Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ርሑቕ ዓዲ መሐሰዊ መልሲ ንሓሳዊት ብርኽቲ ፍስሃየ (ብጓል-ቡርጁዋ እትፍለጥ) ደራሲት መጽሓፍ “ይጽንሓልኪ” – ብ ጽገወይኒ ኣድሓኖም (ጓል ላንጋኖ) ሳልስይን ክፋልን መወዳእታን

ርሑቕ ዓዲ መሐሰዊ መልሲ ንሓሳዊት ብርኽቲ ፍስሃየ (ብጓል-ቡርጁዋ እትፍለጥ)  ደራሲት መጽሓፍ “ይጽንሓልኪ” ብ ጽገወይኒ ኣድሓኖም (ጓል ላንጋኖ) ሳልስይን ክፋልን መወዳእታን _________________________________________________________ ኣብቲ ኣቐዲሙ ዝወጸ ጽሑፋተይ እንታይነት ጓል ብርጅዋን ከም ስርዕቲ ተ.ሓ.ኤ ኣብ ኣስመራ ኮይና ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ኤርትራውያን ዝፈጸመቶ በደላት ክገልጽ

ርሑቕ ዓዲ መሐሰዊ

መልሲ ንሓሳዊት ብርኽቲ ፍስሃየ (ብጓል-ቡርጁዋ እትፍለጥ)

 ደራሲት መጽሓፍ “ይጽንሓልኪ”

ብ ጽገወይኒ ኣድሓኖም (ጓል ላንጋኖ)

ሳልስይን ክፋልን መወዳእታን

_________________________________________________________

ኣብቲ ኣቐዲሙ ዝወጸ ጽሑፋተይ እንታይነት ጓል ብርጅዋን ከም ስርዕቲ ተ.ሓ.ኤ ኣብ ኣስመራ ኮይና ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ኤርትራውያን ዝፈጸመቶ በደላት ክገልጽ ፈቲነ። ናይ ሎሚ ጽሑፈይ ከእ ተራ ብርኽቲ ኣብ ሜዳን ድሕሪ ሜዳ ዘጋጠመኒ ኩነታትን ገሊጸ ክዓጽዎ ኢየ። ምኽንያቱ ናይ ጓል ብርጅዋ በደላት መጽሓፍ ብምጽሓፍ እንተዘይኮይኑ በዚ ኣነ ዘውጻእክዎ ጽሑፍ ዝግለጽ ኣይከኣልን። ተስፋ እገብር ከኣ ካልኦት ነዚ ጽሑፍ ነቢቦም ብጓል ብርጅዋ ዝበጽሖም በደላት ክገልጹ።

ጓል ብርጅዋ ኣብ ሜዳኸ ተራኣ አንታይ ነይሩ?

ኣብ ሰሓርቲ ምስ በጽሔት፡ ዝረኣዩዋ ተጋደልቲ ተ.ሓ.ኤ እዛ ቖልዓ ተኣሲራ ሰሚዕና ከመይ ገይራ ደኣ ቀልጢፋ ወጺኣ ኢሎም ይግረሙ’ሞ ይሓትዋ። ንሳ ኸኣ ብማንካ ንመስኮት እቲ ሆስፒታል ፍሒራ ከምዝወጽኤት ትሕብሮም’ሞ ይግረሙ። እንተኾነ፡ ከምቲ ኣመላ፡ ምስቶም ኣብ ሰሓርቲ ዝነበሩ ሓለፍቲ ጽቡቕ ዝምድና ስለ ዝገበረት ነቲ ዝነገረቶም ጽውጽዋይ ብዙሕ   ኣይተገድሱሉን፡ ሸለል ደእ በሉዎ። ድሒሩ ግን ከምቲ ዝበለቶም ከም ዘይኮነ ተ.ሓ.ኤ በጺሖሞ ኢዮም።

ከምቲ ኩሎም ዝገልጽዎ፡ ሰሓርቲ ብዙሕ ጸይቂ ዝተኻየዱሉን ዝተፈጸመሉን ቦታ ኢዩ ነይሩ። ዕድል ኣንተ ረኺበው’ን ብዛዕብኡ ክጽሕፍ ተስፋ እገብር። ሰሓርቲ ግን ንከም በዓል ብርኽቲ ዝኣመሰላ/ሉ ጉዕዝያት ስጋዊ ርክብ ዝገብሩሉ ቦታ’ውን ኢዩ ነይሩ። ዝኾነ ኮይኑ ኣብ ሰሓርቲ ነዊሕ ከይጸንሔት ንባርካ መሰነይታ ደብዳበ ሂቦም የፋንውዋ። ኣብ ባርካ’ውን ከም ኣመላ ምስቶም ላዕለዎት ሓለፍቲ ተውደኽድኽ ከም ዝነበረት ኢዩ ዝሕበር። ኣብ ባርካ ነዊሕ ከይጸንሔት ከም ኣመላ ሓሚመ ትብሎም እሞ ንግብጺ ከምትኸይድ ይግበር። መቸም ላዕሎዎት ሐላፍቲ እንተ ሒዝካ ዘይግበር ነገር የሎን። ካብ ግብጺ ንሶሪያ ከይደ ነይረ ኢያ እትብል፡ እንተ ኾነ ኩሎም ዘዛረብክዎም ንሶርያ ምኻዳ ከምዘይፈልጡ ኢዮም ዝሓበሩኒ። ዝኾነ ኾይኑ ንሳ ከም እትብሎ ሜዳ ናፊቓ ዲዩ ወይስ እቶም ኣብ ግብጺ ዘሎዉ መራሕቲ ተ.ሓ.ኤ ጠባያ ተዓዚቦሞ ዲዩ ንሜዳ ከም ትምልሰ ይግበር።  ቅድሚ ንሜዳ ምምላሳ ግን ከምቲ ኣመላ ምስቶም ኣብ ካርቱም ቤት ጽሕፈት ዘሎዉ ሓለፍቲ ተ.ሓ.ኤ ዝምድና ገይራ ንሜዳ ትኣቱ። ጓል ብርጅዋ ሆየ ንሜዳ ክትኣቱ ኸላ ካብ ካይሮ ዝተማልኣቶ ሰለስተ ባልጃ ሒዛ ጎተት እንዳበለት እያ ኣትያ። ፍረወይኒን ብጾታን እንታወይቲ ዓረብ መጺኣትና እንዳበሉ ከለዉ፡ ፍረወይኒ ብርኽቲ ምዃና ትፈልጥሞ ሰላምታ ይወሃሃባ። ጓል ብርጅዋ ኣብ ሜዳ ከምዘላ ረሲዓቶ ፍረወይኒ ተኸዲናቶ ዝነበረት ናይ ተጋደልቲ ክዳውንቲ ብንዕቀት ትሪኦ። ፍረወይኒ ኸኣ ኣጠማምትኣ ተረዲኡዋ ኣብ ሜዳ ከምዘላ ተዘኻኽራ። ብርኽቲ ንዕረፍቲ ንከበሳ ክትድይብ ዕላማ ከምዘሎዋ ንፍረወይኒ ትሕብራ። እንተ ደልያውን ፍረወይኒ ምስኣ ንኸበሳ ንኽትከይድ ትሓታ። ፍረወይኒ ክትከይድ ከም ዘይትኽእል ትሕብራ’ሞ ኣስዕብ ኣቢላ ኣብ ዕረፍቲ ጸኒሕክስ ሕጂ ድማ ንዕረፍቲ ንከበሳ ክትወጺ መን’ዩ ኣፍቂዱልኪ ኢላ ትሓታ። ብርኽቲ ከኣ ትቕብል ኣቢላ ብዓል ክስቶ (ስሙ ክጠቕሶ ኣይመረጽኩን) ድርዝርዝ እንተኣቢልካዮም (እንታይ ማለታ ምዃኑ ብሩህ ኢዩ) ድላይካ ኢዮም ዝገብሩልካ ትብላ። ከበሳ በጺሓ ምስ ተመለሰት፡ ተ.ሓ.ኤ ኩነታታ ተዓዚቦም፡ ናይ መሰናበቲ ደብዳኤ ሂቦም ንኻርቱም ይሰድዋ። ካብኡ ንሳን ከምኣ ዝኣመስላ ደቂ እንስቲዮን ተተሓሒዘን ኤውሮፓ ይሰግራ። ብሓጺሩ ጓል ብርጅዋ ኣብ ሜዳ ዝጸንሓቱሉ ጊዜ ብኣጻብዕ ዝቑጸራ ኣዋርሕ ኢየን ነይረን። ጅግና ተጋዳሊት ከምዝነበረት ንኸተምስል ግን ምስ ኣብ ካርቱምን ኣብ ካይሮን ከምኡ’ውን ኣብ ኣስመራ ድሕሪ ናጽነት ዝረኸበቶም ጀጋኑ ተጋደልቲ ተሳኢላ ኣብ መጽሓፋ ኣውጺኣቶም’ላ። ኣነስ ተጋዲለ ኢየ ትብል እንተኾይና ግን ናይ ሓሶት ጽውጽዋይ ዘይኮነስ ካልኦት ክምስክርዎ ዝኽእሉ ሓቂ ትጽሓፍ።

ኣብ ኤውሮጳ ዘጋጠማኒ ክልተ ኣገደስቲ ኩነታት

ቀዳማይ ኣጋጣሚ፡ ኣብ 1981 ዓዲ ጣልያን ምስ ኣተኹ፡ ሓንቲ  ሳባ ገብረሚካኤል እትበሃል፡ እንተ ብፍላጥ እንተስ ብዘይ ፍላጥ ኣብቲ ሰይጣናዊ ተግባራት ብርኽቲ ፍስሃየ ትተሓባበራ ዝነበረት ኣብ መንገዲ ጎፍ ንጎፍ ምስ ተራኸብና ደው ኣቢላ –ኣይትሓዝለይ – ብምባል፡ ንሳ ትፈልጦ ከም ዘይነበራ ግን ብርኽቲ ፍሰሃየ ከም ዘእመነታ፣ እቲ እከይ ተግባራታ ኣብቲ ዝተኻረየቶ ገዛ ኮይና ትሰርሖ ከም ዝነበረት፣ ነቲ ዝጸሓፈቶ መፈራርሒ ደብዳበታት ንገዛና ከትብጽሖ ከላ ምስኣ ከም ዝነበረት፣ ንኻልኣይ ጊዜ ክትጽሕፈልና ከላ ካብ ጽልኢ ተላዒላ ትገብሮ ከም ዝነበረትን ምስ ተረድአት ኣብቲ ጉዳይ ምትሕብባራ ከም ዝኣበየታ ኩሉ ዘርዚራ ኣዘንቲያትለይ። ሕጂ ኣበይ ከም ዘላ ኣይፈልጥን፡ ነዚ ጽሑፍ’ዚ ኣንቢባ ክትዛረብ ከኣ ተስፋ እገብር።

ካልኣይ ኣጋጣሚ፡ ድሕሪቲ ኹሉ ዓመታት ድማ ኣነ ብምኽንያት ናይ ስድራ ቤት ምትእኽኻብ ኣብ 20 ሰነ፡ 2013 ንሽወደን ዝኸድኩሉ ጊዜ፡ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም ክብላ ዝመጻ ፈተውትና ብዕላል፡  ብርኽቲ ኣብ ሽወደን ከም ዘላ፡ ቅድሚ ቁሩብ ዓመታት ሓደ ኣብ ኣመሪካ ዝቕመጥ ከም ዝተመርዓወትን፡ መጽሓፍ እውን ጽሒፋ ከም ዘላን ይነግራኒ። ሽዕኡ ኢየ ድማ ዝተመርዓወቶ ተስፋይ ኣርዓዶም ምዃኑ ዝፈለጥኩ። ሓንቲ ካብተን ክሪኣና ዝመጻ፡ ገለ ግዲ ብዛዕባቲ መጽሓፍ ሰሚዓ ወይ ነቢባ ኾይና ንኽገዝኣ ትሕብረኒሞ፤ ኣነ ግን ስሒቐ ሕልፍ እብላ።   ምኽንያቱ ብዛዕባይ ትጽሕፍ ኢያ ዝብል ግምት ኣይነበረንን፤ እኳ ድኣ፡ እቲ 38 ዓመታት ይገብር ዝወንጀለትኒ ሓሶትሲ የጣዕሳ ይኸውን ዝብል ግምት ኢዩ ኔሩኒ። ብውገነ እውን ኣብ ኣስመራ ትገብሮ ዝነበረት ዘርዚረ እነግረንሞ ይግረማ። ብድሕሪኡ፡ ኣብ ፈስቲቫል ሽወደን ከይደ ምስ ሓደ ወዲ ጠጠው ኢላ ምስ ረአኹዋ፡ ከመይ ከም ትብል ወይ እንታይ ከም ትብል ክፈልጥ ሰላም ክብላ ቀረብኩ። እንተ ኾነ ንዓይ ምስ ረኣየት ብርቱዕ ስምባደ ብዝነበሮ –ኣይፈልጠክን ኢየ፣ ክፈልጠኪ እውን ኣይደልን ኢየ፣ ሕጂ ካብዚ ትርሕቂ – በለትኒ። እቲ ምስኣ ዝነበረ ወዲ ገጊያትኪ ከይትኸውን መረጺየንኪ ኣውጽእዮ ምስ በለኒ፡ ኣነ ድማ ኣጸቢቓ ፈሊጣትኒ ኣላ ግን የውጽኦ ኢለ ኣውጺአዮ። ሕጂኸ በልኩዋ፤ ንኻልኣይ ጊዜ – ኣይፈልጠክን ኢየ፡ ረሓቒ – ምስ በለትኒ፡ ኣብ ዘይሓሰብኩዎ ዘረባ ኣቲየ – ኣንቲ ሓሳዊት፡ ንዓይ ኣይትፈልጥንን? ክትቀትሊኒ ክንደይ ላዕልን ታሕትን ኢልኪ፣ ክንደይ ንጹሃት ኣዋልድን ኣወዳትን ኤርትራውያን ብሓሶት ህይወቶም ኣሕሊፍኪ ብሰላም ትነብሪ ኣለኺ! – ሽዑ እቲ ወዲ’ውን ከይሰምበደ ኣይተረፈን። ንሳ’ሞ ብዛዕባ መጽሓፋ ፈሊጠ ዝመጻእኩ ኢዩ መሲሉዋ፡ ኣዚያ ሰንቢዳ፤ ኣነ ግን ኣብቲ ጊዜቲ ብዛዕባ ትሕዝቶ መጽሓፋ ዝፈለጥኩዎ ነገር ኣይነበረንን። ሽዑ ኢያ ኣብ ፈስቲቫል ክትሸጣ ትቀራረብ ኔራ። ስምባዲኣ በየን መጺኣትኒ ኢዩ ዘስሞዕ ኔሩ። ድሕሪ ዓሰርተ ሓሙሽተ ደቓይቕ ደጊመ ምስ ካልእ ወዲ ረኸብኩዋ፤ ኣንቲ ሓሳዊት ሰራቒት፡ ወረኺ ኣብዚኣ ክትንትና ኢየ፣ ክንደይ ሰብ ከም ዝቐተልኪ ምስ በልኩዋ፡ እቲ ምስኣ ዝነበረ ወዲ ሓፍሓፍ በለለይ። ኣፍኪ ትሕዚ፡ ኣነ ሓዋ እየ በለኒ። ኣነ ኸኣ እዚኣ ዝሓፍትኻስ ተዋሪድካ፡ ቀታሊት ሰብ ኢያ ኢለ መለስኩሉ። ሕጂ ካብዚ ፈስቲቫል ትወጺ ምስ በለኒ፡ ሰብኣይ ኴንካ ኣውጽኣኒ በልኩዎ። እዚ ናይ ኤርትራውያን ኢዩ፡ ኣነ ኸኣ ኤርትራዊት እየ፡ ከፊለ እየ ኣቲየ፡ ንስኻትኩም ኢኹም ትሕተቱ በልኩዎ። -ኣነ ወዲ ገዛ ባንዳ ዮውሃንስ ኣስመሮም ገብረዝጊ እየ ሕተትለይ ኢሉ ኣብ ዘይምልከቶ ፈንጣሕጣሕ በለ። እንተ ንሳሞ ሓንቲ ቃል ኣየውጽአትን፡ ቍሊሕ ኢላ ክትርኢ እውን ኣይደፈረትን። ኣብኡ ገዲፈዮም እልይ ምስ በልኩ፡ ነቲ ኩነታት ዝሰምዓ ማሓዙተይ ደስ ስለ ዘይበለን፡ መንዩ ንሱ ውጺ ዝብለኪ፡ እዚ ንኹሉ ሓደ ኢዩ ዝብጽሖ በላኒ። ከምቲ ዝበሎቶ ኣእሲረያ ነይረ እንተዝኸውን፡ ኣነ ኢየ ሓፊረ ምስ ርኣኽዋ ካብቲ ቦታ ክወጽእ ዝነበረኒ። ንሳ ግን ግብራ በሊዑዋ እንኳን ክትዛረብ ቅንዕ ኢላ’ውን ክትርየኒ ኣይከኣለትን።

ኣነ ትሕዝቶ መጽሓፋ ከይፈለጥኩን፡ ንኻልኣይ ጊዜ ናብ ፈስቲቫል ከይተመለስኩን ንዓደይ ማለት USA ተመሊሰ። ምስ ፈለጥኩ ኸኣ ከም ዝሓለፈ ዘይኮነ፡ ሸለልትነት ወጊደ ከጋልጻን፡ ክምክታን፡ ብሕጊ ከራኽበላን ወሲነ።

መደምደምታ

ጓል ብርጅዋ ክርድኣ ዘሎዎ፡ እቶም ዘጠፍኣቶም ንጹሃት ሰባት ቤተሰብ ከም ዘለዉዎም ክትፈልጥ ይግብኣ፣ ኣይትደቅስ። ድሕሪ 38 ዓመታት መሊሳ ምልዓላ፡ ደም ዘጥፍኣቶም ንጹሃት ኢዩ ዘለፋልፋ ዘሎ። ኣብቲ ማዕከን ሓሶት መጽሓፋ – ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዓቢየ – ኢላ! ኣብ ቤተ ሰይጣን ክትብል ከይትኸውን። ንሳን ትዕግስቲ ሓፍታን ብቖልዕተን ከለዋ ሽጋራ ምትካኽ፡ ስርቂ፡ ሓሶት፡ ካብ ገዝአን ንሰሙን ዝኣክል ጠፊኤን ምምላስ ዛንታ ሂወተን ኢዩ ነይሩ። ኣቦኣ ኮነ ኣዲኣ፡ ኣሽንኳይዶ ብርኮም ክብሉዋስ፡ ኣብራኻ ክሰብርዋ  ኢዮም ገዛ – ገዛ ክጎዩ ዝውዕሉ ዝነበሩ።

እዚ’ዩ እምበኣር እቲ ብፈጠራዊ ዝናታት ክትሽፍኖ ዝፈተነት መሪር ሓቂ ገበናዊ ህይወታ። ሓቂ ምስክር ኣይትደልን ኢያ። ንባዕላ ምስክር ስለ ዝኾነት። ከም መድፈና እትጥቀመሉ ብስጋዊ ርክባ ኣፎም ዝዓበሰቶም፡ ኣዒንቶም ዝዓመተቶም ብህይወት ዘለዉ ሰባት ኣይሰኣኑን ይኾኑ። እዚ ማለት ግን ኣብ መጻወድያኣ ከተእትዎም ዘይከኣለት ወይ ዕድል ዘይረኸበት ንሓቀኛ መንነታ ዝፈልጡ ሰባት ከምዘሎዉ ክትፈልጥ ይግብኣ። ብርግጽ ከኣ ኣሎዉ። ሓቂ ንነዊሕ ጊዜ ተዓቢጣ ትጸንሕ ትኸውን። ተቐቢራ ግን ኣይትተርፍን ኢያ። እዋን ምስ በሰለ ዝዓቖረቶ ጽቡቕን ክፉእን ደቅሰብ ሒዛ ቦሎኽ ምባላ ዘይስገር መስርሕ ህይወት ወዲ ሰብ ኢዩ። እዚ ሓደ ኣብነት ህይወት ንጹሃት ንዝተንከፈ ምቅላዕ ዝተዓብጠ ሓቂ ኢዩ። ፍትሒ ከም ዝርከብሉ ኸኣ ጽኑዕ እምነት ኣሎኒ።

ጽገወይኒ ኣድሓኖም

aseye.asena@gmail.com

Review overview
55 COMMENTS
  • Thomas Tewelde January 16, 2014

    Nice middle school gossip!

    • Denden Hager January 25, 2014

      No. it is not a gossip. It was a reality. Young lives were lost and disrupted. I was not directly impacted but I remember the whole ordeal. So please it was not gossip.

  • ztegereme January 17, 2014

    eza ab laeli zela rieto mara eya ashikatni. eti haki keaaa kemuu eyu. nay kltiekn txilii entedeaa 38 amet gieru koynu, nab abat nebstatkn keribkn tenasha.

  • tekeste January 17, 2014

    tsigeweini—you are not defending and convincing others.it is full of ilomuni and kmzbeluni + personnel hatred towards berekhti.

  • kidane January 18, 2014

    u r all bullshit. a Lei can’t be changed to truth by repetition. what ever you say every body know that you spent day in day out to make it seem true. we know you that you are falsifying every thing to confuse the people. u are even trying to defame the good history of the eritrean struggle.
    bull Shiite!

  • kemal Ali January 19, 2014

    Very touching account sister Tsgeweyni Adhanom. I really appreciate your heart felt unfoilding true Eritrean history…hope others will follow your example. Please keep the good work we need more to learn from our Senior country men and women. Thank you!

  • Truth January 28, 2014

    Gual Langano why you hiding your previous crime on Eritrea?First of all you’re not Eritrean and you talking nonsense.Gual Bergua she was a fighter and true Eritrean unlike gual Lango is a traitor and sellout who came her generation from aTigray.Please stop your defamation on jigna gual Burgwa.

  • LALU February 4, 2014

    THRUTH? BACK OFF WITH YOUR RASIST AND DIRTY MIND.WE NOW THAT BIRKTI FISAHAYE IS A BIG LEIR.THE THRUTH COMES SOON. WHAT DU U NOW ABOUT GEGANU, THEY ARE OUR HERO NOT LIKE YOUR BIRKTI FISAHAYE MESELEMIT SEB HASAWIT SHE IS THE SAME PERSON UNTILL NOW, NO CHANGE.”THRUTH” GET LOST WITH UR STUPID NARKO AS U DO.AND GROW UP.

  • Fithawit February 19, 2014

    Where were you until now Tgisti? Dihri darga 40 ametat hiji dema entay deliki, metalelit. Ni mengisti kitdigifi enta dea deliki men kelkiluki neger gin aytihasiwi, Isayas Afeworki wala dea bizuh shigr yihalwo ember hasewti ayfetyn eyu, Tetenkeki keytiwaredi baeliki.

    Eza hager zihanza dea ember kem natki afrasi hasab zihaze metshaf zitsihif ayedlyan eyu.

  • Fithawit February 19, 2014

    Where were you until now Birikti? Dihri darga 40 ametat hiji dema entay deliki, metalelit. Ni mengisti kitdigifi enta dea deliki men kelkiluki neger gin aytihasiwi, Isayas Afeworki wala dea bizuh shigr yihalwo ember hasewti ayfetyn eyu, Tetenkeki keytiwaredi baeliki.

    Eza hager zihanza dea ember kem natki afrasi hasab zihaze metshaf zitsihif ayedlyan eyu.

POST A COMMENT