Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Voice of Assenna: Special Message to the Eritrean People by Dr Tewolde Tesfamariam (Wedi Vacaro) P2

http://www.youtube.com/watch?v=mI8M2B5aLqo

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • Mesinas March 7, 2014

    “ንኽንሰማማዕ ተሰማሚዕና ኣለና!”

    በሃር ተቓላሳይ ምስ ከቢድ ሕማምካ
    ደኺመ ኣለኹ’ሞ ከዕርፍ ከይበልካ
    ንጉዳይ’ዛ ሃገር ኣብ ቅድሚት ሰሪዕካ
    ክትመክር ክትምዕድ ንሰዓታት ደው ኢልካ
    ህዝብኻ ንምድሓን ስሑል ተዓጢቕካ
    ትቃለስ ኣለኻ ምስ *ባልዋ ገጢምካ! *ኣርሓ መፍለስ

    ናብ ቤቱ ክትመልስ ዝተሰደ ውጹዕ
    ብመዝሙር ሓድነት ንኹሉ ክትጽዉዕ
    ኣንታ ዉፉይ ዜጋ ዘሐብን ዘኹርዕ
    እቲ ልዑል ፈጣሪ ዓይነ ብርክኻ የጽንዕ!

    እዚ ለዋህ ህዝቢ ሃገሩ ዘፍቅር
    ብመጥቃዕቲ ተዅላ ፍጹም ካብ ዝብህርር
    ህይወቱ ንምድሓን ኣብ ስደት ክነብር
    ዝተበታተነ ፈንጢሱ መዋጥር
    ንዳግማይ መኸተ ኣብ ሓደ ክሰምር
    ‘ሓደራኻ!’ ኢልካዮ ቃል ስውእ ከኽብር!

    ምስሊ ናይ ኣባጊዕ ቆርበት ዝለበሱ
    ተዃሉ ምሳእተን ስለ ዝሕወሱ
    ዘዝነደቕካዮ መሰረት ከፍርሱ
    ተንኰል ኣይገድፉን’ዮም ኣሕዋት ከባእሱ
    እቲ ደላይ ፍትሒ ግን ከርግእ መንፈሱ
    ምኸሮ ዶክተረይ ክገትእ ንነብሱ!

    ‘ንሕና ኤርትራዉያን ሰብኣይ ሰበይትና
    ብዳግማይ መግዛእቲ ዝተበታተንና
    ደቃ እተማሙቕ መሰሎም ከዲና
    ብልጽግቲ ኤርትራ ክንፈጥር ሓቢርና
    ንኽንሰማማዕ ተሰማሚዕና ኣለና!’

    ዚብል ጭርሖኻ ኣብ ኩሉ ሰሪጹ
    ኤርትራዊ ዜጋ ንፍትሒ ምድማጹ
    ንጉጅለ ህግደፍ ኮይኑዎም ዘደንጹ
    ዘልኣለም ከይነብሩ መሰልና ክረግጹ
    ህዝቢ ተንሲኡ ኣሎ ከጥፍኦም ቆሪጹ!

    ኣንታ ምሩጽ ዘርኢ ፍረ ናይ ኤርትራ
    ዓስቢ ናይዚ ኹሉ ሓሰረ መከራ
    ይመጽእ ከም ዘሎ ጠጥዒ ናይ ኣዝመራ
    ወላዲት *ክትሽናህ ዓዉ ኢልካ ንገራ! *ደስ ክብላ

    ማህጸን ጓል ኣደኡ እናተቓጸለ
    *መሀንከፊ ኣሕዋቱ ካራ እናተሳሕለ *መሕረዲ
    ናጽላ ምስ ኣደኡ ኣብ ባሕሪ እናጠሓለ
    ሃገር ጽቡቕ ኣላ ማዕቢላ ዝበለ
    ብህዝቡን ሃገሩን ወትሩ እናሽካዕለለ
    ኣብ *ሶፋ ኣራጢጡ ዝግህጽ ሓኸለ *ምቹእ ሳሎን (ብእንግሊዝ)
    ኤርትራዊ ኣይኮነን ካባና ይፈለ!

    ብሽንሆት ንኽንነብር፡ ዕምሪ ምልኪ ነሕጽር!

    ካብ ሓውኹም መሲናስ 07-03-2014

  • Truly Truly i say to you March 8, 2014

    ነዚ ታሪካዊ ናይ ወዲ ቫካሮ መደረ፣ ንዘለኣለም ሕዝቢ ኤርትራ እናዘከሮ ከምዝነብር ፈጺመ ኣይጥራጠርን። ይዝከረኒ ነጻነት ኤርትራ ኣብ 91 ኣብ ቦሎኛ ኣብዝተኸበረሉ ፈላማይን ናይመውዳእታን ዕዋን ከም ክቡር ኣቦና ወልደኣብ ወልደማርያም ገሩ ኣብ ታሪክ ኤርትራ ፈጺሙ ብሕዝቢ ኤርትራ ክብርን ሞገስን ዝረከበ ሰብ ከምዘየለ። ይኹን እንበር ሕዝቢ ኤርትራ ነቲ ዘረኸቦ ነጻነት ከይስተማቐረ ኣብ ዝከፈእ ባርነት ወዲቁ ስለዝርከብ፣ ኣይጠራጠርን ዳግማይ ሃርነቱ ብቅልጽሙ ኣብዝረጋገጸሉ ዕዋን፣ ይረኣየኒ ኣሎ ክቡር ዶክተር ተወልደ ተስፋማርያም ልክእ ከም ኣቦና ወልደኣብ ወልደማርያም ብኣቢ ክብርን ሞጎስን ብሕዝቢ ኤርትራ ከቢሩ ክራኣይ እንከሎ።። ኣነ ከም እምነተይ አግዚኣብሔር ንወዲ ቫካሮ ጥእና ነዊህ ዕድመን ፀጋን ኣብዚህሉ መራሂ ሃገርና ኮይኑ እንተዝመረጽ፣ ብሃጺር ግዜ ሃገርና ከምትባረኽ፣ ከምትምእብልን ክብሪ ሕዝብና ከምዝምለስን ፈጺመ ኣይጠራጠርን። ምክንያቱ ቅኑእ ልቦነ ዘለው ሰብ ስልጣን ኣብዝህዘሉ ዕዋን የግድን እዩ ሃገር ክትባረኽ፣ ሰላም ክኣስላን ሕዝባ ብፍትሕን ሃርነትን ብሰላም ክወጽእን ክኣትውን።

  • Semhar March 8, 2014

    “ንኽንሰማማዕ ተሰማሚዕና ኣለና!” Dr Tewolde Tesfamariam (Wedi Vacaro)

    Thank you for raising our liberation flag! Semayawit banderana! Dr Tewolde Tesfamariam (Wedi Vacaro)

    “ ነዛ ሃገር ዝተንከያ ወይሉኡ“ኣቦና ወልደኣብ ወልደማርያም። ነቶም ከዳዓት ኤርትራዉያን ሙኻኑ ኩሉ ሰብ ኪበርሃሉ ዝግብኦ ጉዳይ አዩ።

    Thank you for raising our liberation flag!

    “ብዕራይ ናብ ዘበለ የብል ዕርፊ ኣጽንዕ ኢዩ’ሞ: ኣጆኹም ደቀይን ደቂ-ደቀይን ጀጋኑ መንእሰያትና።” ሃብተማርያምኣብራሃ

    Thank you for raising our liberation flag! Semayawit banderana!

    Thank you and may God Bless
    ኣቦና ወልደኣብ ወልደማርያም , ኣቦና ሃብተማርያም ኣብራሃ and ኣቦና Tewolde Tesfamariam (Wedi Vacaro)

    That’s the best solution!

    It will be done 2014.

    ብዕራይ ናብ ዘበለ የብል ዕርፊ ኣጽንዕ ኢዩ’ሞ: ኣጆኹም ደቀይን ደቂ-ደቀይን ጀጋኑ መንእሰያትና።
    ኩላትና ብሓበራ ኢደይ-ኢድካ ኢልና ነዚ መንነትና ዘዋረደን ንኤርትራ ዘብርስ ዘሎን ኣረሜን፣ ናብቲ ቀዳሞት ኣያታቱ በዓል ሳዳምን ቃዛፊን ዝኣተዉዋ ናይ ዘለኣለም መዓልብኡ ጋህሲ ንደርብዮ። ኣብ ታሪኽ ከም ዝረኣናዮን ዝሰማዕናዮን ውልቀ-ምልካውያን መራሕቲ ብዘይካ ብክፉእ ብጽቡቕ ኣማውታ እግዚኣብሄር ክሞቱ ኣይተራእዩን። ሞት ገበነኛ ኢሰያስ እውን ከም ኣማውታ ኣያታቱ ነዊሕ ዝጸንሕ ኣይኮነን። እዚ ዓመት’ዚ ጸላኢና ዓንዩ ህዝብና ነናብ ገዝኡ ዝኣትወሉ ዓመት ከም ዝኸውን ሙሉእ ዘይጉዱል እምነት ኣሎኒ።
    ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና
    ዕድመን ጥዕናን ንደቂ ኤርትራ
    ዓወትንህዝቢኤርትራ።

  • Selamawi March 8, 2014

    Dr Tewelde Tesfamariam has come at the right time and he is facing the mother of all Eritrean’s ills head on. Our problem is called DIVISION, and our medicine is UNITY.
    This man is very wise, if his plans are enforced, he will take us to the promised land like Moses did to the Israelites. The irony is that our Moses will take us out of Israel – now turned ‘Un-promised land’for many Eritreans.

    Divisiveness is masterminded by the pfdj gang in Asmara and their satellites abroad. In order to undo this divisiveness (wegennet of all sorts) Dr Tewelde’s message needs to be disseminated to the masses. Activists and ‘politicians’ need to understand that division is weakening us and the people’s suffering is getting worse every day.

    Thank you Dr Tewelde! May your movement reach it target without being infected by the venom called division (the worst of which are: awraja, haymanot, ELF/EPLF, tegadaly/gebar)
    To challenge this illness, mature individuals like you should teach and activate the masses urgently. Division is a killer illness of Eritreans.
    God bless you with good health and long life dear compatriot.

    Hawkum

    • Dogol Tesfay March 15, 2014

      ዝኸበርኩም መርበብ ሓበረታ ኣሰና
      ኣብዚ መርበብ ሓበአታኹም ተበርክትዎ ዘሎኹም ዕለታዊ ዜና ይኹን ካልእ ኣገዳስን ጠቓምን ሓበረታ እንዳ ኣምስገንኩ፡ እዘን ዝስዕባ ክልተ ሕቶታት የቕርበልኩም
      1. ንህዝቢ ኤሪትራ ሓራ ንምውጻእ እተካይድዎ ዘሎኹም ቃልስን ጻዕርን ብሩህ’ኳ እንተኾነ ዝመጽእ ለውጢ ኣብ ኤሪትራ ሕግን ፍትሕን ዘኽብር መንግስቲ ኮይኑ ደሞክራስያዊ ኣመሓድራ ዘተባብዕን ኣብ ግሉጽነትን ተሓታትነትን መርገጺ ዘሎዎ ትኣምኑ ትኾኑ ዝብል ርእይቶ ኣሎኒ ከምዚ ክብል ከለኹ ድማ ዝመጽ ለውጢ ኣብ ኤሪትራ ኣብዚ ዝተመርኮሰ ንክኸውን ካብ ሕጂ ጀሚሩ ናብ ህዝቢ ትቕርብዎን ትዝርግሕዎን ሓበረታ ግሉጽነትን ተሓታትነትን ክህልዎ ናይ ግድን እዩ፡ ክሳብ ዝቐረባ እዋን ድማ ተወልደ ተ/ማርያም ዝገበሮ ዑደት ቁንጣር ከይሓባእኩም ትዝርድሕዎ ኔርኩም እታ ኣብ ኣምስተርዳም ዝገበራ ናይ ምጨረስታ ዑደቱ ግን ኣብ መርበብ ሓበረታኹም ኣሰና ኮም ኣይተዘርገሓትን በዚኣ ድማ ትኽሰሱ ኣሎኹም፡ ሕቶይ ድማ ኣሰና መቓልሕ ደኣ’ምበር ወኪል ናይ ተወልደ ኣይኮነትን፡ ተወልደ ዝህቦ ርእይቶታትን መርገጺኡን ተሓታትይ ንሱ እዩ፡ ሓላፍነትኩም ድማ ዝበሎ ክትዝርግሑ ድኣ’ምበር ክትሸፋፍንሉ ግሉጽነት ዝብል መሰረታዊ ዕማም ናይ ጋዘጠኛ ምግሃስ ኮይኑ ይርኣየኒ፡ ዘይመዘርገሒኹም ምኽንያት እንታይ እዩ?
      2. ናይ ህግድፍ ምልክን ዘይሕጋዊ ኣሰራርሓን ተሓታትነትን ግሉጽነትን ዘይምህላውዶ ኣይኮነን ህዝቢ ዝራገምን ዝሓትትን ተወዲቡ ዝቃወምን ዘሎ፡ ተወልደ ይሰርሕ ስለዘሎ ጌጋ ርእይቶ ክህብን ክጋገን ንቡር እዩ፡ ተጋግዩ ብገግኡ ዘይእረም እንተኾይኑ እዩ ዘይንቡር፡ ጌጋ ብምሽፋን ቅኑዕ ኣይከውንን እዩ፡ ጌጋ ዝሰምዐ ምስዝእርም ዝተጋገየ ምስዝእረም ጥራሕ እዩ ዝዕረ፡ ስለምታይ ኣሰና ከምቲ ንቡር ኣሰራርሓኹም ግሉጻት ኮንኩም ሓበረታኹም ንህዝቢ ዘይተመሓላልፉ ተወልደ እንታይ ሓለፋ ስለዝሎዎ እዩ ትሽፍንሉ?
      ምስ ብዙሕ ሰላምታ
      ብህዝቢ ተቐባልነት ዘይብሉ ስርዓት ዕድሚኡ ሓጺር እዩ

POST A COMMENT