Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህግደፍ ተሰጒጉ መለመኒኡ ተዓሺጉ

  Tesfamariam wel.15/04/2017 oslo Norway እልል በል ህዝበይ ህግደፍ ተሳዒራ ዝኣመንዋ ዕርዶም ትማል ተሰቢራ ተሓጎስ ደላይ ፍትሒ ጻማኻ ሲዒራ ወልፊ ጓይላ ዝነበራ ተሪፋ ኣንቃዕሪራ   ቅያ ተሰሪሑ ኣብ ሆላንድ ኤንድ ሄቨን ንህግደፍ ሓዘን ንደላይ ፍትሒ ሓበን ታኣምር ክንሪኢና ሓዲኡሎ ሎምዘበን ክንሪኢና ህግደፍ ክበላልዓ ሕድሕደን   ኤውሮ ክግሕጡ ከም

 

Tesfamariam wel.15/04/2017

oslo Norway

እልል በል ህዝበይ ህግደፍ ተሳዒራ

ዝኣመንዋ ዕርዶም ትማል ተሰቢራ

ተሓጎስ ደላይ ፍትሒ ጻማኻ ሲዒራ

ወልፊ ጓይላ ዝነበራ ተሪፋ ኣንቃዕሪራ

 

ቅያ ተሰሪሑ ኣብ ሆላንድ ኤንድ ሄቨን

ንህግደፍ ሓዘን ንደላይ ፍትሒ ሓበን

ታኣምር ክንሪኢና ሓዲኡሎ ሎምዘበን

ክንሪኢና ህግደፍ ክበላልዓ ሕድሕደን

 

ኤውሮ ክግሕጡ ከም ቀደም መሲሉዎም

ተራኣኻስ ባዶ ተሰኪሞም ጽርግ ንዓዶም

ህግደፍ ህግደፋውያን ተጋሊጹ ጉድኩም

ፈኸራኹም ተሳዒሩ ማይ ዓሚኽ ኩም

 

ይኣኽለኩም ጠራዕራዕ ዙሑል ማይ ስተዩ

ምስ ህዝብኹም ተሰርዑ ድሓር ከይትጉህዩ

ንህግደፍ ኣይትእመኑ ጽባሕ የለን ከያዳዩ

ጓይላ ተደመቐ ሓሸውየ ንመዐሸዊኹምዩ

 

ተኸፊሎም ዝሰርሑ ከም ብዓል ዶ.ጊዲኦን

ሶፍያ ፎካስ ዘይምዕርግቲ ንኽትሪኣ ተሕዝን

ከም ካሰት ተመሊኣ ትግዕር ዘየሎ ትትንትን

ደገ ሕዳር ደረቐኛ ትፍትን ልዕለና ክትከውን

 

ኣቶ ማንኪ ዘፍ ኢሉ ልቡን ቀልቡን ጠፊኡዎ

ኣብ ሓሳብ ተሸኺሉ ኢሱ ክሶጎ ድዩ ከእትዎ

ህግደፋውያን ደቂ ሓራም ጽባሕ ትሰምዕዎ

ህግደፍ ፋይዳ የብሉን ምድንጋጽ ግደፍዎ

ዝተታለልኩሞ ይኣክል ሎሚ ሓንጎል ኣስርሕዎ

 

ሎም ዘመን ህግደፍ ሓንቲ ዓይኑ ነቍራ ነቲዓ

ምናልባት ተጸኒሓ ድማ ዝተረፈት ዓይኒ ነባርዓ

ደቂ ሕድርትና ናይ ህግደፍ ሓዚነን ዘይሳዕሳዓ

ወልፈን ከይሰዳ ሓይሊ ደለይቲ ፍትሒ በርቲዓ

 

ጀጋኑ ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ሆላንድ ዝወዓልኩም

ፍረኹም ሪኢናዮ ኮሪዕና እንቋዕ ደስ በለኩም

ስኽፍታ ግን ኣለና ሓቢርና ዘይውዓልና ምሳኹም

ኣማኢት ክንስኹም ነሻሓት ህግደፋወያን ሲዒርኩም

 

ኤረና ኩሑሎ ሎም ዘመን ሓዲኡሎ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • sisi May 14, 2017

    kemzilka zikewn neger yelen meknyatu kulu kikewn entekoinu bekemzi aynet deykone bkalie mengedi kikewn alowo .
    meknyatu ezi bgujle gujle endatemqaqelka zigbre zeymieruy akaydan nhigdef azyu yetenkirom deaember kisebrom aykilin eyu slezi kalie mengedi kifiter alowo behaay eye.

  • Berhe Tensea July 30, 2017

    long live Deleyti Fithi.

POST A COMMENT