Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Mesinas June 13, 2015

    ካብ ልቢ ዚነቐለ ኣብ ልቢ ዚኣቱ ደም ዘሎዎ፣ ህሉው ኩነታትና ዚገልጽ ናዕታ ክቡር ሓው! ኤረትራውያን ካብ ንብሃል ንመጀመርያ ግዜ ከምዚ ዝበለ ዓለም ዚፈለጦ መከራን ሕስረትን ኣጋጢሙና ኣይፈልጥን’ዩ! ምኽንያቱ እቲ ብታሪኽ ኔሩ ዝብሃለናን ኣብ መጨረስታኡ ብኣካል ዘርከብናሉን ናይ መግዛእቲ ግዜውን ይኹን ከምዚ ዝበለ ሕስረት ኤርትራውያን ከጋጥም ሰሚዕናን ርኢናን ኣይንፈልጥን!

    ንነፍሲ ወከፍ ደላዪ ምልኪ ይኹን ደላዪ ፍትሒ፣ ብሓባር ንኹሉ ደም ዘሎዎ ኤርትራዊ ዘጉሃየ፣ ዘሕፈረን ዘቘጠዐን ፍጻመ’ዩ ተፈጢሩ ዘሎ! ዋላ ሰይጣን (እንተልዩ) ባዕሉ ይግዛኣና ካብዚ ንላዕሊ ኪገብረና ዚኽእል ዘሎ ኣይመሰልንን! ምኽንያቱ ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍ ኤርትራውያን ዘይበጸሓናን ዘይወረደናን ኣሎ ዚብሃል ሕማቕ ነገር የለን!ኣብ ታሪኽና ንመጀመርያ ግዜ ኤርትራዊ’የ ንኽትብል እትሓፍረሉ እዋን ተበጺሑ ኣሎ!

    ኤርትራዊ’የ ምስ እትብል ‘እታ ምስ ኩሉ ትዋጋእ፣ እታ ብዲክታቶር ትምራሕ! እታ ቅዋም ዘይብላ! እታ ካብ ጎደና ተኣሪኻ ብሓደራ ትእሰረላ፣ እታ ብምፍራይ ስደተኛታት ኣብ ዓለም ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ተሰሪዓ ዘላ ሃገርድያ?’ኢሎም ክሓቱኻ ከለዉ እዚ ኹሉ ነቲ ትማሊ ብመስዋእቲ ጀጋኑና ዝረኸብናዮ ክብርን ሓበንን ረሲዕካ በዚ እዚ ምሉእ መዋእሉ ኣብ እንግዳዓ ፈላጣትን ጀጋኑን ተሓንጊሩ ስሙ ዘዕበየ ፍሹል መላኺ ወሪዱና ዘሎ ሕስረት እወ ኤርትራዊ’የ ክንብል ብርግጽ ንሓፍር!

POST A COMMENT