Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምሕረት ክንስኺ ዶ ተነፍገኪ ድሕነት!

ምሕረት ዝኣዘዝኪ ንብዙሓት ነዛ ግልኺ ዶ ተነፍገኪ ድሕነት ኣንቲ ክኣሊቱ መምህር ምስ ኣደነት፣ ‘ታይ ‘ሞ ፋይድኡ ‘ወየ’ ድሕሪ ‘ቲ ሞት ከለኺ በኺና ወዲእናዮ ንብዓት!   መለሳ ህላወ ካብ ወሳዲኺ ሞት ባዕልኺ ዘይገለጽክዮ ትርጉሙ ንህይወት እምበር ጽንጽንታ ዶ ጠፊኡና ናይዘን ተካል ዓመታት ካብ ንምዉታት ከምዝብከየልና ንህልዋት!   እንተ

ምሕረት ዝኣዘዝኪ ንብዙሓት

ነዛ ግልኺ ዶ ተነፍገኪ ድሕነት

ኣንቲ ክኣሊቱ መምህር ምስ ኣደነት፣

‘ታይ ‘ሞ ፋይድኡ ‘ወየ’ ድሕሪ ‘ቲ ሞት

ከለኺ በኺና ወዲእናዮ ንብዓት!

 

መለሳ ህላወ ካብ ወሳዲኺ ሞት

ባዕልኺ ዘይገለጽክዮ ትርጉሙ ንህይወት

እምበር

ጽንጽንታ ዶ ጠፊኡና ናይዘን ተካል ዓመታት

ካብ ንምዉታት ከምዝብከየልና ንህልዋት!

 

እንተ ሕማም ኣምላኽ ዘይውቀስ ኣንደበት

ናብ ደበስ ዘስግር ተመኒኻ ገነት፣

እንተ ግፍዒ ሰይጣን ግሃነብ ናይ መሬት

ኪዳንኪ መንጢሉ ዝገበረኪ መበለት፣

ሓዲኦም ወሲዶምኺ ኣብ ዝመረጹዎ ዕለት

ንስኽስ ዓሪፍኪ መሊስክሎም ጽንዓት፣

 

በልሉ ደኣ ነቲ እኩይ ፍጥረት

ሕልና ዘይብሉ ዘጻንሕ ቅሳነት

እምበር፣ ፈጣሪ ሲ ኣለዎ ‘ንዶ ክእለት

እቲ ካልኣይ ዕድል መንግስተ ሰማያት

ንመን ‘ሞ ክቕበል ኣብሊጹ ካብ ምሕረት!

 

ዓቕሊ ለውሃታ በረኻ ዘይውሕጦ

ሰብነታ ንውሓት ቃልሲ ዘይለወጦ፣

ህይወት እትዘርእ ህይወት ኣብ ዘይብሉ

ቃልሲ ኣቐዲማ ደቂ ጀጋኑ ክትሕሉ

ኣእምሮ ምስ ኣካል ሚዛን ከየጕድሉ

ኣደ ዘኽታማት ኣደነት ንርእሳ ከየርከበትሉ፣

 

ዝኽትምና ደቃ እንደሞ ደጊሱዋ ኣብ ዝወለደትሉ

ናይዛ ዓለም ነገር ስጊንጢር እንድኣሉ፣

እምበር ሰናይ ግብራ ደኣ ቆፎ ‘ኳ ‘ተተረኺቡሉ

ኣሽንባይ ዶ ፈጣሪ ሰብ ዘይብሎ ኣሉ

ከመይ ክኽእሎ ‘ዩ ሓጥያት፣ በዳሊኣ ጸሊኡሉ!!

 

መንግስተ ሰማይ የዋርስኪ መምህር ምሕረት

 

ተማሃራይ ምሕረት ነበር – ኣማኑኤል ኢያሱ

15 ሚያዝያ 2017

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • Seble April 15, 2017

    No matter what you did wrong or right just RIP sister Mihret.

  • ስለፍትሒ April 16, 2017

    መንግስተ ሰማይ የዋርስኪ፡ ንስድራቤት ከኣ ጽንዓት ይሃብኩም።
    ነዞም ብደውና ዝሞትና ህዝቢ ከኣ እግዚኣብሔር ምሕረቱ ይሃበና።

  • EK July 22, 2017

    I am sad to hear the loss of our intellectual sister. May God give all the family strength and RIP to her soul. It is a great loss to her family, friends and country.
    EK

  • Berhe Tensea August 20, 2017

    This is yet another sad news. My sympathy to her whole family..
    RIP.

POST A COMMENT