Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓቤረታ ቀብሪ ስነ-ስርዓት – ሓርበኛ ተጋዳላይ ዶር. በየነ ኪዳነ

ጅግና ተቓላሳይ ዶክተር በየነ ኪዳነ፡ ንህዝቡን ሃገሩን ብዘይሕለል ሉዕል ሃገራዊ ወኒኑ ፡ ካብ ተራ ኣባል ክሳብ ላዕለዋይ ጽፍሒ ሓላፍነት ተሽኪሙ፡ ክሳብ 1991ዓ.ምፈ.፡ ኣንጻር ባዕዳዊ መግዛእቲ፡ ድሕሪ ምርግጋጽ ልኡላውነት ሃገር ኤርትራ ካኣ፡ ኣብ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ

ጅግና ተቓላሳይ ዶክተር በየነ ኪዳነ፡ ንህዝቡን ሃገሩን ብዘይሕለል ሉዕል ሃገራዊ ወኒኑ ፡ ካብ ተራ ኣባል ክሳብ ላዕለዋይ ጽፍሒ ሓላፍነት ተሽኪሙ፡ ክሳብ 1991ዓ.ምፈ.፡ ኣንጻር ባዕዳዊ መግዛእቲ፡ ድሕሪ ምርግጋጽ ልኡላውነት ሃገር ኤርትራ ካኣ፡ ኣብ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ግዝኣ ሕጊ፡ ፍትሒ ነጊሱ፣ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ክተክልን ክዕምብብን፡ ከይታሓለል ኣንጻር ነቲ ኣብ ሃገርና ተኸሲቱ ዘሎ፡ ሕሱም ውልቀ-መላኺ፡ ክቃልስ ድሕሪ ምጽናሕ፡ እነሆ ገዲም ሓርበኛ ተጋዳላይ ዶክተር በየነ ኪዳነ፡ ብሕማም ምኽንያት ብዕለት 05. ሚያዝያ 2013ዓ.ም.ፈ፡ ሳዓት 21፡00 ድሕሪ ቀትሪ፡ ካብዛ ዓለም ተፈልዩ። ክቡራት ኣሕዋት ኣሓት፡ ፈተውቲ፣ ናይ ቃልሲ ብጾት፣ ኣብ ምክፋል ቅብሪ ስነ-ስርዓት ርግጸኛ ክኾኖልኩም ምእንቲ፡ ማዓልትን፣ ግዜን፣ ቦታን፣ ስድራ-ቤት ተጋ/ ዶር./ በየነ ኪዳነ ይሕብር።

ቦታ ቀብሪ ስነ-ስርዓት፤         Nordfriedhof  Weidenpech – Köln

ግዜ፤                                ሳዓት 13፡30 ድሕሪ ቀትሪ

ማዓልቲ፤                          ሶሉስ ማዓልቲ፡ ዕለት 16. 04. 2013

ብኸመይ ናብቲ ናይ ቀብሪ ስነ-ስርዓት ዝፍጸመሉ ቦታ ክብጻሕ ይካኣል ንዝብል ሕቶ፤

  1. ብባቡር ንዝመጽእ ስብ፤          ኣብ ማዓርፎ ባቡራት Köln Hauptbahnhof ይወርድ። ድሕሪ‘ዚ፤………………ናብ „Hansaring“ ዝባሃል መውረዲ ቦታ እትኸይድ ዝኾነት ናይ ከተማ ባቡር ይወስድ/ትወስድ። እዛ መውረዲት እዚኣ ካኣ ካብታ ዝተሰቐልካላ/ክላ ቦታ፡ ሓንቲ ስተሽን (Station) ጥራይ እያ።  ኣብዛ ቦታ ኢዚኣ ኻኣ ይወርድ/ትወርድ። ኣብዛ ቦታ እዚ ድሕሪ ምውራድ፡ ናብ ታሕቲ (Underground) ካኣ ይወርድ።
  2. ድሕሪ‘ዚ፤ …………….. ኣብዚ (Underground) ናብ „Chorweiler“ ገጸን ዝኸዳ ናይ ከተማ ባቡራት፡ ቑጽሪ 12. ወይ ካኣ ቑጽሪ 15. ወሲዱ/ዳ ክሳብ „Mollwitz Strasse“ ዝባሃል መውረዲ ቢታ ካኣ ይኸይድ/ትኸይድ። ኣብዛ ቦታ እዚኣ ኻኣ ይወርድ/ትወርድ። ኣብዚ፡ ብጸጋም ወገን „Roßbachstrasse“ ዝባሃል መንገዲ ተወስድ/ዲ።  ኣብዚ ቦታ‘ዚ ምስ በጻሕካ/ኪ፡ ንዝኾነ ሰብ „Nordfriedhof  Weidenpech“ ኣበይ እዩ ኢሉ ምስ ዝሓትት/እትሓትት፡ ክሕብሩኩም ይካኣል እዩ።

 

  1. ብማኪና ንዝመጽእ ሰብ፡ ሰለስተ ምርጫ ኣለዎ/ዋ

 

  1. Autobahn 3 (A.3)
  2. Autobahn 45 und 4 (A45 und A4)
  3. Autobahn 3 und 61 (A3 und A61)፤ ብፍላይ ብ-Autobahn 61 (A61) ንእትመጽኡ ሰባት፡ ካብ Frankfurt ይኹን ካብ ካሊእ ከትማታት ጀርመንን ወይ‘ውን ካብ ካልኦት ሃገራት ኣውሮፓ፡ ኣብ ቀብሪ ስነ-ሰርዓት ዝፍጸመሉ ቦታ ንምብጻሕ ከምዚ ዝስዕብ ትገብሩ። ኣብ ከባቢ Köln ምስ በጻሕኩም፡ ናብቲ ዝድለ ዘሎ ቦታ ክትበጽሑ፡ መውጽኢ (Ausfahrt) ካብ Autobahn፣ „Köln-Nord“ እዩ። ኣብዚ ምስ ውጻእካ/ኪ፡ የማን ገጽካ ብምሓዝ፡ ኣብ ሰለዳ A57. ዝብል ክትሪኢ ኢካ፡ ካብዚ ናብ Köln-Zentrum ገጽካ ተምርሕ።
  4. አቲ ቦታ፡ እቲ ናይ ቀብሪ ስነ-ስርዓት ዝፍጸመሉ፡ Nordfriedhof  Weidenpesch – Köln ይባሃል።

ብዳሓን ምጽኡ/ኣ

ካብ ስድራ – ቤት ስዉእ ተጋ/ ዶር. በየነ ኪዳነ

08. ሚያዝያ 2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • kemal April 9, 2013

    Rest in peace dear Dr. Beyene. Sure you will be missed only physically, but we are certain that your will accompany us to our final destiny soon and you will be deep in side our heart forever; one day we will pay tribute to you and your compatriots in our beloved nation with our people…I promise it will not be long, cos we are determined to place your torch of freedom,fraternity and equality in our heart land soon as we promised and as you wished dear….I can’t control my emotion,and I will always remember your easy, friendly and humble gesture forever. You offered all you had with out limit to your people and your blessed land; you have been a living model among many of us for many decades, that is why your absence is hard to accept.

  • habsegheu tt April 9, 2013

    theeyene death of dr. Beyene is a geat loss for the eritrean peopel specialy
    for theoposition and the ecdc.

  • Embasorya The Mighty April 10, 2013

    Selot aygberelun dyu?

    • fithawi April 10, 2013

      Embasorya!
      Tselot kigiberelu eyu. nefsi wekef seb “nefsu yimhar, mengiste-semay yewariso” enabele ab zezelewo koynu tselot yigebrelu alo.
      tselot zigebir gina eti ni amlakk ziaminin ziferihin eyu.
      tesfa egebir amani kitkewun emo, nay elama fililiy wala yihalukka, “nefsu yimharo” elka tselot kitgebrelu.

      ni Dr. Beyene, Nefsu mistom kudusan titsenber, ni sidrabet kaa tsinaat yihabom luul fetari!

  • Seare Kinfe April 11, 2013

    who is next?

POST A COMMENT