Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

VOICE OF ASSENNA: ኣስተምህሮን ማዕዳን ብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ ኣብ ለንደን – ሰንበት 28 ጥሪ 2018 – 1ይ ክፋል

https://www.youtube.com/watch?v=xqQHC90NwbY&feature=youtu.be

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • Gezae January 29, 2018

    Contrived propagandist speech.

  • ጸጋይ January 29, 2018

    እዞም ኣቦ ንመጀመርያ ግዜ ብ1988 ኣብ ናቕፋ ኢየ ዝፈልጦም። ሽዑ ኣብቲ ካብ ደንደንን ከባቢኣን ተኣኻኺቡ ኣብ ጎቦ ተሰሊሙ ክሰምዖም ዝተኣከበ ተጋዳላይ ልክዕ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣስተምህሮ ሂቦም ኔሮም። ሽዑ፥ ኣጆኹም ሕበሩ ኣይትፈላልዩ መታን ዕድመ ጸላኢኹም ክሓጽር ኢሎምና። ሕጂውን ድሕሪ 30 ዓመታት ሕበሩ ይብሉና ኣለዉ። ኣንቱም ሰባት (ብፍላይ ከኣ ኣንቱም መንእሰያት) ሽዑ ብቓላቶምን ምኽሮምን ተመሲጥና ሰሚዕናዮም ብግብሪ ግን ክንትርጉሞ ኣይከኣልናን። ሰኣን ምሕባርና ድማ ኣብዚ ኣቲናዮ ዘለና ዓቢ ሓደጋ ወዲቕና ብሓደ ሰብ ንሳቐ ኣለና። እዞም ኣቦ ንዓና እምበር ንዖኦም ኣይኮኑን ዝዛረቡ ዘለዉ። ንሶም ዓቢ ኢዮም። ካብ ሰማይ እምበር ካብ መሬት ዝጽበይዎ ዓስቢ የብሎምን። ነዚኦም ዘይሰማዕናስ ንመን ኢና ክንሰምዕ። እዚኦም እካ መረሒ ሃይማኖት ክርስትና ከለዉ ኣስላም ኣሕዋትና ኢዮም እንዳበሉስ ከምይ ጌሩ ኢዩ ሓደ ንእሽቶይ መንእሰይ ብዓድን ብሃይማኖትን ዝሓስብ። በጃኹም እዚ ኣብ ባይታ ዘይወድቕ ኣስተምህሮኦም ኣብ ልብና ኣእቲና ብሓንሳብ ንስራሕ መታን ቃል ኣቦታትናን ኣያታትናን ከይነዕብር።

  • Yohannes Gubsa January 30, 2018

    ህዝቢ ኤርትራ፡ ሕጂውን ጨዋ ባህልን፡ መስተውዓልትን ሓቀኛታትን መንፈሳውያን አቦታት ከምዘለውዎ ኣድሚቁ ዘርእይ አስተምህሮ። ሕሱም ስርዓት ህግደፍ ብንዕቐት፡ አነነት፡ ነብሰፍትወትን ናይ ስልጣን ስስዕትን ሰኺሩ፡ ንክብርታትና ብምዕናው ፋሕ ብትን ክእትወልናን፡ ፍትሒ ጎዲሉ ድኻ ተበዲሉ፡ ህዝቢ ኤርትራ ክጸንትን ሃገር ክትዓንኑን ንርእይ አሎና። እዞም ብጹእ አቦና፡ ንዝሓንገዱን ዝኸነቡን ክምለሱ፥ ንዓና ኽዓ ከም ወትሩ ዝብልዎ፡ አስላማይ ክርስትያን፡ ከበሳ ቖላ፥ አውራጃ እንዳ ወዘተ፡ ከይበልኩም ቀንዲ ጸላኢኹም አለልዩ። ሃገርኩም አድሕኑ ክብሉ አባታዊ ምኽሮም ለጊሶምልና አለዉ። ነዚ ወርቃዊ ምኽሮም፡ ብግቡእ አስተንቲና ክነተግብሮ ልቦና ይሃበና። ንኽቡር አቦና ድማ እዝግአብሄር ጸግኡ ከብዝሓሎምን ዕድመን ጥዕናን ክህቦም ጸሎተይ’ዩ። ሓቀኛ መንፈሳዊ አቦ እዝግአብሄር ጥራይ አይኮነን ዝደልዮ፡ ከም ሰባት ንዓና’ውን የድልዩና’ዮም፡ መታን ክአልዩናን፡ ንዓና ክሕሸናን።
    ስላም ንሃገርና፡ ፍትሒ ንውጹዕ ህዝብና ይሃብ።

Post a Reply to Yohannes Gubsa Cancel Reply