዓቢ እንታይ ኣሎ፣ ድንቁርና ወይ ዕሽነት፣
    ባዓል ዶክተር በረኸት ናይ ሕጊ ምሁራት፣
    ንዓባይ ኢትዮጵያ ንኽርእዩ ክምህለሉ ዝሓድሩ ቅድሚ ሞት።

    ገሊኦም ድማ ብስነሓሳብ ናይ ዓለም ለኸነት፣
    ብናይ ሸቃሎ ምልኪ ምሕዝነት፣
    ይሰብኩና ኣለዉ ንኣንድነት፣
    መበገስ ምዕባሌ ኣቆናጺቦም ንኤርትራዊ ሃገርነት።

    ክልቲኦም ግን ሓደ እዮም ብናይ ሃገር ጥልመት፣
    ብየማንነት ይምጽኡ ብጸጋምነት፣
    ስሞም ንምዕባይ ዩ ብናይ ኢትዮጵያ ምሁራት፣
    ኣየ ክባሃሉ፣ ክረኽቡ ናእዳታት፣
    ቀበዝበዝ ባሃልቲ፣ ስራሕ ኣመንዝራታት፣
    ደረት ዝሓለፈ ቅጥፈታት በለጻት።

    ሕጂ ዝላዓል ኣይኮነን መዛረቢ ኣርእስትታት፣
    ግና ፈሊጦም ኣልዒሎሞ፣ ዓጀው ንኽንብል፣ ንኽንህውትት፣
    ኮንፈደረሽን ዶ ፈደረሽን ኣይኮነን ዘረባና ሎሚ፣ ዘበት።

    ኤርትራ ከም ሃገር ከመይ ኣላ፣ ከመይ ትኹን፣
    ህዝባ ከመይ ኣሎ፣ ከመይ ይኩን፣
    መንግስታ ከመይ ኣሎ ከመይ ይኩን፣
    ቁጠባኣ ከመይ ኣሎ፣ ከመይ ይኹን፣
    ዝብሉ ዓበይቲ ኣርእስትታት ናይዚ ሕጂ እዋን፣
    እንተዘልዕሉ ነይሮም፣ ምማሃሩን፣ ጠቓሚ ምኾነን።

    ግና ንሳቶም፣ ምእንቲ ብሓለምቲ ዓባይ ኢትዮጵያ ክላዓል ኣስማቶም፣
    ብ ኢ ህ ኣ ፓ፣ ብመ ኤ ሶ ን ክላዓል ዝኖኦም፣
    ትምኒቶም ለፍሊፎም፣ ሓቅታት ገዲፎም፣
    ብሃይለስላሴነት ዝሓጽበ ሓንጎሎም፣
    ቆልዑት ከለዉ ብናኣሽቶኦም።

    እታ ኢትዮጵያ ዝብሉዋ እንታይ ኣላ፣ እንታይ እያ ክትከውን፣
    ክትቅጽል ድያ፣ ወይስ ክትብተን፣
    ኣብ ዘረባኦም ኣይነበረን ኣየገደሶምን፣
    ብዙሕ ዘዛረቦምን ሃለውለው ዘበሎምን፣
    አርትራን ኢትዮጵያን ተፋቲሐን እየን ግና ኣይተፈላለያን
    ተፈላልየን እባ ግና ኣይተፋታሓን፣
    ሕንቅል ሕንቅሊተይን ቋንቋ ስግንጢርን።

    ኮንፈደርሽን ዝብሉዎ ናይ መዩ ክኸውን፣
    ናይ ስልጡናት ሰባት፣ ወይስ ናይ ዓጋዜንን ኣንበሳን፣
    ናይ ምዕቡል ህዝብታት ወይስ ናይ በጊዕንን ዝብእን፣
    ናይ ብሕግን ዲሞክራስን ዝማሓደሩ ህዝብታት፣ ወይስ ናይ ወረርትን ሸፋቱን።

    ተሞክሮ ኣሎና ዘበን ፈደረሽን፣
    ዘበነ ዓመጽቲ፣ ሰረቕትን ጎበጥትን፣
    እንታይ ኣምጾኦ ሕጂ ኮንፈደረሽን ዶ ፈደረሽን፣
    እዚ ጉዳይ ዚ ሕጂ ኣይዝረብን፣
    ቅድሚኡ ሎ ስራሕ ኣለና ብዙሕን ከቢድን፣
    ነብስኻ ንምስራዕ፣ ከም ህዝብን ሃገርን፣
    ብትግሃት ክትሰርሕ ንምዕባለን ስልጣኔን፣
    ድሕሪኡ ንርእዮ ኮንፈደረሽንን ጥቕሙን፣
    ሕጂ ኣብኡ የለናን ኣይእዋኑን፣
    ሃተፍተፍ ግደፉ፣ ዶክቶራት በረኸትን ተስፋጼንን።

    ይቕጽል

POST A COMMENT