Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣካረይቲ ገዛ!

ኣንቱም ኣካረይቲ ሰብ ቪላ ሰብ ሰርቪስ ለውሃትናን ሓልዮትናን ፍቕርና ዝድምስስ ባህልና በሊሉ መሰልና ዝግህስ ንፍትሒ ቀቢሩ ዓመጽ ካብ ዝነግስ ንመኻኸር’ንዶ ክብርና ክንመልስ! ኣካረይቲ ገዛ ክንደይ ትጭክኑ *ነዳይ እናረኣኹም ብዕሩቕ ዝባኑ     *ድኻ ከምባሁቕ ዝሓድር ዝዕንገል ስኢኑ “ወስኽ!” እናበልኩም ድኻ ኣይተማስኑ ጽባሕ ኪወግሕ’ዩ ኪመጽእ ዘበኑ! ናይ ትማሊ ህይወት

ኣንቱም ኣካረይቲ ሰብ ቪላ ሰብ ሰርቪስ
ለውሃትናን ሓልዮትናን ፍቕርና ዝድምስስ
ባህልና በሊሉ መሰልና ዝግህስ
ንፍትሒ ቀቢሩ ዓመጽ ካብ ዝነግስ
ንመኻኸር’ንዶ ክብርና ክንመልስ!
ኣካረይቲ ገዛ ክንደይ ትጭክኑ
*ነዳይ እናረኣኹም ብዕሩቕ ዝባኑ     *ድኻ
ከምባሁቕ ዝሓድር ዝዕንገል ስኢኑ
“ወስኽ!” እናበልኩም ድኻ ኣይተማስኑ
ጽባሕ ኪወግሕ’ዩ ኪመጽእ ዘበኑ!
ናይ ትማሊ ህይወት ሎሚ’ባ ዘክሩ
ቤትኩም ምስ ንብረትኩም ኩሉ ተሃጊሩ
ቪላ እናኣማዕደኹም ኣብ ኣጉዶ ክትሰፍሩ
ራህዋ ምስ ረኸብኩም ዘበን ተቐይሩ
ክንዲ ትልውሁ ጭቁናት ተፍቅሩ
ድኻታት ሰብ ክራይ ካብ ቤት ተባርሩ!
ብዓመጽ ገዛእቲ’ወ ምስ ተወርሰ ቤትኩም
ትማሊ እኮ ኢኹም ተኻረይቲ ኔርኩም
ብመስዋእቲ ደቆም ምስ ተመለሰልኩም
ወለዶም ትገፍዑ ንድኻ ጨኪንኩም
እቲ ጎይታ ህይወት ጽባሕ ከይቀጽዓኩም
ድኻታት ከሓሱ ሎሚ ተነሲሕኩም!
ቁሪ እናተገርፈ ኣብ ግዳም’ቲ ድኻ
ካብ ማዕዶ ትሪኦ ብጎቦ ዓይንኻ
ቊሩብ ዘይትድንግጽ ኤርትራዊ እንዲኻ
ከም ህግደፍ ጨኪኑ እቲ ለዋህ ልብኻ
በደላት ትፍጽም ኣብ ገዛእ ህዝብኻ!
ብዓል ንሕና ንሱ ኣብ ማዕዶ ዘለኹም
ንጉጅለ ሕሰም ዶላራት ወፊኹም
እቲ ዘህነጽኩሞ ቪላ ፐላሶኹም
ኣብ ግዳም ዝሓድር ድኻ እናረኣኹም
ገረውረው ካብ ዝብል ተዓጽዩ ገዛኹም
ዘይተካርይዎ ንውጹዕ ህዝብኹም!
ህንጸት ኣብዛ ሃገር እንተዘይክልክሉዎ
ስሚንቶን ተንዲኖን እንተዘይስውሩዎ
ሰብ ሃብቲ ንማሎም እንተዘውፍሩዎ
ነዳይውን ሸቂሉ ቊሩብ ምረሃዎ!
ጠንቂ ናይዚ ሽግር ህግደፍ ከም ዝኾነ
መን ኣሎ ኣብዛ ሃገር ሎሚ ዘይኣመነ
ኩሉ ሕሰምና ግን ብእኡ ክምኽነ
ጸገምና ዝፈትሕ ኣይመስለንን ኣነ!
ጽባሕ ንኹልና መታን ክጥዕመና
ቀሲንና ክንነብር ኣብዛ ኤርትራና
እቶም ሰብ ጸጋ’ሞ ነበርክት እጃምና
ድኻውን ኪምክት ዓጢቑ ኣብ ጎድንና
ከምቲ ናይ ቀደሙ ኪምለስ ናብራና
ኮስቲርና ንጉሓፎ ንምልኪ ኣብ ሃገርና!
ስቓይና ንኺድምደም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!
ካብ ሓውኹም መሲናስ 07-03-2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
10 COMMENTS
  • Sahil March 7, 2013

    ጠንቂ ናይዚ ሽግር ህግደፍ ከም ዝኾነ
    መን ኣሎ ኣብዛ ሃገር ሎሚ ዘይኣመነ:

    ጠንቂ ናይዚ ሽግር ህግደፍ ከም ዝኾነ
    መን ኣሎ ኣብዛ ሃገር ሎሚ ዘይኣመነ:

    ጠንቂ ናይዚ ሽግር ህግደፍ ከም ዝኾነ
    መን ኣሎ ኣብዛ ሃገር ሎሚ ዘይኣመነ:
    ጽባሕ ንኹልና መታን ክጥዕመና
    ቀሲንና ክንነብር ኣብዛ ኤርትራና:
    ቀሲንና ክንነብር ኣብዛ ኤርትራና
    እቶም ሰብ ጸጋ’ሞ ነበርክት እጃምና
    ድኻውን ኪምክት ዓጢቑ ኣብ ጎድንና
    ከምቲ ናይ ቀደሙ ኪምለስ ናብራና
    ኮስቲርና ንጉሓፎ ንምልኪ ኣብ ሃገርና!

  • Sahil March 7, 2013

    Even though in 1991 Eritrea got its independence, the Ethiopian dictatorship was replaced by vicious dictator, Ethiopian mercenary from TEMBIEN ETHIOPIA, the mad dog ISAYAS WEDI MEDHIN BERAD and by his blind followers the HIGDEF.

  • AbrahamAmiche March 7, 2013

    @ sahil..even if you could be angry on isaias, I don’t think it is fair to categorically speak about him from his roots perspective. we have lots as eritreans whose aba hago is just from tigrai or gondar, sudan,etc but had paid the ultimate price to liberate the country. so I suggest to reconsider and leave such non inclussive approaches. try something better. it is to demarcate and put land marks but almost impossible on the blood lines as eritrea, like any african country, is made up of a shared community (ethnicities)across borders

  • AbrahamAmiche March 7, 2013

    correction…it is EASY to imagine and put land marks on the ground but almost impossible on the blood lines, as eritrea, just like any african country, is made up of a shared community (ethnicities)across borders

  • Genet March 7, 2013

    It should be clear by now the Eritrean diaspora are responsible for keeping the dictator in power. They will be held accountable for their action.
    Genet

  • hiwot March 7, 2013

    HGDEF is a criminal organisation which abused the unconditional trust bestowed from Eritrean mothers. Still its main target are mothers to enable it snatch the kids into its sphere of influence. Time to educate our mothers everywhere

    • Embasorya The Mighty March 8, 2013

      You do not have a better alternative to the PFDJ.

      • hiwot March 8, 2013

        @embasorya.

        For whatever problems occuring in eritrea, it is the direct consequence of a misguided policy. a policy created, nurtured and implemented by PFDJ. the end result – total fructure of the economy, family, security, etc etc..

        If the pain of millions of others doesn’t bother you, then there must be something wrong in your head – just like your President.

        …wait, its a matter of just time, PFDJ-fites will come and knock at your parents house sooner. Thereafter, I would like to hear your options.

POST A COMMENT