Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መልቀስ

መልቀስ ወየ!!!!ወየ!!!ወየ!!!! ወየ!!! ኣነ!!!! ወየ!!!ኣነ!!! ወየ ኣነ!!!! እንታይ ሰማዕኩ ሎሚ ቕነ እንታይ ተረኽበ ሎሚ ቕነ ኣንታ ኣነስ ሓወይ እምበር!! ስኢነ!!!!   ዶክተር ሃብተ ወዲ ጎመራ ንመን ገድፍካሉም ወዮ! ኤርትራ ዝኹሉ ጽዒርካ፡ ዘይብሉ ሽጣራ ንባርነት ዝስይሙ፡ እናበሉ ሓራ ኣውሪስካዮምዶ! ንደቂ ኣስመራ ነዞም ጠላማት እንስሳ ብዘይጭራ ሃብተ ሓወይ ብዓል ድርብ

መልቀስ
ወየ!!!!ወየ!!!ወየ!!!!
ወየ!!! ኣነ!!!! ወየ!!!ኣነ!!! ወየ ኣነ!!!!
እንታይ ሰማዕኩ ሎሚ ቕነ
እንታይ ተረኽበ ሎሚ ቕነ
ኣንታ ኣነስ ሓወይ እምበር!! ስኢነ!!!!
 
ዶክተር ሃብተ ወዲ ጎመራ
ንመን ገድፍካሉም ወዮ! ኤርትራ
ዝኹሉ ጽዒርካ፡ ዘይብሉ ሽጣራ
ንባርነት ዝስይሙ፡ እናበሉ ሓራ
ኣውሪስካዮምዶ! ንደቂ ኣስመራ
ነዞም ጠላማት እንስሳ ብዘይጭራ
ሃብተ ሓወይ ብዓል ድርብ ጭማራ
ኣላኮ ሃገርና ኣይወጸትን ሓራ።
 
ተማሃራይ ሃብተ ክዝክሮ
ባሪቖ ዝባርቕ ቅድሚ ምህሮ
መጻሕፍቲ ኣብ ሳንጣ ዝጸሮ
ንፊደላት ቀልጢፉ ዝቖጽሮ
ሓለንጋይ ብዓል ዓቢ ኣእምሮ
ሓረር ዝሓድር ንኣስመራ ዝሰግሮ።
 
ኣብ ዩጎዝላቭያ፡ ኮይኑ ተማሃራይ
ኣይግዛእን ዝበለ ፡ፓስፖርት ደርባያይ
ንባርካ ዝወረደ፡ ዶክተር ተጋዳላይ
ተቓላሳይ ኤርትራ፡ ላዕላይ ታሕታይ
ንበይነይ ዘይብል መከራ ምስ ብጻይ
ዘይዓጽፍ ቃሉ ቀደም ኮነ ዳሕራይ
ዓለም ወዲእዋ ብጻይ ተጋዳላይ።
 
መን ይመርጾ ምዃን ኤርትራዊ
ዝተወልደ፡ ይጥበስ ናብ ሓዊ
መዛዘሚ ዘይተረኽቦ ንኹሉ ዘእዊ
ሓደ ተሳኢኑ፡ ንህዝቡ መርሃዊ።
 
ዶክተር ሃብተ ብዓል ዓድዃላ
ኣብ ሕምብርቲ ዝውለድ ኣብ ማእከላ
ጎይታ ኢለ፡ ዓተር፡ ብርስን ምስ መሸላ
ወዲ ማይላፎ፡ ማይጻ ዕዳ ብኹላ
ኣብ ኩሉ ትዋሰብ ደጋ ኮነ ቖላ
ኣብ ዝዓርፍካሉ ቤተ ሰብ ሓሊፋላ
መልክዔኛ ለይለይ ከም መሸላ
ታሪኽካ ጽቡቕ እዩ ህዝቢ ኮሪዓል።
 
ዶክተር ሓወይ ኣብነት ናይ ብዙሓት
ብምኻንካ ተጋዳላይ፡ ዝሰምዑ ብዙሓት
ብስምካ ኣንጊሆም ገስገሱ ጊሓት ጊሓት
ንሕዝቦም ከድሕኑ፡ ካብቲ ንዝነበረ መዓት
ዘይተጸበይዎ ገጠሞም፡  ዝገደድ ክድዓት።
 
ዶክተር ሓወይ ሕማም በርቲዑካ
ከቢድ ኮይኑ ኣጽኒዑ ካብ ሓዘካ
መጨርስታ ሞት ኣብ ከይተርፈካ
ቃንዛ ተደሚሩ ዓለም ኣጽሊኡካ
ተጋዲልካ፡ ብዙሕውን ጽዒርካ
ዝተረፈ የልቦን ጣዕሳ ከይሓድረካ
ኩሉ ይቃለስ ኣይከውንን ከምናትካ
ኣብ ዓለም ዝግበር ኩሉ ኣማሊእካ
ጻዋዒት ካብ ኮነ ኣኺሉ ሰዓትካ
ኣርኪብካዮም ስዉኣት ብጾትካ
የዕርፍ በል ሕጂስ ይኣኽለካ
ብየማናይ ኢዱ ክርስቶስ ይቀበልካ።
 
ንዝዓበይኑ ዝነኣሱን ኩሉም ስድራቤት
ጽንዓት ይሃብኩም።
ተኻፋሊ ሓዘን
ሓውካን መጋድልትኻን
ሃይለ ገብረትንሳኤ
ዘብሄረ ሰራየ ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና
14 ጥሪ 2017

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Rahel January 15, 2017

    ኣብ ዩጎዝላቭያ፡ ኮይኑ ተማሃራይ

    for your information, he studied in Poland.

POST A COMMENT