Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሰራዊት ዚምባብወ ንኣገደስቲ ትካላት `ታ ሃገር ብምቊጽጻር ንፕረዚደንት ዚምባብወ ሮበርት ሙጋበ ኣብ ቀይዲ ከምዘእተዎ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ይሕብራ ኣለዋ።

ሰራዊት ዚምባብወ ንዋና መደበር ቴለቭዥን ዚምባብወ ከምኡ `ውን ቤተመንግስቲ ዝርከቡዎም ኣገደስቲ መንግስታዊ ትካላት `ታ ሃገር ብምቊጽጻር ንፕረዚደንት ዚምባብወ ሮበርት ሙጋበ ኣብ ቀይዲ ከምዘእተዎ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ይሕብራ ኣለዋ። ብመሰረት `ቲ ካብ ዚምባብወ ዝወጽእ ዘሎ ሓበሬታታት፡ ሰራዊት

ሰራዊት ዚምባብወ ንዋና መደበር ቴለቭዥን ዚምባብወ ከምኡ `ውን ቤተመንግስቲ ዝርከቡዎም ኣገደስቲ መንግስታዊ ትካላት `ታ ሃገር ብምቊጽጻር ንፕረዚደንት ዚምባብወ ሮበርት ሙጋበ ኣብ ቀይዲ ከምዘእተዎ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ይሕብራ ኣለዋ።

ብመሰረት `ቲ ካብ ዚምባብወ ዝወጽእ ዘሎ ሓበሬታታት፡ ሰራዊት ዚምባብወ ትማሊ ምሸት 14 ሕዳር ኣብ ሃገራዊ ቴሌቪዥን ቀሪቡ ኣብ ከባቢ `ቲ ፕረዚደንት ንዘለዉ ገበነኛታት ንምጽራይ ነታ ሃገር ንግዚኡ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ኣእትዩዋ ከምዘሎ ድሕሪ ምእዋጁ፡ ን ልዕሊ 12 ሰዓታት፡ ፕረዚደንት ሮበርት ሙጋበ ኣብ መንበሪ ገዝኡ ኣብ ቀይዲ ይርከብ ኣሎ።

ኣብ ገለ ኩርናዓት ዋና ከተማ ዚምባብወ ሃራረ፡ ቶኽሲ ከምእተሰምዐ ኳ እንተተገልጸ፡ ኣብታ ጎደናታታ ብሰራዊት ዝሕሎ ዘሎ ከተማ ብሓፈሻ፡ ምድንጻው ዝዓብለሎ ጸጥታ ሰፊኑ ከምዘሎ ይሕበር።

እቲ ምንቅስቓስ ሰራዊት፡ ነቲ 93 ዓመት ገይሩ ዘሎ ሮበርት ሙጋበ መን ይተክኣዮ ተባሂሉ ኣብ መንጎ ብዓልቲ ቤቱ ግሬስ ከምኡ ድማ ምኽትሉ ዝነበረ ኢመርሰን ምናንጋግዋ ተኸሲቱ ንዝጸንሐ መሪር ክርክር ናይ ምፍትሑ ኣድላይነት ዘንቀሎ ኮይኑ ዝተዓወተሉ ከምዝመስል `ውን ማዕከናት ዜናታት ይእምቱ።

ማዕከናት ዜና ዓለም ነቲ ሰራዊት ዚምባብወ ዝወሰዶ ስጉምቲ ከም ዕልዋ መንግስቲ ይገልጹዎ ኳ እንተለዉ፡ ኣዘዝቲ ሰራዊት ዚምባብወ ግን እቲ ስጉምቲ ዕልዋ ከምዘይኮነ ኣሉታ ብምሃብ፡ ነቶም ገበነኛታት ኣብ ፍትሒ ድሕሪ ምቕራብ ኣብ ሓጺር እዋን እቲ ኩነታት ናብ ንቡር ክምለስ ምዃኑ ደጋጊሞም ይገልጹ።

ብዓልቲ ቤቱ ንሮበርት ሙጋበ ግሬስ ሎሚ ብስራሕ ብዝብል መመኽኔታ ካብታ ሃገር ወጺኣ ኣብ ጎረቤት ሃገር ናሚብያ ከምእትርከብ ዘይተረጋገጹ ጸብጻባት ይሕብሩ።

እቲ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ሮበርት ሙጋበ ንምኽትሉ ካብ ስልጣን ድሕሪ ምስጓጉ፡ ኣዛዚ ሰራዊት `ታ ሃገር፡ ነቲ ኣብ ዛኑ-ፒፍ ተኸሲቱ ዘሎ ሕፍሽፍሽ ንምፍታሕ ስጉምቲ ክወስድ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጹ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ እዩ ስዒቡ።

በዚ ስጉምቲ`ዚ ኸኣ፡ እቲ ብዓልቲ ቤቱ መተካእትኡ ኮይና ስልጣን ክትጭብጥ መታን ንመቐናቕንታ ሰጒጉ ላዕለዋይ ኢድ ክምጥዋ ወጢኑ ዝነበረ ኣብ ዓለምና ዝሽምገለ መራሒ ዝኾነ ሮበርት ሙጋበ ኣብ ስልጣን ናይ ምጽናሕ ዕድሉ ሓጺር ምዃኑ ድማ ተንተንቲ ፖለቲካ ናይቲ ከባቢ ይሕብሩ ኣለዉ።

ሮበርት ሙጋበ ን 37 ዓመታት ኣብ ስልጣን ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን፡ እታ ሃገር ብቑጠባ ኮይነ ፖለቲካዊ መሰላት ከተንቆልቊል ከምዝጸንሐት ዝፍለጥ ኮይኑ ህዝቢ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ለውጢ ምንቅስቓስ ሃረር ክብል ከምዝጸንሐ ካብታ ሃገር ጸብጻባት ዘመሓላልፉ ዘለዉ ወከለቲ ማዕከናት ዜና ይሕብሩ።

 

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • Nahon November 15, 2017

    The fate of the monkeies in Asmara may not be much different.

  • Danilo November 15, 2017

    ኣንጭዋ ካብ ለቆታ ከምዘይትወጽእ ግዝየ ይምህር ኣሎ።ወይለይ! ሓዳስ ኤርትራ ትብሎ የብላን።ኮይኑ ኣይኮይኑ መንጉስቱ ሃይለማርያም ኣረክቡኒ ምባላ ዘይተርፍ ኢዩ።

  • Amba November 15, 2017

    Such brave hallucination will not be possible in Eritrea, as it will be from the frying pan to fire – Farnello.

    • AHMED SALEH !!! November 16, 2017

      Hey , nothing is impossible in life . Remember Forto mission
      might repeat to take place within Eritrean defense forces high
      rank and file officers . Patience has limit until reached at its
      turning point .
      Our people in general want to see change and at this time our
      situation suites better than before to support for the call of Isaias Afewerki government resignation .
      Only hopeless people easily surrender to higher authority rule
      even if they destroy their way of living .

  • hara November 16, 2017

    Wow! Mengstu Hailatiam kihbuna nhtet. Wey Isayas Aforki UQBA yhbo ykewn..

POST A COMMENT