Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

VOICE OF ASSENNA: ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ፡ ዕፋፈቱ ዘርግፍ ዝኣረገ ገበል – By Tsilal USA – Friday, May 18, 2018

https://www.youtube.com/watch?v=cPbllibCECI

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • ናትና ንግበር May 19, 2018

    መልእኽቲ ናብ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ
    መሰል ወዲ ሰብ ዘየኽብር ስርዓት መስሪትካ መሰል ወዲ ሰብ ነኽብር ኢና እናበል ክትምድር ከሎኻ ቅሩብ ሕልና የብልካን ድዩ። ጽጉብ ጥሙይ ዘሎ ነይማስሎ ከምዝበሃል ንስኻ በዓል ስልጥን ወይ በዓ-ግዜ ስለዝኾንካ ኣብ ድላይካ ከይተሐተትካ ክትዘውር ትኽእል ኢኻ መሳኪን መንእሰያት ኤርትራውያን ድማ ብግፋን ኣበይ ኔርካ እናበልካን ኣብ ውሽጢ ገዝኦም ኣቲኻ ኣብ ቅድሚ ወለዶም ተበሳብሶምን ትገፎምን ኣሎኻ። መግስቲ ንዝበደል ይኣስር ትብል ኣለኻ ዝበደለን ዘይበደለን ግን ቤት-ፍርዲ ጥራሕ እዩ ዝውስኖ ንስኻን መሳርሕትኻን ግን ንጀጋኑ ኤርትራውያን ስሞም ኣጸሊምኩም ብዘይ ፍርዲ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ቀቲልኩም ተሓቢእኩም ደቂ-ሰባት ትቐብሩ ኣለኹም። ስድራ-ቤት ደቆም ኣበይ ከምዝኣተው ክሓቱ ዘይክእልሉ ሃገር ፈጢርካስ መሰል ወዲ ሰብ ነኽብር ኢና ኢልካ ክትዛረብ ቅሩብ ከሕፍረካ ይግባእ ኔሩ።
    1.ህዝቢ ኤርትራ ሓቂ ንኸይዛርብ ብምፍርራሕ
    2. ህዝቢ ኤርትራ ደሃይ ውላዱ ንኸይሓትት
    3. ህዝቢ ኤርትራ ካብን ናብን ኣብ ሃገሩ ከይንቀሳቐስ
    4. ህዝቢ ኤርትራ ሃብቲ ናይ ሃገር ኣበይ ክምዝኸይድ ከይሓትት
    5. ህዝቢ ኤርትራ ብትእዛዝ ናታትኩም ጥራሕ ከምዝኸይድ ጌርኩም… ውዘተ ጸብጺብካ ዘይውዳእ ምጥሓስ መሰል ወዲ ሰብ እናፈጸምኩ መሰል ወዲ-ሰብ ነኽብር ኢና ኢልካ ክትዛርብ ከለኻ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ህዝቢ ፈሪሑ እንተዘይኮይኑ ዝኣምነካ ከምዘየሎ ክትፈልጥ ይግበኣካ። ንህዝቢ ኤርትራ በዲልኩሞ ኢኹም’እሞ ቅሩብ ሕልናኹም ፈትሹ። ንስኻ ኣልኣሚን እውን ድሩት ነጻነት ስለዘለካ ኢሳያስ እታ ገመድ መዓስ ኣብ ክሳድካ ከምዝእትዋ ስለዘይትፈልጥ ንጐይታኽ ክትክድመሉ ናይ ግድን እዩ። ዘልኣለማዊ ክብርን ሞጎስን ንስውኣትና
    ክብርን ሞጎስን ንብጅግንነት ዝሰንከሉ ኤርትራውያን
    ውድቐት ንዓመጽትን መታለልትን

POST A COMMENT