Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Voice of Assenna: Eye Witness Account of the Boat Disaster in the Mediterranean Sea which Occurred on 28th May, with Around 450 Mostly Eritrean Refugees on Board, Saturday, June 4, 2016

https://www.youtube.com/watch?v=9mlm0DT0Hwc&feature=youtu.be

aseye.asena@gmail.com

Review overview
13 COMMENTS
  • Dembe June 6, 2016

    Why do the Arabs call the Habesha Eritreans “dollar”?
    The Arabs did not and do not see Eritrean Christians as human beings, except as human organ spare parts, sex slaves, free labourers, unworthy objects … and now listen to the interview — as the sources of cash — to the Arabs in Libya and the savage Arab police in Sudan and Arab Bedwins.
    Are Eritreans Arabic people? Shame if they are made to be. Listen the interview again at about 30 minutes.

  • ben June 7, 2016

    ነቲ ንዕለት 23 ሰነ ኣብ ጄኔቫ መርማሪ ኮምሽን ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ከቕርቦ ንዘዳልዎ ጸብጻብ ንምድጋፍ ኣብኡ ትሳተፉን ድምጺ ኩሉ ውጹዑ ህዝቢ ኤርትራ ወኪልኩም ድምጺ ተቓልሑ፡ ሲቪክ ሶሳይትን ፖለቲካውያን ውድባትን ከምኡ’ውን ካልኦት ግዱሳት ዜጋታትን ኣብቲ ተስምዑዎ ድምጺ ኣብቲ ቐንዲ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት እቲ ዝበዝሐ ህዝቢ ኤርትራ ዝሳቐየሉ ምትካር ኣዝዩ ኣገዳሲ ኮይኑ ይስመዓኒ። ግህሰት መሰላት፦ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነት፥ ናጻ ፕረስ፥ ናይ ተቓዉሞ ሰልፍታት ዘይምህላው ወዘተ ዝኣመሰሉ እቲ ሓፋሽ ኩሉ ፖለቲከኛ ኣይኮነ ጋዜጠኛ ኣይኮነ፡ ሓሳቡ ምግላጽ ኣይንታዩን ምኽንያቱ ካብኡ ዝዓቢ ግህሰታት ይሳቐ ስለዘሎ።
    መወዳእታ ዘይብሉ ባርነት (ሃ/ኣገልግሎት) ውልቀ-ሰባት ጥራይ ዘይኮነ ስድራ ቤታት ማሕበራውን ቁጠባውን ሃስያ ዝገብር ዘሎ ግህሰትን፥ ብዛዕብኡ ዝዛረቡ ዝሰማዕኩዎም ግዱሳት ዜጋታት ንኣስታት 10 ዓመታት ዘገልግሉ ከምዘለዉ ጥራይ ይጠቕሱ፡ ዋላ’ካ ንባዕሉ ኣስደማሚ ይኹን ግን ክሳብ ሕጂ ኣብቲ መጻወድያ መላኺ ስርዓት ኣባላታ 1ይ፡ 2ይ፡ 4ይ፡ 5ይ ዙርያታት 19 ክሳብ 22 ዓመታት ዝገልግሉ ማእለያ የብሎም። 10 ዓመት ዘገልገለ ንስኻ ደኣ ናይ ትማሊ ተባሂሉ ዘየደንግጽ ተመኩሮ እዩ። ተጣይስና ዝበሉ ገና ሓደ ዓመት እፎይ ከይበሉ ናብ ህዝባዊ ሰራዊት ተመሊሶም።
    እቲ ኣረሜን ዝኾነ ህግደፍ እውን ነቲ ካብ 10 ዓመታት ዘገልገለ ዜጋ ኣዝዩ ናይ ምግዛእ ባህጊ ኣመል ኣለዎ። እቲ ምንታይስ ኣብዚ’ኣ በጺሕና’ዶ እንዳበልካ ዓቕሊ ምግባር ባህሪ ሰለዘጥረየ እዩ። እቶም ሓደሽቲ ዙርያታት ኣይቶም ኣያታቶምን ኣቦታቶምን ተመኩሮ ስለዝረኣዩ ንሓደ ሰሙን ትኹን ከግለግሉ ስለዘይክእሉ፡ ከየመዛዘኑ ናይ ሙኹብላልን፡ ምጥፋእን፡ ስግረ-ዶብ ውሳኔታት ይወስዱ። እቲ ስርዓት ውን እዚ ስለዝፈልጥ ኣብ ዝሓሸ ቦታታት ይምድብን ዝሓሸ ናይ ምፍናው ዕድላትን ክህብ ጀሚሩ ነይሩ። ካብ ዓቀን ንላዕሊ ብዘይ ተመኩሮን ትምህርቲን ዓቕሚ ሰብ ዘዕለቕለቐ ሚኒስትሪታት ውን ንገሊኦም ኣብገዝኦም ከምዝጸንሑ ኣብ ወርሒ ክልተ ወርሒ ተመላሊሶም ደሞዝ ዝወስዱ ነይሮም። ብፍላይ ካብ 25 ዙርያ ብጭካነ በስናኑ ክሕዞም ዝወሰነ ህግደፍ ንናቕፋ ብዘይ ስንቒ፡ ምትላልን ብእግሪ ጉዑዞ ከምዝወሰደ ይዝከር። ብድሕሪ ውን ከምቲ ኣብ ቀረባ እዋን “ህዝቢ ኤርትራ የስተንፍ እምበ ይነብር የለን” ኢላ ትምስክር ዝነበረት ሓፍቲ https://www.youtube.com/watch?v=_QAsHQh8YnQ፥ ቅድሚ ሕጂ ተሰሚዖም ዘይፈልጡ ማዓስከራት እንዳደኮነ ናኣሽቱ ህጻናት ከይተረፈ የጽንት ኣሎ። ኣብ ሞሎቨር ሳዋ ክሳብ ደቂ ሸውዓተ ዓመት ዝኣኽሉ ህጻናት ግዳም ሓደራት ተባሂሎም ተገፊፎም ይሳቐዩ ከምዝነበሩ ብኣካል ዘረጋገጽኩዎ እዩ። እዚ ኸኣ እቲ ሓድሽ ወለዶ ናይ ምቕዋምን ምሕንጋድን ባህሪ ከጥርዩ ስለዝኽእል፥ ነቲ ስርዓት ውን ኣዝዩ ሻቕሎት ኮይኑ ይስመዓኒ። ክሳብ ሕጂ ሓጀብቲ ዘይብሎም ትሕቲ ዕድመ ሓደገኛ ጉዑዞ ስግረ-ዶባት፡ ሰሃራን ማእከላይ ባሕርን ከምዝጠፍኡን ከምዝሰገሩን ምስክር ዘየድልዮ እዋናዊ ሓቂ እዩ። እዚ ዝኾነሉ እታ ሓንቲ እንኮ ኤርትራዊ ብጭካነ ከም ፍታሕ ዝወስዳ ኣማራጺ ምክታል እዩ፡ ሓደ ኣረኣያ ኮይኑ ብፍላይ ብውሽጢ ሃገር ተቓዉሞ ነቲ ዝበጽሖ ዘሎ ዓመጽ ደው ዝብል ተሳኢኑ እምበር እዚ ሓድሽ ወለዶ ካብቲ ቕድሚኡ ዘሎ ንዓመታት ዝተረግጸ ኣጸቢቑ ዝሓይሽ ነይሩ።
    ካልኣይ ብኩፖንን ቐረብ ሃለኽቲ (ድኻን ሕድሪ) ገይሩ ካብ ንእሽቶይ ክሳብ እቲ ዝዓበየ መሰላት ተቖጻጺሩ ንመላእ ህዝቢ ጅሆ ሒዙ ዘሎ ኣሰራርሓ ህግደፍ። ህጻናት ንትምህርቲ ኩፖንን ካርድ ነባርነት ከየቕረቡ ናይ ትምህርቲ መሰላት የብሎም፡ ኣዴታት ኣብ ዘድልን ዘየድልን ኣኼባታት ህግደፍን መዳኸሚ ማእቶትን ክሳተፋ እንተዘይበቒዐን ኣስቤዛ ይኹን ካልኦት ኣገደስቲ ሃለኽቲ ናይ ምርካብ መሰላት ምኽላእ። ዓቕሚ ኣዳም ዝኣኸለ ንጻውዒት ሃ/ኣገልግሎት ዕሽሽ ምባል ወይ ብምኹብላል ንመሰላት እታ ስድራ ኣብ ሓደጋ የእቱ፥ ሰብ ልቸንሳ ፍቓድ ዋኒን ንምሕዳስ ይኹን ንምርካብ ህላውነት ኩሉ ኣባል ስድራ እንተዘየቕሪቡ፡ መሰል ዝበሃል የለን። ክምኡ ውን ርእሲ ስድራ ዝበሃል ኣቦ ኣብ ህዝባዊ ሰራዊት ንምስታፍ ንዘርእዮ ሸለልትነት ንመሰላት እታ ስድራ ቤት ኣብ ሓደጋ የእቱ፡ ንባዕሉ ውን ናይ ማእሰርቲ መቕጻዕቲ ይወስድ። እዚ ዓይነት ኣሰራርሓ ኣብ ሰሜን ኮርያ ከምዘሎ ዓለም ሙሉእ እዩ ዘደንጹ፡ ናትና ጉዳይ ግን ካብ ሸለልትነት እቶም ኣብ ስደት ወጺእና ኣነ ፖለቲካ ኣይግደስን እየ፡ እንታይ ገድሹኒ እንዳበልና ናጽነት ነስተማቕር ዘለና ዜጋታታት ይኹን ካብቶም ጉዱሳት ውን ኣብ መልእኽቲ ምትሕልላፍ ድዩ ብቕዓት ኣገላልጻ እዝኒ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ከምዝግባእ ክበጽሕ ስለዘይኸኣለ፥ ነቲ ዓማጺ ስርዓት ዕምሪ ሂብዎ በንጻሩ ከኣ እቲ ውጹዕ ህዝቢ መኸራ ይጸግብ ኣሎ።
    እዚ ንምእማኑ ዘሸግር ዓመጽ ህዝቢ ኤርትራ ድማ እዩ ካብ ካልኦት ዛንታ ዓመጽ ዘሕለፉን ዘሕልፉ ዘለውን ህዝብታት ብፍላይ ድማ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቓ ዝፈልየና። ምግሃስ መሰላት ሓሳብካ ናይ ምግላጽ፡ ናጻ ፕረስ፡ ምእሳር ጋዜጠኛታትን ፖለቲከኛታትን ዋላ’ካ መሰረታውያን ሰብኣዊ መሰላት እንተ’ኾነ፥ መለለይ ኣህጉርናን ኣውራጃናን ብሙኻኑ ብማሕበረ-ሰብ ዓለም ከምዝግባእ ተገዳስነት ከይረክብ ይክእል እዩ፡፡

POST A COMMENT