Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

መግለጺ ሽማግለ ጨንፈር ዓባይ ብርጣንያ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ

 መግለጺ ሽማግለ ጨንፈር ዓባይ ብርጣንያ ኤርትራዊ  ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ   ንሕና ሽማግለ ጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያ  ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ  ለውጢ ብዕለት 4 ነሓሰ 2013 ስሩዕ ኣኼባና ኣካይድና፤ ሓደ ካብቲ ኣገደስቲ ኣጅንዳታትና ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ

 መግለጺ ሽማግለ ጨንፈር ዓባይ ብርጣንያ ኤርትራዊ  ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ  

ንሕና ሽማግለ ጨንፈር ዓባይ ብሪጣንያ  ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ  ለውጢ ብዕለት 4 ነሓሰ 2013 ስሩዕ ኣኼባና ኣካይድና፤ ሓደ ካብቲ ኣገደስቲ ኣጅንዳታትና ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ ኣቦወንበር ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት (ኤሃባዲ) ድ/ር ዩሱፍ ብርሃኑ ዝተወሰደ ስጉምቲ  እዩ ነይሩ።

ኩልና ከም ንፈልጦ ኣብዚ ዝሓለፈ ቅኒያት ፈጻሚ ኣካል ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ 4ይ ስሩዕ ኣኼባኡ ብምክያድ ካብ ዝሓለፉ እዋናት ክሳብ እዚ ዝተጠቕሰ 4ይ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣብ ዘሎ ጊዜ ተወጢኖም ዝነበሩ ዕማማትን ተፈጻምነቶምን ብዕምቆት ድሕሪ ምግምጋም ንኹሉ ኣወንታዊ ሸነኻትን ሕጸረታትን ብውድዕነት ብምምዛን ናይ ዝመጽእ ሓጺር እዋን ማለት ክሳብ ጉባኤ ኣብ ዘሎ ናይ ጊዜ መቓን ክዕመሙ ዘለዎም ስርሓት ብምንጻርን ንጉባኤ እተሰናድእ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ብምምዛዝ ኣኼባኡ ከም ዝዛዘመ ብመገዲ ደምዳሚ ኣዋጅ ተግሊጹ። ይኹን’ምበር ምስ’ዚ ተኣሳሲሩ ኣብቲ መወዳእታ ሕጡበ ጽሕፍ ናይቲ ደምዳሚ ኣዋጅ ንመላእ ደላይ ፍትሒ ዘሰንበደ ላቔባ ኣብ ኣጀንዳ’ውን ዘይነበረ እዚ ዝስዕብ ቃል ብቓሉ ካብቲ ጽሑፍ ደምዳሚ ኣዋጅ ዝተወስደ  “ሓባራዊ ኣኼባ መሪሕነት ባይቶን ፈጻሚ ቤት ጽሕፈትን ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዘጋጠመ ወድዓውን በዓል ቤታውን ሕጽረታትን፡ ሃገራዊ ባይቶ ካብ ዝጅምር ኣትሕዙ ዝጸንሔ ናይ ኣረኣእያ ጽልግልጋትን ኣነጺሩ ድሕሪ ምግምጋም ከመይ ክስገር ከምዝከኣል ዘትዩ። ሓይልን ብቕዓትን ኣኻኺብካ ንቕድሚት ክድፋእ መታን ክከኣልን ምስ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ብምትሕብባር ዕዉት ካላኣይ ጉባኤ መታን ክእቶን መሪሕነት ባይቶ ን ኣመራርሓ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ዝምልከት ምምዕርራይ ጌሩ። በዚ መሰረት ድማ ምክትል ኣቦ መንበር ቦታ ኣቦ መንበር ክትክእን ኣብ ዝኾነ ጸገማት ብቐረባ እተማኽርን ሽማግለ መዚዙ።’’

ዝብል ክንዕዘብ ክኢልና። እዚ ብስም ናይ መሪሕነት ምቅይያር ዝተጎልበበ ዝተወሃሃደ ዕልዋ ኣብ ልዕሊ ኣቦ መምበር ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት  ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዶ/ር ዩሱፍ ብርሃኑ ብስም ስክሪታሪያት ባይቶ ዝፍለጡ ባእታታት ዝግበር ዘሎ ኮይኑ ኣብ ክንድኡ ክኣ ብምክትሉ ዝነበረ ዮሃንስ ኣስመላሽ ክትካእ ክብሃል ንሰምዕ ኣለና። ዝገርም’ዩ! ንምዃኑ እዚ ተገይሩ ትብልዎ ዘለኹም ናይ ስልጣን ምቅይያር መን ብዝሃበኩም መዝነትን ስልጣንን ኢዩ ኸ? ድሓር ክኣ ኣብ ድሮ ጉባኤ ማለት ዝተወሰኑ ኣዋርሕ ተሪፍዎ ኣብ ዘሎ ጊዜ ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባራት ምፍጻም ኮነ ኢልካ ነታ መላእ ህዝቢ ኤርትራ እታ እንኮን ንእሽቶን ተሪፋቶ ዘላ ናይ ተስፋ ጩራ  ዶኾን ሎምስ በዚ ባይቶ ኣቢልካ ገለ ቁምነገር ግዲ ይግበር ይኸውን ዝብል ሃረርታን ሃንቀውታን ክትቆጺ ምፍታን ኪኒየው ዘይሓላፍነታዊ ምዃን ርኡይ ዕልዋ’ውን ኢዩ። ስለዚ እምባኣር ንሕና ሽማግለ ጨንፈር ዓባይ ብርጣንያ  ንኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ እዚ ተገይሩ ዘሎ ኣገባብ ዝሰሓተ ስለዝኾነ ኣጥቢቕና እንዳኾነንና ነቶም ነዚ ስጉምቲ ዝወሰድኩም ሰባት ኣገባብ ስሒትኩም ከምዘለኹም ተረዲእኩም ነቲ ጉጉይ ውሳኔኹም ክትስሕቡ በዚ ኣጋጣሚ ንጽውዕ ከምዚ ሓሲብኩሞ ዘለኹምን ከተትግብርዎ ዝሃቀንኩምን ድሌት እንተለኩም ክኣ ብኣገባብ ኣብ ዝግብኦ ጊዜን ቦታ ከተልዕልዎ ይግብኣኩም ንብል።

ብዘጽደቕናዮ ሕጊ ምእዙዛት ንኹን!

ህዝቢ ኤርትራ ክዕወት’ዩ!

ዕለት 06/08/2013

ሽማግለ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ  

ጨንፈር ዓባይ ብርጣንያ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Kokhob selam August 10, 2013

    ………….ወይልኡ ልኋኺ………….

    እቲ ብዓል ሓቂ መዓስ ጠፊኢዎ:-
    ድኽመታት ሕዝቡ ግርም ጸጽይዎ:-
    ባዕሎም ይምስክሩ ‘ቶም ዝኸስዎ:-
    ዕግርግር ክብሉ ኣህዲኡ ኣልይዎ::

    ሕሩመይ;-

    ናተይ ኢሉ ሒዝዎ ድኽመታት ወገኑ:-
    ልቢ ኣዕብዩ ንቅድሚት ሓሊኑ:-
    ……………………………………ተስፋ ተኸዲኑ:-
    ጠቃሚ መዚኑ– ናይ ሓባር ባይታና መአንቲ ከይዓኑ
    እንተ ድሑራት ክጸናጸኑ:
    ………………… ስራሕ በዚሕዎም ዝባዞኑ:-
    ኣብ ክንዲ ሞት ህግደፍ ዘፋጥኑ ::

    ነጊርናዮም እንዲና እምነት ከምዘድሊ:-
    ጽቢብ ስምዒታቶም ንኽበሊ:
    ባይታ ኣዳሊናሎም ናይ ሓባር መጽለሊ:-
    ኣጆኹም እልናዮም ደው ኢልና ብዕሊ::

    እሞ ድኣ :-
    ሓንሳብ ይእርነቡ ሓንሳብ ይብተኑ:-
    ምእላይ ኣብይዎም ርእሶም ቀይኒኑ:-
    ምኽንያት የብዝሑ ጉድለት ክሽፍኑ:-
    ብድቃስ ተበሊዖም ካልእ ይኹኑኑ::

    ወይ ደቀይ!!!

    ጉድለታት ኣለና ኢሎም ከይሓሰቡ:-
    ስራሕ ከይሰርሑ ፍርያት ዝጠልቡ:-
    ኣየናይ ዘርኢ በቂሉ ዓንቢቡ:-
    ሓረስታይ ከይሓረሰ ንፍረ ቀሪቡ::

    በሉ:-
    ሓቂ ናይ ብሕታ ሰራዊት ኣለዋ:-
    ኣሺንቧይ ዶ ሎሚ ሓፋሽ ፈሊጥዋ:-
    ቀደም ‘ኳ ውጹዕ ምርዳእ ኣብይዋ:-
    ንህግደፍ ገበን ነይቀደዋ:- ደም ዒቅ ኢሉዋ:-
    ………………………ማስጣ ሓቂ ወሪድዋ :-
    ባዕላ እያ ተሰይራ ባይቶ ነይነውነዋ::

    ግደ ናይ ውሑዳት ኣብቲ ዓውደ ቃልሲ:-
    ክምስገን ይግባእ ወኒኻ ቀስቃሲ:-
    ንውጽዕ እዩ ነይሩ ኣይኮነን ንኹርሲ;-
    ባይቶ ዘይርኣዮ ኣለና እዩ ቅርሲ:

    ዝግርም እዩ:-
    ከይኣኽሉና ልኣኡኻት ህግደፍ:-
    ክብረት ኣልቦ ዝበሉ ጸደፍደፍ :-
    ገደደና ‘ቲ ናይ ድሑራት ሓነፍነፍ:
    ኣብ ጥራይ ጎልጎል ስልጣን ምህራፍ::

    እመኑ ተጋዳልይ ሓቂ እዩ ህይወቱ:-
    ልዕሊ ባይቶ ልዕሊ ውድባቱ:-
    እንተዘይኮይነን ፈጸምቲ ድልየቱ:-
    ሕማም ተሽኪሙ ናብ ሃገር ነይኣቱ::

    ኪዱ ደቅሱ ከም ቀደምኩም :-
    ቀይዲ በትኽ ካብ ኮነ ጉዕዞኹም::

    እቲ ግድል ከም ቀደሙ:-
    ናይ ሓቂ እዩ ካብ ገጽና ህደሙ:-
    ኣብ ኣድላይ መድረኽ ካብ ትጠልሙ:
    ወይ ውን ተቀላጢፍኩም ተኣረሙ::

    ኤረትራና ኣለና ኣጆኺ:-
    ኣይደኸምናን ንጋደል በጃ ክብርኺ:-
    ለሊይዮም ጸበብቲ ፈሊኺ:-
    ንገሪ በልዮም ወይልኻ ልኋኺ:

    ብኮኾብ ሰላም

  • Kokhob selam August 12, 2013

    …….እህም ባየ!!!!!…

    …እዛ ጓለና ንመን ሒዛ:-
    …….ትብል ዘላ “እሂም ባዛ”:-
    ………..ብሓልዮትና እንዲያ ጎቢዛ;-
    ………….ትፈጥረልና ዓቢ ቃንዛ:-
    …………….ብስሚ ዶ ኾን ተበሪዛ:
    ……………….ረኺባ ዶ ስዲ መሓዛ::

    እምበር:-
    …ሃገርነት ኣብ ቃሬዛ:-
    …….ንሳ ትፈቱ ጠርዼዛ:-
    ……….እናሰጎመት ጻባ ሃንዛ:-
    ………….ብነፍሰ ፍትወት ተታሒዛ::

    … “ተኹሽተተይ” ኢላ ድርቕ :-
    …………..ከም’ዛ በይና ጽሓይ ተብርቕ:-
    ………………………..ጉድለታታ ኣጽብብቕ:-
    ……………………………ዘመረጸቶ ድርብይ ኣርሕቕ:-

    …ወዮ ንሕና ንኢስናያ:-
    …….ዘይነስትብህል መሲልናያ:-
    ………..ክትቅድመና ተጓያ:-
    …………..”ተዓርየ” ትብል ኣቦኣ ደርብያ::

    ኣቤት ኣቤት!!

    …ከም ጽላለ ከም ዕብድብድ:-
    ……ከም ስኽራን ርእሲ ክብድ:-
    ………ከም ፍርሕርሕ ስምብድብድ:-
    ………….ነብሰ ምትላል ምእብባድ:-
    ……………..ኣብ’ታ ጉባኤ ከይትዋረድ:-
    ………………..ተቀዳዲምካ ሓደ ውግድ::

    …ኣብ ክንደይ ንሳ ዘይደልደለት:-
    …..ኣደን ኣቦን ዘይሐጎሰት:-
    …….ህጻን መንእሰይ ዘይሓቖፈት:-
    ……….”ኣህምባየ” ኢላ ዘለለት::

    እህምባየ ‘ቲ ወግዕና:-
    ‘ዛ ጓለይ ይጽነሓልና:-
    ኣብ ግዚኡ ክኾነልና:-
    ገዓት ጠስሚ ምስ በላዕና :-
    ግርም ምስ ደልድለ ‘ቲ ብርክና
    ሺዑ ንሪኤኪ:- እንተኽኢልካና::

    KOKHOB SELAM

POST A COMMENT