Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ንቡር ዝፈልጥ ውላድ ረኺባ ብሰላም ክትነብር ኣብ ዓዳ

ንቡር ዝፈልጥ ውላድ ረኺባ ብሰላም ክትነብር ኣብ ዓዳ   ‘ላም ሓዊ ወሊዳ ከይትልሕሶ ኣንደዳ’ ከይትጉሕፎ ውላዳ ‘እንተ ተመሰለለይ!’ ኢላ ሃዲማ ተሰዲዳ ንሓዊ ዝኾነ ውላዳ ገዲፋ ዓዳ ግን ተሳጠሐት ንዝገደደ ሓደጋ ኮነት ግዳይ ባሕሪ ምድረ-በዳ ዘርከበ ዘሳድዳ ዘሸክማ ዘይነበራ ዕዳ ክፈሊ! ሓውሊ! ዝብል ሓኒቑ ብኽሳዳ የብለይን! ዘይፈልጥ ቡዳ ካብ ኣካላ ቅንጣብ

ንቡር ዝፈልጥ ውላድ ረኺባ

ብሰላም ክትነብር ኣብ ዓዳ

 

‘ላም ሓዊ ወሊዳ

ከይትልሕሶ ኣንደዳ’

ከይትጉሕፎ ውላዳ

‘እንተ ተመሰለለይ!’ ኢላ ሃዲማ ተሰዲዳ

ንሓዊ ዝኾነ ውላዳ

ገዲፋ ዓዳ

ግን ተሳጠሐት ንዝገደደ ሓደጋ

ኮነት ግዳይ ባሕሪ ምድረ-በዳ

ዘርከበ ዘሳድዳ

ዘሸክማ ዘይነበራ ዕዳ

ክፈሊ! ሓውሊ! ዝብል ሓኒቑ ብኽሳዳ

የብለይን! ዘይፈልጥ ቡዳ

ካብ ኣካላ ቅንጣብ ጓሕጊሑ ዝሰዳ

ናብ ካልእ ኣካላ ዝጉሕጉሕ ይሰዳ

ስለዚ ትምህለል’ያ ዘላ ‘ወላድ ትፍረድ!’

እናበለት

ማይ ኣይሂ ክውሕጦ

ንሓዊ ዝኾነ ውላዳ

ማሕጸና ክሕጸብ ብበርቂ ነጎዳ

ንቡር ዝፈልጥ ጥዑይ ውላድ ረኺባ

ብሰላም ክትነብር ኣብ ዓዳ

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ

ምስሉ ተክኤ 2 ታሕሳስ 2016

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • Berhe Tensea December 4, 2016

    Excellent poem thank you

    Eritrea is getting milked to death , It may not survive for a long time .

  • ብሓቂ ፈፈልዩ ዝሃርም መሳጢ ግጥሚ ወይዘሮ ምስሉ ጸባ ስተዪ

  • Debbesay January 21, 2017

    So far i have seen three government,.
    Emperor Haile selassie only asked her milk:;
    Guad Mengestu Haile Mariam only took her offspring;
    Wede Afome who should have been her shepherd demanded us her meat;
    what tragedy!!

  • Debbesay January 21, 2017

    So far i have seen three government,.
    Emperor Haile selassie only asked her milk:;
    Guad Mengestu Haile Mariam only took her offspring;
    Wede Afome who should have been her shepherd demanded her meat;
    what a tragic fate!!

POST A COMMENT