Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Voice of Assenna: 1st Anniversary of Lampedusa Tragedy Observed, Saturday, Oct 3rd, 2014

https://www.youtube.com/watch?v=NW5h18yOujo&feature=youtu.be

aseye.asena@gmail.com

Review overview
7 COMMENTS
  • Mesinas October 5, 2014

    ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ትማሊ ክልተ ነገር ብምስመዐይ ተገሪመ! ቀዳማይ፥ ደገፍቲ ህግደፍ፡ እቲ ‘መንግስትና’ ዝብሉዎ ጉጅለ ሕሰም፡ ነቶም ኤርትራውነቶም ብምኽሓድ ‘ዘይሕጋውያን ኣፍሪቃውያን’ ዝበሎም ግዳያት ላምፐዱዛ ንምዝካር ብምእካቦም! ካልኣይን ኣዝዩ ዝገረመንን ከኣ ውጻእ መዓት ግዳያት ላምፐዱዛን ቤተሰቦምን ዝኾኑ ኤርትራውያን፡ ብዛዕባ’ቲ ብዓይኖም ዝረኣዩዎን ብእዝኖም ዝሰምዑዎን ህልቂት ኣሕዋቶም ኣመልኪቶም፡ ምስ ራድዮ ኣሰና ክዛረቡ ዘይምኽኣሎም’ዩ!

    ቀዳማይ፥ ደገፍቲ ምልኪ፡ ‘እቲ ሽዑስ ደሓን ‘መንግስትና መሲሉዎ’ዩ ‘ዘይሕጋውያን ኣፍሪቃውያን’ ኢሉዎም እምበር ዜጋታትና እዮም።’ ኢሎም ብምሕሳብ ኣይተዛረቡን ንበል፡ ሕጂ ድሕሪ ዓመት ግን ነዚ መንግስቲ ኢሎም ዝጽውዕዎ ዘለዉ ፋኖ፡ ንስለ ክብሪ’ቶም ብሰሪ ምልኪ ዝሞቱ ዜጋታቶም ዘይኮነስ ዋላ ንስለ እታ ብደዎም ከለዉ ዝሞተት ነብሶም ኢሎም ከማን ወግዓዊ ሃገራዊ ሓዘን ጌሩ ክዝክሮም ኣይሓቱዎን! ነዚኣ ክሓቱ ዘይደፈሩ ሰባትከ ብልቢድዮም ብዛዕባ ግዳያት ጉህዮም፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ኣሕዋቶም ሙዃኖም ዘይኣመነሎምን ጠንቂ ጥፍኣቶም ዝኾነ ስርዓትን ኮይኖም፡ ግዳያቶም ዝዝክሩ ዘለዉ!?

    ካልኣይ ከኣ እቶም ካብቲ ግዳይ ዝደሓኑ ይኹኑ ስድራቤት ግዳያት፡ ብሕራነን ወንን ኣስናኖም ነኺሶም፡ ነቲ ጠንቂ ጥፍኣቶም ዝኾነ ጃንዳ ህግደፍ፡ ድምጾም ዓው ኣቢሎም ክኹኑኑዎን ክውግዙዎን ኢኻ ትጽበ’በር ዘጋጠሞም ጸገምን ጠንቁን ምግላጽ ኣጊሙዎም ወልደፍደፍ ክብሉዶ ትጽበ ኢኻ!? ከምዚ ብቃል ሓውና ኣማኑኤል እያሱ ዝሰማዕናዮ እንተ ኮይኑሲ ካብዞም ዉሑዳት ካብ ብሱል ጥረ ዝወጹ ግዳያት ምልክስ፡ ሓንቲ ሰላማዊት እትብሃል ሓብቲ ጥራይ ‘ብድቁሰይ እየ ድሒነ!’ ብምባል ጸገማን ጸገም ኣሕዋታን ንኸይትዛረብ ቁልዕጽዕጽ ክትብል ክትሰምዓ ከለኻ፡ እዚ ህዝብስ እምበርዶ ብጥዕናኡ እዩ ዘሎ!? ብምባል፡ ብኩነታት ጥዕና ህዝብኻ ትጠራጠር።

    ኣነ ከም ሰብ፡ እዚ ኹሉ ሽግር ኣሕሊፈ፡ ማለት ኣደታትን ዕሸላትን ረዳኢ ዘይብሎም፡ እናኣእወዩ ኣብ ባሕሪ ክጥሕሉ ብዓይነይ ዝረኣኹ ሰብሲ ብድሕሪኡ ንዝመጸኒ ነገር ፈሪሀ፡ ድምጸይ ዝዕቅበሉ ምኽንያት፡ ብዘይካ ጉድለት ጥዕና ካልእ ኪኸውን ዚኽእል ኣይመስለንን! ጉድለት ጥዕና ጥራይ እዩ ኢልካ ንኸይትሓልፎ ግን እቶም ስድራኦምከ? ስድራቤት 368 ሰባት ብሓደ ኮይኖም፡ ሆ! ክብሉ ኣይክእሉን!? ኢልካ ንነብስኻ ትሓትት’ሞ ዘይምባሎምውን ድንግርግር ይብለካ።

    እቶም ህግደፍ ጅሆ ንኽሕዘና ኢሉ መሬት ዝዓደለና’ሞ ገንዘብ ምስ ከፈልናዮ ንኣደኹም ማይ ውረዱላ ዝበላናን ኣቐዲምና ሓንቲ ቪላ ዝሰራሕናን ሰባትስ እስከ ደሓን ምእንቲ ገንዘብ ክንብል ህይወት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብስሰዐ ሸጥና ንነብር ኣለና ንበል! እዞም ሕጂ ዝመጹ ሰባት ግን እንታይ እዩ ኣሲሩዎም ዘሎ? እንታይ እዩኸ ዘፍርሖም ዘሎ!? ብዛዕባ’ዚ ሓሲበ ሓሳሲበ ዚኾነ ይኹን መልሲ ክረኽበሉ ኣይከኣልኩን ክቡራት ኣሕዋት። እታ ሓንቲ ኣነ ትኸውን’ያ ኢለ ዝጥርጥራ ግን ንቕሓት ዘይምህላውን እንታይነትን ሓላፍነትን መንግስቲ ዘይምፍላጥን’ያ! እየ ዝብል። ሃየስ’ከ በሉ ክቡራት ኣሓትን ኣሕዋትን ብዛዕባ’ዚ ተኣምር’ዚ ትፈልጡዎ ነገር እንተልዩኩም ወስ በሉኒ? እምበር ንኣይስ ኣዝዩ ኣርሚሙኒ’ዩ ዘሎ! ወየ ሓሳብካ ትገልጸሉ ናጻ ዕድል ተረኺቡስ ጸገምካ ንህዝብኻን ዓለምን ምግላጽ ትስእን!? ተኣምር’ዩ!

    • ahmed saleh October 6, 2014

      Mesinas
      Your question requires human mental studies professionals help to answer . It starts
      from HGDF’s program to Eritrean teenagers for national service in SAWA .
      I hope Eritrean professionals in that field try to study about this important issue
      by approaching them to find information about disoriented mind set .
      Thank you for bringing critical human issue beyond politics .

      • ahmed saleh October 6, 2014

        Forgot to tell you my own experience .
        I dealt with couple of them from my close family . But thanks God at the end
        it resulted in positive way . Patience and support paid off .
        Siga si hamed hiza titis’E yiblu abotatna
        Silezi sighana kab konu mikhalom tirah iyu halafnetna
        Ghizye zemxeo mikh’al kelil aykonen

  • sem habte October 5, 2014

    Smerrrrrr

  • monicasalguero October 5, 2014

    Tebeges men Iyu ke,dmerhana kenekales?

  • Yebio.Z October 5, 2014

    Indeed, we are still numb from the shock and pain of last year’s migrant disaster that claimed 368 Eritreans.
    Many Eritrean families across Eritrea and in Diaspora still continue to mourn their loss, but without the traditional rituals and burials it has become an extremely incomprehensible loss with incongruous reaction. Nkulukum sdran fetewtn xnaAt yhabkum LiEl Fetari Amlak.

  • hara October 5, 2014

    ygerm iyu
    nezi hizibi ezi eqa kiwhdo yebleka
    self-destructive slezikone

POST A COMMENT