Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

VOICE OF ASSENNA: ምዕጻው ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን – ምቛም ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ – ሃገራዊ መንነት , Wed, Dec 26, 2018

https://www.youtube.com/watch?v=f_0zdfX31Gw&feature=youtu.be

aseye.asena@gmail.com

Review overview
20 COMMENTS
  • Danny December 28, 2018

    Bla bla bla bla bla bla bla bla bla propaganda tools off weyane tigrayonlin

  • Danny December 28, 2018

    You need to shut fuck up hassusat weyane propaganda tools tigrayonlin

  • Danny December 28, 2018

    Hassusat

  • Geladios December 28, 2018

    1/ ምስጋና ንኣሰና ሜድያ እትገብርዎ ዘለኹም ዘይሕለል ጻዕሪ ኣብ ጎኒ ቓልሲ ውጹዕ ህዝብኹም ብጽንዓት ተግልግሉ ብምህላውኩ ኣገናዕ እብለኩም። 2/ እዛ ሓብትና ኤደን ኢያሱ ካልኦትን እኹል ንቕሓት ዝውንኑ ኣብ እዝኒ ህዝቢ እንዳኣቕረብኩም ትፍንውዎቃለ ምሕተታትን መግልጺታትን ኣዝዩ ዝናድ እዩ። በዚ ኣጋጣሚዚ ንኤደን ኢያሱ ንኡድ ዓቕሚ ብምናና ብልቢ እመስግና ካልኦትውን ካብቲ እተሓብእሉ ባዓቲ እንዳፈተሽኩም በቲ ዝርድእና ቃንቃ ህዝብና ኣብ ምንቕቃሕ ዓቢ ተራ ስለ ዘለውንን ዘለዎምን ብዘይሕለል ብቐጻሊ ከተቕርቡልና እላቦ። በዚ ኣጋጣሚዚ ንኤደን ኢያሱ ተዓወቲ ቀጽልዮ ክብላ ፍቐዱለይ ናብርክቶኺ ንምስግን ከማኺ ይብዛሓ እብላ። 3/ ብዝዕባ ሓይሊ ብሕሪ ክልተ ጀነራላት ብፍላይ ጀኔራል ኣብ ጊዜ ወያናዋይ ቀልሲ ላዕላአዋይ ምራሒ ነቲ ነዊሕ ጊዜ ኣሚኑ እተቃለኣስሉ ብዝዕባ መትከላዊ መስመር ውያኔ ኣብ ኩናት ካብ ምንባር ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ልዕላውነት ኣሚኖም ዝተቓለሱ ኢልና ክንኣምኖም ዝጸናሕና፡በዚ ተፈጢሩ ዘሎ ናይ ለውጢ ሂደት ኢትዮጵያ ኣእምርኦም ዝተናወጹ፡ ካብ ማእሰርቲ ክድሕኑ ክብሉ ነቲ ዘላቒ መትካእታ ዘይብሉ ሕቶን ልዕላውነት ህዝቢ ኤርትራ በቶም ናይ ኣምሓራ ተርፍ መረፍ መስፍንቲ ብእታት ብዝፍንዎ ጃህራን ጉራን ሓሊ ብሕሪ ኢትዮጵያ ንኸይ ህልዋ ዝወስድናዮ ውሳኔ ጊጋ እዩ ነይሩ ክብል ዓቢ ክሕደት እዩ። ኣብ ናይ መን ባሕሪ ዓሳዶ ይነብር እዩ ብዘይ ብሓሪ ባሕሪ ሓይሊ ብዘይ ባሕሪክ ይክኣል ድዩ? ጀኔራል ክሳብ ሕጂ ዓቢ ጌጋ ኣይስማዕናልኩምን ሕጂ ግን ዘርጢጥኩም ብዝያዳ ባሕሪ ሓይልኹም ኣበን ከመይን ግልጽልና ንብሎም።
    መን ኣምጺእዎ፡ ከመይ ተላዒሉ ንምንታይ ዕላማ ዝብል ብዘይገድስ ሃንጎፋይ ኢለ እየ ዝቕበሎ ማለት እኹልን ምኽኑዩን ኣይኮነን ተጋጊኹም ገበን ስለ እንተዘይ ኣሊኩም ዓቢ ኣይእረኩምን እዩ ምስ ጊዜ ክትማሳሰል ክትብል ግን ባሕርያት ወያናይ ኣይኮነን እሞ ዳግመ ርኢቶ ወይ ብቕዕ ምኽንያት እንትእንኤዎም ፈይ ኣብሉልና ክብሎ እደፈር። ftHi ynges mlki yfres

  • keshi mars December 28, 2018

    ሰላማት ኣሰና

    ሃገራዊ መንነት ካብቲ ስነ ምግባር ዝውለድ ኮይኑ፤ ከም ርዲኢተይ ኪኖ ባህርን ጠባይን በሪኹ ወይ ልዒሉ ዝርከብ ስብእና ዝተላበሰ ስነ ምግባር`ዩ።

    ሃገራዊ መንነት፦
    ኣብ መስርሕ ጉዕዞ ናይ ሓደ ሃገር፡ ካብቶም ብግቡኡ ተኣልዮም፡ ምስ ጊዜ ብዘገምታዊ ውህደት፡ ክምዕብሉ ዘለዎም ስሚዒታት፡ ወይ ዘይጭበጡ ግን ከኣ ከም ዓቢ ሃገራዊ ርእሰ – ማል (Social Capital) ዝራኣዩ ሃገራዊ ባእታታት (Asset) ኣብ ቀዳማይ ቦታ ዝሕዝ፡ ሃገራዊ መንነት`ዩ።
    ሃገራዊ መንነት፡ ካብ ደረጃ ስነ ሓሳብ ዓብዩ፡ ናብቲ ናይ ማዓልታዊ መዛረቢ ዛዕባ፡ ቦቱኡ ምስ ሓዘ ወይ ምስ ተሰጋገረ፡ ኣብቲ ህዝቢ ዝውለድ ስሚዒት ሃገራውነት`ዩ። ሃገራዊ መንነት፡ ከምቲ ዝግባእ እንድሕር ማዕቢሉ፡ ነቲ ዝድለ ሰላምን ራህዋን ንምውሓስ፡ ካብኡ ሓሊፉ`ውን ቁልጡፍ ሃገራዊ ቁጠባዊ ግስጋሰ ንምርግጋጽ የኽእል።
    ምኽኒያቱ ሃገራዊ መንነት፡ ኣብ ነብስ ወከፍ ዜጋ፡ ኣብ ውሽጡ ዝዓቢ ወይ ዝዓኩኽ፡ ስምዒት ውክልና ስለዝኾነ፤ ኣነ ኣካል ናይዚ ህዝቢ፤ ወዲ ወይ ጓል እዛ መሬት`የ፡ እዛ ሃገር`የ፤ ዘብል ተጣባቂ ወይ ተወካሊ መንፈስ ስለ ዝኾነ።
    ሃገራዊ መንነት፡ ስምዒት ከም ምዃኑ መጠን፡ ዉህሉልን ድምርን ዝተፈላለዩ ተመኩሮታት ዝወለዶ፡ ድልየታት ናይቲ ህዝቢ ኪኖ ባህርን ጠባይን ዝርከብ ስብእና ዝሓዘ ኮይኑ፡ ኣብ ውጽኢቱ ክረአ ከሎ ግን፡ ካብቲ ድምር ብዝተዓጻጸፈ ዝደለበ ጉልበት ተዋህዶ (ምጽንባር) ዘለዎ መድረኽ ዝፈጥር፡ ኣገዳሲ ሃገራዊ ባእታ (Asset) ወይ ርእሰ-ማል (Capital) እዩ።
    ሃገራዊ ስምዒት ክውላዕ፤ ክደምቅ፤ ክሃስስ፤ ክጠፍእ`ውን፤ ዝኽእል ዘይጭበጥ ግን ከኣ ክሓቁፍን፤ ክጥርንፍን፤ ክፍንጥሕን፤ ክብትንን፤ ዘኽእል ሓይሊ ዘለዎ ስዉር ኣካል`ዩ።
    • ብኸመይ ይምዕብል፧
    • ኣዮኖት ረቋሒታት ከ ይጸልዎ፧
    ክንፍትሾ ድማ ዋዓል ሕደር ዘየድልዮ እዋናዊ መዛረቢ ዛዕባ ክኸውን ይግቦኦ።
    ንኣፈጣጥራ ስሚዒት፡ ብዓቢኡ ነቶም ኣብ ዓውደ ስነ ልቦና ዝመራመሩ ዝግደፍ ኣምር – ነጥቢ ሓሳብ እኳ ተኾነ ሃገራዊ መንነት ግን ብመሰረቱ ኣነ ኣብዛ ሃገር እዛ ሃገር ድማ ኣባይ ትውከል ዝወልዶ መንፈስ ናይ ውክልና ሕቶ`ዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ከምቲ ኣብ ሓደ ማሕበር ክትውከል፡ ብቀንዱ ናትካ ድልየት ዘንቀሎ ወይ ዝደረኾ ክኸውን ዘለዎ፡ ኣብ ሓደ ሃገር ምጥርናፍ`ውን ከምኡ ክኸውን ምተገበአ፡ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ህላወ እዛ ሃገር መሰረቱ፡ ካብቲ ሕላገት መግዛእቲ ስለ ዝኾነ ግን፡ ድልየት ናይቲ ህዝቢ ዘንቀሎ ውህደት ወይ ማሕበርነት ኣይነበረን።
    ኣበጋግስኡ ብዘየገድስ፡ እቲ ምጥርናፍ ወይ ማሕበርነት ሲ ኣብቲ መንፈስ እቲ ህዝቢ ተወሊዱ`ዩ። ካብ ኩሉ ኩርናዓት፤ ሃይማኖታት፤ ጾታ፤ ዕድመን፡ ደርብታት ዘሳተፈ ሃገራዊ ቃልሲ ናጽነት፤ ቃልሲ ሓፋሽ ምንባሩ ዘመስከረ ኣብ 1993 ዝተገብረ ረፈረንደም – ቴስዓን ትሻዓተን ነጥቢ ሸሞንተ ካብ ሚኢቲ (99.8%) እወ ንናጽነት ብምድማጽ ምስ ደገሞ`ዩ። ምስ ኩሉ ሕጽረታቱ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ተፈጢሩ ዘሎ ክውንነት – ኤርትራ ከም ልዑላዊት (Sovereign) ሃገር፡ ከም ዝተቀበሎ ዓቢ ምስክር`ዩ። ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነት፡ ሰረቱ ኣብ ህዝቢ ከም ዝነበረ፡ ብተሳትፎ ኩሉ ከም ተረኽበ፡ ካብዚ ዝዓቢ ምስክር ኣየድልዮን`ዩ።

    ሃገራዊ መንነት መስርሕ ከም ምኻኑ መጠን – ከም ባህሪ ተወሊዱ ናብ ጠባይ ቀጺሉ`ውን ናብ ስብእና ንኽዓቢ – ኩሉ ህዝቢ ከም መንነት ክላበሶ – ነዊሕ ዘገምታዊ ንኹሉ ዝጠመረ ድልየት ኩሉ ዝሰምዕ ን ህንካን ሃባን ዝዕድም መድረኽ ክፍጠር ልዙብ ኣካይዳ ይሓትት።

    እቲ ሕቶ `ምበኣር ሃገራዊ መንነት፡ ብኸመይ ተኾስኪሱ ይዓቢ`ዩ፧
    መልሲ ናይዚ ሕቶ፡ እቲ ኣወዳድባ ናይቶም ሃገራውያን ትካላት ከምኡ`ውን ናይ ኩሉ ሃገራዊ ኣተሓሳስባን ግንዛበን፡ ኣብ ልዕሊ እዛ ሃገርን ህዝባን፡ ንህላወ እዛ ሃገርን መጻኢ ጉዕዞኣን፡ ብኸመይ ይእለን፧ ተኾስኲሱ ይዓብን፧ ኣብ ሂወት እዛ ሃገር፡ ወሳኒ ሮቋሕን፡ መሰረት ዘንጽፍን፡ ዘደላድልን፡ ኣወዳድባ ክኸውን ኣለዎ።

  • keshi mars December 28, 2018

    ይቅጽል …. ከይበልካ መቀጸልታ ምሃብ …. ብማዓለሽ ስገርዎ።

    እሞ ብዛዕባ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝመስለኒ ክብል፦

    ኢሳያስ ኣፈወርቂ

    ኢሳያስ ኣፈወርቂ ትምህርቱ ኣቋሪጹ ኣብ 1966 ናብ ሜዳ ኤርትራ ክቃለስ ዝወረደ፤ ኣብ 1967 ንፖለቲካዊ ንቅሓት ምስ ብጾቱ ናብ ቻይና ተላኢኹ ዝሰልጠነ፤ ካብ 1968 ኣብ መሪሕነት (ቂያድል ዓማ) ካብ ዝመጽእ ድማ ብኣወዳድብኡ መዳርግቲ ዘይረኸበ፤ ንነዊሕ ከይተረበጸ ክጸንሕ ዝኽእል፤ ኣብ ጽልግልግን ዕግርግርን ዝበልሕን ዝዕንትር ጥራሕ ዘይኮነስ ኮነ ኢሉ ጽልግልግ ዝፈጥር፤ ገታርን ኣነ ይፈልጥ ዘጥቅዖ መራሒ ህ.ግ.ደ.ፍ. እዩ።

    ኢሳያስ ኣፈወርቂ ደረቅ (stubborn) ስለ ዝኾነ ብቀጻሊ ካብ ርእሱ ከይወረድካ ንኹሉ ንጥፈታቱ (his activities) ምክትታል ይግባእ ኔሩ፡ ኣይተገብረን ጥራሕ ዘይኮነ፦ መዕረ ፈጣሪ ኣምልኾ ተዋሂብዎ፡ ብዘይ ሕቶ ከምቲ ዝጥዕሞ ክውድብ፤ ክቆጻጸር፤ ክቀጽዕን፤ ካብኡ ሓሊፉ`ውን፡ ክኣስርን፤ ክቅንጽልን፤ ናይቲ ውድብ ገባርን ሓዳግን (ፈራድን) ኮይኑ`ዩ ኣስመራ ኣትዩ። ነቲ ዝተሓላለኸ መስርሕ ብረታዊ-ቃልሲ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ብድፍረት ገጢሙ ስዒርዎ ጥራሕ ዘይኮነስ፤ ንኹሎም እቶም ናይ ውሽጢ ዓንተራት (ብቅልጽሞም ዝሓስቡ)፤ ከምኡ`ውን ሃንደስቲ ሕብረተ-ሰብ (Social Philosophers)፤ ኣብ ጎኑ ከም ዝስለፉ ጌሩ ውድብ ፈጢሩ፤ ነቲ ውድብ መሪሑ ድማ ሃገር ኣምጺኡ`ዩ።

    ተንኮልን ጥሙሕን ኢሳያስ ዘይተረዱኡ ወይ ዝተዘንግዑ ኣባላት መሪሕነት ዝነበሩ ብጾቱ፡ በብሓደ ሰብ ዋሓደ ከም ዝባሃል ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ዝተፈላለየ ምኽኒያት እንዳሃበ ኣጸጊዕዎም`ዩ። ጊዝያዊ ፍታሕ `ምበር ዘላቂ ሰላም ዕላሙኡ ስለ ዘይኮነ፡ ኩሉ እቲ ዘቆሞ ናይ ውሽጢ ኾነ ናይ ግዳም ልፍንቲ፡ ክፈራርስን ክዓኑን ጊዜ ኣይወስደሉን`ዩ። ምስ ኩሎም የዕሩኽቱን ማሓዙቱን ብማይ ቀጠነ ዝጻላእ፤ ካብኡ ሓሊፉ`ውን ምስምስ ፈጢሩ ጠቀነ እንዳ ቀበአ፡ ክገላብጦም፤ ከደስክሎም፤ ክሕይሮም ክትሪኦ ኸለኻ፡ ታሓንጊርዎ ዘሎ ጋኒን ሓሳድን ጽቡቅ ናይ ህዝቢ ዘይፈቱን ስለ ዝኾነ፡ ንኹሉ እቲ ከም ጽቡቅ ዝረአ ስራሓቱ ተመሊሱ ከፍርሶ ቅጭጭ ኣይብሎን`ዩ። ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከምቲ ሓራቅ ጓሳ ምስሑ ዝበልካዮ ድራሩ ዝኾኖ (He is always like an angry teenager who wants to dominate at any cost.)

    ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምስ ኩሉ ድፍረቱ፡ ብዛዕባ መንነቱ ንዝጠራጠር ህዝቢ ይኹን ውልቀ-ሰብ፡ ሓንሳብን ንሓዋሩን ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ወጺኡ ድዩ፧ ዋላስ ብመራኸቢ ብዙሓትን፧ ኣብ ክንዲ ዝገልጽ፡ ትም ኢሉ ብድፉኑ “ግብረይ ይምስክረለይ” ኣካይዳ`ዩ መሪጹ።
    ምቅሉል ስለ ዝኾነ ዶ ይኸውን፧ ዋላስ ጎራሕን ተንኮለኛን ስለ ዝኾነ፧ ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ድማ ነዛ ነቃዕ ከም ድላዮም ይምዝምዝዋ ኣለዉ።

    ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኣስመራ ኣብ ጊዜ ምምሕዳር እንግሊዝ ተወሊዱ፡ ኣብ ጊዜ ፈደረሽን ዝዓበየ፡ ኣብቲ ኢትዮጵያ ንኤርትራ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳራ ዘእተወትሉ እዋን ድማ ጎበዝ ወይ በጽሒ ስለ ዝነበረ፡ በቲ ጥጅእ ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነትን፤ ጉዕሽ ምንቅቃሓን ምልዕዓልን ጉጅለኣዊ ረብሓታት፤ ተጸልዩ ዝዓኾኸ መንእሰይ`ዩ። እቲ ናይ ሽዑ ዕሸል ፖለቲካ፡ በቲ ቄናን ኣታሓሳስባ ዝተጸልወ ስለ ዝነበረ ኢሳያስ ኣፈወርቂ `ውን ግዳይ ናቱ`ዩ ኾይኑ።

    ኩሉ ከም ዝፈልጦ፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ – ተወልጄ – ወይ ካላኣይ ወለዶ ኤርትራዊ ዜጋ`ዩ። እቲ ኣብ ልዕሊኡ ብዋዛ ኣምሲልካ ዝግበር ዝነበረ ናይ ወለዶ ባጫ (bullying) ተዋህሊሉ ተዋህሊሉ ምስ ተደመረ፡ ኣብ ውሽጡ ዘሕደሮ ድጉል ጽልኢ ዶ፧ ዋላስ ኩቱር ፍርሂ፧ ንምምሕዳሩ ብኸቢድ ጸልይዎ ይርከብ።

    ካብ መልሲ ናይ ሃይለ ወልደትንሳኤ (ድሩዕ) ከም ንርዶኦ፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብቲ ናይ ፈለማ ተመክሩኡ ኣብ ሜዳ (ነቲ ብረታዊ-ቃልሲ ብኣካል ክጽንበሮ ምስ ወሰነ) ክቱር ፍርሂ ከም ዘሕደረ`ዩ። ምንጪ ናይቲ ፍርሂ፦
    • ባዕላዊ ግንዛቤ (ናቱ ናይ ኢሳያስ ኣፈወርቂ) ድዩ፧ ዋላስ
    • ካብቲ ተ.ሓ.ኤ. ዝፈጠረቶ ሃዋህው (ግሁድ ዓለም) ናይቲ ጊዜ ሜዳ ኤርትራ `ዩ፧ ከም ኣብነት ዝጥቀስ መስዋእቲ ኪዳነ ክፍሉ `ዩ።

    ንምምሕዳር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንዘስተብሃለሉ፡ ነቲ ካብኡ ኣይትሕለፉ ዝዓይነቱ ኣካይዳ ከም ቅዲ ምምሕዳር ተኸቲሉ ዝሰርሕ ከም ዝኾነ ኩሉ ዝርዶኦ ሓቂ`ዩ። ገለ ገርሀኛታት ዶ ክንብሎም፧ ዋላስ ኣርሒቆምን ብዕምቆት ክሓስቡ ዘይደልዩን ናይ ኣእምሮ ሃካያት፧ ባህሪ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ክቱር ህርፋን ስልጣን ዝወለዶ`ዩ ይብሉና። ካብ ቃሉ ከም ንርዶኦ፦
    • ሓደ ሓደ ጊዜ ብዛዕባ ኣብዝሓ ሰልፍታትን ዲሞ-ክራስን ክሕተት ኮሎ ዝህቦ መልሲ “ገና ትሕቲ ሃገራዊ ስሚዒታት ኣይጠፍኡን፤ ዲሞ-ክራሲ ጊዜኡ ኣይኣኸለን፤ ዝተቃለስናሎ ዕላማ ንኻልኦት የሕሊፍና ኣይንህብን ኢና።”
    • ኣብ ገለ ገለ እዋን`ውን ዝተቃለሰሉ ዕላማ ኣብ ኤርትራ ዝሕጸር ጥራሕ ዘይኮነስ ኪኖ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሰጊሩ ናብ ምብራቅ ኣፍሪቃ ናይ ምስፍሕሓፍ ጥሙሕ ከም ዘለዎ – ናይ ዞባና ዶባት ኣሽካዕላል`ዩ። ኣብ ሓደ ክንመጽእ ኣለና። – ዘስምዕ ድልየት ናይ ኢምፐርያላዊ ስርዓት ዝናፍቅ ይመስል`ዩ።

    ኣብ 1993 ኤርትራ ከም ሃገር ምስ ቆመት፡ እታ ቀዳመይቲ ሃገር ልዕልውና ኤርትራ ከም ሃገር ዝፈለጠት ኢትዮጵያ`ያ ኔራ። ኣብቲ ጊዜ ዶባት ክምልከቱ፤ ኤርትራ ናታ ገንዘባዊ ባጤራ ክህልዋ፤ ከም ዝኾነት ሃገር ኣብቲ ቀዳማይ መስርዕ ናይ ሃገራዊ ፖሊሲታት ክኣቱ ምተገበአ። ከም መዛተዪ ዛዕባ`ውን ኣብቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ኤርትራ ከም ኣርእስቲ ዝተላዕለ ኣይመስለንን። ስለ ምንታይ፧ ድሒሩ ዝስማዕ ዘሎ ዘረባታት ኢሳያስ ኢሉዎ ኔሩ ዝባሃልን፡ ኣብቲ ቅንያት ካብ ሓደ ኢትዮጵያዊ ጋዜጠኛ ዝቀረበሉ ሕቶ ክምልስ ከሎ፡ ኪኖ ሃገር ዝኸይድ ጥሙሕ ናይ ኮንፈደሬሽን ከም ዝነበሮ ነስተብህል።

    ፨ ፨
    ወይ ጽልግልግ ዝፈጥሮ ጸገም “ስልጣን ምድላይ ንበይኑስ፧ ኣይምጎደአ አ አ ን፡ እንታይ ግድኹም ሱሳስ ኣላታ” በለት ኣፋ ዝሃባ ግመል
    ፨ ፨

    ኢሳያስ ኣፈወርቂ ነዚ ገበላዊ ስሚዒቱ ንምርዋይ፡ ነዛ ሃገር ኣብ መንጎ ኽልተ መንጋግኡ ቀርጢሙ፤ ብኹሉ ነቃዓት ናይቲ ህዝቢ (ካላኣዊ መንነት) ተጠማጢሙ ሓንኪሉ፤ ኣብ ምድሪ ራዕ – ሮማዕ/ርኽሙሽ ኣቢሉ ኣውዲቁዋ ኣሎ። ብግዝፈት መሓውር ስለያን “ፈራሕ ዓሰርተ በትሩ” በቲ ጨካን ኣተሓሕዛን “ፈራሕ ኣይሓዝካ፡ እንተ ሒዙ ነይለቀካ ከም ዝባሃል” ኣብ ራዕዲን – ሸቀልቀልን ዝወደቀ ህዝቢ፡ ተጸቂጡ ደኣ ትም በለ `ምበር ምዕይ ወይ ፍሕት ክብል ኣይካኣለን። ዝገበራ እንተልያ፡ እግርኻ ናብ ዝመራሓካ ንዓሪት – ኳርታ – ፈጮው – ሻሕ በል።
    • ሓሓሊፉ ካብቲ ሰራዊት ዝተገብረ ፈተነ ከም፦ ግንቦት 20, 1993 ናይ ተጋደልቲ ኣድማ ፤ ናይ ስንኩላን ፤ ጉጅለ-15 ፤ ከምኡ`ውን ስሪሒት ፎርቶ ፤ ደገፍ ህዝቢ ስኢኑ፡ በርዒኑ ተረፈ `ምበር ፋይዳ ወይ ፍታሕ ከምጽእ ኣይተራእየን።
    • ከምኡ`ውን ብናይ ቤት ትምህርቲ ኣልዲያ – ኣኽሪያ – ዝፍለጥ ፡ ናይ ወለድን ተማህሮን ምንቅስቃስ፡ ከምቲ ናይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ፡ ካብ ወረን ጊዝያዊ ሆሆን ኣይሓለፈን።
    • ካብ 2001 ንዳሓር ህ.ግ.ደ.ፍ. ጉልባቡ ምስ ተቀልዐ ፤ ህዝቢ እታ እንኮ ፍታሕ ካብዚ ጉጅለ ትርከብ፤ ኣርሒቅካ ካብ ገጹ ምጥፋእ ጥራሕ`ዩ ኢሉ፡ ናብ ኢትዮጵያ፤ ሱዳን፤ ጅቡቲ፤ የመንን ኪንኡን ዝተሰደ ገና`ውን ኣብ መስርሕ – መገዲ ኣብ ምንዳይ – ዘሎ ውሑድ ኣይኮነን።

    ኣብ ነንሕድሕዱ እምነት ዘጥፈ ህዝቢ፤ ስደት ከም መፍትሒ ጸገሙ ሪኡ ናብ ዓዲ ጓና ምስ ኣቋመተ፤ ጉጅለ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ጉልባብ ወይ ኩሹፍ ናይ ደላላይ ተጠምጢሙ፡ መገዲ ከም ዝፈልጥን ንመሳለጢ ገንዘብ ተኸፊልኹምኒ፦ ብነፋሪት፤ ብመኪና፤ ብኣጋር፤ ናብ ዝመረጽኩሞ ከስግረኩም ይኽእልየ ኢሉ ገንዘቡን ሃብቱ መዝሚዙ ከብቅዕ፤ ተሞኽልዩ ናብ በደዊን ዝሸጦም ውሑዳት ኣይኮኑን።

    ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንነዊሕ ጊዜ ዝሰራሓሉ፡ ብርግጽ ሓደ ክልተ ተበለጽትን ጉሩሃትን ዝተሓወስዎ፡ ብጉልባባ – ቀምሽ ኣደይ (ኣበጀዲድ) ሓንኪሉኒ – ምኽኒያት ፈጢሩ፡ ምስጢራዊ ሰልፊ፤ ኮሚቴ ምጽራይ ገበናት፤ ምስ ኣቆመ ኣብ ሜዳ ድልየቱ እንዳ ገበረ፡ ነቲ ቃልሲ ተቆጻጺሩ ብሒትዎ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ነቶም ሕቶታት ዘቅረቡን፡ ቁኑዕ ኣንፈት ከትሕዙ ዝሃቀኑ፡ መንካዕ ዶ የሚን ኣጠሚቁ፡ ብቃጻን ብጋህድን ኣጥፊእዎም`ዩ።

    ድሕሪ ናጽነት`ውን ብሓድሽ – ቀምሽ ኣደይ (ሽፎን) – ብፉሉይ ቤት ፍርዲ ተደጊፉን ብዶብ ተጎልቢቡ፡ ነዛ ሃገር ብምስምስ ባድመ፡ ዝሓለፉ ዓሰርተ ሸሞንተ (18) ዓመታት ኣባዲምዋ – ኣፈራሪስዋ ጥራሕ ዘይኮነ ናይ መጻኢ ዕድላ`ውን ሰሪቁዎ`ዩ። ንዝቋወሞ ኩሉ ሽም ከጠምቆ ጊዜ ዘይወስደሉ ጉጅለ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፦ ኣውራጃውያን፤ ጃሃዳውያን፤ ዑሱባት ወያነ (ወያነ)፤ ወዘተረፈ ብምድግጋም ይውንጅሎ።

    ኢሳያስ ኣፈወርቂ ነቲ ዝበዘሐ ህዝቢ፡ ህርፋን ሃገራዊ ነጻነት `ምበር፡ ፖለቲካዊ ንቅሓቱ ድሩት፡ ኣብ ጎኑ ተሰሊፉ ዝተቃለሰ ሓፋሽ፡ ዕሽሽ ብምባል፡ ናይቶም ሓደ ክልተ፡ ንዑኡ ዝመስሉ ሁንጥያትን፡ ረሳሕ መልሓሶምን፡ ከም ናይዝጊ ክፍሉ ዝኣመሰሉ፡ ዘረባ እና ኣኮማሰዐ፡ ብውሽጡ ኣማሪሩ`ዩ። መስተ ምስ ሰተየ “ዓጋመ ኢኹም ትብሉኒ” ዝብላ ቃላት ነቲ ውሽጣዊ ስምዒቱ ዝገልጻ መስተ ብድፍረት ዘውጸአን `ምበር ብዛዕባ ዜጋን ዜግነትን ንኽራዳዳእ ስለ ዝደለየ ዝተዛረበን ቃላት ኣይኮናን።

    ከም ሰብ ዳሓን እና ተራእየ ከኣ፡ ከምቲ “ዝብኢ ክሳብ ዝደልዎ ይሕንክስ” ዝተባህለ ቂም ቋጺሩን ሃስያኡ ዝድርብየሉ ነቃዓት እንዳ ኣናደየን፡ ሓድሽ ነቃዕ እንዳ ፈጠረን፡ ምስቶም ተበለጽቲ፡ በብእዋኑ ስልታዊ (Tactical) ዝምድና እንዳ መስረተ “ኩዑሶ ብሞሳ፤ ዓለም ብሲያሳ” ከም ዝባሃል ግርህነትን ትሑት ፖለቲካዊ ንቅሓትን ናይቲ ህዝቢ መዝሚዙ፡ ግዳይ ተንኮላቱ ጌርዎ`ዩ። ብቂምን ጽልእን ዝተላዕጠጠ፡ ብኣንነት ዝምራሕ፡ ምሕደራ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፤
    • ይትረፍ ካብ ካልኦት ክማሃር፤ ነቶም መቃልስቱ ዝነበሩ ብጾቱ፡ ጽን ኢሉ ዘይሰምዕን ቦታ ዘይህብን፤
    • ኣብ ሰላምን ምርግጋእን ብሰላም ክነብር መንፈሳዊ ክእለት ኮነ ስነ ኣእምሮኣዊ ብቅዓት ዘይብሉ፤
    • ሰላም ፍጹም ርውየትን ዕጋበትን ስለ ዘይህቦ፤ ከም ሰኽራምን ሰራቅን ሰብ (በቲ እንስሳዊ ባህሩ ዝምራሕ)፤
    • ኣብ ዕግርግርን ህውከትን ዝነብር ምሕደራ`ዩ።

    ድልየታቱ ንምምላእ ነታ ፈላሚትን ባይታ ተጣጥሕን – ቅዋም ሕጊታትና – ገና ዝተጻሓፈትሉ ቀለም ከይነቀጸ መአከቢ ዓለባ ሳርየት ንኽትከውን ኣብ መኻዚኖ ደርቢይዋ`ሎ።

    ቅዋም፦
    • ካብቲ ጊዝያዊ ምምሕዳር (1993 – 1997)፤ ናብቲ ብህዝቢ ዝተመርጸ፤ ንህዝቢ ዝውክል ባይቶን፤ እዚ ባይቶ ዘቁሞ ወግዓዊ – መንግስትን፤ ከተሰጋግረና፡
    • መባእታዊ ስጉምቲ ናብቲ ዝድለ ሙሉእ ሃገራዊ ውህደትን፤ ፍሉጥ ኤርትራዊ መንነትን ክብርን፤ ንኸነጥሪን ክንዕቅብን መሰረትን ቀላሲትን ኩሉ ሕግጋትና፤ ክትከውን ይግባእ ኔሩ።

    ቅዋም ኣብ ግብሪ ክትውዕል ማለት ምርግጋእ ክሰፍን ማለት ስለ ዝኾነ፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከተግብራ ኣይመረጸን ጥራሕ ዘይኮነስ፤ ነቲ ወግዓዊ ኣካይዳ መንግስቲ`ውን ገና ብኣግኡ ከምክኖ ስለ ዝደለየ ማንታ ምምሕዳር ንኽቅጽል ነቲ ወግዓዊ መንግስቲ ካብ ኩሉ ስራሓት ነጺሉን ኣዳኺሙን ብህ.ግ.ደ.ፍ. ዝዝወር ኣንፈቱ ዘይፍሉጥ ዘይወግዓዊ ዘይተለምደ ቀይዲ በተኸ (Unethical) ኣካይዳ ሳዕሪሩ ኣብ ደንደስ ገደል፡ ንርከብ ኣለና።

    ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንኤርትራ ብጻዕሩን ተባላሕነቱን ዘምጻኣ ኮይኑ ስለ ዝስመዖ`ውን፡ ከም ርስቱ`ዩ ዝሪኣ። ኣብ ድላዩ ጊዜ ናብ ስልጣን ንዘምጸኦም ሓለፍቲ እቲ ከም ገጸ-በረኸት ዝዓደሎም ስልጣን መንጢሉ ንኸደስክሎም ፋዕራ የብሉን – ቅጭጭ ኣይብሎን`ዩ።

    ኣብ ዘመነ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ሰብ ከም ክንቲት ፎዂሱ፡ ኩሉ ብገንዘብ (ብላዕ ወይ ጉቦ Bribe) እዩ ዝሰርሕ። ናይ ሓደ ውርዙይን ጽፉፍ ሕብረተ-ሰብ መርኣያ ዝባሃሉ ክብሪታት፤ ከም ንሕልናኻ ምስማዕ፡ ምእዛዝ፡ ንዕኡ ተኸቲልካ ምስራሕ (Morality or Ethics)፡ ካብ ኣድማስ ስነ መጎት ዝጸነቱሉ ጊዜ`ዩ ኾይኑ ዘሎ። “ኣብ ዘመን`ያ ውራ ውራ፤ ነብስኻ ኣይተዕብራ።” ከም መትከላዊ መምርሒ ተወሲዱ፤ ኤእ ገበን`ዩ፡ ዓገብ ዝበለ፡ ከም ፋራ ወይ ዘይማዕበለ ዝራኣይሉ ጊዜ ኾይኑ`ሎ። ርሑቅ ከይከድና፡ ፍሩያት ኣብነታት ንምሃብ፦
    • እቲ ብሲቭል ጀነራል ዝፍለጥ ዝነበረ ሳምሶም፤ ከምኡ`ውን
    • ብንእሱ ሚልየነር ዝባሃል ዝነበረ ፍቅረ
    ዘመን ኢሳያስ ዝጫጨሖም ፍሩያት ነጋዶ፡ መሻርኽቲ ጓሓላሉ ላዕለዎት ወተሃደራዊ ሓለፍቲ ህ.ግ.ደ.ፍ. `ዮም ኔሮም። ምስ ጓሓላሉ ምጉዝጓስ ግን መልምዒ ዘይኮነስ መጥፍኢ ሂወቶም ኮይኑ ድማ ለኪምዎም።

    እዚ ታሪኽ ናይቲ ሲቭል ጀነራል ሳምሶምን ሚልየነር ፍቅረን ክጋሃድ ዝገበረ ግጭት ናይቶም መፋልስ ጀነራላት ጉሩፖ ዉጩን ጉሩፖ ፊሊጶስን እዩ። ንምንጽጻር ዝኣክል እቲ ዝበዘሐ ዝጥቀመሉ ሓለፋ – ፍቃድ መንቀሳቀሲ ወረቀት – ከም ኣብነት ተወሲድና፤ እዛ ንእሽተይ ሓለፋ (መንቀሳቀሲ ወረቀት) ካብ መራሒ ጋንታ ንክትረኽባ፡ እንድሕር እቲ መራሒ ጋንታ ናይ ወርሒ ናይ ገዛ ኽራይ ክፈለለይ (ብኢድ ኣዙር – ጉቦ ሃበኒ) ዝብለካ ተኮይኑ፤ እዞም ላዕለዎት ሓለፍቲ ህ.ግ.ደ.ፍ. ነዚ ዘይሕጋዊ ሓለፋታት (ሲቭል ጀነራል ዘብል ሽመትን – ኣብ ሓጺር ጊዜ ሚልየነር ዝገብርን) ክንደይ የካርዩዎ ወይ ይበልዕሉ ከም ዝነበሩ ንምርድኡ ከቢድ ኣይኮነን። ዝለመድዎ ጥቅሚ ከይስእኑ (ናይዞም ጀነራላት ጥቅሚ ምስ ተራጸነ ኣብ ምትህልላኽ ኣትዮም) ነዞም መንእሰያት ግዳይ ከም ዝገበርዎም ድማ ናይ ዕዳጋ ሚስጢ`ዩ።

    ህ.ግ.ደ.ፍ. ንመንግስቲ ኤርትራ ጨውዩ፦
    • ሃገር ንኽትፈራርስን ንኽትምርትን፡ ካብቲ ንቡር መስርሕ ሂወት ኣዛናቢሉ፡ ኣብ ዓቢ መራጊኢ ኮንቴነር የእቲዩ፡ ኣደስኪልዋ ኣሎ። ብምስምስ ኣይ ሰላም ኣይ ኲናት ምስ ኢትዮጵያ – ብምትህልላኽ ምስ ወያነ – ኣብዚ ዝሓለፈ ዓሰርተ ሸሞንተ (18) ዓመታት፡ ልዕልና ሃገር ንምኽባር ዶ፧ ዶባትና ንምውሓስ፧ ዝብልዎ ሸፈጥ (ጉልባ ምዃኑ`ዩ) ዘረባ ተጠቂሙ፡ ክኽተሎም ዝጸነሐ፤ ሕጂ`ውን ዋላ ሰላም ምስ ኢትዮጵያ ጌረ እንዳበለ ኾሎ ዝኽተሎም ዘለዉ ሕግታት፤ ካብቲ መግዛእቲ መንግስትታት ኢትዮጵያ ዝኽተልዎ ዝነበሩ “ኤርትራ መሬታ `ምበር ህዝባ ኣየድልየና`ዩ።” ዝብል ፖሊሲ ዋንነት መሬት ተዘይከፊኡ ኣይሓይሽን`ዩ።
    • ህዝቢ መሰል ስኢኑ፡ እታ ዋልታ ሃገር ኮይና፡ ሃገር ዘምጸአትን፤ ዘውሓሰትን፤ ስድራ-ቤት ትባሃል ኣሃዱ ሓደ ጥዑይ ሕብረተ-ሰብ ከም ዘይነበረት ንኽትከውን፡ ንክትምህምንን ንኽትበታተን ፈሪዱዋ`ሎ።

    ብዓቢኡ፡ ምስምስ እናፈጠረ ቅዋም ስለ ዘየተግበሮ ድማ፡ ቻ ንድሕሪት ኮይኑ፦
    • ገለ ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ኣብ ፍጹም ባርነት ወዲቁ፡ ኣብ ፈቆዱኡ ኣብ ናይ መኳንንቲ ወታሃደራት ህ.ግ.ደ.ፍ. ገዛውትን ሕርሻን ክሽቅል ከሎ፡
    • ገለ ከኣ እግረይ ኣውጽኒ፡ ንቅድሚኡ ብዘይ መራሕን ስንቅን ክሃድም፦ ድራር ጥይት ወተሃደራት ህ.ግ.ደ.ፍ. ፤ ራሻይዳ ፤ መሰጋገርቲ ደላሎን ፤ ዓሳ ማእከላይ ባሕሪን ፤ ኮይኑ ዝጠፈአ፡ ኣዲኡ ትቅጾሮ።

    ከም ሳዕቤኑ ድማ ህልው ኩነታት ሃገርናን ህዝብናን ኣብ ዘሻቅል ደረጃ ወዲቁ (ኤረትራ ሓንቲ ካብተን Failed States ንኽትባሃል ንእሽተይያ ተሪፋታ (ኤሚኘሎ) ከም ዘላ ንኹሉ ብሩህ ኮይኑ ኣሎ። ሎሚ ሓንቲ ስድራ ብዉሕዱ ኣብ ክልተ ሰለስተ ሃገራት ፋሕ ብትን ኢላ፡ እቲ ንቡር ሂወት ሲኢና ብስግረ-ሃገራዊ ሕብረ ብዙሕ ስምዒታት ወይ መንነታት (Trans-national identities) ኔው ነጀው ክትጻፋዕ ከላ፡ ገለ ካብ ኣባላታ ግዳይ ስነ-ኣእምራዊ ሕማም (ሶሾፓት – Sociopath – anti-social) ኮይኖም ይርከቡ። ሃገራዊን ኮማዊን ርእሰ-ማል (Social Capital) ድማ ሮኽሞሽሞሽ ኢሉ ባይታ ዘቢጡ።

    ከምቲ ድልየት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኮይኑ ድማ ኣብ ጽልግልግ መዋእል ንርከብ ኣለና። ከምቲ ብልምዲ ሓራስ ማርያም ቅድሚ ዓሰርተ ክሊተኣ (12 ማዓልታ) ናብ ግዳም ክትወጽእ ትኽልከል (ከይትጉነፍ)፤ ምምሕዳር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ድማ ኣብ ቃልዕ ከይወጽእ ካብ ህዝቢ ከይሕተት፡ ንኹለን ብሕታዊ ጋዜጣታት ዓጽዩ፤ ነቲ ዘረኻኽበሉ ጋዜጠኛ ኣሲሩ፤ ነቲ ዘየርከቦ ኮኒኑ፤ ኣብ ጽልግልግ ዝኣተወት ሕልናኣ ዝዓረባ ሃገር`ዩ ፈጢሩ ዘሎ። እታ ዳሜራ ንመበል ዕስራን ሸውዓተን (27) ዓመት ኣንፈት ከይ ሃበት ኣብታ ዘላታ ሮሞቅ ኢላ።

Post a Reply to keshi mars Cancel Reply