Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እምነ፡ ብልቢ እምነ

እምነ፡ ጸጽብቁ እምነ ሰላም ክረከብ ብፍትሒ ክዳነ ብምሽቁራር ከይስጉም ደኒነ ኣብ ገዛእ መሬተይ ክድቅስ ቀሲነ። ብልቢ እምነ፡ ኣብ መሬተይ ብኽብረት ክነብር ክወልድ ክዝምድ ከምቲ ንቡር ምስ ሞዛኖይ ብንእስነተይ ክዕንድር ንሰላም ክዝምር ወግዒ ሃገረይ ከስተማቅር።   እምነ፡ ዓዲ ዝወዓሉ ወለደይ ክጥውሮም ዓስቦም ክኸፍሎም ፍረ ጻዕሮም ኣለኹልኩም ክብሎም

እምነ፡ ጸጽብቁ እምነ

ሰላም ክረከብ ብፍትሒ ክዳነ

ብምሽቁራር ከይስጉም ደኒነ

ኣብ ገዛእ መሬተይ ክድቅስ ቀሲነ።

ብልቢ እምነ፡ ኣብ መሬተይ ብኽብረት ክነብር

ክወልድ ክዝምድ ከምቲ ንቡር

ምስ ሞዛኖይ ብንእስነተይ ክዕንድር

ንሰላም ክዝምር ወግዒ ሃገረይ ከስተማቅር።

 

እምነ፡ ዓዲ ዝወዓሉ ወለደይ ክጥውሮም

ዓስቦም ክኸፍሎም ፍረ ጻዕሮም

ኣለኹልኩም ክብሎም ኣብ ሕማም እርጋኖም

ብንጥፈት ክዋሳእ ኣብ ሓዘን ሓጎሶም።

እምነ፡ ብዙሕ’የ ዝምነ

ግዱዕ ክሕግዝ ሰማዒ ዝሰኣነ

ሕልና ኣዕሪቡ ሓይሉ ዝደኸመ

ወላድ መኻን ኮይኑ ዝዘኽተመ።

እምነ፡ ፍትሒ ከይጉዕጸጽ ድኻ ከይብደል

ዝሓየለ ከይነግስ ኣርሓ ጎብለል

ጾር ከይከብድ ኣርዑት መስገደል

ጸልማት ከይዕብልል ዘጽድፍ ናብ ገደል።

እምነ፡ ኤርትራ ንውሉድ ወለዶ ብሰላም ክትነብር

ህዝባ ተጠርኒፋ ክትሕፈር ክትክበር

ኣብ መድረኽ ዓለም ጽንዓታን ዝናኣን ከተመስክር

ብደቃ ክትከሓስ ብፍጸምቲ መስተንክር።

እምነ፡ ስድራ ስዉኣት ክሕበኑ

ጸኒዖም ዘጽንዑ ዝወለዱ ጀጋኑ

ጽምዋ ከይውሕጦም ካባ ሓዘን ከይክደኑ

ኣብ ዕጹው ገዛ ሞሳኦም ስኢኖም ብጓሂ ከይቃዝኑ።

እምነ፡ ሃገርና ዘይጠፍእ ሽግ ብርሃን ክውልዓ

ፍልጠት ፍልፍል ዝቅልስ ንሓድሽ መብጽዓ

ኣዳራሽ ክስለም ብስራሕ ንኤርትራ ከነልምዓ

ማሕላ ክሕደስ ኤርትራዊ ኣብ ዝሃለወ ሃልዩ ንሃገሩ ከይርስዓ።

እምነ፡ ብልቢ እምነ

ኤርትራዊ ጽልኢ ወጊዱ ክፋቀር ክሳነ

ሎሚ፡ ጽባሕ፡ ንሓዋሩ፡ ኤርትራዊ ምዃኑ ዝተሓበነ

ጅግና ክውለድ ንሓድነት ኤርትራ ዝማጎት ዝዳነ።

 

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (ነሓሰ 2017)

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • k.tewolde August 1, 2017

    It indeed is a beautiful wish Tsilal,however it requires a hefty price which nobody is willing to pay looking at the current posture of those yearning for it.So, the bleeding continues which is a price in itself but nourishes the wrong tree.

POST A COMMENT