Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣዴታት ኤርትራ ብኸያሞ ብኸያ

ኣዴታት ኤርትራ ብኸያ መሬት ዝበጣ ጸጉርኽን ንጸያ ብንብዓት ዝጠልቀየ ነጸላኽን ደርብያ ምእንቲ ዝዕጸዱ ዘለዉ ደቅኽን ከም ምጉያ ምእንቲ’ዛ ሃገር ዝተለወጠት ናብ ደም ራህያ ምእንቲ እዚ ዘይሓሰቦ ዝረኸበ! ዘጥፍኡዎ ዘዕበ! ከም ኣራዊት ዝተሃድነ ዝተበተነ ብጓሂ ተጠቢሱ ዝተኸድነ ድነ ብኸያ ‘ተዘንጊዕየ ባዕለይ ተዘንጊዐየ ውላደይ ኢለ ኣራዊት ኣዕቢየየ ምርቓ ዶ

ኣዴታት ኤርትራ ብኸያ

መሬት ዝበጣ ጸጉርኽን ንጸያ

ብንብዓት ዝጠልቀየ ነጸላኽን ደርብያ

ምእንቲ ዝዕጸዱ ዘለዉ ደቅኽን ከም ምጉያ

ምእንቲ’ዛ ሃገር ዝተለወጠት ናብ ደም ራህያ

ምእንቲ እዚ ዘይሓሰቦ ዝረኸበ!

ዘጥፍኡዎ ዘዕበ!

ከም ኣራዊት ዝተሃድነ ዝተበተነ

ብጓሂ ተጠቢሱ ዝተኸድነ ድነ

ብኸያ

‘ተዘንጊዕየ ባዕለይ ተዘንጊዐየ

ውላደይ ኢለ ኣራዊት ኣዕቢየየ

ምርቓ ዶ መርገም ይኸውንየ!’

እናበልክን ብኸያ

ምእንቲ መጻወድያ ህግደፍ ምስባር ዝሰኣኑ ኣቦታት

ዋርሳይ ይከኣሎ ዝተጠመቑ መንእሰያት

ንእስነቶም ዝተመንጠሉ ብሽም ኣገልግሎት

ንህግደፍ ክሕልዉ ተኸኽ ዝብሉ ጊላዎት

ዘይፈለጡ መን ከም ዝሕልዋ ናቶም ህይወት

ኣዴታት ኤርትራ ብኸያ

ምእንቲ’ዞም ክሰምሩ ዘይከኣሉ ተቓወምቲ ውዱባት

ወጻኢ ሃገር ሰፊሮም ዝሕንጽጹ ናይ ባዕሎም ኣዋጃት

ዓማጺ ክንኣሊ ንዕጠቕ ኣለና ኢሎም

ንህዝቢ ዘተሃራርፉ ዓዲ ከይኣተወ እግሮም

ዘይርአ ዘይስማዕ ፍረ ቃልሶም

ካብ ምሕባር ፋሕ ምባል ዝቐሎም

ብኸያለን ነተን

ናብ ጽላለ ዘድሃበለን

እዚ ኩሉ ግፍዒ ህልቂት እናረኣያ

ብሃማድኤ ተወጢጠን ዝጭድራ ዝዕሸያ

ናብ ሳዕሳዒት ዳንኬራ ዝጎያ

ሽም ኣደ ዝገብራ መናገዲያ

ናብ ልበን ዝመልስ ኣእምሮ እንተጥረያ

ነዛ ህይወተን’ኳ እንተሓሰባላ

እንተተኸድና ክብሪ ኣዴታት ዝሕሉ ነጸላ

ኣዴታት ኤርትራ ብኸያ

ምእንቲዞም ኣውያት ህዝቢ ከይሰምዑ

እዝኖም ተነጺፎም ዝሓድሩ

ብከበሮ ዓመጽቲ ጥራይ ዝበራበሩ

ህዝቢ እናጸነተ ‘ጽቡቕ ኣሎ!’ ዝብሉ ዝጭድሩ

ኣብ ሰላምን ሕግን ዘለዎ ሃገር እናነበሩ

እናረኣዩ ደቂ ህዝቢ ኣብ በረኻ ክጠፍኡ ክሓሩ

ቀለብ ዓሳ ክኾኑ ባሕሪ ከይተሳገሩ

ደቆም ሓቒፎም ኣብ ዝደለዩዎ እናምሃሩ

ንካልኦት ዝኹኑኑ ጊላዎት ኮይኖም ክነብሩ

ከምዛ መባእ ህግደፍ ክኾኑ ዝተፈጥሩ

ስለዚ ኣዴታት ኤርትራ ብኸያሞ ብኸያ

እንታይ ክሳብ ዝፈድዩኽን ኢኽን ትጽበያ

ንብዓኣትክን ጸግ ኣብላ ወርውራ

ናብዞም ‘ቆዝማ! ብንብዓት ዕወራ!

‘ካብ ምብካይ ሓሊፍክን እንታይ ከይትገብራ!’

ኢሎም ሓዊ ዝኣጎዱ ኣብ ልብኽን

‘ሚእትን ሳላሳን ሒዛ ቅድሳን!’

እናበሉ ከም ዘይዘመሩልክን

ሎሚ ክኽሕዱ ዝፍትኑ ጅግንነትክን

ብህይወት ከለኽን

ሰብ ዝመስሉ ክትርእዮም

ንሰይጣን ዝዓብዩዎ ብግብሮም

ስለዚ ስለዚ

‘ናትና ዝኾንኩም ስዓቡና!

ኣይኮናን ትብሉ ታእለዩልና!

ብደምኩም ከይልቕለቕ ገዛና!’

ኢልክን

ተለዓላ ሓራስ ነብሪ ኮንክን

መዓንጣኽን ሸጥ ኣቢልክን

ዝጠለሙ ጉሒፍክን

ናብ ልቦም ዝተመልሱ ሓቑፍክን

‘ካብኡ ሓሊፍክን እንታይ ከይትገብራ!’

ተባሂልክን ከይትተርፋ ሓደራኽን

ኣጆኹም! ኣጆና! በላ ስሓላ ደቕኽን

ድገማ ታሪኽ ናይተን

ፋሕ ኢሉ ዝነበረ ህዝበን

ኣብ ኣስመራ ኣኪበን

ዘስመራ

ከምዚ ሎሚ ህዝባ ዝብትን

ኣረመኔ ከይወነና ከይሰፈራ

ስለዚ ኣዴታት ኤርትራ

ህዝባ ካብ ቅዝፈት ዘድሕን ፈውሲ ድለያ ፍጠራ

ናይ ህዝባ ኮይና ክትነብር ኤርትራ

 

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ

ምስሉ ተኪኤ ለካቲት 10, 2017

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT