Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“ተዘከራ ሎሚ”

መጋቢት ሸሞንተ - ተዘከራ ሎሚ ኣደታትን ኣሓትን - ተዘከራ ብኽብሪ ገሃድ ዝገበርክን - ናይ ትማሊ ሕልሚ ናይ ጸላኢ ክፍኣት - ዝሰገርክን ሰልሚ ንሃገር ንህዝቢ - ዝነበረክን ፍቕሪ ከማይ ዘርዊ - ዘጽግብ ከም ምግቢ ሎሚ ተረሲዑ - ዝሓለፈ ቅያ ግብሪ ተንኮል ምስ ነገሰ

መጋቢት ሸሞንተ – ተዘከራ ሎሚ

ኣደታትን ኣሓትን – ተዘከራ ብኽብሪ

ገሃድ ዝገበርክን – ናይ ትማሊ ሕልሚ

ናይ ጸላኢ ክፍኣት – ዝሰገርክን ሰልሚ

ንሃገር ንህዝቢ – ዝነበረክን ፍቕሪ

ከማይ ዘርዊ – ዘጽግብ ከም ምግቢ

ሎሚ ተረሲዑ – ዝሓለፈ ቅያ ግብሪ

ተንኮል ምስ ነገሰ – ከጥፍእ ንፍቕሪ።

 

ኣደታት ኣሓትን ሎሚ – ሎሚ ተዘከራ

ብዓብይ ንእሽቶ – ኣብ ኩሉ ተኸበራ

ናይ ስድራና ዓንዲ – ስመራ ሕበራ

ዘይሓልፍ የሎን – ወላ እንተበዝሐ መከራ

ህግደፍ ጊዚያዊ’ዩ – ወላ እንተብዝሐ ፈኸራ

ክሓልፍ’ዩ ኩሉ – ጊዜ ውራ ውራ

ሕበራ ጥራይ – ብሓደ ስመራ።

 

ወለዲ ጀጋኑ – ኣደታት ወሓላሉ

ሃገርን ህዝብን’ዩ – ዘኹርዕ ካብ ኩሉ

ድሑር ባህሊ ኣይኮነን – ካብ ቀደም ትኣምናሉ

ግፍዒ ክጋሓፍ – ስርዓት ሕጊ ክዓስለሉ

ምኸራ ደቅኽን – በሉኦም ኣስተውዕሉ

ሃገር ብዘይ መንእሰይ – ዋጋ ከም ዘይብሉ

ኣበራብርኦ ሓቦኦም – መስዋእቲ ክከፍሉ

ንማዕርነት ንሕጊ – ኩሉ ዝሕጎሰሉ።

 

ብኽያት ናይ ኣደታት – ከብቅዕ ክነጽፍ

ዓገብ በላ ብሓበራ – ንስራሕ ዘጸይፍ

ንማዕርነት ንመሰልክን – ክትምንዝዓ ካብ ህግደፍ

ድሑር ኣተሓሳስባ – ቀልጢፉ ክጸድፍ

ህግደፍ ምስ ሰዓብቱ – ተቦንቁሩ ክጋሓፍ

ደቅኽን ክትሓቑፋ – ሽግር ክሓልፍ

ሰላም ክምለስ – ፍቕሪ ከንሳፍፍ

ሎሚ’ውን ከም ቀደምክን – ኣልዕላ  ሰይፍ።

 

ኣደታት ከም ዕንባባ ምድሪ

ኣሓት ከም ኮኮብ ሰማይ

ድሙቓት ከም ፀሓይ

ጽሩያት ከም ማይ

ተባህግቲ ፍረ ፈልፈልቲ ፍቕሪ

ሎሚ’ውን ጽንዓ ከም ትማሊ

ዘይሓልፍ ሽግር የሎን ኣብዛ ምድሪ።

ንልቢ ትሰርቃ – ብዘይ ኩናት

ንሓሳብ ተናውጻ – ብደቓይቕ ብሰዓታት

ንሕልና ተደንዝዛ – ተፍዝዛ ንዓይንታት

ንእግሪ ተኣስራ ከይንቀሳቀስ – ብዘይ ገመድ

ወድቅን ትትንስኣ – ከይተንከፈክን ሓመድ

ንዓኻትክን ዝረኸበ – ምሳኻትክን ዝዘመድ

ከይሞተ ዝጸደቐ – ገና ከሎ ብህይወት

ተራኢኽን ዘይትጽገባ – ብለይቲ ብቐትሪ

ካብ ሰባት ሓሊፉስ – ተሕጉሳ ፈጣሪ

ንስኻትክን እንተሓቢርክን – ህግደፍ የብሉን ዕምሪ

ተሓቓቖፋ ንሃገር – ንሰላም ንፍቕሪ።

 

ሎሚ ተዘከራ – ሎሚ ተኸበራ

ኩሉኽን ደቂ ኤረ – ኣብዘለኽን ኣሊኽን

ከም ማይን ጸባን – ኩና በጃኽን

ናይ ህግደፍን ሰዓብቱን – ክስበር ፈኸራ

ሕበራ ጥራይ – ብሓደ ስመራ

ጸልማት ክግፈፍ – ብርሃን ክኩላዕ

ህዝብና ክዕወት – ክሓልፈላ ኤረትራ።

 

“ዓወት ንውጹዕ ህዝብናን ሃገርናን

ዘለኣለማኢ ክብርን ዝኽርን ንጀጋኑ ስውኣትና”

 

ሰለሞን ብርሃነ ሠንጋል

“ ሕልና – 03-07-2017 “

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • hidat March 8, 2017

    KAB MEAS HIGDEF YIFIKIR……………………………………..SELAH ILU XELAETU ZENGERGIR………………………………. NIHNA HAMADE KINTIRNEF INA AB TIHTI HIGDEF………………..GEGIKUMO DIKUM HIGDEF NIXELAETU MENDEF……………………………………..INTE NIERTRA XEBEL KEM INGERA BETEKRISTIAN MEGIDEF…………………………………………

    • k.tewolde March 9, 2017

      hidat,if you are a woman,are you a mother who says little prayers to her children and tucks them in bed or someone whose heart skips a beat when they are a little late from school or a nurturer who can shed tears of joy at the simple sound of their innocent laughter.? if you are, you wouldn’t post that comment above.Therefore, you must be a frigid old hug,cold as ice who can only respond to pain stimuli.There is no other way I can describe you.It is not my nature to disrespect a woman like that,but you just brought out the worst in me.pardon me folks.

      • AHMED SALEH !!! March 9, 2017

        If HIDAT is female for real I only can say that she sold her soul to cruelty
        in this cruel word at the expense of humankind suffering .
        Whoever hurts people , he would be like hurting UNIVERSE and who hurts
        universe , he hurts GOD ; says holy book teachings .
        Unfortunately we observe zombies who forgot the power of almighty GOD
        to think a human being is their savior .
        We act like deaf . we act like blind . Well we witness its consequences inside
        the country either we deny or accept the truth it is our own problem .
        PEOPLE LIKE HIDAT CAN HIDE FREE UNDER HGDF RUG AS DESIRED ,

POST A COMMENT