Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሕድገት ዘይፍቀዶ ጥልመት! ዝሞተስ ይቕበር እምበር ኣይጽገንን (ቃል ኣሰና)

ሕድገት ዘይፍቀዶ ጥልመት! ዝሞተስ ይቕበር እምበር ኣይጽገንን “ካብ ሽሕ ቃላት ሓንቲ ስእሊ” ዝብሉዎ ብሂል መቸም መወዳእታ ዘይብሉ ኣብነታት ኢኻ ትረኽበሉ። ኣብ ዝሓለፈ ቕንያት፣ ሓደ ኣበርካቲ ኣሰና ከም መሰነይታ ግጥሙ፣ ኣብ ሰድያ፣ ስደያ ብሰድያኡ ኸኣ ብዕንጨይቲ ኣውሊዕ ዝተሰርሐ

ሕድገት ዘይፍቀዶ ጥልመት!

ዝሞተስ ይቕበር እምበር ኣይጽገንን

“ካብ ሽሕ ቃላት ሓንቲ ስእሊ” ዝብሉዎ ብሂል መቸም መወዳእታ ዘይብሉ ኣብነታት ኢኻ ትረኽበሉ። ኣብ ዝሓለፈ ቕንያት፣ ሓደ ኣበርካቲ ኣሰና ከም መሰነይታ ግጥሙ፣ ኣብ ሰድያ፣ ስደያ ብሰድያኡ ኸኣ ብዕንጨይቲ ኣውሊዕ ዝተሰርሐ ዘይኮነስ፣ እቶም እንተ ቆርበቶም ጸሓይ ከውቅዑ፣ እንተ ክፈዅሶም ምስ መሓዙቶም ናብ ገምገም ባሕሪ ዝወርዱ ሰባት፣ ኣብ ሑጻ ሸኺሎም ዝዛነይሉ፣ ትንስእ እንተበሉሉ ኸኣ፣ ብኡንብኡ በቲ ብጽፍሒ ጸጥ ዝበለ ባሕሪ ዝነፈሰ ድኹም ንፋስ ከይተረፈ ፍንክሊው ዝብል ዝፈኾሰ ናይ ፕላስቲክ ሰድያ ዝተኣስረት በቕሊ እተርኢ ብኢመይል ዝወርወራ ስእሊ ምስ ረኣኹ፣ “እዋይ፣ ኣንታ እዛ በቕልስ ንዓና ንኤርትራውያን ትመስል፣ እቲ ሰድያ ኸኣ ነቲ ናይ ኢሳይያስ ህግደፍ” ኢለ፣ ብግዳም ናይ እንክሒራ ፍሽኽታ መስ ኣቢለ፣ ብውሽጠይ ምሕራር ቀጸልኩ። ለኣኻይ ‘ውን ከምዚ ኸማይ፣ ውሽጡ ብኽዉንነት ህዝቢ ኤርትራ ዝሓረረ ምንባሩ፣ ካብቲ ቀጺለ ዘንበብኩዎ፣ “ሓደ ሓደ እዋን፣ ነቶም ናጽነት ከይንጓናጸፍ ዝኣስሩና ሰንሰለታት ዘትርሮም፣ ስንፍና ጉልበትና ዘይኮነስ፣ ድኻም ኣእምሮና እዩ” ዝብል ጥቕሲ ተገንዘብኩ።

ንእግረ መንገደይ፣ “እቲ በቕሊ” ዝብል ዘለኹ፣ መሊቑኒ ብጌጋ ዘይኮነ፣ ኮነ ኢለ ከምዝኾንኩ ከውክእ እደሊ። በቕሊ ኣይትወልድን እያ። ኣንስተይቲ ምዃና ኸኣ ንዓይ ትርጉም የብሉን። ህዝቢ ኤርትራ ወላድ ‘ኳ እንተኾነ፣ ዘዝወለዶም ደቁ ዝመቱዎ እንተኾይኖም፣ እታ ካብ ጻዕሪ ውላድን ሓዘን ሞት ውላድን ብኣግኡ ዝተገላገልት በቕሊ እትሕሸሉ እዩ። ስለ’ዚ እታ ሓቂ መሲሉዋ ነቲ ሰድያ ከም ሱር ዘለዎ ገረብ ስቕ ኢላ ዝተኣስረትሉ በቕሊ፣ ልባ፣ ከም ኣጻድፍ ባሕሪ፣ በቲ ሓደ ልሙዕ በቲ ሓደ ቀላጥ፣ ወይ ከኣ ልቦናን ዕሽነትን ዝተወራረሶ እዩ። ናይቲ በቲ ሓደ ንርእሱ ብእንዶ ዘይብሉ ሬሳ ስርዓት ህግደፍ ተኣሲሩ፣ በቲ ኻልእ ከኣ ደቁ በብመዓልቱ ዝቕዘፉዎ ዘለዉ ህዝቢ ኤርትራ ኸ ‘ሞ ደኣ ምስ ምንታይ ይጽብጸብ።

መቸም “ህግደፍ ሬሳ ዝኾነ ስርዓት እዩ” ክንብል ከለና፣ ከም ምግናን ወይ ከኣ ከም ምስላ ብሻላ ዝርእዩዎ ኣይሰኣኑን ይኾኑ። እንተኾነ፣ ርትዓዊ ኣዛራርባ ምዃኑ ክርድኦም ይግባእ። ኣብ ዝኾነ እዋን ሓይሊ ኣብ ኢድ ህዝቢ እምበር ኣብ ኢድ መንግስቲ ወይ ስርዓት ኣይኮነን ዘሎ። እምነት ህዝቢ እዩ ንመንግስቲ ሓይሊ ዝኾኖ። ህዝቢ ሓቢሩ፣ ንመንግስቲ ዋላ ብኾፉ ብዓውታ “እምቢ!!” እንተይሉዎ፣ ብዝሒ ክፍላተ-ሰራዊቱን እጽዋሩን ብዘየገድስ፣ ሃደሽደሽ እዩ ዝብል። ማሕበርነታዊ ስርዓት ሶቬት-ሕብረት ዝወደቐሉ ምኽንያት፣ ሰራዊቱን ኣጽዋሩን ካብቲ ዝሓለፈ 50 ዓመታት ኣብ 1990 ሃንደበት ስለዝጎደለ ኣይኮነን። እምነት ህዝቢ ኣብቲ ፖለቲካዊ ስርዓት ስለዝተቐየረ እዩ ተዘሪጉ። ሰራዊት ናይ ሓንቲ ሃገር ንገዛእ ርእሱ፣ መንግስቲ ኣብ ዝፈሽለሉ እዋን ካብ ንትእዛዝ መንግስቲ ንህዝባዊ ርእይቶታት ክምእዘዝ ከኣ ባህርያዊ እዩ።

ለውጢ ክመጽእ እንተኾይኑ ግን፣ እቲ ህዝባዊ እምነት ብህዝባዊ ትብዓትን ሓይልን ክስነ ኣለዎ። ህዝቢ፣ ሓይሊ ምስኡ ከምዘሎ ተገንዚቡ፣ “እምቢ” ክብል ኣለዎ። ንሓደ ነገር ብምጽላእ ጥራይ እትፍትዎ ነገር ክርከብ ኣይክእልን እዩ። ድሎ ብድሎ መኸተ የድሊ።

ህዝቢ ኤርትራ እምነቱ ኣብ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣጥፊኡ ኸሎ፣ ለውጢ ኣምጺኡ ሓርነትን ፍትሕን ከይጓናጸፍ ዓንቂጹዎ ዘሎ ደኣ እንታይ እዩ? ፍርሒ! እንተኾነ፣ ነቲ ቡምባ ሒዙ ናብ ዝባን ታንክ ዝስቀል፣ ብህይወቱ ጥራይ ዘይኮነ ሬስኡ ከይተረፈ ብጸላኢ ከይትሓዞ ተወሳኺ መስዋእቲ ዝኸፍል፣ ዋላ ሃለዋቱ ኣጥፊኡ እንተተማረኸ ‘ውን ምስጢር ከየውጽእ መታን ትንፋሱ ኣብ ኢድ መርመርቱ ዝሓልፍ ዝነበረ ሰብ “ፈሪሑ” ኢልካ ስግር ክትብሎ መቸም ቀሊል ኣይኮነን። ጠንቅታት ከተናድየሉ ናይ ግድን እዩ።

ብቐንዱ ንመንፈስ ህዝቢ ኤርትራ ዝቐተሎ ክድዓት ስርዓት ህግደፍ፣ ብፍላይ ከኣ እቲ ንሕስያ ዘይብሉ ጥልመት ኢሳይያስ እዩ። ኣብ ርእሲ ጥልመት ናይቲ ስርዓት ንህዝቢ ኤርትራ ዝወጽዖ ኸኣ እቲ ዘይሕለል ናይ ሕድገት ኣመሉ እዩ። ሕድገት ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት ዝጀመረ ኣይኮነን። ዋላ ኣብ ግዜ ገድሊ “ኣንታ ስረ ‘ኳ ዓጢቕኩም ኢኹም፣ እንተ’ታ ምሕደራ ግን ኣይግድን” ዝብሉ ድምጽታት ዓበይቲ ይስምዑ ምንባሮም እዝክሮ እዩ። ይኹን’ምበር፣ እቲ “መስዋእቲ” ዝብሉዎ፣ ቃል ኣብ መንጎ ተጋዳላይን ህዝብን ርሒብ ጋግ ስለዝፈጠረ፣ እቲ ሕሉፍ ርእሰ ምትእምማን ዝነበሮ ተጋዳላይ ነቲ ሕሉፍ ኣኽብሮት ዝነበሮ ህዝቢ ክሰምዖ ኣይከኣለን። ኣብቲ ሽዑ እዋን፣ እታ “ገባር” እትብል ቃል ሓረስታይ ማለት ጥራይ ኣይነበረትን፣ “ገባር ደንባር” ዝብሉዎ ዝረባ ‘ውን ይዝውተር ነይሩ እዩ።

ብዝኾነ፣ እቲ ሽዑ ቀዳምነት ተሰሪዑ ዝነበረ ናጽነት ከይተረኽበ ብዛዕባ ምሕደራ ምጭቕጫቕ ዘይእዋናዊ ምንባሩ ክልቲኡ ወገን ስለዝተሰማማዓሉ መዋጠጢ ኣይነበረን። እቲ ሕድገት ግን፣ ኣብቲ ካብ ስረ ንላዕሊ ሓንጎል ዘድለየሉ ናይ ድሕረ ናጽነት እዋን ‘ውን ቀጺሉ። እታ ምስ እምነት ዝዓበየት ሕድገት፣ ኣብ ዘበነ ጥልመት ብተስፋ ምቝራጽ ኣቢላ ናብ ፍርሒ ወዲቓ።

እቶም ካብቲ ምንጪ ርእሰ-ምትእምማን ተጋዳላይ ዝነበረ መስዋእቲ፣ “መስዋእቲ ብጾትና” እናበሉ ካብ መስዋእቲ ውፉያት ወለድ ብምሽምጣጥ፣ ነቲ ብጽቡቕ ድሌት ዝተበገሰ ሕድገት ዝመዝመዙዎ ዘለዉ ኢሳይያስን ጉጅሊኡን፣ “ወይለይ፣ መስዋእቲ ደቅና ‘ባ!” ኢሉ ዝምክቶም ስለዘይተረኸቡ፣ እንሀዉለ ንኤርትራዊ ከም ህዝቢ ናብ ምብትታን ደረጃ ኣብጺሖሞ። እቲ ብመስዋእቲ ደቁ መሬቱ ዝጨበጠ ህዝቢ፣ መሬቱ ክሓድግ ከኣ ኣብ ባሕርን ምድረበዳን ደቁ ንኻልኣይ ግዜ ይቕዘፉ ኣለዉ። ሓደ ሓደ ግዜ፣ እቲ ፍርሒ ንገዛእ ርእሱ ካብ ምንታይ ዝብገስ ምዃኑ እዩ ዝዓጅብ። ካብ ሞት እንተኾይኑ፣ ሞት ኣይተረፈትን። እኳ ደኣ ውርደት ወሲኻ።

ኣብ ከምዚ ኩነታት ስግድግድ ዘብል ሓደ ነገር እንተልዩ፣ ምስቶም ነቲ ዝመቕለለ ህዝቢ ኣብ ዝኸፍአ መዓት ዘውደቑዎ፣ ካብ ጸላእቲ ንላዕሊ ክጽየኑ ዝግብኦም ሓሳዳት ኢሳይያስን ጉጅሊኡን ያኢ ዋጋ ዕዳጋ ደኾን መዋጽአ ኢሎም ዘሕሸዅሽኹ ወይ ከኣ ውዲት ከይህሉ ዝጠራጠሩ ምህላዎም እዩ። ነዚ ስሕተት እዚ፣ ካብ ጉጅለ 15 ንላዕሊ ዋጋ ዝኸፈለሉ የለን። እቲ ዕዳ’ቲ ግን ብቐንዱ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ክሳራ እዩ። ነቲ ብጭካኒኡ ኣጸቢቖም ዝፈልጡዎ ኢሳይያስ ብዘይፈልጦ ቛንቋ ዘተ ክዛረቡዎ ምፍታኖም ጌጋ እዩ ነይሩ። ካብኡ ዘይሰንፍ ጌጋ ድማ፣ ህዝቢ ኤርትራ ህዝባዊ ሓይሉ ተጠቒሙ ምእንቲ ሃገራዊ ረብሕኡ ምስቶም ንለውጥን ፍትሕን ደው ዝበሉ ኣብ ክንዲ ምውጋን፣ ኢሳይያስ ብብድዐ ከምቲ ዝኣመሰለ ጭካን ስጉምቲ ክወስድ ከሎ ብስቕታ ምርኣዩ እዩ። በዚ ድምር ስሕተት’ዚ ኸኣ እንሆ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሓደ ወለዶ ዘፍረዮም ብሉጻት መራሕቲ ከሲሩ።

መቸም፣ “ዘይንሳቶምስ ኣካሉ እዮም ነይሮም፣ ባዕሎም ኣገቢሎሞ…” ወዘተረፈ ዝብሃል ምውርዛይ ከምዘሎ ኩላትና እንፈልጦ እዩ። ሚእቲ ካብ ሚእቲ ዝብሃል ነገር ከምዘየልቦ ትሑዝ ኮይኑ፣ ከም ሰቦም ንኢሳይያስ “ወሸለ ኣብዚ እንሀልካ መራሒ ማለት” እናበሉ ከም ህዝቦም ስቕ እንተዘይብሉ፣ ኢሳይያስ ኣይምተንከፎምን። ከምዞም እንርእዮም ዘለና ዕናይ ምናናይ ሚኒስተራት ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ቦታ እናቐያየረ፣ ቀዳማይ ዙርያ ምስ ወድኡ ናብቲ ፈለማ ዝነበሩዎ ቦታ እናመላለሰ፣ ከምታ ህንጡይነቱ ንዕድመ ልክዕ መራሒ ናይ ምዃን ስስዕቱ ንምርዋይ ሕልሙ ምቐጸለ። በዚ ንሳቶም ዝፈጸሙዎ መስዋእቲ ግን ብውሑዱ ኢሳይያስ ክድቅስ ስለዘይከኣለ ሕልሚ ምቕጻል ኣጊሙዎ ጸርጽር ክብል ይርአ ‘ሎ። ኢሳይያስ ካብቲ ዝጽበዮ ዝነበረ ግዜ ንላዕሊ ቀልጢፉ ብህዝቢ ተኻዒቡ ምህላዉ ንገዛእ ርእሱ ኣበርክቶ ናይዞም ግዳያት ዓመጽ ኢሳያስን ስቕታ ህዝብን ዝኾኑ ኤርትራውያን ኣቃሊልካ ዝርአ ኣይኮነን። በቲ ሓደ ወገን ክርአ ኸሎስ፣ በቕልን ህዝብን ዓድና ከይተኣስሩ ዝተኣሰሩ ምምሳሎም ጥራይ ኣይኮነን ዘገርም፣ ኢሳይያስ ንኻልኦት ክኣስር ከሎ ንርእሱ ተኣሲሩ ምህላዉ ዘይምንግዛቡ ‘ውን ዝጎተነ ዕሽነት እዩ።

ናብ ቀንዲ ጉዳይና ክንምለስ፣ ኢሳይያስ እናፈለጠ እዩ ደቂሱ ዘሎ። ስለዚ ነቶም ክንቕንቑዎ ዝፍትኑ ኮበርታ ተኸዲኑ እዩ ዝስቕቆም። ነቶም ዝድስቑዎ ጥራይ እዩ ክሰምዖም ዝኽእል። ቋንቍኡ ንሱ ጥራይ ስለዝኾነ። ምጽጋን ዶ ምስፋይ ዝብሉ ቓላት ኣብ መዝገበ ቃላት ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ የለዉን፣ ካብ ካልኦት መጻሕፍቲ ተለቂሕካ እንተፈተንካዮም ‘ውን ክሰርሑ ኣይክእሉን። ዝተሰበረ፣ ዝተገምየ ጥራይ እዩ ዝጽገን፣ ዝሞተ ክቕበር ጥራይ እዩ ዘለዎ። ፍርሕና ኣመና ሳዕሪሩ ጉድጓድ ምፍሓር ዘማትኣና እንተኾይኑ ‘ውን፣ ገዛ ንሰርሓሉ ዘለና ኣምሲልና፣ ኣብቲ ደቂሱሉ ዘሎ ወንበር ከሎ፣ ከምናይቶም ‘ከበርቴታት’ ደው ዝበለ መቓብር ንስርሓሉ።

እቲ ካብ እምነት ናብ ሕድገት፣ ካብ ብሕድገት ናብ ተስፋ ምቝራጽ፣ ካብ ተስፋ ምቝራጽ ናብ ራዕዲ ወሪዱ ዘሎ ጉዳይና፣ ኪኖኡ መዋድቖ የብሉን ‘ሞ፣ ሕጅስ፣ “ይኣክል! እምቢ ኣይንግዛእን!” ኢልና ምስ ኢሳያሰ-ህግደፍ ንፈታተን። ሽዑ፣ “ዋይ፣ ኣንታ እዚ ድዩ ክሳብ ሕጂ ኣሲሩና ጸኒሑ” ኢልና ብነብስና ክንስሕቕ ኢና። እቲ ምብሳል ሓሊፉዎ ዘሎ ጉዳይና ብሰንኪ ምዝንጋዕና ከይግርዝም ሓደራ!። ሓደራ! እታ ኣብ ሰድያ ተኣሲራ ዘላ በቕሊ ሰድያኣ ጎሲሳ ናብ ሻኻኣ ከይከተመርቀፈት፣ ካብ ምቑሕ ብቱኽ-ሰንሰለት ህግደፍ ተገላጊልና፣ ድሕነትና ሓሊና፣ ሰላምን ፍትሕን ዘረጋግጽ፣ ሕጋዊ ቅዋማዊ መንግስትና ንትከል።

ምልኪ ይፈረስ ሕጊ ይንገስ!

ኣማኑኤል ኢያሱ

3 ጥሪ 2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
10 COMMENTS
  • Sala January 3, 2014

    haw amanuel

    nezi nai oakland hzbawi show of force dea entay shelel elkayo? shefene aydeln do tblo?

    • romay January 4, 2014

      The title is stolen from the book of Alamin Mohamed Said
      “Hdget zeyefQd mesel”

  • kalsi nfthi January 3, 2014

    Ewe eti haki ezi eu hzbna nzi EU tfiewo zelo tfewo eka zeukone endafelrte dekisu mknyatu nrti nleli rbei zemn zehlefo kalsi trgum aalbo zkone mesweti deku asdemimwo ywae hzbna eseyas men mkunu entay aynet tbay ke alwo zeyfeltu bzuhet eyom kale halifu kab semay zwerede melaek gerom zkotsrwo wn aytessenun kemu zeykone gn kdmi natsnet resu zkaaele aresti alewo dhri natsnet kae 1993 ntsuhat dagunun halewatom atfiewom 1994 snkulan btyt tesahilwom eseyas kabzgebero tsbuk eti hmaku slezbzh weyeun nezi zeyfelt eritraw khlu aykeln EU zbl emnto slezelen bhabar nmeselna nteatk eye zbl ama nzey felt nkfelt nzfelete kea kab dkasu teberabro slexelka ketslo

  • halengi January 4, 2014

    ezi ferihu do teasiru do endabelkum beja kitigebrwo tihasebu zelekum hizbi bizebakum keber kemzeibelu tifeltu do ? netar dezarebu teterekebu dima etom hamushai mesree kem zeblkum ke tifeltudo.

  • Truly Truly i say to you January 4, 2014

    ናይታ በቕሊ ጉልበትን ነቲ ተኣሲራትሉ ዘላ መንበር ቕለትን ምስተኣዘብኩ፣ ቁሩብ እታ በቕሊ ንጸጋም ወይ ንየማን ገጻ ትጥወይ መሲሉኒ፣ ክሳብ ክንደይ ሚአቲ ሜትሮ ነታ መንብር ሲሂባ እንክሊል ከተብላ ከምትኽእል ባእምሮይ ተቀሪጹ ተኣዘብኩሞ ናይ ብሃቂ ብስሃቕ ፍንጥህ እዬ ዝበልኩ ቑሩብ ነታ መንበር ከይደንገጽኩላ። ናይ ብሃቂ እቶም ነጻ ካብ ምዃን ዝእንቅጹና ዘለዉ ቀይድታት ካብ ድኻም ኃይሊ ዘይኮነስ ካብ ጉድለት ኣተሃሳስባ ዝመንጨወ ምዃኑ´ከኣ ጽቡቕ ገራ ትገልጽ ስዕሊ እያ በልኩ።
    ብካልኦ ወገን ግን ብመንገድና ዘበለ ኩሉ ቕኑእ ልቦና፣ ሚዛናዊ ፍትሃዊነትን ፍርድን፣ ናይ ዕላማ ሃድነትን ሃደ ልቢ፣ ብፍላይ በቲ ተቓዋማይ ወገን ሰለዝጎደለም እዩ እንተበልኩ ብዙህ ካብ ሃቂ ዝወጻእኩ ኣይመስለንን።
    ንኣብነት ከምቲ ክቡር ሃውና ኣማንኤል ዝገለጾ መቸም፣ “ዘይንሳቶምስ ኣካሉ እዮም ነይሮም፣ ባዕሎም ኣገቢሎሞ…” ወዘተረፈ ዝብሃል ምውርዛይ ከምዘሎ ኩላትና እንፈልጦ እዩ። ሚእቲ ካብ ሚእቲ ዝብሃል ነገር ከምዘየልቦ ትሑዝ ኮይኑ፣ ከም ሰቦም ንኢሳይያስ “ወሸለ ኣብዚ እንሀልካ መራሒ ማለት” እናበሉ ከም ህዝቦም ስቕ እንተዘይብሉ፣ ኢሳይያስ ኣይምተንከፎምን”
    ንዝበሎ ብምስምማእ በዚ መነጽር ንስርዓት ኢሳያስ ሙሉእ ዘመኑ ዘገልገለ ድምጻዊ ወዲ ትካቦ ኾነ ገለ ስፖርተኛታት ነቲ እከይ ስርዓት ጠንጢኖም ምስ ሕዝቢ ኣብዝወገኑሉ ሰኣት ቑጽሩ እዚ አዩ ኢልካ ክትገልጾ ዘይትኽእል ሕዝቢ ብዛእቡእ እናውከእ፣ ነቲ ቅድሚ ሰሙን ኣቢሉ ንሃገሩ ካብ ወራሪ ወያነ ንምክልኻል ኣቢ ቕያ ፈጺሙ ድህሪ ምክልኻል፣ ኣብ መወዳእታ ግን ከምሰቡ ናይቲ ሥርዓት እከይ ባህሪ ተረዲኡ ናይ ኃይሊ ኣየር ኤርትራ ጨውዩ ብትብኣት ነቲ ሥርዓት ብዘቃልህ ኩነታ ምስ ኣየሩ ኣብ ጅቡቲ ዑቕባ ብዛእባ ዝሃተተ ጅግና ናይ ኃይሊ አየር ፓይሎት ነበር ሃውና ሃብቶም ደበሳይ ገለ ሰብ´እኳ ብዛእብኡ ገለ ቃል ወይ ወረ ብጭቅ ዘይምባሉ እንታይ የርኢ? ጉርሂ ድዩ እሽነት? ክቡር ሃዉ ኣማንኤል መቼም ብዛእቡኡ ሃንቲ ቃል ከይትጽሕፉ ኢሉ ከምዘይከልከለኮም 100% ርግጸኛ እዬ። ዋልስ ኢቲ ዜና ሃሶት ኮይኑ ስለዝተረኸበ? ምናልባሽ ከም ሚስጥር ምሃዙ ኣድላይነት ኣለዎ ኢልና ብቅንእና ንከይንጥርጥር መስከርም(መስደምም ኔት) ክም ኣመሉ ሃላፊነት ብዝጎደሎ ኩነታት ናይቲ ኡቕባ ዝሃተተ ዜጋና ሕይወት ታሪኽ ኣብ ሃደጋ ብዘውድቕ ኣገላልጻ ዝኾነን ዘይኮነን ታሪክ ሕየወቱ ብምቅላህ ደርጚዅዎ ኣሎ። እዝስ ምስምንታይ ይቁጸር? በዚ ምኽንያት እዬ´ከአ “ኢሳያስ ጥራይ ደይኮነ፣ ዳርጋ ኩሉ ተቃዋማይ ቅንእና ዝጎደሎ ስለዝኮነ እንበር፣ ከምቲ ኣማንኤል ብካርቶን ስእሊ ግርም ገሩ ዝገለጸልና፣ ንሥርዓት ኢሳያስ ንምምሃው ኣዝዩ ቀሊል ምነበረ ነሩ። እንተተጋግዬ ዝእርመኒን ዝመኽረንን ሰብ እንተዝረክብ ደስ ምበለኒ ነሩ።

  • solomon January 4, 2014

    AMANUAL EIYASU HIGIWIN HIDGETIN HEGERAWI ERKIN EMEN ZITSEHEFKAYON ZIHEWTETKAYON AYWEHEDEN HENTI TURGUM GIN YEBILUN NI LIELI 10 HEWTITKA NI SIKA KONE KALIE HEDE WIFUY NI ESEYAS KETIF KETEFIRI AYKEALKAN SILEZI NI HIWKET GEDIFKA SELAM ZEMITSIE HELEM METAN NI KULU KIHEYISH BI KELIL MESWAETI KAB SOLOMON

  • solomon January 4, 2014

    AMANUAL EIYASU HIGIWIN HIDGETIN HEGERAWI ERKIN EMEN ZITSEHEFKAYON ZIHEWTETKAYON AYWEHEDEN HENTI TURGUM GIN YEBILUN NI LIELI 10 AMETAT HEWTITKA NI SIKA KONE KALIE HEDE WIFUY NI ESEYAS KETIFE ZIKIEL KETEFIRI AYKEALKAN SILEZI NI HIWKET GEDIFKA SELAM ZEMITSIE HELEM METAN NI KULU KIHEYISH BI KELIL MESWAETI , KIRIKEB KAB SOLOMON

  • Habte Kifle January 4, 2014

    Dear Amanuel,

    Thank you for the excellent explanation of the picture!!!
    You are always great!!
    God Bless you and please keep it up to wake up our people from the Psychological prison of HIGDEF!!

    Yours,
    Habte

  • Hidat January 4, 2014

    HIGDEF NEXERE HAGER MENDEF
    HIGDEF NIKEDEAT MENDEF

    KAB ESAYASEN ALAMINEN NELAELI ETI HIZBI EYU HIGEDEF.
    FELKET BEBAL KELEKUM ZELO KEA HIZBI MUKANU DONGUYU TEREDEKUM.
    AMAUNEL KULU GEDEFKA NEZOM TIMALI HADE SHEH MEASKER MAI AYENI ATYOM KILETE SHIHEN METEN SHEGERAB TESEDEDOM ILKA ENDAXHFKA NETI SEDET MENESEYAT TEKALATFO ZENEBERKA ABZI MIS WEXU YEKUNU AB FEKEDO MEASKERAT ENDKEDKA ANXAR HAGEROM TIGUSGUSOM ZENEBERKA MENESEYAT DEHAYOM GIBER MESTA ETEN MIS HIXANAT DEKEN AB FEKEDO MEASKERAT ZELEWA ADETAT.MESTA ETOM AB ZETEWELEDELU DEMBE ZEYABEYU HIXANAT KEYWERDEKUM HIGI ETAHASBULU GIEZIE EMBER NETI AB HISEMAN RAHEWAN HAGEREY MISAKI MOTEY ZEBEL ZELO HIZEBI TEXAREFULU SEAT AYKONEN,

  • HGDEF January 6, 2014

    ንሓደ ነገር ሓደ ጎናውን ዕሸላውን ትንተና ምሃብ ኣመልኩም እዩ። ሓደ መጽዓኛ ዋናኡ ልጓም ወይ ቀይዲ ክገብረሉ ከሎ ጭካነ ኣብ ልዕሊ እንስሳ ኣይኮነን ዘርኢ እንታይ ደኣ እቲ እንስሳ ከም እንስሳ ዘቤት መጠን ምእዙዝነት ናብ ዋናኡ ከርኢ ከም ዘሎዎ ብኡ መጠን ከኣ ዋናኡ ክንክንን ሓልዮትን ይልግሰሉ። እንተ ዘየለ እንስሳ ከም ሓይሉ እንተ ደኣ ነፊጹ ኣደዳ ኣራዊት ካብ ሙካን ሓሊፉ ዘምጽኦ ፋይዳ የብሉን። እዛ ኣብ ስእሊ ንሪኣ ዘሎና በቅሊ ልዕልቲ ኣሲሩዋ ዘሎ ገመድን ሰድያን ካብታ ዝተገርሐትሉ እዋን ጀሚራ ዝተማህረቶ ከም ሓይልኻ ምኻድ ከም ዘየዋጽእ እያ ተተግብር ዘላ። ምናልባሽ ባህርይ ናይ በቅሊ ደኣ ኣይትፈልጡን ከይትኾኑ እምበር በቅሊ ብባህርይኣ በርጋጊት እያ። ምናልባሽ እዛ ሰድያ እንታይ ኣሎዋ ኢላ ምዕይ እንተ ትብል ወዮ ሰድያ መርከበታ በቅሊ ድማ ገለ ነገር ዝስዕባ ዘሎ መሲሎዋ ናብ ገደል ምኣተወት። እዚ ክብል ከሎኩ ናተይ ኣረዳድኣ ናይዛ ስእሊ ንምግላጽ ደኣ እምበር ከምቲ ናትኩም ንህዝቢ ኤርትራ ምስዛ በቅሊ ከዛምድ ኣይደልን።

POST A COMMENT