Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ባይቶ ንኽዕረ ወይ ንኽሕደስ

ባይቶ ንኽዕረ ወይ ንኽሕደስ                   ብወልደየሱስ ዓንደማርያም እቲ ዝሓሸ ኣማራጺ ንኽዕረ ወይ ንኽሕደስ እዩ። ከም ዘለዎ ክቕጽል ኣይክእልን። ባይቶ ድሒኑ ንህዝቢ ንኸድሕን፡ ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ዘለኹም ሃሊኹም ገለ ግበሩ። ጌጋታት እንዳጸብጸብኩም ከም ዘይናትኩም ኣማዕዲኹም ክትርእይዎ እንተድኣ

ባይቶ ንኽዕረ ወይ ንኽሕደስ

                  ብወልደየሱስ ዓንደማርያም

እቲ ዝሓሸ ኣማራጺ ንኽዕረ ወይ ንኽሕደስ እዩ። ከም ዘለዎ ክቕጽል ኣይክእልን። ባይቶ ድሒኑ ንህዝቢ ንኸድሕን፡ ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ዘለኹም ሃሊኹም ገለ ግበሩ። ጌጋታት እንዳጸብጸብኩም ከም ዘይናትኩም ኣማዕዲኹም ክትርእይዎ እንተድኣ ኾንኩም ዓገብ እብለኩም። ምኽንያቱ እቲ ካልእ ኣማራጺ፡ እዚ ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝተተኽለ ባይቶ ከምቲ ናይ ውሽጢ ሃገር፡ ነበረ ኣቢሉ ክድርበ፡ ህልው ኩነታት ባዕሉ ዝመርጸሉ ዘሎ መንገዲ እዩ። እዚ መንገዲ እዚ ድማ እቲ ዘይንደልዮ መንገዲ ጥፍኣት እዩ።

ኣብ መመድረኹ ዝተራእየ ታሪኻዊ ምጥርናፋት ውድባት፡ ደቃቕ ስምብራት ምዕባሌ ከየርኣየ መዘከርታ ኣሽማት ኣውጺኡ ጥራይ እዩ ፋሕ ዝበለ። ክሳብ ዕለት ሎሚ መሪሕነታት ተቓዉሞ ንቃልሲ መኣዝን ከትሕዞ ኣይከኣለን። ንግዜን ኩነታትን ኣርኪቡ ክቕየርን ክትዓጻጸፍን ሰለዘይከኣለ፡ ነቲ ቃልሲ ኣይበቕዖን። ስለዚ ዝተሓልፈ ተሞክሮ ብምግንዛብ፡ ባይቶ ንኽዕረ ኣብ ውድባት ዘይኮነስ ኣብ ግብራዊ ተበግሶን ጻዕርን ሕልናን ደለይቲ ፍትሒ ዝተሞርኮሰ እዩ። እቲ ምዕራይ ከኣ፡ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ክፍተን፡ ግዜን መድረኽን ይጠልቦ ኣሎ።

ደላይ ፍትሒ ወይ ለውጢ ክብል እንከለኹ፡ ኣውራ ነቲ ካብ ተወዳደርትን ተራጋሕትን ፖለቲካዊ ውድባት ነጻ ኾይኑ፡ ጸረ ህ.ግ.ደ.ፍ. ብቓልዕ ደው ኢሉ ዝቃለስ ዘሎ ስደተኛ ዜጋ ዝምልከት እዩ። እዚ ነቲ ብውልቁ ወይ ከኣ ኣባል ሲቪካዊ ማሕበራት ኾይኑ ዝነጠፍ ዘሎ ስደተኛ ይገልጽ። ብተወሳኺ ነቲ ምእንቲ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ክብል፡ ንውድባዊ ሓልዮትን ጸብለልትነትን ዘጸግዐ ኣባል ውድብ። እሞ ኸኣ ምስ ደላይ ፍትሒ ብምትእስሳር ዝነጠፍ ዘሎ፡ መሰረታት ውድባት ዝኾነ ዘይሕለል ተቓላሳይ ይሓቁፍ።

እዚ ጽሑፍ እዚ፡ ነቲ ከም ምስሊ ዓቢይ ጎደና ደው ኢሉ ወግሐ-ጸብሐ እንርእዮ ዘሎና ሽግራት ህዝብና ይኹን መፍትሒኡ፡ ንኽገልጾ ኢሉ ኣይፍትንን። ሽግርናን መፍትሒኡን ባዕሉ ዝዛረብ ዘሎ እዩ። ከምኡ እውን ብስነ-ሓሳባዊ ትንታኔታትን ኣብ ሰማይ ብዝተጠልጠሉ ሓሳባትን ዘርዚሩ ንኸዛናግዓና ወይ ንኸሕልመና ኢሉ እውን ኣይተዳለወን። እዚ ጽሑፍ እዚ፡ ኣብ ሃገረ ስደት ኾይና ዓቕምና ብዘፍቅዶ እቲ ክንገብሮ እንኽእል ተግባራዊ ስጉምትታት ኣቕሪቡ፡ ነቲ ደላይ ፍትሒ ኣብ ጥርኑፍ ስራሕ ከበግሶ ዝፍትን ዘሎ ርእይቶ እዩ።

መጀመርያ ኣቲ ንባይቶ ንምምስራት ዘንቀለ ቅዱስ ዕላማ ክጥቀስ እንተድኣ  ኮይኑ፡ ንስርዓት ኢሳያስ መተካእታ ንምቕራብ፡ ሕቶ ሓባራዊ ስራሕ ንምርግጋጽ፡ ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ግብራዊ መልሲ ምሃብን እዩ። ነዚ ዕላማ እዚ ዝጻረሮ ተቓዋሚ ዜጋ  ወይ ውድብ ዘየለ ክነሱ ንምትግባሩ ኣይተኻእለን። ኮይኑ ኸኣ፡ ባይቶ ኣብ ክፈትሖ ኣሸጊርዎ ዘሎ ውሽጣዊ ቅልውላው ኣትዩ፡ መዋጽኦኡ ኣሸጊርዎ ኣጽቂጡ ኣሎ። ስለዚ ባይቶ ንኽዕረ ነዚ ሕቶታት እዚ ንኸይምለስ ዝዓግቱ ዘለዉ ጠንቅታት ተለልዮም ከልግሱ ኣለዎም። ልክዕ ከምቲ ስርዓት ኢሳያስ ዝገብሮ ዘሎ መግለጺ ዘየድልዮ ጌጋታት፡ ባይቶ ዝገበሮ ጌጋታት እውን ምጽብጻብ ዘየድልዮ ከምዝኾነ ኩላትና ንርእዮ ዘሎና እዩ። ከምዚ ካብ ኮነ ኸኣ እቲ ባይቶ እዩ ከዐርዮ ትጽቢት ዝግበረሉ። እንተኾነ ግና፡ ህላወ  እዞም ርኡያት ጌጋታት እዚኣቶም ክኣምነሎም እንተዘይክኢሉ ባይቶ ባዕሉ ከዐርዮ ዘይሕሰብ እዩ። ተራ ደለይቲ ፍትሒ ንምዕራይ ባይቶ ከኣ ኣብዚ ይመጽእ።

ታሪኽ ፖለቲካዊ ጉዕዞ ባይቶን ዘለዎ ሃለዋትን ምስ እንግንዘብ፡ ነቲ ክዕረ እንብሎ ውሽጣዊ ኩነታትን ዝምድናታትን ቃልሲ ተቓዉሞ ደምበ ብዝያዳ ኣጉልሑ ኣርእይና ኣሎ። ካብ ግዜ ገድሊ ኣትሒዙ እቲ ንኹሉ ድኽመታት ቃልሲ መሰረታዊ ጠንቂ ዝኾነ ነጥቢ፡ ጉድለት ኣፈታትሓ ግርጭት እዩ። ካልእ ኣማእት ጉድለታት እንተጸብጸብና ሳዕቤን እዩ። ኤርትራውያን ተቓለስቲ፡ ኣፈታትሓ ፖለቲካዊ ግርጭት ካብ ዘመነ ገድሊ ጀሚርና ክሳብ ዕለት ሎሚ ኣይከኣልናዮን። እቲ ዝሓለፍናዮ ተሞክሮ እውን ኣይመሃረናን።

ሓደ ካብቲ ሳዕቤን እዚ ኣብ ልዕሊ ባይቶና ወሪዱ ዘሎ መጒዳእቲ እዩ። ንኣጋባብ ኣመሳራርታ ባይቶ ካብ መጀመርታ ዘይተቐበሎ ኣካል ተቓዉሞ ደምበ ነይሩ እዩ። እዚ ነቲ ደምበ ካብ ዝነበሮ እንደገና ኣብ ክልተ ከም ዝኸፈሎ ፍሉጥ እኳ እንተነበረ፡ ተሳታፋይ ዝገደፈ ገዲፉ ነቒሉ። ዝተረፈ ዳሕራይ የርክብ ኢሉ ኸኣ ባይቶ መስሪቱ። ድኽመት ባይቶ ከኣ ካብዚ ይብገስ። ሓደ ካብቲ መሰረታዊ መትከል ዲሞክራስያዊ መስርሕ ዝኾነ ኣሳታፊ ጥርናፈ ሸልል ኢሉ ሓሊፍዎ። ኣሳታፊ ጥርናፈ ከም መሰረት እምነቱ ብምግባር፡ ኣቐዲሙ ስለዘይሰርሕሉን ዘይተቓለሰሉን ኸኣ፡ ነዚ ጌጋ እዚ ክደጋግሞ ተራእዩ።

ድሕሪ ባይቶ ምምስራቱ እውን ኣብ ውሽጡ ዝተኻየዱ ቃልስታት ንምዕባሌኡ ዓገትቲ ኾይኖም ኣለዉ። ኩሉ ጎድናዊ እኹል ኣፍልጦ ባይቶ ምህላው ፍርቂ እቲ ቃልሲ ስለዝኾነ፡ እቲ ዝኸዶ ጉዕዞ ብዓይኒ ሓቂ ምግምጋም ነቲ ደላይ ፍትሒ ንምዕራዩ ክሕግዞ ይኽእል እዩ። ከዐሪ ይኽእል እዩ ኢለ ካብ ኣቐምጥክዎ ግና፡ ኣብ ናይ ሎሚ ኣርእስተይ እቲ ደላይ ፍትሒ ዝብሃል መን እዩ? ንዝብል ሕቶ ብሰፊሑ ክምልስ እደሊ።

እዚ ስያመ እዚ፡ ድሕሪ ስርሒት ፎርቶ ኣዝዩ ዝተወዓውዐን ቁጽሪ ዝደለበን እዩ። ብፍላይ እቲ ኣብ ስሜን ኣሜሪካን ኤሮፓን ፋሕ ኢሉ ዝርከብ ተቓላስይ ዜጋ፡ መዓልታዊ ዝጥቀመሉ መጸዋዕታ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ሽም እዚ፡ ኣብ ካልእ ክፍለ-ዓለማት እውን ክቃላሕ ይስማዕ። ደላይ ፍትሒ ንህላወን ኣገዳስነትን ባይቶ ይኣምን። ትሕዝቶ ምንቅስቓሱ ካብቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ መንቀሊ ባይቶ ዝኾኑ ዕላማታት ዝፈልዮ የብሉን። እቲ ኣውራ ቴማ ደላይ ፍትሒ ግና እዋናዊ ኾይኑ፡ ኣገዳስነቱ ነቲ ሕቶ ህዝቢ ብዘይ ውዓል ሕደር ክምልስ ዝጽዕር እዩ። መዓልታዊ ኣርእስቱ፡ ኣብ ትግባረን ስራሕን ንምድሓን ህዝቢ ዘትኮረ ሰለዝኾነ ከኣ፡ ካብቲ ዛዕባታት ናይ ባይቶ በዚ ይፍለ።

በዚ ነጥብታት እዚ ክገልጾ እንተድኣ ኾይነ፡ ደላይ ፍትሒ ኣብ ቴማ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ብምሉእ ሓይሉ ክደንን ክጽዕትን ዝደሊ ኾይኑ፡ ካልእ ጎድናዊ ኣርእስቲ ዘምጽኣሉ ጸማም እዝኒ ክህቦ ዝወሰነ ዜጋ እዩ። እቲ ቴማኡ ብሩህን ንጹርን እዩ። ኣብ ናይ ስራሕን ድሕነት ህዝብን ዛዕባታት ዘተኮረ ሰለዝኾነ ከኣ ኩሉ ዜጋ ይቕበሎ። ክትሰምዖ እንከሎኻ ብህሉው ኩነታት ዝተቐየደ ዕጣን ፖለቲካ ዘይብሉ፡ ብብሩህን ዘየዳናግርን ተራ ዘረባ እዩ ዘቕርቦን ዝደጋግሞን።

እንተኾነ ግና፡ ስራሕ ካብ ኮነ ኣርእስቱ፡ ንስራሕ ውፈር ተባሂሉ ጻውዒት ዝተገብረሉ፡ ወይ ኣብ ስራሕ ተረኺቡ ኣሎኹ የብል ወይ ከኣ ዓዲ ውዒሉ ብኩራት ይኸውን። ኣብ ስራሕ ማእከላይ መርገጺ የልቦን። ስለዝኾነ ከኣ ፈታዊ ስራሕ ዝኾነ ደላይ ፍትሒ ፖለቲካዊ ኣይኮነን። ነቲ ምንቅስቓሱ ግና ፍኑው እዩ ዝገብሮ። ብሰንኪ እዚ ከኣ፡ ህዝባዊ ማዕበል ዝብል መጸዋዕታ እውን ተዋሂብዎ ነይሩ። ስለዚ ንጥርናፌኡ ኣገዳሲ ስለዝኾነ ምስቲ ቴማ ስርሑ ማዕረ ንማዕረ ፖለቲካ ክሕውሰሉ ኣለዎ። ክገልጾ ካብ ነቐልኩ እምበኣር፡ ደላይ ፍትሒ ክሳብ ዕለት ሎሚ ብፍኑው መልክዕ ኣብ ሃገረ ስደት ዝነጥፍ ዘሎ ዜጋ ኮይኑ፡ ህዝብን ሃገርን  ንምድሓን ከም ደራኽን ኣራምን ሓይሊ ንኽኸውን፡ ብኸመይ ኣጋባብ ዝጠራነፈሉ ጥበብ ወይ ፖለቲካዊ ሜላ ስኢኑ ዘሎ ዕቑር ሓይሊ እዩ፡ ክብል እደሊ።

ደላይ ፍትሒ፡ ኣብ ዘዘለዎ ስፍራ ስደት ኾይኑ ቀጻሊ ጸረ-ህ.ግ.ደ.ፋዊ ምንቅስቓስ ዘርኢ ዘሎ ናይ መሰረታት ቃልሲ እዩ። ንኣብነት ሳላ ጎስጓስ ደለይቲ ፍትሒ እቲ ድሕሪ ስርሒት ፎርቶ ኣብ ምሉእ ኣሜርካን ካናዳን ዝተገብረ ሰላማዊ ሰልፍን ኮንፈረንስን፡ ተቓዋሚ ደምበ እውን ዝተሓወሶ ኣድማዒ እዩ ዝነበረ። ናይ ኤሮፓን ማእከላይ ምብራቕን እውን ክጥቀስ ይከኣል። እዚ ምንቅስቓስ እዚ፡ ሓደ ውድብ ንበይኑ ክገብሮ ዘይክእል ንጥፈት ከም ምዃኑ ብሩህ እዩ።

ባይቶ ንምዕራይ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ይፈተን ካብ በልኩ፡ ንደላይ ፍትሒ ንምግላጹ መሪሕነታት ውድባት ከይተተንከፈ ኣይከውንን። እቲ ካብ ላዕሊ ንታሕቲ ዝውሕዝ ኣረኣእያታትን መምርሒታቱን፡ ምስቲ ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ዘንቃዕርር እንተ ተሰማሚዖም እዩ ንምዕራዩ ዝቐለለ ዝኸውን። መብዛሕትኡ ግዜ ግና ኣይሰማምዑን እዮም። ስለዝኾነ ከኣ ደላይ ፍትሒ ተሰማዕነት ክረክብ፡ ከም ደራኺ ሓይሊ ኾይኑ ክጠራነፍ ይግደድ። ስለዚ ንደላይ ፍትሒ መን ምዃኑ ምግላጽ፡ ዝምድናኡ ምስ ተቓወምቲ ውድባትን መሪሕነቱን ከይተጠቕሰ ክሓልፍ ምሉእ ኣይገብሮን። ምኽንያቱ ኣብ ሓደ ዓይነት ቃልሲ እዮም ዝነጥፉ ዘለው። ነዚ ዝምድናታት እዚ ንምብራህ ክሕግዘና ድሕሪ ስርሒት ፎርቶ ዝተገብረ ሰላማዊ ሰልፍታትን ኮንፈረንስን ከም ኣብነት ንመልከት። ካብ ንህ.ግ.ደ.ፍ ንምቅዋም ኣብ ስራሕ ዝተራእየ ዝምድናታት ዝዓቢ ቁምነገር ስለዘየለ ኸኣ፡ ከም መግለጺ ደላይ ፍትሒ ምጥቃሱ ኣገዳሲ እመስለኒ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሰላማዊ ሰልፍን ኮንፈርስን ዋ.ዲሲ፡ ህዝባዊ ማዕበል እንዳበለ ኣብ ዝጉስጉሰሉ ዝነበረሉ ግዜ፡ ብኣባላት ተቓወምቲ ውድባት መን እዩ ዘዳልዎ ዘሎ እንዳተባህለ ብምትብባዕ ዘይኮነስ ብዓይኒ ጥርጣረ ዝጥመት ዝነበረ፡ ፍኑው ምንቅስቓስ ደለይቲ ፍትሒ እዩ። እዚ ጥርጠሬታት እዚ፡ ነቲ ኣንጻር ስርዓት ኢሳያስ ክቃወም ኢሉ ዝተበገሰ ዜጋ፡ ልክዕ ከም ካብተን ተቓዉሞኡ ዘካይደለን ከተማታት፡ ካብ ውድባት ድማ ተወሳኺ ናይ ፍቓድ ወረቐት ዘድልዮ መሲሉ እዩ ዝቐርብ ዝነበረ።

ኣባላት ተቓወምቲ ውድባት ግና ክፈርሕዎ ዘይኮነስ ንኽምዕብል መንገዲ ክጸርግሉ እዩ ዝግብአም ነይሩ። ምኽንያቱ ውድባት ብወገነን እቲ ቃልሲ ክሰልጠን ካብ ዘይከኣለ፡ ካልእ ሓጋዝን ኣማራጺን መንገዲ ንኸይብገስ ክጻብኣ ጌጋ እዩ። ኣብ ርእሲኡ፡ ደላይ ፍትሒ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ብዝገብሮ ዘሎ ቃልሲ፡ ውድባት ክገብርእኦ ዘይከኣላ ከምዝገብር ንዝጎደለን ከምዝምልእ ኣመስኪሩ እዩ። ተወሳኺ ኣብነት ኣብ ጀነቭ ኤሮጳ ዝተፈጸመ ክጥቀስ ይከኣል። ስለዝኾነ ድማ፡ ውድብ ከይበልና ማሕበር ወይ ውልቀ-ሰብ ኣብቲ ጸረ ህ.ግ.ደ.ፍ. ዝኾነ ሓባራዊ ስራሕ ንጽመድ እንዳበለ፡ ንኹላተን ውድባት ጠርኒፉ ኣብ ጽርጊያ ከምዝወጻ ዝገበረ ደላይ ፍትሒ እዩ። ስለዚ ቁምነገሩ ካብቲ ስርሑ ስለዝብገስ፡ ትርጉም ደላይ ፍትሒ ንምፍላጥ ዝተገደሰ፡ነቲ ስርሐይ ኣንብቡ እዩ ክብል።

ነዚ ሓዲሽ መሰረት ስራሕ እዚ ብምንጻፉ ድማ፡ ድሕሪ ሕጂ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ጸረ- ህ.ግ.ደ.ፍ ዘበለ ተቓዉሞ መን ገበሮ ከገድስ ኣይኮነን። እዚ ደላይ ፍትሒ ምስ ውድባት ዝፈጠሮ  ኣብ ስራሕ ዝተሃንጸ ዝምድና፡ ነቲ ቁምነገሩን ክወቕዖ ዝደሊ ዕላማን እዩ ኣተግቢሩ። ንሱ ድማ ንስርዓት ኢሳያስ ከነውድቕ፡ ኩሉ ተቓዋሚ ሓይሊ ኣብ ሓባራዊ ስራሕ ይጽመድ ዝብል ኮይኑ ፖለቲካዊ መግለጺ ኣየድለዮን። ንሓደ ካብቲ ዕላማ ባይቶ ብስራሕን ብግብርን እዩ ገሊጽዎ። ብዝገበሮ ንጥፈት ድማ ዕዉት ኮይኑ ወጺኡ ኣሎ።

ተቓወምቲ ውድባት፡ እቲ ኣብ ከባቢአን ዝርከብ ህዝቢ ኣይዓሰለንን። እዚ ማለት ከኣ፡ ካብቲ ኣብ ስደት ዝርከብ ህዝቢ ተፈልየን እየን ዘለዋ። ፖለቲካዊ  ቃልሲ ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ዝካየድ ስለዝኾነ ከኣ ካብ ቃልሲ ተፈልየን ኣለዋ ክብል እደፍር። እዚ ሓቅታት እዝን ሰለምንታዩን ህዝቢ ደጋጊሙ ገሊጽዎ እዩ። ድኽመታተን  ህዝቢ ንነዊሕ ዓምታት ዝተዛረበሉ ዓቢ ግድል ኣኳ ኣንተኾነ፡ ውድባት ክፈትሕእኦ ኣይከኣላን። ህዝቢ ተጋግዩ እንተኾይኑ፡ እተን ውድባት ኣተሃላልውአን ስለምንታይ ከምዚ ከም ዝኾነ፡ ከመይ ኢሉ ድማ ክዕረ ከምዝኽእል ክገልጻሉ ጥራይ እዩ ተሪፉ ዘሎ። ምኽንያቱ እቲ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ውድባት ፍርዱ ኣቐሚጡ እዩ።

እዚ ኣብነታት ዘምጽኦ ዘለኹ፡ ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ውድባትን መራሕተንን ምሳረይ ንምልዓል ዘይኮነስ፡ ነዚ ኣተሃላልዋአን ኣዚ ንምስባር ተራ ናይቲ ደላይ ፍትሒ ንምጉላሕ እዩ። ንኣብነት፡ውድባት ህዝባዊ ኣኼባ ዘይጽውዓሉ ዘለዋ ምኽንያት ፖለቲካዊ ኩነታተን ኣገዲድወን እዩ። ስለዚ ምስ ህዝበን ክራኸባ ካብ ዘይከኣላ፡ ከም መራኸቢ መትኒ ክጥቀማሉ ዝኽእላ እቲ ደላይ ፍትሒ እዩ እንተበልኩ ጌጋ ኣይኮነን። ንህዝቢ ክጉስጉስኦ ዝኽእላ ብመንገዲ ደላይ ፍትሒ እዩ። ብተቓዉሞ ደምበ ክሳብ ሎሚ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝግበር ዘሎ ሰላማዊ ተቓዉሞ እዩ። እዚ ስራሕ እዚ ክቕጽል፡ ዝምድና ደላይ ፍትሕን ተቓወምቲ ውድባትን ክምዕብልን ክተባባዕን ዘለዎ እዩ።

እቲ ኣብ ዋ.ዲሲ ዝተኻየደ ኮንፈርንስ ሰላማዊ ሰልፍን ነቲ ደላይ ፍትሒ ብኣካል ዝራኸበሉ ዕድል ዝፈጥረ እዩ። ካብ ተራኸበ ኸኣ፡ ከም ደራኺ ሓይሊ ኾይኑ ተጠርኒፉ ክወጽእ ትጽቢት ተገይርሉ ነይሩ። እንተኾነ ግና፡ እዚ ኹሉ ጽዒሩን ኣዳልዩን፡ ካብ ሕድ-ሕዱ ብኣካል ምልላይ ሓሊፉ ኣብ ምጥርናፍ ከብጽሖ ዝኽእል ግብራዊ ኣጀንዳ፡ ኣብ መድረኽ ኮንፈረንስ ከቐምጥ ኣይከኣለን። ተራኺብና ኣሎና፡ “ሕጂ እንታይ ንግበር?” ዝብል ኣርእስቲ ኣየልዓለን። መድረኽ ተመንጢሉ፡ ሕቶ ጥርናፈኡ ኣብ ፍኑው ድሌትን ስምዒትን ጥራይ ተሓጺሩ እዩ ዝተፋናነወ። እዚ ኸኣ ሕመቕን፡ መግለጺ ኣተሃላልዋ ደላይ ፍትሒን እዩ። ብተወሳኺ ኩሉ ኣቲ ምኽንያት ናብ ተቓውምቲ ውድባት ምጽግዑ ጌጋ እኳ እንተኾነ፡ ደላይ ፍትሒ ከም ኣድማዒ ደራኺ ሓይሊ ኮይኑ ክቕልቀል ዘስግኦ ውዱብ ተቓዉሞ ከም ዘሎ ድማ፡ ምግላጽ ዘድልዮ ኣይመስለንን። ግጉይ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ እዩ። እቲ ነዚ ሰላማዊ ሰልፊ እዚ ዘዳልዎ ዘሎ መን እዩ እንዳበለ ኣብ ፈቐድኡ ፓል ቶክ ሩማት ዘዕገርግር ዝነበረ ኣባል ውድብ፡ ኣዳለውቱ ደለይቲ ፍትሒ ከም ዝኾኑ እንዳፈለጠ እዩ።

ኣብ ስመር ሩም ኣርእስቲ ውድባት ኣብ ዘዝተላዕለሉ ግዜ፡ ኣብ ሞንጎ ኣባላት ውድባትን ደለይቲ ፍትሕን ዝውዕል ንትርኽ ካብቲ ፍርሒ ውድባት ዝብገስ ስክፍታ ምዃኑ፡ ከም እኹል መርትዖ ክቐርብ ይኽእል። ምኽንያቱ ተቓዉምቲ ውድባት ከምዘለዉኦ እንተድኣ ቐጺለን፡ ትርንዐ ናይዚ ህዝባዊ ማዕበል እዚ ንኣገዳስነተን ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእቱ እዩ። ስለ ዝኾነ ከኣ፡ ኣባላት ውድባት ኣብ ዲቕ ዝበለ ምክልኻል ክኣትዉ እዮም ዝስምዑ። ኣቲ ክትዕ ሕጊግ ክብል ውዒሉ ኣብ ዘይምክብባርን ዘይምጽውዋርን ሰለዝኣቱ ድማ፡ ድሕሪ ሕጂ ብዛዕባ ውድባት ምዝራብ ይትረፈና፡ ደው ይበል ተባሂሉ ይዕጾ። እቲ ኣብ ሞንጎ ተቓለስቲ ክህሉ ዝግብኦ ዝምድና ግና ከምኡ ክኸውን የብሉን።

እንተኾነ ግና፡ ካብ ግጉይ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ዝነቅል ስግኣት ውድባት ብዙሕ እዩ። ኣብ ውድብካ ምሕያል ዝብል ጥንታዊ ሜላ ዝተሸኽላ ውድባት ድማ ዘይሰግኣሉ ምኽንያት የብለንን። እቲ ኣብ ፈቐዶ ክፍለ ዓለም ተዘርጊሑ ዝርከብ ደላይ ፍትሒ፡ ነቲ ደስኪሉ ዘሎ ቃልሲ ተቓወምቲ ውድባት ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብኸፊሉ ነቲ ኣዝጊቡ ዘሎ ተዓዛቢ እዩ ተንኪፍዎ። ጸረ-ህ.ግ.ደ.ፍ. ክንቀሳቐስን ካብ ሰፈሩ ቅሩብ ፍኒንሕ ከብሎ እውን ተራእዩ። ውድባት ከምዚ ክገብራ ኣይበቕዓን። ከምኡ እውን፡ ንዋንነት ናይቲ ህዝባዊ ማዕበል ዘመልክት፡ “መን እዩ ዝገብሮ ዘሎ? ከምዚ ክኸውን ኣለዎ ከምቲ፡” ዝብል ምልክት ሕቶን ክትዓትን ብኣባላተን ምስ ሰልከየን፡ ትርጉም ኣልቦ ምስ ኮነን እየን ዝተሓወስኦ። ህዝባዊ ማዕበል ግና ዋና የብሉን። ዋንኡ፡ ካብ ኤርትራዊ ኒሕን ሓቦን ዝገንፈለ ፍኑው ሕልና ዜጋታት እዩ።

ውድባት ካብ ኢደን ወጻኢ ዝኾነ ምንቅስቓስ ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ወጻኢ የስግአን እዩ። ምኽንያቱ ዝኾነ ምንቅስቓስ ማሕበር ውልቀ-ሰብ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻረን ተጠርኒፉ ክቃለሰ ስለዝመርጻ። እዚ ሜላ እዚ ብኹለን ውድባት ካብ ቅድም ኣትሒዘን ዝጥቀማሉ ኣጋባብ ቃልሲ እዩ። ህዝቢ ካብ ዘይሰዓበን ግና፡ እዚ ኣጋባብ እዚ ከምዘይሰርሕ እዩ ዝነግር። ስለ ዝኾነ ከኣ፡ እዚ ንህዝባዊ ማዕበል ዘበገሰ ምንቅስቓስ ደላይ ፍትሒ፡ ኣብ ኣጋባብ ቃልሲ ተቓዉሞ ደምበ ለውጢ ከም ዘድሊ ዝውንጨፍ ዘሎ ሓበሬታ እዩ። ነዚ ተመዝጊበን፡ ውድባት ንቃልሰን፡ ግዜን መድረኽን ዝጠልቦ ብልሓትን ለውጥን ክፈጥራሉ ኣለወን እየ ክብል ዝኽእል።

ካብኡ ተሪፉ ግና፡ ከምዚ ዓይነት ነጻ ምንቅስቓስ ገምጋምን ሚዛንን ናይተን ውድባት ንኽገብር ይግደድ። ሳዕቤኑ ድማ ፍርድታት የቐምጥ። እቲ ፍርድታት ኣብ ስርሐንን ቁምነገረንን ዝተሞርኮሰ ስለዝኾነ ከኣ ኣሉታዊ ይኸውን። ስለዚ ንህዝባዊ ማዕበል ብውድባዊ ዓይኒ ጥራይ ክምልከትኦን ክመዝንኦን እንተድኣ ቐጺለን፡ ንቃልስና ይኹን ንዕአን ጠቓሚ ክኸውን ኣይክእልን።

እዚ ዘርእየና ኸኣ ካብዚ ኣተሃላልዋ እዚ ንኽወጻ ሓዲሽ ኣገባብ ቃልሲ ክበላሓታ ኣለወን ኢለ ይደግሞ። እዚ ኣጋባብ እዚ ነቲ ደላይ ፍትሒ ካብ ውድባት ነጻ ኾይኑ ንኽንቀሳቐስ ከመይ ክገብር ከም ዘለዎ ዝምልስ ምስ ዝኸውን ጠቓሚ እዩ። ምስቲ ደላይ ፍትሒ እንታይ ዓይነት ዝምድናታት ክህልወን ኣለዎ ዝብል ሓዲሽ ኣመላኻኽታ ቃልሲ ክፈጥራ ኣለወን። ኣብ ንሶምን ንሕናን ዝዓይነቱ ዝምድናታት ከይእቶ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት መስርሕ ቃልስና ይቕየር ከም ዘሎ፡ ለውጢ እውን ይጠልብ ከምዘሎ፡ ክርድእኦን ክኣምናሉን ኣለወን። ጽቡቕ ኣሎና ብማለት ንህሉው ኩነታተን ክዕቅባ ኣብ ዘለውኦ እንተድኣ ደው ኢለን ግና፡ ውድባት ንባይቶ ባዕለን ከዐርይኦ ኣይክእላን እየን ዝብል እምነት እንደገና ከስምረሉ እደሊ። ስለዚ ምዕራይ ባይቶ ኣብ ደለይቲ ፍትሒ ካብ ወደቐ፡ እቲ ኣብ ሞንጎ ደለይቲ ፍትሕን ውድባትን ዘሎ ኣሉታዊ ዝምድናታት ከልግስ ኣለዎ። ብዝተረፈ ባይቶ ተዓርዩ እዩ እንተ ተባህለ ከምቲ ህዝቢ ዝደልዮ ክኸውን ኣይኮነን።

ዝምድና ደለይቲ ፍትሒ ምስ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ተቓዉሞ እውን፡ መግለጺኦም ስለዝኾነ ክጠቕሶ እደሊ። ደለይቲ ፍትሒ ምስ ውሽጣዊ ተቓውሞ ቀጥታዊ ርክብ ወይ ዝምድና ኣለዎም ኣይብልን። እንተኾነ ግና ንስርሒት ፎርቶ ንምድጋፍ፡ ኣብ ኩሉ ክፍለ ዓለማት ጥርኑፍ ተቓዉሞ ከካይዱ ግዜ ኣይወሰደሎምን። ግብረ-መልሲ ንምሃብ ብቕጽበት ኣብ ጽርጊያታት ምኽዓዎም ከኣ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ውሽጣዊ ተቓዉሞ ዘለዎም ጽኑዕ እምነት እዩ ዘንጸባርቕ። እዚ ደገፌታ እዚ ካብቲ ኣብ ልዕሊ ተቓዉሞ ደምበ ዘለዎም እምነት ዝያዳ ኣብቲ ውሽጣዊ ተቓዉም ከምዝኾነ ዘራጋግጽ ግብራዊ መልሲ እዩ። ከምቲ ስርሒት ፎርቶ፡ ካልእ ኣብ ውሽጢ ሃገር እንተ ተኸሲቱ ከኣ፡ እቲ ደላይ ፍትሒ ደገፈታኡ ከቃልሕ ኣብ ጽርጊያትት ዓለም ሽዑ ንሽዑ ከም ዝፈስስ ዘጠራጥር ኣይኮነን።

ብልጫታት ደላይ ፍትሒ ካብተን ውድባት ንላዕሊ ሓያለይ እዩ። እተን ውድባት ህዝቢ ክዓስለን ኣይተራእየን። እዚ ክሽፈን ዘይክኣል ሓቂ እዩ።  እምነት ህዝቢ ካብተን ውድባት ንላዕሊ ኣብቲ ደላይ ፍትሒ ይዛይድ። ፋሕ ዝበለ ድኣ ይኹን እምበር፡ ቁጽሩ ንሱ ይበዝሕ። ብተወሳኺ እዚ ተቓላሳይ እዚ ኣብ ኩሉ ዓለም ፋሕ ዝበለ ኾይኑ ንኹሉ ስደተኛ ህዝቢ ንኽበጽሖ ብልጫ ዝርጋሐ ዘለዎ እዩ። ብዘመናዊ ተክኖሎጂ ኣኼባ የካይድ፡ ይራኸብ። ደላይ ፍትሒ እኹል ፖለቲካዊ ብቕዓትን ምጣነ-ሃብታዊ ጸጋታትን ኣለዎ፡ ወ.ዘ.ተ. ብሓቂ ደራኺ ሓይሊ ምኾነ።

እምበኣርከስ ትርጉምን መግለጽን ደላይ ፍትሕን ለውጥን ከምዚ እመስለኒ።  ዝመጽእ ጽሑፍ ክኣ፡ ኣብዚ ዝስዕብ ቴማ ኣትኪሉ ክቐርብ ኣዩ። “እዚ ውልቃዊ ንጥፈታት እዚ ከም ደራኺ ህዝባዊ ሓይሊ ኮይኑ እንተዝጠራነፍ  ንባይቶ ጥራይ ዘይኮነስ ብሓፈሽኡ ነቲ ቃልሲ ተቓዉሞ ደምበ ክእርሞን ንቕድሚት ከሰጉሞን ምኸኣለ ዝብል እምነት ኣሎኒ። ንኣጋባብ ኣቃላልሳና እውን ሓዲሽ ብልሓት ፈጢሩ ክቕይሮ ምኸኣለ። እንተኾነ ግና፡ ካብ ስሚዒታዊ ድሌት ወጺኡ፡ ክሳብ ሕጂ ባዕሉ ክጠራነፍ ኣይከኣለን። ኣብ ውሽጢ ውድባት ኣትዩ እውን ክቃለስ ኣይመረጸን። ፋሕ ዝበለ ፍኑው ቃልሲ ኣድማዒ ከምዘይኮነ ተረዲኡ ኣሎ።ይዛረበሉ እውን። ስለዚ እቲ ዝተረፈ ምርጭኡ፡ ንባይቶ ከም መጠራነፍን መቃለስን ባይታ ክኾኖ፡ ይጠቐመሉ ዝብል ርእይቶ ኣሎኒ። ከምኡ ክገብር ከኣ፡ ነቲ ባይቶ ድምጺ ህዝቢ ዝዓብለሎ ህዝባዊ ባይቶ ክገብሮ ይቃለስ። ብሓጺሩ ንባይቶ ኣድሒኑ ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ክብገስ ክተብዕ ኣለዎ እብል። ብኸመይ ግና? እንታይ እዩ ኽገብር ዝኽእል? ዓቕሙ ኸ? እንታይ መሳርሒ ኸ ኣለዎ?”  ኣይተዘርበሉን ክብል እኳ እንተዘይከኣልኩ፡ እዋናዊ ሕቶ ስለዝኾነ፡ ዋላ እውን እንተተደጋገመ ርእይቶይ ኣብ ዝስዕብ ጽሑፍ ይቕጽል።

ወልደየሱስ ዓንደማርያም

ሳን ፍራንሲስኮ በይ ኤርያ

09.23.13

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • COW FACE September 24, 2013

    W. Andemariam :stated.. “መጀመርያ ኣቲ ንባይቶ ንምምስራት ዘንቀለ ‘ቅዱስ ዕላማ’ ክጥቀስ እንተድኣ ኮይኑ፡ ንስርዓት ኢሳያስ መተካእታ ንምቕራብ፡ ሕቶ ሓባራዊ ስራሕ ንምርግጋጽ፡ ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ግብራዊ መልሲ ምሃብን እዩ።”….END

    ክቡር ሓው ወልደየሱስ ዓንደማርያም፣

    “መቓብር ምልቕላቕ ነቲ ምዉት ኣየተስኦን”

    ኣሜሪካውያን ኮንሳርቫቲቭስ ክምስሉ.. THE ROAD TO HELL IS PAVED WITH GOOD INTENTIONS.. ይብሉ።
    እቲ ቅዱስ ዕላማ፣ዝበልካዮ ከምዚ መርገም ዘምጽኣልና ነጻነት ናይ ገድሊ እዩ።እቲ ጽቡቕ ሃቐን እዩ ግሃነም እሳት ዝፈጥር።ኣሜሪካ ንድኻታት ከይሰርሑ ገንዘብ ስለ ዝ ህቦም ወለዲ ግቡእ ብምጕዳል እንዳ ጠላዕ ይውዕሉ።ደቆም ሰረቕትን ሰተይቲ ድራግን ይኾኑ።እቲ ሃቐን ወይ ቅዱስ ዕላማ ነቲ ድኻ ምሕጋዝ ኢሉ ተጌሩስ ፣ግን ውጽኢቱ ነቲ ድኻ ተጸባይን ገበነኛን ቀይርዎ።እቲ ግፍዔኛ ገድሊ ድማ ዝተጨቆንና መሲልዎም ኣፍቃሪቶም ምስ ጠለመቶምን ማሕረስ ቅጭ ምስ ኣምጽ ኣሎምን ወይ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ምስ በርትዖምን ሓኪሎም ገድሊ ዝኸዱ ነቲ (ቅዱስ/ርኹስ)ዕላምኦም ንምፍጻም, ካብ ሓረስታይ, መግቢ እናፈገሩ ደቁ እናመንዝዑ ነዚ ሒዝናዮ ዘለና ባርነት ወሊዶም ።እቲ ሕልንኦም ጽሩይ ኔሩ ይኸውን፣እቲ ውጽኢት ናይ ጽቡቕ ሃቔንኦም ግን ዘይሕከም መርገምን ስደትን ወሊዱልና።
    ሕጂ ድማ ናይዞም ግፍዔኛ ገድሊ ዝወለዶ ባርነት ንብዓት ህዝብና ዓጂብዎም ዘይኮነስ ኢሳያስ ብፖለቲካዊ ጸወታ በሊጹ ምስ ወያነ ኮይኑ ዘጥፍኣ ውድቦም ቅርሕንቲ ጥራይ ዝዓጀቦም ኣባት ተጋደልቲ ከም ኣባት ጦር ም ኣሕበር ኪዳን ስለ ዝሞተት ሓው ወልደየሱስ ፣እንተኽ ኣልካ መግነዚ ነጸላ ስደደላ እምበር ብሰብ ከይትሰምዖ፣ማማ ኪዳን ኣብ ሃዋሳን ናዝሬት ሆስፒታልን ክሕጸና ድሕሪ ምቕናየን ደርሆን እንቋቝሖን ጎዲልወን ዓሪፈን ኣለዋ።

    ጽንዓት ይሃበና

POST A COMMENT