Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ርሑስ ሓዲሽ ዓመት

ኣረጊት ክወጽእ - ሓዲሽ እንክኣቱ ገለ ኣብ ስደት - ገለ ኣብ ምድሪቤቱ ገምጋም ክገብር -  ኣብ ሕሉፍ ሕይወቱ ህሉው እንታይ ይብል - ንድሕሪት ጠሚቱ?   በረካዶ ኔሩ - በዱ ዝሓለፈ? ወይስ ለምለም - ሳዕሪ እተነጸፈ? ዕንባባ ዶ ኔሩ - ንህቢ ዝሃረፈ? ወይስ ተዋጋኢ

ኣረጊት ክወጽእ – ሓዲሽ እንክኣቱ

ገለ ኣብ ስደት – ገለ ኣብ ምድሪቤቱ

ገምጋም ክገብር –  ኣብ ሕሉፍ ሕይወቱ

ህሉው እንታይ ይብል – ንድሕሪት ጠሚቱ?

 

በረካዶ ኔሩ – በዱ ዝሓለፈ?

ወይስ ለምለም – ሳዕሪ እተነጸፈ?

ዕንባባ ዶ ኔሩ – ንህቢ ዝሃረፈ?

ወይስ ተዋጋኢ – እሾኽ ዝዓንደፈ?

 

ሃሩር ዶ ኔሩ – ቑሪ ዝቐዘፈ?

ወይስ ህዱእ ንፋስ  –  ዘቅሰነ ዘዕረፈ?

ማእከላይ ዶ ኔሩ – መርከብ ዘንሳፈፈ?

ውይስ ህቦቡላ – ሕይወት ዝቀዘፈ?

ዘይልለ  ዶ ኔሩ – ኩሉ ዝሓቖፈ?

ወይ?

ራህዋ ዶ ኔሩ – ጸጋን ክብረትን?

ዋላስ መካራ – ጽምእን ጥሜትን?

ሓደ ክስዕሳዕ –  ብድርፍን ህርመትን

ገለ ዶ ሓዚኑ – ብሞትን ቅዝፈትን?

 

ብከመይ ይግምገም – ዝበለ ብትንትን?

ኢሉ ክሓስብ ! ክግረም! ከስተንትን!

ንግዜ ከፋኑ – ብፍርሕን ድፍረትን

መን ኣሎ ካባና – ኣልዒሉ ዘይፍትን?

 

ጊዜ ግን ሓሳብ ኢዩ – ዘይውንን ነብሲ

ሓንሳብ ምስ ሓለፈ – የብሉን መላሲ

ጥዕና ዝሃቦ – ንተንቀሳቃሲ

ክሳብ ዘይደቀሰ – ዘይኣፍቀረ ማእሲ

ናይ ሕይወት ሚስጢር – ዋና ኣገዳሲ

ግዜ ተስፋ ኢዩ   –  ተስፋ’ዩ ወራሲ

 

መረጸ ኣስመላሽ              12 -31- 2016

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Simon G. January 9, 2017

    The best poem I have read. Beautiful!

POST A COMMENT