Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስኡናት ኤርትራውያን ዝመወልዎ ባይቶ’ዶ ወይስ ርኹባት ኤርትራውያን ዝመወልዎ ናይ ናይሮቢ መድረኻዊ ኣኼባ?

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሓዳር 2015 ብመድረኽ ተዓዲሙ ኣብ ኬንያ ዝተጋበአ ኣኼባ ሕላገቱ “ብርኹባት ኤርትራውያን ዝተመወለ ናይ መጀመርያ ኣኼባ” እናተባህለ ስለ ዝተወደሰሉ፡ ኣይፋሉን እዚ ብኤርትራውያን ዝተመወለ ናይ መጀመርያ ኣኼባ ከም ዘይኮነ ንምርዳእ እዩ። መድረኽ ኣብ መእተዊኦም ይኹን ኣብ መደምደምታኦም፣ ኣኼባታቶም

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሓዳር 2015 ብመድረኽ ተዓዲሙ ኣብ ኬንያ ዝተጋበአ ኣኼባ ሕላገቱ “ብርኹባት ኤርትራውያን ዝተመወለ ናይ መጀመርያ ኣኼባ” እናተባህለ ስለ ዝተወደሰሉ፡ ኣይፋሉን እዚ ብኤርትራውያን ዝተመወለ ናይ መጀመርያ ኣኼባ ከም ዘይኮነ ንምርዳእ እዩ። መድረኽ ኣብ መእተዊኦም ይኹን ኣብ መደምደምታኦም፣ ኣኼባታቶም ከምኡ እናበሉ እንተወዳደስዎ ዝገርም ኣይኮነን፡ ስለምንታይሲ ድሕሪ 15 ዓመታት፣ ንሳቶምን መሻርኽቶምን፡ ምስ ካልኦት ተቓወምቲ ኮፍ ኣይንብልን እናበሉ ክሕሰምዎ ዝጸንሑ ኣኼባ ምስ ካልኦት ተቓወምቲ ኢና በሃልቲ ኮፍ ኢሎም ከተግብሩ ብምኽኣሎም ከወድስዎ ግድን ስለ ዝኾነ! እቲ ዝገርም ግን ኣባል ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ኵይንካ፡ ትማል ደጋጊምካ ዓዲምካዮም፡ ዕጭ ዝሓንፈፉ ውድባት፣ ኣብ ኬንያ ከፊሎም ስለዝጸውዑኻ ኬድካ፣ “ንመጀምርያ ግዜ ብኤርትራውያን ዝተመወለ ኢልካ ክትጭርሕ ኮሎኻ ግን ነቲ ብስኡናት ኤርትራውያን ዝተመወለ ባይቶ-ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደምክራስያዊ ለውጢ (ኤሃባደለ) ኣነኣኢስካን ኣቍናጺብካን፣ ተራ ተቓለስትን፣ ውጹዓት ኤርትራውያን ምኽሓድ እዩ ዘስምዕ።

እወ ናይ ኣዋሳ ቀዳማይ ጉባኤ (ኤሃባደለ) ብግሉጽ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ተመዊሉ እናተባህለ እዩ ዝዕለለሉ። እንተኾነ ግን፣ ካብ ሰንዓ-ፎርም ዝሓገዞ ምወላ፣ ተሳተፍቲ ኤርትራውያን ባዕላቶም ዝመወልዎ ከም ዝበዝሕ ዘይምርዳእ ዘምጸኦ ኣርሒቑ ዘይርኢ ኣተሓሳስባ ኢዩ። ኣብ ቀዳማይ ጉባኤ ኣዋሳ፣ ካብ ሰሜን ኣመሪካ ጥራይ ገለ 80 ሰባት ተኻፊሎም፣ ናይ ኣየር ቲኬት ጥራይ ዝተኸፍለ ገንዘብ $150 ሸሕ ዶላር ክኸውን እንከሎ፣ ነፍሲ ወከፎም ከኣ ንክልተ ሰሙን ወይ ወርሒ ዘካይዶም ገንዘብ ብውሑዱ $1,000.00 ወይ ክሳብ $2,000.00 ዶላር ኣውጺኦም ኢዮም ኣካይዶሞ። ስለዚ ካብ ሰሜን ኣመሪካ ጥራይ፣ ካብ ስኡናት ኤርትራውያን ሓደ $250.000.00 (ርብዒ ሚልዮን ዶላር) ከም ዝተዋጸአ ብህዝቢ ኤርትራ ክፍለጥ ይግባእ። እዚ ገንዘብ እዚ መንግስቲ ኣመሪካ፡ ካናዳ፡ ሸወደን፡ ወይውን ብራስልስ ዝሃቡዎም ኣይኮነን። እንታይ ደኣ፣ ክልተ ስራሕ እናሰርሑ፡ ብጻማ ረሃጽጾም ዝኸፈልዎ ገንዘብ እዩ። ኣብዚ ሰንዓ-ፎርም ናይ ምትእንጋድ ዝገብርዎ ሓገዝ ንምቅላል ዘይኮነስ ተራ ናይቶም ድሕሪ 24 ዓመታት ሕጂ ዝተበራበሩ ርኹባት ኤርትራውያን ክጋነን ከሎ፣ ናይቶም ን24 ዓመታት ወይ ካብኡ ንላዕሊ ላሕ ዝበሉ ዜጋታት ኣብ ግምት ዘየእተወን፡ ቃልሲ ቀዳሞት ዝሰገረን፣ ዘየመጕሰን ኣበሃህላ ስለ ዝኾነ እዩ።

ቀዳማይ ሱሩዕ ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶ ኣብ ዝተገብረሉ ግዜ እውን ኩሉ ኣባል ባይቶ ባዕሉ ከፊሉ ይምጻእ ተባሂሉ ካብ ሰሜን ኣመሪካን፡ ኤውሮጳን፡ ኣውስትራልያን ዳርጋ $150,000.00 ሚእትን ሓምሳን ሽሕ ዶላር ዝጠፍኦ ኣኼባ እዩ ነይሩ። ብድሕሪኡ እውን ባይቶ ኣብ ደውታ ኣትዩ ተባሂሉ ጉዕዙኡ ገምጊሙ መሪሕነቱ ኣብ ደብረዘይቲ ዝቐየረሉ ግዜውን፣ ካብ ሰሜን ኣመሪካ ጥራይ ናይ $40 ሸሕ ዶላር ዝግመት ወጻኢ ተገይሩሉ እዩ። ነቲ ካብ ምዕራባዊ ሃገራትን ማእከላይ ምብራቕን ዝወጽእ ገንዘብ ደለይቲ ለውጢ ብሓደ ሸነኽ ገዲፍካ፡ ነቶም ካብ ብሕቡራት መንግስታት ዝምወል መዓስከር ስደተኛታት ሱዳንን ኢትዮጵያን እውን፡ ብዘይካ ካብ ዶባት ኢትዮጵያ ዝኸፈለሎም ናይ ኣውቶቡስ ቲኬት፡ ካብ ዝተመጽወተሎም ገንዘብ፣ ካብ ኣፍ ድኻታት ቆልዑ መንጢሎም ባዕሎም ከፊሎም እዮም ጉባኤ ከዐውቱ ዝመጹ። እቶም ካብ ሱዳን ዝመጹ ተጋባእቲ ሓደ ግዜ ኣብ ከተማ መተማ ተደናጉዮም ንመግቦም ዝኸውን ውጽኢት ስለ ዘይተገብረሎም እኳ፡ ካብ መንጎኦም ብዝተዋጸአ ገንዘብ ከም ዝተዓንገሉ ኢየ ዝፈልጥ። ጉባኤ ወዲኦም ነናብ ዓዶም ክምለሱ ከለው እውን ብተበጉሶ ገለ ግዱሳት “መምለሲ እግሪ” ንግበረሎም ተባሂሉ ሓገዝ ተገይሩ እዮም ዝተመልሱ። ድሕሪ እዚ ኹሉ ግን ዓበይቲ መራሕቲ ኪዳን ከይተረፈ ኣብ ኬንያ ከይዶም “ንመጀመርያ ግዜ ብኤርትራውያን ዝተመወለ” ክብሉ ከለዉ እቶም ንኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ክዉን ዝገበሩ ዜጋታትከ፣ ጀርመናውያን ድዮም ውይስ ኬንያውያን? ዘብል እዩ።

እዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎን እንተላይ እቲ ናይ 2008፡ ኪዳን ኣብ ክልተ ዝተመቐለሉ ግዜውን፡ ሲቪክ ማሕበራት ተዓዲሙ ካብ ሸቂሉ ዝረኸቦ ገንዘብ ጌሩ እዩ ፍልልያት ክልተ ብሎክ ኪዳን ከተዓርቕ ዝመጸ። እዚን ከምኡ ዝኣምሰለን ድሕሪ ናይ ባድመ ወራር ዝምወል ዝነበረ ጉዕዞታት እዩ ዝነበረ። ምልስ ኢልና ግን ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ዓለም ብፍላይ ከኣ ኣብታ መናሃርያ ደሞክራስያዊ ቃልሲ እትፍለጥ ከተማ ናይ ሃገረ ጀርመን-ካስል እውን ብገንዘብ ስኡናት ኤርትራውያን ክንደይ ንጥፈታት ዘይተመወለ። ሓደ ካብኡ ናይ ካስል ማኒፌስቶ ዝተኣወጀሉ ክጥቀስ ይከኣል።

እዚ ብሓፈሽኡ ናይ ፋይናንስ (ምወላ) ንጎድኒ ገዲፍና፡ እዚ ብፖለቲካዊ ሸነኹ ክምዘን እንከሎ “ማእከላት” ቃልሲ ዝመቅልን ዘነኣእስን ዘመተ ናይ መጀመርያ ኣይኮነን። ቅድሚ ሕጂ ብማሕበር መንእሰያት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ እናተወደበ ሓርነታውን ዲሞክራስያዉን ቃልሲ ዘጕሃህር ዝነበረ መዓስከር ካስል፣ ድሕሪ ንግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ዝመስረተ ናይ 4+1 ሓድነት፣ ነቲ ዝኸይድ ዝነበረ ኣብ ካስል ዝዓስከረ ፖለቲካዊ ሓድነታት ዝምክት ኣብ ኣብ ፍራንክፎርት ካልእ ፈስቲቫል ተፈጢሩ እዩ።  እዚ ኣኼባ’ዚ ኣጋይሹ ጌሩ ዝጸውዖም ኣጋይሽ፣ ለንደን ዝመዓስከሩ ስድሪ ዝተባህለ ሲቪክ ማሕበርን፣ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን፣ ፈደራላዊ ምንቕስቓስ ኤርትራን ምንባሮም ክዝከር እንከሎ፣ ሕጂ ከኣ ብኣኼባ ናይሮቢ ጌርካ ካብ መናሃርያ መዓስከር ባይቶ ኣዲስ ኣባባ ጕቲትካ ንምውጻእ ዝዓለ ምዃኑ ነቲ ሃሁ ናይ ፖለቲካ ዝፈልጥ ዘደናግሮ ኣይኮነን። እምበእርከስ ካብ ቀንዲ መዓስከር፡ ዲሞክራሲ ካስል፣ ፍራንክፎርት ተወሊዳ፣ ሕጂ ከኣ ብውሳኔ ባይቶ ማእከል ኤሃባደለ ኣዲስ ኣበባ ይኸውን ዝብል ውሳኔ፡ ብናይሮቢ ክትካእ ኣሳናዳዊት ሽማግለ ተዳልያትሉ ኣላ። ሓንቲ ካብ ባይቶ ወጻኢ ብደገ ዝነበረት ውድብን፡ ሓንቲ መድረኽን ኮይነን ካብ ጉባኤ ዝወሰኖ ቦታ ብማሕፉደኤን ኣልቂቐን ኣብ ሃገርናን ህዝብናን ዘይዳወበሉ ሃገር ኣዘናቢለንኦ ኣለዋ። ርኹባት ኤርትራውያን ድዮም ካልኦት መወልቲ ከኣ ንመጀመርያ ዘይኮነስ ንካልኣይ ግዜ ካብ ማእከል ቃልስና ከዘናብሉና ሃቂኖም ናይ ባይቶ ኣሰናዳዊት ሽማግለ ጨውዮም ወሲዶማ ምህላዎም ህዝብናን ኤሃባደን ክፈልጥ ኣለዎ።

እቶም ኣብ ናይ ኬንያ ኣኼባ ክመጹ ዘይተደልዩ ኤርትራውያን ውድባት ግን ኣቕጣጫ ቃልሶም ኣወሃሂዶም ንሰሜን ደኣምበር ንደቡብ ዝኣመተ ቃልሲ ከምዘይብሎም ብቓልሶም ኣረጋጊጾም ኣለው። እቶም ርኹባት ኤርትራውያን ድማ ዓዲ ዝመልሶም ቃልሲ እንተደእደልዮም፣ እዚ ንዓድና ዝጠመተ ገድሊ ደኣምበር፣ ንስለ ኣኼባ ኣብ ለንደን፣ ኣትላንታ፣ ዋሽንግቶን ዲሲ፣ ደቡብ ኣፍሪቃ ወዘተ…ብመድረኽ ይኹን ብኻልእ ናይ ኤራ (ERA) መሰል ኣገልግሎት ኣቢሎም ክሕግዝዎ ዝጸንሑ፣ ናይ ፖለቲካ ንግደት ደኣምበር፣ ንህግደፍ ሓንቲ ሚተር እውን ትኹን ካብ ግብረ እከይ ስልጣኑ ከም ዘይኣላቖ ክርድእዎ ይግባእ። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው እምበእር፣ ርኹባት ኤርትራውያን ዝሕገዝ ገንዘብ እንተኣልይዎም ነቶም ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ሱዳንን፣ ኢትዮጵያን ዝኽርትቱ ዘለዉ ስደተኛታት እንተ ዘበርክትዎ ኣዝዩ ኣድማዒ ምዅነን፣ እንተወሓደ ኸኣ ምስጋናን፣ ጽድቅን እውን ምረኸብሉ እብል። ርኹባት ኤርትራውያን ብተግባር ዓዲ ዝመልሰና ቃልሲ ኣለሊኹም፣ ውጽዓት ዝረብሕሉን ህዝብና ሓራ ዝወጸሉን ንዓዲ ገጹ ዝመልስ ቃልሲ ከተካይዱን እናተማሕጸንኩ ብለበዋ እፋነወኩም።

ሓድጉ ተኪኤ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • aus 17 December 21, 2015

    Mr. Hadgu, why you want to limit our possibilities of gathering Eritreans only to Ethiopia? Why not in the Sudan, Djibuti, Kenya or all the World …?My ambition is in Eritrea all the rest is secondary and just until that happens.What’s wrong with Kenya? you seem to hate options, choices create new areas…Why you seem narrowly engaged..if not that all is wrong… attitude! keep open minded and find solutions instead problems.In this time of hardships Eritrea needs all support from those who can. You know “he who have nothing can hardly give any”, yes the Eritreans will continue to get help from any where until self suffice moment is in hand. Definitely those from USA and Europé can stand better than those of the Sudan and others. This is not strange, why you pose it as if other than this…? please brother, I am not aainst Ethiopia, I love them, but I love also different options venues and lanes, why not! However, all these facilicities must work in converging into one Another building the bigger ambition of one ERitrea. The goal is ERitrea and the final meeting is in Eritrea. 25 years in Ethiopia, please evaluate that, though is not totally Ethiopia’s failure, but I hope they share with us that debacle! because the will and the good hand of your host is as vital as the end might lead.

  • Emaga December 22, 2015

    aus 17 well said thanks

  • negash December 23, 2015

    It is a good gesture for Ethiopia to allow the opposition group to organize and fight their own fight. Ethiopia is doing what it is doing as good will to Eritrean people. I don’t think they expect anything in return. If any of the opposition want to move its office from Ethiopia it would be a suicide like taking fish out from water. Please fellow Eritrean forget the opposition and organize and save your people and youth in particular.

  • ሓድጉ ተኪኤ December 24, 2015

    Dear Mr. aus, this is not about holding meetings in various countries of the world. We Eritrean for Democratic Change still do hold various meetings all over the world including Sweden, the United Kingdom, Germany, and the United States. Having a meeting in Nairobi has no strategic value, besides the focus of my article is naming the conference “the first opposition meeting to be funded by well-to-do Eritreans”. My article proves that it is not the first, and it will not be the last. Unity of all political organizations is vital for the success of the opposition forces against the regime. The Nairobi meeting was intentionally designed to split the opposition into two halves, by only inviting forces close to Medrekh and EPDP. For whatever strategic reason they now succeeded to create an opposition of two wings, and it may go into irreconcilable directions. But, time should not be wasted here. Both forces have to proceed with their own plans forward, and they can join hands later if the Nairobi forces think they can rejoin hands to fight their common enemy together.

    Hadgu Tekie

  • Yemane December 25, 2015

    ኩቡር ሓዉ ሰላምታይ ብምቅዳም ቀጺለ ኣብ ኣዋሳ መቀለ ጎንደር ደብረዘይቲ ኣዲስ ኣበባ ብዝሓት ርክባት ተኻይዶም ኢዮም ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታ ኤዉሮፓ ኣመሪካን ወዝተ ኣብዚ 15ዓመት ኣብ መንጎ ተቃወምቲ ዉድባት ማሕበራት ደለይቲ ፍትሒ ተራኺቦም ብጉዳይ ሃገር ተጋቢኦም ዉሳነታት የሒልፎም ለበዋታት ውቀሪቦም መርሕነትስት ተመሪጾም ኢዮም። ዝተጨወየ ዕላም መትከልን ግን የለን። ኣብ ከንያ ኣኼባ ብመድረክ ሰለ ዝተገበረ ሃብገራዊ ባይቶ መሰሉ ተጋሂሱ ማለት ኣይኮነን ወይ ድማ ካብ ቃልሲ ተሓኪኩ ዝጠፍእ ኣይኮነን። ኣኬባ ከንያ ከም ሓደ ፍሉይ ትአምራት ዝርሰርሕ ኮይኑ ንመንፈስና ረቢሹ ኣብዝኾነ ኣኣጋጣሚ ክዝረበሉ ክትሰምዕ ከለካ የሕዝንዩ። ኣዚ ናይከንያ ኣከባ በቲ መምዘኒኡ፡ ዘሕልፎ ዉሳኔታት ዘቕርቦ ለቦዋታት ኣብቶም ተሳተፊ ኣኬባ ዘህድሮ መንፈሲ ተብጉሶም ንመጻኢ ዘለዎም መደባትን ኣብ ግብሪ ምትርጓሙ ምክትታል ኣገዳሲ ይምስለኒ። ነኒ ዝተበገሰ ተርእዮ ብአሉታ ምጥማቱ ብደምበ ተቓዉም ሓኒቑ ሒዝዎ ዘሎ። ዝኮነ ገበን ዝገበረ ብገበኑ ኣብ ቅዲሚ ሕጋዊ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ብ

    መረጋገጺ ሰነድ ክም ዝሕተት ኪንፈልጥ ይግባአና። ሰል ዘይደልናዮ ተበግሶ ወሲዶም መኣዲ ዘተ ምፍጣሮ ክምስገኑ ይግባእ። ወይ ድማ ከምዚ ናቶም ተበጉሶ ኪንወስድ ወይ ከኣንጉዱ ዝኽእሉ ለባምት ምሁራት ከነተባብዕ ኣለና። ክሳብ ምዓስ ኢና፡ ናይ ተቃውምቲ ተቕዎቲ ኮይና ክንንብር?

  • Asmara December 29, 2015

    To me whether they meet in Addis or Kenya is irrelevant. The opposition has been going on for the past 30 years and the leaders of the so called opposition and the king in Asmara are all the same. The leaders of the opposition are just trying to position themselves just in case the dictator dies to take over and lead us. You see opposition requires dedication, willingness to readiness to sacrifice. But non of them want to give up the luxury of leaving and raising their kids in Europe or the west. My advice to the young generation is the old guards whether they were with Jebha or Shabia has brought freedom but they are also responsible for all the divisive politics. Rise up and take the torch from their hands. The country is waiting for you.

POST A COMMENT