ሓንቲ ካብ እተን ጸለምቲ ማዓልታት (ብማሕበር ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ ንዝኽሪ 18 መስከረም ዝወጸ መግለጺ )

ህዝቢ ኤርትራ ንዓመታት ኣንጻር ገዛእቲ ሓይልታት ኣብ ዝገበሮ ሓያል መኸተ ኣእላፍ መስተንክራትን ጅግንነትን እንክፍጽም ማዕረ ምዕረኡ ድማ ብዙሓት ኣሰቀቕቲ ጸለምቲ ውዕሎታት ዊዒሉ እዩ።


እዞም ክልተ ተጻረርቲ ክውንነት ኣብ መዛግብቲ ታሪኽና ንዘንተ እለት ተወሪቖም ንረኽቦም። ብፍላይ እተን ጸለምቲ ውዕሎታት ንህዝብና የሕኒነን ንተጋድሎ ኣንጻር መግዛእቲ ነዳዲ ወሲኸናሉ ሓሊፈን። ጸለምቲ መዓልታት ኣቑርደት፡ ሽዕብ፡ ዖና፡ ሃዘሞ፡ ወኪድባ፡ ሞልቂ ወዘተ ኣብ ታሪኽና ፍሉይ ቦታ ኣለወን። ኤርትራዊ ነዘን ሕላገት ቃልሱ ዝኾና ጸለምቲ መዓልታት ብናጽነት ስለዝተደበሰን፡ ኣብ ቅርዓተን እውን ባንዴርኡ ስለዘምበልበለን ከም መዓልቲ ሓዘን ዘይኮናስ መዓልቲ ንጅግንነት ኣጠሚቑወን ክሓልፍ ተገዲዱ።

ናይ ሎሚ ትሽዓተ ዓመት ማለት 18 መስከረም 2001ዓ.ም. ግና ናይ ጸለምቲ ጸላም መዓልቲ ዓው ኢልካ ዘይትብከያ ከም ሞት ሕጹይ ኮይና ሓሊፋ። እቲ ቀደም ኣብ ገጹ ጭምብል ዝነበሮ ዓፋኒ ብቓልዕ ጭምብሉ ገሊሁ መንነቱ ዝተቐልዓላ ዕለት እያ። እቲ ኣብ ታሪኽ ተጋድሎና ምንም ተጻዋርነት ዘይብሉ ሃገር፡ ህዝብን ግምባርን ከም ናይ ግሊ ንብረቱ ዝመስሎ ውልቀ መላኺ ነቶም ኣካይዳና ኣየምሓረን፡ ህዝብና ፍረ ናጽነቱ ናይ ሰላም ኣየር ኣየስተንፈሰን እሞ ተጋቢእና ጸገማትና ኣለሊና ንፍታሓዮም ዝበሉ ሚኒስተራትን ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትን ጨውዩ ህጣሞም ዘጥፍኣላ ጸላም ዕለት እያ። እቶም ምንም ናይ ተቓውሞ ሓይሊ ዘይነበሮም ንህሉው ኩነታት ሓበሬታ ክህቡ ሞያኦም ዘገደዶም ዘይሰብ ኣበሳ ዝኾኑ ኣዳለውትን ጸሓፍትን ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት እውን ኣብዛ ጸላም ቅነ እዮም ከካብ ዘለውሉ ተወሲዶም ዝተሓየሩ።

ምእሳር ናይዞም ላዕለዎት ሰበስልጣንን ብሕታውያን ጋዜጠኛታትን ድማ ነቲ ኣብ ጭልምልም ዝነበረ ተስፋ ደሞክራስን ፍትሕን ናብ ዲቕ ዝበለ ደልሃመት ነቑትዎ ንረኽቦ። ስርዓት ህግደፍ ነዞም ዜጋታት ወሲዱ ብዘይ ክሲ ብዘይ ፍርዲ ኣብ ኣንኳይ ሰብ ለመምታ ክሰፍሮ ኣብ ዘይክእል ሆሮሩማ በረኻ ምስፋሩ ዘረጋግጾ ሓቂ እንተሃልዩ እዚ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ህዝብና ክንዲ ፍረ ኣድሪ ትኹን ርህራሄ ከምዘይብሉ እዩ። ካብታ ዕለት እቲኣ ጀሚሩ ድማ የዕንቲ ክንደይ ስድራ ዓዊረን፡ ኣኣዛን እንዳሰምዓ ጸሚመን፡ ልሳን ህዝቢ ድማ ተዓቢሰን።

እቶም ላዕለዎት ሰብ መዚ መንግስቲ ኤርትራ ዝነበሩ ሓርበኛታት ንሕቶ ህዝቢ ክምልሱ እኳ ሕልንኦም እንተኣገደዶም ንኽስዕብ ዝኽእል ተንኮልን ክፍኣትን ኢሰያስ ግና ድሉዋት ኣይነበሩን። ከምሳዕቤኑ ድማ ሃገር ኣብ ሰንፈላል ንገዛእ ርእሶም ኣብ ምድራዊ ሲኦል ወዲቖም ይርከቡ። እዚ ሓጥያትዚ ድማ እኩብ ድምር ናይ ሰውራና እምበር ከም ማይ ኣይሂ ኣብ ሓደ ህሞት ከምዘይተኸስተ ከነስተውዕል ይግባእ። ካብዚ ንማሃሮ እንተሃልዩ መሰረት ዘይብሉ ገዛ ኣንኳይዶ ንሓላፍ መንገዲ ንሰራሒኡ እውን ከምዘየጽልል፡ ዓንዲ ሕጊ ዘይብሉ ስርዓት ድማ ኣንኳይ ንህዝቢ ነቶም ዋናታቱ ዝመስሎም ዝነበሩ ከማን ክጣበቐሎም ዓቕሚ ከምዘይብሉ እዩ።

እዚ ኣብዚ ሕጂ እዋን ካብ ጻት ናብ ጻት ዓለም ዘቃልሕ ዘሎ ድምጺ ውጹዓት ኤርትራውያን ካብ ህዝቢ ናብ ህዝቢ ዝጠመተ ብዓንደ ሕጊ ዝተሰረተ ህዝባዊ መንግስቲ ዝጠልብ ምዃኑ ድማ ብዘይምኽንያት ኣይኮነን። እቶም ከይሰልከዩ ኣብ ሃገርና ዓንደ ሕጊ ሃልዩ መሰል ዜጋታት ንክኽበር ዝቃለሱ ዘለው ውፉያት ኤርትራውያን ቃልሶም ናብ ምዕራፍ ዝበጽሓሉ እዋን ርሑቕ ኣይመስልን። እዚ ምስ እነውሕስ ኢና ድማ ንጸለምቲ ማዓልታት ንዓመታት ዘይኮነስ ንዘንተ እለት ተመሊስና ዘይንርእየን።

ዓወት ንሕዝቢ ኤርትራ!

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና!

18 መስከረም 2010

ማሕበር ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ

ቤይ ኤርያ  ካሊፎርንያ

 


Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

You may use these HTML tags and attributes: <a href="" title=""> <abbr title=""> <acronym title=""> <b> <blockquote cite=""> <cite> <code> <del datetime=""> <em> <i> <q cite=""> <strike> <strong>