Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

aseye.asena@gmail.com

Review overview
7 COMMENTS
  • Kalighe December 31, 2013

    May God/Allah make it the year that will mark the end of tyranny in our beloved Eritrea. Happy New Year to all of you.

  • Said January 1, 2014

    Happy new year to Ertrea an eritren people, pace in love I hope and pray the and of the dictator, I love you all good night .

  • ተወልደመድህን January 1, 2014

    አወ ጽቡቕ ናብ ተስፋን ቅሳነትን ዘሰጋግር ዓመት ራህዋ ይኹነልና።ግን ንኹሉኹም ኤርትራውያን ናብቲ እንደልዮ ዝወስድ መንገዲ ኣቢልና ኣንተጠሚትና፡ናብ ኡ ንበጽሃሉ ኣገባባት እንተሰሪሕና፡ርእሺ ኩሉ እቲ እንገብሮ ዘሎና ጽቡቕን ቅኑዕ ምኳኑ ናይ በለጽ ወይ ናይ ገለ ጫለዳ ጉዳያት ግዙኣት ከምዘይኮነ ኣሚና ብቅንዕና ብልቢ ክንፍጽሞን ክንብገሰሉን ጉዳይና ኢልና ክንሰርሃሉ እንተበቒዕና ጥርሕ’ዩ፡ሰላምን ቅሳነት ዘለዎ ዓመት ክኾነልና ዝኽእል።ኣሜን ምባልን ምምናይን ግን ነቲ ጸገም ኣይቕይሮ፡ነቲ ክንበጽሖ እንደልዮ ኣየብጸሓና።

  • sara gual eritra January 1, 2014

    AMEN
    zemene isaias halifu….
    zemene SELAM zemtsiE kem ngus solomon
    zibele DELAY FITHI N AMLAK ZIFERIH
    YENGSELNA
    GOD BLESS NERITRAN HIZBAN

  • Truly Truly i say to you January 1, 2014

    ከምቲ ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ዚገብር ደኣ እምበር፡ ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ዚብለኒ ዂሉ፡ መንግስተ ሰማያት ዚኣቱ ኣይኰነን።
    ዝበሎ ጎይታና እየሱስ ክርስቶስ (ዓብ ወንጌል ማቲዮስ ምዕራፍ ፯፣ ፪፩)፣ ንሕናውን ራህዋን ፍትሕን ሰላምንን ብሃድሽ ዓመት ስለዝተመነና ጥርህ ብቀሊሉ ዝመጽእ ይመስለና ይኸውን። ራህዋን ፍትሕን ሰላምን ግን በቲ ዕላማናን ንገብሮ ተግባራትናን፡ ቅንእና፣ ሃቅን ፍትሕን ክሳብዘይሃለውና ሕልምና ሕልሚ ደርሆ ኮይኑ ጥራህ እዩ ዝተርፍ። በሉስከ ኣበይ ዓሎ እቲ ቅንእናን ሃቅነትን? ስለምንታ እዩ ዝኮነ ተራ ደራፋይን ኩኡሶ እግሪ ተጻዋታይን ንስርዓት ሕግደፍ ራህሪሁ ኣብዝጠፍኣሉ እዋን ካብ ሓጎስ ብዙህ ለፍ እናበልና፣ ሕጂ ግን ናይ ኃይሊ ኣየር ኤርትራ ኣብራሪ ፓይለት ዝነበረ ሃብቶም ደበሳይ ኣየር ሂዙ ኣብ ጅቡቲ ዑቕባ ብዛእባ ምሕታቱ ደይንግደሰሉ ምኽንያቱ እንታይ ኮን ይኸውን? ብዜና ይኹን ብሃተታ ብዛእቡኡ ሃደ ሰብ እንኳ ተገዲሱ ገለ ቃል ብዛእብኡ ብጭቕ ዘይምባሉ ኣዝዩ ዘስደምም እዩ። እዚስ ምስምንታይ ይህሰብ? ክፍኣት ድዮ ዕሽነት? ምናልባሽ በዚ ምኽንያት እዩ ኣምላኽ ሕዝብና ክጸንት እናረኣዮ፣ ፍትሂ እናተሃረፍናን መልሲ ከይሃበና ከጽቕጥ ዝመረጸ። ቅዱስ መጽሓፍ ኣብ (መጽሓፈ መክብብ ምዕራፍ 10; 1) ከምዚ ይብል “ምውት ጽንጽያ ነቲ ቕብኢ ናይ ብዓል ቅዱይ ሽቱ የጭንዎን የመሽምሾን፡ ንእሽቶ ዕሽነት ከአ ንጥበበን ክብርን ተበላሽዎ” ነቲ ኩሉ ናይ ኣሰና ቅዱስ ቃልሲ ከኣ ብዚኣ ስንፍና ጨንዩ ንከይበላሾ ከም ኣርክን ፈታውን ኣሰና መጠን ብዝእባ ጅግና ሃውና ንስርዓት ኢሳያስ ራህሪሁ ኣይሮፕላን ሂዙ ብዛእባ ምጥፍኡ ነዚ ኣቢ ዜና ንሕዝቢ ንከብስር እላቦን እምእድን።

  • selamawit January 1, 2014

    A blessed, peaceful, healthy 2014 to all of you!
    May god show us the right way to make humanity happen and to help, to free those who are under bad conditions.
    And may god heal the wounds of the harmed and salve the distressed souls of our brothers and sisters who went and are still going through hardship.

    From deep of my heart
    Selamawit

  • Truly Truly i say to you January 1, 2014

    ዝኸበርኪ ሰላማዊት ነቲ ንኣምላኽ መንገድኻ ኣርእየና ኢልኪ ንዝጸለኽዮ ጸሎት፣ ንምዃኑ በቲ ብላእሊ ጺሕፈዮ ዘሎኹ ርእይቶ ብመንገድና ዘበለ ኹሉ ቅንእና ሰለዘይብልና ኣምላኽ መፍትሂ ንከይህበና በደልና ክምዝኣገቶ ገሊጸ ነረ። በቲ ናታይ መልሲ አንተዝይኣገብኪ ግን፡ እዚ ቃል ኣምላኽ፣ ከምዘእግበኪ ስለዘይጠራጠር እንሆ።

    1- እንሆ፡ ኢድ እግዚኣብሄር ንምድሓን ሓጻር ኣይኰነትን፡ ከይሰምዕ ከኣ እዝኑ ኣይጻንዖን እዩ።
    2፡3- ግናኸ ኣእዳውኩም ብደም፡ ኣጻብዕኩም ብበደል ረኺሰን፡ ከናፍርኩም ሓሶት ይዛረባ፡ ልሳንኩም ከኣ ክፍኣት ይናገር ኣሎ እሞ፡ ንኣኻትኩምን ንኣምላኽኩምን ኣብ መንጎኹም ኰይኑ ዝፈላለየኩምሲ ኣበሳኹም እዩ፡ ከይሰምዓኩም ከኣ፡ ኣብ ቅድሜኹም ገጹ ዜሕብኣልኩም ሓጢኣትኩም እዩ።
    4- ብጽድቂ ዚጠርዕ ሓደ እኳ የልቦን፡ ብሓቂ ዚምጒት ሓደ እኳ የልቦን፡ ኣብ ከንቱነት ይውከሉ፡ ሓሶት ከኣ ይዛረቡ፡ እከይ ይጠንሱ፡ ሓጢኣትውን ይወልዱ ኣለው።
    5- እንቋቚሖ ገበል ይሐቚፉ፡ ዓለባ ሳሬት ከኣ ይኣልሙ፡ እቲ ኻብ እንቋቕሖ ዚበልዕ ይመውት፡ ካብቲ እተጨፍለቐ ድማ መንደልቶ ይነቊሕ።
    6- ዓለባኦም ክዳን ኣይከውንን፡ ብግብሮም ከኣ ኣይኪኽደኑን እዮም። ግብሮም ግብሪ እከይ እዩ፡ ኣብ ኣእዳዎም ድማ ግብሪ ዓመጻ ኣሎ።
    7- ኣእጋሮም ናብ እከይ ይጐይ፡ ንጹህ ደም ንምፍሳስ ይቕልጥፉ፡ ሓሳቦም ሓሳብ እከይ እዩ፡ ጥፍኣትን ምዕናውን ኣብ መገድታቶም ኣሎ።
    8- ንመገዲ ሰላም ኣይፈልጥዋን፡ ኣብ ኣኻይዳኦም ቅንዕና የልቦን፡ ንመገድታቶም ይጠዋውይዎ፡ እቲ ብእኡ ዚኸይድ ዘበለ ንሰላም ከቶ ኣይፈልጣን።
    9- ስለዚ ቕንዕና ኻባና ረሐቐ፡ ጽድቂውን ኣየርክበናን እዩ። ንብርሃን ንጽበ፡ እንሆ ኸኣ ጸልማት፡ ንድሙቕ ብርሃን ንጽበ፡ ግናኸ ብጸልማት ኢና እንመላለስ ዘሎና።
    10- ከም ዕውራት ንመንደቕ ሃሰስ ንብሎ፡ እወ፡ ከምቶም ዓይኒ ዜብሎም ሃሰስ ንብሎ ኣሎና፡ ቀትሪ ኸሎስ፡ ከም ብጊዜ ጽልግልግታ ደርገፍገር ንብል። ምስ ምሉእ ሓይልና ኸም ምውታት ኰንና።
    11- ኲላትና ኸም ድብታት ንሀብብ፡ ከም ረገቢት ንቚዝም፡ ንቕንዕና ንጽበ ኣሎና፡ ግናኸ የልቦን፡ ንምድሓን፡ ንሱውን ካባና ርሑቕ እዩ።
    12- ገበንና ኣብ ቅድሜኻ ብዙሕ እዩ እሞ፡ ሓጢኣትና ድማ ይምስክረልና ኣሎ። ገበንና
    ምሳና እዩ ዘሎ እሞ፡ ንኣበሳና ንፈልጦ ኢና፡
    13- ካብ እግዚኣብሄር ዐሎና ኽሐድናዮውን፡ ንኣምላኽና ኸይንስዕቦ ድማ ተዝሐጥና፡ ግፍዕን ዕልወትን ተዛረብና፡ ዘረባ ሓሶት ጠኒስና ኻብ ልብና ደርጓሕናዮ።
    14- ፍርዲ ድማ ንድሕሪት ኣቢሉ ተመልሰ፡ ጽድቂ ኸኣ ኣብ ርሑቕ ቈመ፡ ሓቂ ኣብ ኣደባባይ ወዲቑ እዩ እሞ፡ ቅንዕና ኺኣቱ ኣይተኻእሎን።
    15- እወ፡ ሓቂ ተሳእነ፡ እቲ ኻብ እከይ ዚርሕቕ ድማ ርእሱ ንዘመተ ይውፊ፡ እግዚኣብሄር እዚ ረኣየ፡ ቅንዕና ስለ ዜልቦ ኸኣ ጐሀየ።

    (ትንቢት ኢሳይያስ መበል 59 ምዕራፍ ካብ 1-15)

POST A COMMENT