Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምሳይ ጽንሒ

ግደፋ እዛ ዓዲ ረስዓያ ካብ ልብኻ ምሒቕካ ኣውጻኣያ ስጐጓ፡ ኔው በላ፡ በላ ብያ ብምንታይ ኢያ‘ሞ ሰሪሓ ክትብሃል ዓያ ሃሊኻ፡ ደይባ፡ ጐያ ሓሪሻ፡ ጐልጕላ፡ ጸጊኣ፡ ጻህዪያ ቀውዓ ኣቖንጺባ ዓውዳ ኣጨቅያ ደቃ በእላፋት ኣጥምያ እንሃ ከም ገልዒ ትጕሓፍ ተደርብያ   ኣብ መዓሙቕ ልበይ ተሰዅዓ ከም ብሮት ትነብር ምስ

ግደፋ እዛ ዓዲ ረስዓያ

ካብ ልብኻ ምሒቕካ ኣውጻኣያ

ስጐጓ፡ ኔው በላ፡ በላ ብያ

ብምንታይ ኢያ‘ሞ ሰሪሓ ክትብሃል ዓያ

ሃሊኻ፡ ደይባ፡ ጐያ

ሓሪሻ፡ ጐልጕላ፡ ጸጊኣ፡ ጻህዪያ

ቀውዓ ኣቖንጺባ ዓውዳ ኣጨቅያ

ደቃ በእላፋት ኣጥምያ

እንሃ ከም ገልዒ ትጕሓፍ ተደርብያ

 

ኣብ መዓሙቕ ልበይ ተሰዅዓ

ከም ብሮት ትነብር ምስ ስጋይ ጠቢቓ

ሕቖይ እንተሃብክዋ ትጥወ ብፊተይ መጺኣ

ጽላሎታ ትኸይድ ምሳይ ተጸጊዓ

ትምኒተይሲ ነይሩ ክበልዕ ልግዔዓ

በእዳዋ ዝተሓስየ እቲ ምቁር ሕሾኣ

ተሻቝጡ ምስተሓፍሰ እንጣጢዓ

ኣየወ ተሃንጠኹ ክርኢ ኣበብኣ

እቲ ናታ ሕጸ፡ እቲ ናታ መርዓ

ከም ነጋዲት ደብረ ሲና ገበርኩ መብጻዓ

ኣብ ዳሳ እቶ በለትኒ ኣዕሩኻ ጸዊዓ

ዘክሮ በለትኒ ቃላት ኣጻዕጺዓ

ኣኺሉ‘ዩ ቃልና ንጽሕፈሉ ብብርዒ ናይ ጭዓ

 

ጕዳም እባ እዚኣስ ዘይብላ ናየደ

ከብዳ ተሪር ኣእማን ዝወለደ

መቓብራ ዓሚቝ ኣትማን ዘእንገደ

ደቃ ኣብ መጕእ ትድህኽ በብሓደ

ኣእዳዋ ከም ምራን ቍራባዓት ዝላደ

ከመይ ጌረ‘የ‘ሞ ክብላ ኣነ ኣደ

ግፍዒታታ ካብ ነደረ ካብ መንጐደ

ልሳናን ግብራን ከቶ ዘይቃደ

ልባስ ሕሱም‘ዩ ምስ ሓንገደ

ብመስኤኣ ትጭሕግሮ ንዘንቀደ

በቲ ርሱን ኮንተይነራ የለን ዘይነደደ

ኣሉ እንተበልኩም እኽሕስ፡ እዕደ

መንካዕ እኳ‘ሎ ኣብ ሳሕል ዝተሓርደ

ብሓለዋ ሰውራ ኣብ ጋቢና ምስተዓብጠ

ሰብ የለን ካብኣ ዝሃደመ፡ ብሂወት ዘምለጠ

መዘዛኣስ ብዙሕ‘ዩ ዘይተፈልጠ

ወትሩ እንዳበለት ክፈል፡ ብሂወት ተዓደ

ኣምሳዪኡ ገበረቶ ህዝበይ መሬት ዝዘበጠ

ኣንቃዕሪሩ ክጥምታ ንሓርነት ተዋረጠ

 

ሰለሙን ይከኣሎ

ሓምለ 2017

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • k.tewolde August 21, 2017

    A beautiful poem full off resentment and contempt.Yes! who wants to associate and identify with that putrid and filthy legacy that cannibalized Eritrea’s best.You can’t have it both ways,either you embrace her and get infected by her or abhor her emphatically,uproot her and throw her malignant seeds for good.You can’t fight an enemy while at the same time licking his stinking behind .Good work Solomon.

POST A COMMENT