ስርዓት ህግደፍ ምስ ሰበስልጣን ጸጥታ ሱዳን ብምትሕብባር ካብ ኤርትራ ዘምለጡ 19 ዜጋታት ካብ ሱዳን ከምዝጨወ ምንጭታት ሓቢሮም።

Eritrea-torture

ሰለይቲ ስርዓት ህግደፍ ምስ ሰበስልጣን ጸጥታ ሱዳን ብምትሕብባር፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ኤርትራ  ኣምሊጦም ኣብ ሱዳን ንዝጸንሑ  19 ኤርትራውያን ብምጭዋይ ናብ ኤርትራ ከምዝወሰዱዎም ምንጭታት ሓቢሮም።

ነቶም ግዳያት መጭውይቲ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኮይኑ ዘሎ ዜጋ፡ ምኪኤል ዝብሃል፡ ‘ኣግህድዮ’ ኣብ እትብል ካሴት ናይ ድምጻዊ ተመስገን ያረድ ዝሰርሐ ስነጥበበኛ ይርከቦም።

ገለ ካብቶም ነቲ ምስ ኣባላት ጸጥታ ሱዳን ብምትሕብባር ዝተኻየደ ጭውያ ዝተሳተፉዎ ልኡኻት ስርዓት ህግደፍ፡ ቀደም ኣባል ሃንደሳ ዝነበረ፡ ወዲ ኩማንዲስ ተባሂሉ ዝፍለጥ ተጋዳላይ ነበር ከምኡ ‘ውን ኣብ ትሕቲ ሃገራዊ ድሕነት ስርዓት ህግደፍ ዝተዓስቡ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ምዃኖም እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ የረድእ።  

This entry was posted in Eritrea, ሃገራዊ ዜና, ትግርኛ. Bookmark the permalink.

6 Responses to ስርዓት ህግደፍ ምስ ሰበስልጣን ጸጥታ ሱዳን ብምትሕብባር ካብ ኤርትራ ዘምለጡ 19 ዜጋታት ካብ ሱዳን ከምዝጨወ ምንጭታት ሓቢሮም።

  1. Cambo says:

    The Omar al Beshir of Sudan has been in cooperation with Hgdef against the people of Eritrea in the last four years. This regime has been jailing and deporting Eritreans to Hgdef shirking all its humanitarian responsiblities.
    A good news is coming from the Suadanese armed forces. May an armed forces coup d’eta take palce against Omar al Beshir and the monkies of Khartoum.
    January 29, 2012 (KHARTOUM) – A group of 700 military officers from Sudan’s Armed Forces (SAF) confronted president Omer Hassan al-Bashir and his defence minister Abdel-Rahim Mohamed Hussein with several demands that focused on military and political reforms, Sudan Tribune has been told.
    Multiple army sources who all spoke on condition of anonymity because of the sensitivity of the issue said that the officers included those stationed in the Sudanese capital Khartoum and other parts of the country.
    http://www.sudantribune.com/EXCLUSIVE-Sudan-army-officers-warn,41444

  2. “ስቕ ኣይክኣልኩዋን ኣደይ እናጕሃይዋ
    ክውጭጭ´የ ክሳዕ ትቐስን ክሳዕ ዝርህዋ”

    ወሲነ ኔረ ኣፈይ ሒዘ ከስቅጥ
    ክምሃር ,ክሰርሕ ናውቲ ክሽቅጥ
    ብቢራን ተኪላን ብወይዘራዝር ክቐብጥ
    ናይ ልበይ ሃልሃልታ,ሓቲመ ክዓብጥ
    ከምዘይናተይ ርእየ,ከምሰበይ ጉዳየይ ጥራይ ከሳልጥ !!!
    ኣነ ድየ ሸፊተ ነደ ውላዳ ሰሪቐያ ?
    ኣነ ድየ ነደ´ስዉእ “በጊዕ ድዩ ክሕረደልኪ “ኢለ ኣባጭወያ ?
    ኣነ ድየ ” ናይ ማይ ሓባር መቕተልቲ” ተኵሰ ኣባሪዔያ ?
    ኣነ ድየ መሬት ኩናማ ,ንከበሳውያን ኳጃታት ዓዲለያ ?
    ኣነ ድየ ኣብ ሲናይ ንኤርትራዊት ዓሚጸያ ?
    ኣነ ድየ ንይማ,ወድኺ መጅሃዲን´ዩ, ኢለ መንዚዔያ ?
    እዚ ኩሉ ወንጀል ናይ,ሙዳዳ,ህግደፍ´ዩ ናይ ሻዕብያ ?
    እንታይ ድኣ ድቃስ ዘይብለይ ዝሓድር ነብሰይ ዘሳቕያ ?
    ኣቦይ´ዩ ዓጊቡ, ወንጀለኛ ኣደይ´ያ !!!
    ወገንነት ቅጥፈት ወዲ ዓደይ ከይምህሩኒ
    መኻይድኻ ፍለጥ ,ካብ ካልኦት “ወገን” ክንዲ ዝፈልዩኒ…continues

  3. ሕልና ዘብቆሉለይ ርህራሄ ዘርኣዩኒ
    ከርብሑኒ ኢሎም ዓርኪ ዘይብለይ ኣትሪፎምኒ
    ሓቅነት ኣፍሊጦም, ድቃስ ከሊኦምኒ !!!
    እዝጊ ዝሃቦም ወገናውያን ጸበብቲ
    ስቓይ ኣደ ዘይዓጅቦም,ብጀካ “ወዲ ዓዲ”
    ኤርትራዊት ክትዕመጽ,ዝዕመታ ኣዒንቲ
    ናይ ትግራዋይ ጽልኢ ,ዝተማህሩ ብጥንቲ
    ተዓዊቱሎም ውን ገለ ገለ ተቓወምቲ
    ጽልኢ ሙዳዳ, ናይ ሰማንያታት ቅርሕንቲ
    ሃገራዊ ,ዋዕላ ሃዋሳ, ዘሳግርዎ ናብ ሕዳር ,ንዋዕላ ጥቅምቲ
    ስለ ዝዓጅቦም ,ናይ ውድቦም ናይ ፓርቲ
    ኣነ ጥራይ ድየ, ወላዲት ብኣኺ ክበኪ ?
    ኣጀንዳ ኣይብለይን,ብዘይካ ሓልዮትኪ
    ስመርርርር ሰሚዔዮም ናይ paltalk ደቕኺ
    ተስፋ ሂቦምኒ ,ንጹህ ልቦም ከማኺ
    ደቂ ሓምሳን ሱሳን, እዮም ጸላእትኺ
    ኣርሕቕዮም ,ነዚ ከምዚ ከማይ ንፉዕ ገዲፍኪ !!!

  4. Cambo says:

    “ናይ ትግራዋይ ጽልኢ ,ዝተማህሩ ብጥንቲ
    ተዓዊቱሎም ውን ገለ ገለ ተቓወምቲ …”

    ናይ ጽልኢ ነገር ካብ ኣምጻእካ፤
    ኣብ መወዳእታ 70ታት፥ ሓድሽ ወ. ገርጊሽ ተጋዳላይ ናይ ጀብሃ፤
    ኣብ ሓደ መዓልቲ ኣብ ከባቢ ድባርዋ ዓሰርተታ ንጹሃን ነጋዶን ገባርን ደቂ ትግራይ ከምዝረሸነ ትፈልጥ ዶ?
    ነዞም ንጹሃት ተጋሩ: ከተማ ቐንዮም ብእግሮም ንዓዶም እንዳተመለሱ “ነዞም ጨው እግሮም ከይትገድፍዎም” ኢሎ ኣረሺንዎም።
    ብድሕሪዚ ጨካን ተግባር፤ መሊሱ ካብ ሓዝሓዝ-ኣስመራ ኣውቶቡስ ክሰርቕ ኣብ ከባቢ ዓዲ ሽማግለ ብነፋሪት ናይ ኢትዮጵያ ተደምሲሱ ሞይቱ።

    ምንጪ ኣድሓኖም

  5. Hasab Rebi says:

    They have done a good job. Well done guys, you have broken the backbon of the mercenaries and betrayials. well doneeeeeeeeeeeeeeeeeeee

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

*

 characters available

You may use these HTML tags and attributes: <a href="" title=""> <abbr title=""> <acronym title=""> <b> <blockquote cite=""> <cite> <code> <del datetime=""> <em> <i> <q cite=""> <strike> <strong>