Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Updated: ቅድሚ 23 ዓመት

ቅድሚ 23 ዓመት ተጋዳሊት መምህር ግደይ ነጋሽ: ኣብ ሕዳር 1978 ብሰራዊት ደርግ ተማሪኻ:: ኣብቲ ደርግ ዘመናዊ ኣጽዋር ዝዓጠቐ ኣእላፍ ሰራዊት ኣሰሊፉ ዝኸፈቶ ናይ ሰሜን ግንባር: ህዝባዊ ሰራዊት ብጅግንነት መኪቱ ሰብን ንብረትን የውጽእ ነበረ:: ተጋዳሊት መምህር ግደይ

ቅድሚ 23 ዓመት

ተጋዳሊት መምህር ግደይ ነጋሽ: ኣብ ሕዳር 1978 ብሰራዊት ደርግ ተማሪኻ:: ኣብቲ ደርግ ዘመናዊ ኣጽዋር ዝዓጠቐ ኣእላፍ ሰራዊት ኣሰሊፉ ዝኸፈቶ ናይ ሰሜን ግንባር: ህዝባዊ ሰራዊት ብጅግንነት መኪቱ ሰብን ንብረትን የውጽእ ነበረ:: ተጋዳሊት መምህር ግደይ ነጋሽ ኣብ ብርጌድ 23 ተሰሊፋ ኣብቲ ኣብ ዒላበርዕድ ዝተገብረ ናይ ኢድ ብኢድ ቦምባ ውግእ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋል ኣካላታ ተወጊኣ ኣብ ኢድ ጸላኢ ወዲቓ:: ንሳ 9 ዓመት ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ተሳቕያ ብ1987 ተለቒቓ:: ናጽነት ኤርትራ ምስ ኮነ ድማ ኣብ ኣስመራ ተራኺብና ንተሞክሮታታ ዘሕለፈቶ ስቓይን ኣዕሊላትኒ :: ዕላልና ዝመዝገብኩላ ጥራዝ ረኺበያ:: 08/08/92 ዝተጻሕፈ’ዩ::  እቲ ሽዑ ብደርግ ዝተፈጸመ: ኣብ ናጻ ኤርትራ ይድገም ከምዘሎ ብመርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኣብ ዝቐረበ ጸብጻብ ምስ ኣንበብኩ ንድሕሪት ተመሊሰ:: ኤርትራ ዲሞክራሲ ዝሰፈና ምዕብልቲ ሃገር ክትከውን ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ትምኒትን ተስፋን ነበረ::እንተኾነ እቲ ተስፋን መብጽዓን ቁልቁል ኣፉ ተደፊኡ:: ከም ኩሉ ኤርትራዊ መምህር ግደይ ነጋሽ እውን ሽዑ ናጽነት ኤርትራ ብዓይና ብምርኣይ ሓጎስ ተሰሚዕዋ: ነቲ ኣብ ነብሳ ዝተፈጸመ ግፍዕን ብጾታ ዘርኣይኦ ጽንዓትን ብሓበን ኢያ ኣዕሊላትኒ::

ተጋዳሊት መምህር ግደይ ነጋሽ” ሽዑ ዳርጋ ሓንቲ ኢደይ ኢያ ጥዕይቲ ነይራ:: ኩሉ ሰውነተይ ብፍንጫል ቦምባን ጥይትን ተወጊኡ: ብርቱዕ ደም ፈሲሱኒ:: ተኹሲ ጽዒቑ ካብ’ቲ ጽንኩር ኩነታት ብጾተይ ከውጽኡኒ ላዕልን ታሕትን ኢሎም:: ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ኮይንዎም: ሃለዋተይ ኣጥፊአ:: ድሕሪ ሳልስቲ ሰሉስ መዓልቲ ልበይ ክፈልጥ ክኢለ:: ኣብ’ቲ ጊዜ’ቲ ኣብ ጎድነይ ካልኦት ከማይ ዝተማረኹ ብጾተይ ጸኒሖምኒ::

ኣብ መዓስከር ቃኘው ብዙሓት ውጉኣት ወተሃደራት ደርግ ምሳና ኔሮም:: ንሓለዋ መታን ክጥዕሞም ነቶም ተጋደልቲ ምስ ኣቑሳልና ከም ሓደ ጎሓፍ ኣብ ጸባብ ክፍሊ ኣእትዮምና:: ኣቑሳልና ረኺሱ: ሓሰኻ ገይሩ: እታ ዝነበርናያ ክፍሊ ተበኪላ:: ጸላኢ ንዓና ምሕካም ኣይሓሰቦን:ነቶም ወተሃደራቱ እውን ምሳና ለኪሙ ቁሊሕ ኣይበሎምን::”

ኣብ መንጎ እቶም ተጋደልቲ ዝነበረ ምትሕግጋዝ ከመይ ነበረ

ተጋዳሊት ግደይ ነጋሽ” ነንሓድሕድና ብምትሕግጋዝ ኣቑሳልና ንሕከም ኔርና:: ብርቱዕ መውጋእቲ ንዝነበሮም ቀዳምነት ብምሃብን ሞራል ብምስናቕን ተደጋጊፍና:: ነቲ ዝተዋህበና ከኒና ኣኪብና ነቶም ህሱያት ብምሃብን ብምክንኻንን ካብ መቑረጽቲ ኣድሒናዮም::እቲ ከኒና ፈውሲ ረኽሲ: ፈውሲ ዓሶ ኢዩ:: ራብዕቲ መግቢ ከይተመገብና:መውጋእቲ ተወሲኽዎ ኣካላትና ስለዝደኸመ ብዓሶ ተጠቒዕና:: እቲ ዝወሃብ ፈውሲ ዓሶ ምሉእ ብዘይምንባሩ ኣኪብና ነቶም ዝበርትዖም መፈወሲ ንጥቀመሉ: ወይ ንገለ ካባና ኣደቂስና ሓሚሞም ከምዘለው ኣምሲልና መድሃኒት ኣዋህሊልና ንፍውሰሉ::

ፍሉይ ጸገም ነይሩ ዶ

ተጋዳሊት ግደይ ” ባህርያዊ ጸገም ነይሩኒ:: ነቲ ጽግያት ብጡጥ መሳሊ ወይ ጨርቂ ይከላኸሎ:: ነቲ መሕከሚ ኣቑሳል ዝተዋህበና ፋሻ: እብ ትሕቲ ፍርናሽ ብምሕባእ ንጨርቂ ንጽህና ንግልገለሉ: ዝተረፈ ንዝረኸሰ ኣቑሳል ንሕክመሉ::

ጸላኢ ጨካን’ዩ:: ኣብ ኣካላትና ዝነበረ ክዳውንቲ ገፊፉ ዕርቃና ኣትሪፉና:: ምትንሳእን ምንቅስቓስን ምስ ጀመርና: ሽንቲ ማይ ክንክዕው ኣብ ዝደለናሉ ኣንሶላ ተዓጢቕና ንኸይድ:: ኣስሓይታን ቁርን ወርሒ ሕዳር: ቃንዛ ቁስሊ ተወሲኽዎ መሪር’ዩ:: ሽታ ቁስሊ: ሽንቲ ናይ’ቲ ከባቢን ኣየር ተበላሽዩ ሳናቡእና ተዓቢሱ::

መለለይና ግን ጽንዓት ኢዩ ነይሩ:: ንወተሃደራት ጸላኢ ከይተረፈ የገርሞም ነይሩ:: ሓደ መዓልቲ ብጻይና ንሓደ  ብፍሑኽ ፍሑኽ ዝኸይድ ዝነበረ ወተሃደር ደጊፉ ናይ ውሽጢ ክዳኑ ሓጺቡሉ:እቲ ወተሃደር ኣዝዩ ገሪሞዎ::

ካብ መዓስከር ቃኘው ናብ ሓዝሓዝ

” ደቀንስትዮ ናብ ሓዝሓዝ ደቂ ተባዕትዮ ናብ ሰምበል ተወሲድና::ሓዝሓዝ እቲ መንደቕ ዝሕልሕል’ዩ ዝብል::ናይ ትሕተ ባይታ መሬት ማይ ስለዘለዎ ውጉእ ይትረፍ ጥዑይ ኣብኡ ክነብር ፈተነ’ዩ:: ኣብ ቃኘው ብጾትና ምሩኻት ንስኻትክን ካባና ትውጽዓ ብምባል ዝሃቡና ሽዳ:ኣብ ሓዝሓዝ ሳእኒ ወንበዴ ኣይኣቱን’ዩ ብምባል ጥራሕ እግርና ኣእትዮምና:: ኣብ’ቲ ዛሕሊ ምስ ቁስልኻ ክትረግጾ ዝስምዓካ ቃንዛ ዝፈተኖ’ዩ ዝፈልጦ::

ተፈቲሽና ካብ ቃኘው ተዓጢቕናዮ ዝመጻእና ኣንሶላ ኣሕዲጎም: ንነፍስወከፍና ኣቡጀዲድ: ሓንቲ ተንኮበትን ረቃቕ ኮቦርታን ዓዲሎምና:: ኣብ ርእሲ’ቲ ቁስሊ ቁሪ ተወሲኽዎ ሕማም ኣሕዲርና:: ሽዑ ዝሓደረትኒ ኣዝማ ክሳብ ሎሚ ተሳቕየኒ::

ኣብ ኣስመራ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዝተፈጸመ ፍሉይ ትዝክርዮ

ተጋዳሊት ግደይ ” ኣብ ወርሒ ሕዳር 1978 ምስ ኣቶና 1979 ብምልኡ ኣብ ኣስመራ ወዲእናዩ:: ኣብ ሰምበል መጀመርያ ተጋዳላይ ፍስሃየ ተሰዊኡና:: ኣብ ሓደ ዓመት ድማ 11 ደቀንስትዮ ደርግ ተሓባበርቲ ህ.ግ. ኢሉ ረሺንወን::

ኣብ ወርሕና ዝተረሸነት ስማ ኣበባ’ዩ:: ዕድሚኣ ካብ 17 ወይ 18 ኣይሓልፍን’ዩ ::ንሳ ኣብ ሹቕ ኮሚደረ ሽጉርቲ ትሸይጥ ነይራ:: ኣብቲ ከባቢኣ ሓደ ካድረ ናይ ደርግ ምስ ተቐትለ ንስኺ ሓበሬታ ሂብኪ ኣቕቲልክዮ ብምባል ረሺኖማ::ጸላኢ ንገለ ብራድዮ ይዛረበሉ ነይሩ: ገሊኡ ከም ጨው ሓቒቑ ተሪፉ::”

እተን ዝርሸና ሰብ ይርእየን ዶ ነይሩ

ተጋዳሊት ግደይ” ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝርሸን እንተሎ መካይን ብሬናት ጽዒነን ኣብ ኣፍደገ ይቐርባ:: እተን እሱራትን ሓለውትን ተብተብ ይብሉ:ራዕዲ ይወርሰካ:: ብዙሓት ደቀንስትዮ ክወስድወን ከለው ድንብርጽ ኣይበለንን:: ነተን ዝተረፍና ድማ ኣብነት ኮይነን የሐብናና:የቕንኣና ነበራ:: ሓንቲ ኣብነት መብራት ዑቕባጽዮን ኢያ:: መምህር መብራት ኣብ ናይ ከተማ ስራሕ ተወዲባ እናሰርሐት ተታሒዛ  ኣብ መርመራ ከምዝኣተወት ሰሚዕና:: ተመርሚራ ናባና መጺኣ:: ንሳ ኣደ ክልተ ቆልዑ’ያ: ሓሙሸይቲ ርእሳ ድማ ናብ ሓዝሓዝ ኣምጺኦማ 10 መዓልቲ ተኣሲራ:: ብሓንሳብ ዓቢና ብሓንሳብ ተቓሊስና ዕላልና ክሳብ’ታ ዝተረሸነትላ መዓልቲ ቀጺሉ::

እተን ኣርባዕተ ነናይ ክልተ ዓመት ማእሰርቲ ብደብዳቤ ተጻሒፉ ተዋሂብወን:: መብራት ምስኣተን ተጸዊዓ: ፍርዳ ከይፈለጠት ተመልሰት::እንታይ ኢሎምኺ ኢለያ::ንሳ ኣብ ርእሲኣ ዝወረደ ከቢድ ኣካላዊን ስነኣእምሮኣውን መርመራ ገሊጻትለይ::ጸኒዓ ብምውጽኣ ብጸላኢ ከም እትርሸን ገሚትና ኢና:: መብራት ንሃገራ ዝሰርሐት ይትረፍ ብዙሕ ብሽም ኤርትራዊ ዝተረሸነ ስለዝነበረ::

ኣነ ከተባብዓ ደሓን መብራት ነተን ምሳኺ ዝኸዳ ክልተ ዓመት ፈሪድወን: ንዓኺ ዕስራ ዓመት ኪፈርደኪ’ዩ በልክዋ::

ሽዑ ዝመለሰተለይ ንዘልኣለም ኣይርስዖን’የ::

መብራት” ስምዒ! ኢላትኒ:: ኣነ ካባኻትክን ኣይበልጽን’የ:: ካብ ኩሎም ስውኣት ብጾተይ ኣይበልጽን’የ:: ስለ’ዚ ጸላኢ ኪቐትለኒ ከምዝኾነ እፈልጥ’የ:: ኪቕተል ከለኹ ግን ግቡአይ ፈጺመ ስለዝኾንኩ ናይ ብሓቂ’የ ዝሕጎስ:: ስለ’ዚ ከም ዝቐትለኒ ስለዝፈልጥ እዚ ክኹርዓኒ’ዩ::ንዘልኣለም ከኣ ክብሪ ዘለዎ ሞት’ዩ::ካብ ኩሉኹም ብጾተይ ትሳቐዩ ዘሎኹምን ኩሉ እተሰውአን ዝተፈለኹ ኣይኮንኩን:: በለትኒ:: ንግሆ ኣዕሊልና ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት ሰለስተ ወሲዶማ:: እታ ናይ መወዳእታ ፈነወ ክንፋላለ ከሎና ኩላትና እሱራት ኣብ’ታ ኮሪዶር ኣብ’ታ ጸባብ ዓጉግና: ንመምህር እናጋፍዑ ካብ’ታ ሸላ ክወስድዋ ከለው ብጩራ ሪእናያ ክሳብ ትኽወል:: ካላሽን ዝዓጠቑ ክልተ ወተሃደራት ኣማእኪሎማ: ኣብ ቮልክስዋገን ኩምቢ ክወስድዋ ካብ ዓይነይ ክሳብ ትስወር ረኣኽዋ:: ኣይሰንበደትን: ኣፍልባ ነፊሓ ንቕድሚት እናጠመተት ክትከይድ ብምርኣየይ ነተን ኣብኡ ዝነበርና ደቀንስትዮ ንመስዋእቲ ድልዋት ከም እንኸውን ዓቢይ ትምህርትን ኣብነትን ኮይኑና::”

”ኣለም በቃኝ”

ተጋዳሊት ግደይ ነጋሽ ካብ ሓዝሓዝ ናብቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ንሕልፈት ክእሰሩ ዝተፈርዱ ሰባት ዝዳጎኑሉ ኣለም በቃኝ ተወሲዳ ዘሕለፈቶ ጸበባን ኣብ እሱራት ደቀንስትዮ ዝወረደን ኣዕሊላትኒ::

” ኣብኡ ቀተልቲ:ሰረቕቲ ተኣሲረን ንሞራልናን መነባብሮናን ዝጎድእ ብዙሕ ግፍዕታት ተፈጺሙ::300 ዝኾና ግዳም ሓደርን ኣመንዝራታትን ብሓባር ምሳና ተቐይደን::ኣብ ሓደ ክፍሊ 135 ተኣሲርና ብሓንቲ ዓይኒ ምድሪ ክንጥቀም ተገዲድና:: ኣብ ኣለምበቃኝ ምስ ኣራዊት ንቕመጥ ከምዘሎና ንሓስበሉ እዋናት ነይሩ::እተን ሓለውትና ሓንቲ ስጉምቲ ክንንቀሳቐስ ዝኾነ ነገር የኽፍላና:: ካብ’ታ ቤተሰብ ዘምጽኡልና መግቢ ንመቕለን:: እንተዘየልቦ ዝፈጸምናዮን ዘይፈጸምናዮን ሓስየን ሽግር ይፈጥራልና::”

ኣብ ኣለም በቃኝ ኣገልግሎት ጥዕና ነይሩ ዶ

ተጋዳሊት ግደይ” ኣብ ኣለም በቃኝ ሕክምና ኣይነበረን:: ብዘስካሕክሕ ዝተሰውአት ብጸይቲ ሂወት ወልደሃንስ ኢያ:: ንሳ ዕድሚኣ 23 ይኸውን:: ሂወት ብሕማም ከስዐ ተሳቕያ ኢያ:: እንተኾነ ቃንዛ ጸይራ: ንሕና እናኣለናያ ጸኒሓ:: ሓደ ለይቲ ሂወት ሕማማ ጸኒዑ ቃንዛ በርቲዕዋ:: ነቶም ወተሃደራት ነጊርናዮም:: ንሳቶም ወንበዴ ክትሃድማ ደሊኽን ብምባል ማዕጾ ረጊጦም ሒዞሞ:ምሉእ ለይቲ ተሳቕያ::

ከብዳ ሓቢጡ: ወጋሕታ ማዕጾ ተኸፊቱ ላዕልን ታሕትን ጎይና:: ነታ ሓላዊት ነጊርና ኣእዊና ለሚና እዝኒ ኣይሃበትናን:: ፍርቂ መዓልቲ ሕበጥ ፍርቂ ከብዳ በጺሑ:: ተምላስ በርቲዕዋ ሰውነታ ደኺሙ:: ቀዳም ብምንባሩ ሓካይም ዓጽዮም ከይዶም ተባሂሉ: እተን ሓለውቲ ኣብ ኣፍደገ ምጽጋዕ ከሊአናና:: ሰዓት 6.00 ድሕሪ ቀትሪ ነቶም ኣብ ስግርና ዝነበሩ እሱራት ብጾትና ኣእዊና:ንሳቶም ንሰባት ለሚኖም ብቃረዛ ናብ ሆስፒታል ወሲዶማ:: ሂወት ካብ’ታ ቃረዛ ከይተላዕለት በታ ሸፊና ዝወሰድናያ ኮቦርታ ተገኒዛ ተመሊሳ:: ኣደይ ደስታ ዝበሃላ ሓኪም ወተሃደር ዓባይ ሰበይቲ ኢየን ወሲደንኣ: ሕልፈት ሂወት ኣሕዚንወን እናነብዓ ኣዘንትየናልና::

ኣብ ለካቲት ዝተሰምየ ሆስፒታል ከብዳ ክትኮስ ከሎ ብዓይነን ብምርኣየን ኣስካሕኪሐን:: ኣብቲ ኮበርታ ገለ ክፋል ናይ ውሽጣዊ ኣካላታ ናይ ጸላም ከብዳ ኣብቲ ኮቦርታ ባዕለይ ረኺበዮ:: ናይ ሂወት መስዋእቲ ካብ ሓንጎለይ ዘይወጽእ ስምብራት ንዘልኣለም ገዲፉለይ:: ሂወት ዕግስቲ: ምቕልልቲ ዘይትርሳዕ ብጸይቲ ኢያ::ብዙሕ ዘደፋንቕን ዘንብዕን ኢዩ:: ብነጸላ ተጎልቢብና በኺናላ:: ብሓቂ ብጽፈታን ክሳብ መወዳእታ መርገጺኣ ብምጽናዓ ከም’ቶም ኩሎም ስውኣት ኤርትራ ካብ ጸላኢ እንጽበዮ ስለዝነበረ ብመስዋእታ ተሪርና:: ”

ተጋዳሊት ግደይ ኣብ ኣለምበቃኝ ብጠርጠራ ዝተዳጎና ኤርትራውያን ኣዴታት ከምዝነበራ ኣዘንትያትለይ

” ብዙሓት ተሓባበርቲ ወንበዴ ተባሂለን ዝተኣስራ ብዕድመ ዝደፍኣ ኣዴታት ነይረን:: ኣደይ ክብራ ንወዲ ሓውኺ ንበረኻ ናብ ወንበዴ ኣውጺእኽዮ ኣፋኒኽዮ ብምባል ኣሲሮማ:: ኣብ ኣስመራ ኣብ ቤት:ፍርዲ ብዙሕ ኣመላሊሶም ን5 ዓመት ፈሪዶም ኣብ ኣለምበቃኝ ኣሲሮማ:: ንሳ ዓባይ ሰበይቲ ኢያ:: ንኩነታት እቲ ቤት:ማእሰርቲ ክትጻወሮ ኣይከኣለትን:: ጭንቀት በርቲዕዋ ኣኣምሮኣ ስሒታ::ንዓኣ ክንኣሊ ዝከኣለና ጽዒርና ለውጢ ኣይረኸብናላን:: ኣደይ ኣብርሀት ኣለም ዝተባህለ ወደን ብደርግ ተቐቲሉ:: ንሰን እውን ኣብ ኣለምበቃኝ 5 ዓመት ተኣሲረን ኩሉ ተሓዋዊስወን ዓቢደን::መብራትን ሕርይትን ተመቁሐን ተሳቕየን ዳሕራይ ፈጺመን ጨርቀን ዝደርበያ ኤርትራውያን ኣዴታት ኢየን:: ኣደይ ኣምለሰት ኣብ ኣስመራ ከሎና ኣብ መርመራ ማህጸና ጎዲኦማ::ኣብ ምንቅስቓስ ቀጻሊ መድመይቲ ነይርዋ:: ንሳ ሓሙሽተ ዓመት ካብ ኮፍ ዝበለቶ ክትንስእ ባዕልና እንዳተኸናኸና ኣሕሊፍናዮ”::

መምህርን ተጋዳሊትን ግደይ ነጋሽ ኣብ ውሽጣዊ ናይ ከተማ ስርዒት ተወዲባ ንሃገራ ኣገልጊላ:: ኣብ ህዝባዊ ግንባር ተሰሊፋ ድማ ኣብ ዓውደ ኩናት ገጢማን ንብጾታ ፖለቲካውን ኣካዳማውያን ትምህርቲ ብምሃብን ተቓሊሳ:: ናጽነት ኤርትራ ንምርኣይ ብምብቅዓ ብሩህ መጻኢ ኤርትራ እናማዕደወት: ድሕሪ ሒደት ዓመታት ኣብ ኣስመራ ብሕማም ተሰዊኣ::ኣብዚ ረዚን ቅንያት መዓልቲ ስውኣት :ብዛዕባ ጊደይን ብጾታን ምጽሓፍ ግቡእ’ዩ:: ማዕረ ማዕረኡ ድማ ብልጽግትን ፍትሒ ዝሰፈና ኤርትራ ንምርኣይን ህልዋትን ስውኣትን ተጋደልቲ ዝተለምዎ ጉዕዞ ኣብ ምዕራፉ ንምብጻሕ ዝተኸፍለ መስዋእቲ ብዓይነ ሕልና ብምርኣይ ቃልና ነሐድሰሉ ኢዩ::

ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና

ደጎል ድራር

aseye.asena@gmail.com

Review overview
11 COMMENTS
  • my people June 17, 2015

    እንታይ ኔሩ ምዕላል ጽቡቕ እዩ ሕጂ ግን በየን መጺእናን ናበይ ንኸይድ ኣለናን ንፈልጥ ኣይንመስልን።መንእሰያትና እውን ነታ ሃገር ከም ዘይሕከም ሕማም ጠንጢኖማ ይኸዱ ኣለዉ።መድሓኒ የብሎምን።ትማሊ ተዋጊእናልኩም ንብሎም ኣለና ንሶም ክኣ ትማሊ ከመይ ነሩ ኣይንፈልጦን ፣ካብዚ ናይ ሎሚ ዝኸፍእ ዝነበረ ኣይመስለናን,ሎሚ ግን ኣብ ሓዊ ይርከብ ኣለኹ ይብሉና ኣለዉ።

  • Dawit kflezghi June 18, 2015

    ናይ፡ሎሚ፡ገደደ!
    ናይ ሎሚ ገዲዱ፡ካብቲ፡ሕሉፍ ዛንታ፡
    እቶም፡ ናይ፡ሹዑስ፡ፉሉጣት ጸላእታ፡
    ኤርትራዊት፡ኣደ፡ ቡዝሕዩ! ማዓታ፡
    ኣይ ዛረዬን፡ጌና፡ይውሕዝ፡ንብዓታ

    ኣጻውዮ፡ብሉን፡ዝተሓዋወሰ ዕጽፍታት፡ስቓዩ እንዳ፡ተማላለሰ፡
    ሓንሳብ፡ዝወፈረ ገዛ፡ ዘይተመልሰ፡
    ናጽነት፡ንሽማ፡መሰል፡ዝተጋህሰ፡ ተሃጸ፡እንዳ፡ፍረሰ
    ካብ፡ደርግን፡ ድርጋውያን፡ ህግደፍ፡ ባኣስ፡

    ኣብ፡ዘበነ፡ናጽነት፡ድሕሪ፡ቲ፡መግዛእቲ
    ዘስካሕክሕ፡መግረፍቲ፡ዝበጽሔ፡ማእሰርቲ፡
    ጾታዊ፡ዓመጻት፡በደል፡ታንስተይቲ፡
    መርወይ፡ስሚዒቶም፡ ናይ፡በይኖም፡ሕዛእቲ፡

    እነሄት፡እንዶ፡ሎምስ፡ትእሰር፡ትሕዪር፡
    ህግደፍ፡ካብ፡ደርጊ፡ብምንታይ፡ይቕየር፡

  • Simon G. June 18, 2015

    ኣዝዩ ዘሕዝን ታሪኽ።
    ግን: እንቋዕ ተጋዳሊት መምህር ኣበባ ብሂወታ ስጋዕ ሕጂ ኣይጸነሐት። ካልኣይ ሞት ምኾና ኔሩ።

  • Reshan June 18, 2015

    ዝግለጽ ዘሎ ታሪኽ ናይ መምህር ግደይ ነጋሽ ድኣ ከይከዉና። ምኽንያቱ ናይ ቐረባ ዘመደይ ስለ ዝኾነት ታሪኻ ኣጸቢቐ ይፈልጦ አየ።

  • Tes June 18, 2015

    Topass see and tell history is good. I have no doubt about that. But there’s much urgent and extremely important current issue which needs a full attention. I don’t see the relevance of this article at this moment and time. If you get time tell us something about the current human rights report on eritrea by UN. Every one knows the bravery of tegadelty.
    But what is buzzing is that the end result which zero. You are not making her favour by telling Ababa history now which the young generation have experience worse than her story. In fairness she was a bow in active war and it was obvious what it would be the treatment. So your article has no relevance to the current affairs of our situation. Please try to harmonise your article with current affairs than irrelevant things

    • my people June 18, 2015

      Tes
      That was what I was trying to say without hurting anybody’s feelings.

      thankyou for saying it

  • መሓሪ ወልደማርያም June 18, 2015

    ዝኸበርካ ሓው እዛ ዝበልካያ ተጋዳሊት ስማ ኣበባ ነጋሽ ዘይኮነ ግደይ ነጋሽ እያ ትበሃል። እቲ ዘቕረብካዮ መግለጺ ግን ሓቒ እዩ።

    መምህር መሓሪ ወልደማርያም።

  • Gaul Sheka June 18, 2015

    The tigrignaia saying of “shim yemere’h, tewaf yeber’h” aptly fits the nature of the gedli account and time.
    Most people who are affected by change, and as historically shown those who most benefit from change, all want an orderly change. Revolutionary changes are extreme conditions that usually lead to further chaos. Peaceful Resistance should be about reaching out to all the Eritrean people with no bad feelings of the past.

  • debesay June 19, 2015

    We every day we Eritrean have a problem , instead we criticize with ourselves about what we have to do and what our regime do to us.we blame our enemy for not being kind to us .are u crazy what do expect from the people u f ought and killed them.why u said for derg abruta and beast.this things also happen right now , Eritrea n blame European countries for not give u assaylem ,but u don’t blame for the regime Let u leave ur country.

  • debesay June 19, 2015

    If we want to win in politics , we have to leave speaking idiot words like we say everyday we are unique, best,superior people.this contemt and conceit . that’s why we fall .this shows how we are ignorant, puppets people .if we were wise smart people ,we would bring change soon.

  • mesghina bahta June 19, 2015

    Thank you brother Degol for remembering our Heroine Ghidey Negash and telling her heroic and painful story of sacrifice for our beloved fatherland. I knew Memhir Ghidey Negash in the early seventies when we were members of the same club by the name “Teen-Agers club” in the Asmara YMCA in Edaga Hamus. We were introduced to the Eritrean Struggle there, but she was already involved in the clandestine work. She was so young but was ahead of her times. I’d like to witness that she was a very courageous, determined and intelligent person and she was ready to give her life for her people’s cause since that time. Our Eritrea’s independence was achieved by the heroic sacrifices of Jeganu like martyr Ghidey Negash and they will be remembered forever. Rest in peace Jigna tegadalit Ghidey Negash!! Your martyrdom is not in vain!! You are our heroine and you will always be in our heart!!

POST A COMMENT