Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Voice of Assenna: ኤርትራ ብዓይኒ ህዝባ -ዝርርብ ምስ ምልክት ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግ ነበር- P4 & Final – Tuesday, 29 May 2018

https://www.youtube.com/watch?v=jcHS78ku8Jo&feature=youtu.be

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • Gere May 30, 2018

    Hi amaniel nay bahaki tsubuk medeb ketsilo gin Ane niwedi Tsegay hito alatini Ab meswati wediflansa ayenetseran

  • almaz May 31, 2018

    Kab firki tarik tinegruna meas nhgdf kemzigedefkumo, nimintay kemzigedefkumo, neti zibedelkumo hizbi nimikhas entay kemzigeberkumn tigebru kemzelekumn zeytinegruna. Ezi eyu tarikum mulue zigebro. Tankitat kemzinededa, wetahader dergin tegadeltin gebarn kemzimotu, binton fabrican kemzianewe nifelto ena mingar ayedlin eyu.

  • Wedi Hagher May 31, 2018

    Thanks a lot to veteran Tegadelti who spent their young age in Ghedli to give back freedom to their people.
    You took a stand against Higdef because you have first hand knowledge of its leaders who are selfish and do not care about our country and its people.
    God bless you.

  • Fthi Ynges June 2, 2018

    First thing first. Amanuel and Assena I applaud you for all the great work that you do. Keep up the good work my brother. We are all on you side. I would also like to thank your guests for sharing their side of the story.

    But, when we talk about sensitive issues we have to be consistent. For instance, in this case I’m kind of troubled by Habtom’s inconsistencies about Wedi Flansa’s death. The tone of your current account is different with what you wrote 2014, under title “Halow Bahri”.

    Since this things are very sensitive, we have to be very careful. At least for the sake of his family!!

    3:30 ድ.ቀ (1530) ኣብታ ጨጓር ኩጀት ከለና ቀጻሊ ደብዳባት ከቢድ ብረት ነይሩ። ዝበዝሕ ግን ደሕረና ይዓልብ ነይሩ። ናይ ነዋሕቲ ብረት ጠያይቲ እውን ይወቕዓ ነይሩ ግን ብፍሉይ ከም ዝተኣሰረላ ዝሕብር ኣገባብ ኣታኩሳ (pattern) ኣይረኣኹን።
    ስዉእ ወዲ ፍላንሳ ጸብጻብ ምስ ረኣየን ንገለ ደቓይቕ ርክባት ምስ ገበረን ” ኣቕሑትክም ጠራኒፍክም ኣርክቡኒ” ኢሉ ቀቅድመና ይሓልፍ። እቶም 3 ኣባላት ስለያ እውን ይስዕብዎ።
    ደቓይቕ ኣብ ዘይመልእ ህሞት ክንፈልያ ዝኸኣልና ቶኽስን ወዲፍላንሳ “ ኣይ..” ክብል ንሰምዕ
    ናብኡ ንጎዪ። መጀመርያ ወዲ ልጃም ደድሕርኡ ኣነን ወዲ መጎስን ንስዕብ።
    ኣብ ጸጋማይ ኣፍልቡ ከምዝተወቕዐን ብዙሕ ደም ይኸዶ ከምዝነበረን ተዓዘብና። ከብቲ ቦታ ክንእልዮን ደሙ ጠጠው ክነብልን ንጽዕር። ንሱ ግን ተማዊቱ ሓንቲ ምሉእ ሓሳብ ጥራይ ተዛሪቡ። “ ርሓቑ ከይትልከሙ። የዕርፍ ግደፉኒ። ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ” ዝብል ነይሩ። ናይ ጸላኢ ስናይፐር ከምዘይኮነ ፍሉጥ እዩ። ምኽንያቱ ንዕኡ ክነድሕን ንቃለሰሉ ኣብ ዝነበርና ግዜ ንዓና ፈልዩ ዘሸግር ቶኽሲ ኣይነበረን። ከቢድ ብረት ወይ ካልእ ተፈንጃሪ ነታጒ እውን ኣይነበረን። ምኽንያቱ ድምጹ ኣይሰምዓናን ደሮና እውን ኣይነበረን። ማህረምቱ ድማ ኣብ ሓደ ቦታ ኣብ ጸጋማይ ኣፍልቡ’ዩ ነይሩ።
    ስንባደን ሓዘንን ተሓዋወሰና። ግን ክነድሕኖ፡ ደሙ ክንዓግትን “ ኣጆኻ ወዲ ፍላንሳ….” እናበልና ምስ ድኽመት ኣተናፍስኡ ክንቃለስን እዝክር። እቶም 3 ኣባላት ስለያ እውን ይሕግዙና ነይሮም።ወዲ ፍላንሳ ግዜ ኣይሃበናን። ብመስዋእቱ ብጣዕሚ ተዳሃልናን ነብዓናን ንገብሮ ጠፍኣናን። እተን በላሕቲ ኣዕንቱ ንመወዳእታ ግዜ ርኣኽወን። በቲ ልሉይ ሸፋሽፍቲ ኣዕንቱ ድማ ከደንናየን። ሚላኖ ስረን ካምቻን እታ ዘይፈልያ ቀጠልያ ጃከቱን ለቢሱ ነይሩ። እቶም ኣባላት ስለያ ርሓቑ ኢሎም ነጸላ ይኸድንዎ። “ቀልጢፍክም ንቻይና ንገርዎ” ድማ ይብሉና።
    ሃይለ ሳምኤልን ( ቻይና) ኣማንኤል ሃንጀማን ደሕሪ ሳዓት ወይ ሳዓትን ፈረቓን ኣቢሉ ይመጽኡ። እቲ ዝነበርዎ ቦታ ካባና ራሕቒ ነይርዎ። ጎቦን ጸድፍታትን ዝመልኦ እዩ ነይሩ። እና ላህለሁ ድማ ‘ዮም መጺኦም።
    ሓይለ ቻይና ብዛዕባ እቲ ኩነታት ይሓተና። ነቶም ሰለስተ ኣባላት ስለያ እውን ፈልዩ ይሓቶም። ቀጺሉ ስነስርዓት-ቀብሪ ይካየድ።
    ሃይለ ቻይና ነቶም ኦፐረተራት ኣኼባ ይገብረልና። “ናይ ብሓቂ ዘሕዝን እዩ። ህ.ግ. ንፉዕ መራሒ ከይድዎ። ንሕና እውን ጽባሕ ንግሆ ሰዓብቲ ኢና። ንታሪኽ ምማት ግን ታሪኽ እዩ” በለ። እዚ ገለ ካብቲ ዝዝክሮ እየ እምበር ብዙሕ ተዛሪቡ ‘ዩ። ንሕና ግን በቲ መስዋእቲ ናይቲ ንፈትዎ ብጻይናን መራሒና ኣብ ሓዘን ስለዝነበርና ነቲ ቻይና ዝብሎ ዝነበረ ቃላት ብዙሕ ኣቓልቦ ኣይገበርናሉን። ዘረብኡ ብምቅጻል ድማ “ እዚ ኣጋጢሙ ዘሎ መስዋእቲ ናይ ወዲ ፍላንሳ ከም ኦፐረተራት ብምስጢር ክትሕዝዎ ኣለኩም። እንተወጺኡ ሳዕቤኑ ከቢድ እዩ። ጸላኢ’ ውን ሞራል ከይገብር ኣዚኽም ክትጥንቀቁ ኣሎኩም” ብምባል ሕቶ እንተለና ዕድል ሃበና። ብዘይካ ርእስና ምንቕናቕ ዝሕተት ኣይነበረናን።
    ዘትክኻ ዝነበረ ሽጋራ ብእግሩ ረጊጹ፡ ንወዲ ልጃም ምስ ሃንጀማ ክኸውን፡ ንዓይ ናብ ማእከላይ ቦታ ማለት ናብ ዛራ ክኸይድ፡ ወዲ መጎስ ድማ ክሳብ ቦትኡ ዝፈልጥ ምስኡ ክጸንሕ ይሕብረና። ወዲ ፍላንሳ ዘይነበረላ ብሓደ ዝሓደርናላ ናይ መወዳእታ ለይቲ እያ ነይራ። ሕማቕ ለይቲ ኢና ሓዲርና። ኣይበላዕናን ኣይሰተናን፤ ብዙሕ እውን ኣየዕለልናን።ንጽባሒቱ ናብ ዘዝተበሃልናዮ ከድና።
    ድሕሪ ገለ መዓልታት ሃይለ መጎስ ናይ በጦሎኒ 3 ኦፐረተር ኮይኑ ከምዝተወዘዐ ሰሚዐ። ኣዋርሕ ከይጸንሐ ከምዝተሰወአ እውን ክፈልጥ ክኢለ። ሃይለ መጎስ ምቕሉልን ተባዕን ተጫራቓይን ብጻይ ነይሩ።
    ኣብ 1984 ክ/ሰራዊታት ክቐውም ከሎ ብ/58 ኣካል ክ/ሰራዊት 96 ኮይና። ኣዛዚ’ቲ ክ/ሰራዊት ሃይለ ቻይና፡ ኣዛዚ እቲ ብርጌድ ድማ ሃንጀማ ነይሮም። ኣነ ኣብዚ ግዜ’ዚ ሞርስ ኮድ ተማሂረ ኦፐረተር ቻይና ኮይነ ኣለኹ።
    ሃብተልኡል ልጃም ክምለኽ ዘይደሊ፡ ወለቕዘለቕን ቀልባዕባዕን ዘይፈቱ ኣዝዩ ተባዕን ቅኑዕን ተጋዳላይ ምንባሩን፤ ምስ ሓለፍቲ ብዙሕ ይሰማማዕ ከምዘይነበረን እፈልጥ። ካብ መወዳእታ ናይ 1984 ወይ መጀመርያ 1985 ንደሓር ምስ ሃብተልኡል ልጃም ኣይተራኸብናን።
    ክ/ሰራዊት 96 ክሳብ 1988 ኣብቲ ግንባር ጸኒሓ፡ እታ ወዲ ፍላንሳ ዝተሰወኣላ ቦታ ኣካል ዕርዲ ህ.ሰ ኮይና ብባሕሪ ትፍለጥ ነይራ። ድሕሪ ወዲ ፍላንሳ ግንባር ሓልሓል ብዙሕ ሂወት ተኸፊልዎ፤ ብዙሕ ደርፍታትን ተዘክሮታትን ተደሪሱሉ እዩ። በብእዋኑ ነታ ወዲ ፍላንሳ ዝተሰወኣላ ቦታ (ባሕሪ) በጺሐያን ቃለይ ኣሓዲሰላን እየ።

    ተፈጸመ
    ተራኺ፡ ሃብቶም ጽጋይ
    ጸሓፊ፡ ማሕሙድ ሳልሕ

    The full story can be found under this link

    https://archive.assenna.com/ሃለው-ባሕሪ-3ይን-መወዳእታን/comment-page-2/

POST A COMMENT