Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እታ ቀውጢ ቅብጸት፡ – 4ይ ክፋል ጥፍሒ ሓደራ።

እታ ቀውጢ ቅብጸት፡     4ይ ክፋል ጥፍሒ ሓደራ።                   08. 11. 15፡ ነታ ትመጽእዘላ መዓልቲ እንታይ ሒዝናላ ኣለና? ነዛ ስእሊ ርኢኹም ምስ ግዜ ብምዝማድ ብዛዕባ’ታ ጾታዊ ማዕርነት ዝሰረታ ሸሞንተ መጋቢት ክዛረብ ከምዝደለኹ እንተመሲልኩም ኣ ይተጋገኹምን። ግና ከምኡ ኣይሓሰብኩን። ብዛዕባ

እታ ቀውጢ ቅብጸት     4ይ ክፋል ጥፍሒ ሓደራ።                   08. 11. 15፡

ነታ ትመጽእዘላ መዓልቲ እንታይ ሒዝናላ ኣለና?

ነዛ ስእሊ ርኢኹም ምስ ግዜ ብምዝማድ ብዛዕባ’ታ ጾታዊ ማዕርነት ዝሰረታ ሸሞንተ መጋቢት ክዛረብ ከምዝደለኹ እንተመሲልኩም ኣ ይተጋገኹምን። ግና ከምኡ ኣይሓሰብኩን። ብዛዕባ መሰል ደቂኣንስትዮ ግን ብዙሕ ክበሃል እሰምዕ። ስለ ባህታ፡ ስለ ርውየት፡ ስለ ፖለ ቲካውን ንዋታውን ከምኡ ድማ ስለ ማሕበራዊ መኽሰብን ክበሃል ምሒር ክዝረብን ክስማዕን ይከኣል። እንተኾነ ኣብ ባህልና ሎሚ ብዓ ቕምና ዘይበጻሕናዮ ዘፍጥረታዊ ምስጢር ቁምነገር ጓለንስተይቲ ም ህላዉ ጥራይ ዘይኮነ ንዕኡ ዝቕበል ባህርያውን ሕ/ሰባውን እምነት ስለዘለና ብዛዕባኡ ብባህረታዊ መልክዑ ንጓጀመሉ እዋን ክህልወና እትስፎ። ብወገነይ ዝኾነለይ መሲልንስ “ፍንጫሕ መሰንገለይ” ብዘ ርእስቱ ዓሚ ዝቐረበ ክፋል ጉጅም ጽሑፍ ንቕጽለሉ እዋን ክህበና እ ናተመነኹ፡ ናይ ሎሚ ጽሑፈይ ግና ብዛዕባ መሰል ሄዋነይቲ ምዕላ ሙ ርግጸኛ ብዘይምዃነይ፡ ከምኡ እንተኾይኑ “ይግበረለይከ”! ……. እናበልኩ ክቕጽል።

እዚ እዋን እንታይ ይመስል?

እዚ እዋን እንታይ ከምዝመስል ካብዘን ስእልታት ክግመት ይከኣል። እንተኣነ ወያ ኣብዑራ ጸሚዳ ዕርፊ ብምዕታር ክትሓርስ ዝወዓለት መንእሰይ ኣደ ኣብ ምላሻ ኣብ ርእሲ ዕንጸይታ ነቲ ኣብእግሪ ገረብ ዝ ወዓለ ውላዳ ጽዒና ንገዝኣ ትኣቱ ከምዘላ ስለዝመስለኒ እቲ ሞዛይክ እዋናዊ ናብራ ህዝቢ ቁልጭ ኢሉ ተራእይኒ።

ከምቲ ንቡር እታ ስድራ ብባህርያዊ ልፍንቲ ሰብኣይን ሰበይትን ስለ ዝቖመት ኣብ ውሽጣ ንቡር ምክፍፋል ዕዮ ኣሎ። ብ’ዘመናዊ’ ሕልና ጓለንስተይቲ ዕርፊ ምዕታራ ንቡር ቋንቋ ማዕርነት ኣምሲሎም ክገል ጽዎ ኣይጽገሙን። መመሳመሲ እንተተደልዩ ሰብኣያ ምስዝመታ ወይ እንድዕሉ ኣብ ገለ ቢሄራት’ውን ከምትሓርስ ገይሮም ክገልጹልና’ው ን ዘይስኖም ብምዃኑ ሑጻ ክጥሕኑሉ እንታይ ከየሕፍሮም። ከምሓቁ ግን እዚ ስእሊ ብንጹር ብኹረት መጻምዲ ኢዩ ዘነጽር። ሰብኣይ ኣ በይ ኣበለ? ሰብኣይ ዝርአየ ዓይኑ ይብራህ! ኮይና ዓዲ።

ሓዳር ዋንነት ሰብሓዳር ኢዩ። ብምዃኑ ከምዚሎሚ ብዓለማውያን ኣማልኽትን ማሕላን ከይተቖማጠዐ ሓዲኦም ነቲ ካልኣይ ከይጠልም ኣብ ላዕላይ-ሰማይ ብዝተጠምዐ ቀለምን ማሕላን ኢዩ ዝጸድቕ ዝነበረ። ስለ’ቲ ክንድኡ ዝዓብን ዝኸብድን ቅቡእ ልፍንቲ ኣብ ሰበይቱን ኣብ ርስቱን ዝተደፍረ ሰብኣይ ስብእነቱ ስለዝተቐንጠጠ ብዘይ ውዕል-ሕድር ስብእነቱ ንዝፈታተን ክብድህ ተፈጥሮኣዊ ሓላፍነቱ ኢዩ። ክንዲዝኾነ ብዛዕባ ምምሕልላፍ ወለዶ ዝግደስ ዘበለ ብዛዕባ መጻምዱ ክሕለቕ ግዱድ ኢዩ። እንተዘይተጋግየ እቲ ሓደ እዋን ዝበልክዎ ን ምድጋም ብሰበይቱ ዘይስከፍን ዘይግደስን ወዲ-ተባዕታይ ሓሰማ ጥራይ ከምዝኾነ እመስለኒ። ሓሰማ እንታይ ወረዶ? ገዲፍና እንታይ ከ ምዝወረደና ንዛረብ።

“ንርስቲ ይዋግኣላ ኣንስቲ” ማለት ንጓለንስተይቲ ምትሓት ከምዝመስለና እመስለኒ። ኣይከምኡን ኢዩ። ከምኡ መበሊኡ ምኽንያት ሓንሳ ብ ዝኣመነት ሄዋነይቲ ከምዘይትድለልን ካብዝሓሰበቶ ከምዘይትተርፍን ንምብራህ ኢዩ። ንሳ ተፈጥሮ ዝተዓአደላ ርህራሀ ክጽንቀቕ ካብ ከውሒ ከምትተርር’ውን ፈላጢኡ ይፈልጦ። ርስቲ ድማ ርስቲ ብምዃኑ ብእንዳ’ቦን እንዳመጻምድን ዝያዳ ብሓለፋ ንዓዓ ስለዝምልከት ዕጽፊ ንሱ ንሳ ሓላፍነት ከምትስከም ንምብራህ ኢዩ። እዚ ሓላፍነት’ዚ ግና ብዘይ’ቲ ባዕላ ቁልፊ ተዕጥቖ በዓልቤታ ክትገብሮ ኣይትደል ን። ኣብ ንቡር ሂወት እምባኣር ቅድሚ ርስቲ እቲ ዘርኡ ዝተሰከመት መጻምዳ ኢዩ ቀዳምነት ዝረኣያ። ሸሞንተ መጋቢትከ እንታያ ኢያ?

ዕለተ-ሸሞንተ መጋቢት ን=ብዛዕባ ፖለቲካዊ መሰል ሄዋነይቲ ኢያ ተውግዕ። እዚ ማለት ንሕጋዊ ነገራት መሰላትን የመልክት። ኣብታ ሃ ገር ሕጊ እንተሎ ሕጋዊ መሰል ድማ ኣሎ። ሕጋዊ መሰል ማለት ግና ብሃውሪ ስለዝተባህለ፡ ስለዝተመደረ ወይ  ስለዝተባዕለ ዘይኮነ ብቅ ዋም ምስዝግራሕ ጥራይ ኢዩ ተፈጻምነት ዝህልዎ። ከምኡ እንተኾይኑ ቅዋምናኸ እንታይ ትብልን ኣበይከ ኣላን?

ኣብቲ ንቡር ሂወት “ሃገር” እንተኢልናስ ንሃገር ሃገር ዘምስሉዋ ሮቛሕትታት ድማ ክህልዋ ኣለዎም። ትሕዝቶ ከኣ ኩሉግዜ ኣብ ጥፍሒ ሃ ገር ኢዩ ዝዕቀብ። ኣብኡ ንስርዓተ-ምሕደራ ሃገር ዝምልከት “ቕዋም” ዝብል ዓምዲ ኣሎ። እንተኾነስ እታ ብክንድቲ ዝነበረና ሃረርታን ክ ንድቲ ዝከኣለና ጉልበትን ማልን ብምፍሳስ ተጻዒርላ ዝተዳለወት ቅዋምና ብወግዒ ከምዘይተወለደት ብስርቖት ስለዝተቐትለት ከይተኣወ የላ ክትቅበር ኢዩ ዝተኣወጀ። ሞት መቸም ሞት ኢዩ። ብሂወቱ ንዘሎ ሂወታዊ “ሞይቱ” ብማለት ምቕባር ንቡር ባህርያት ሰልፊ ኢሳይያ ስ ብምዃኑ ኢና’ውን “ቅዋምና ኣይመተትን” ንብል ዘለና። ከምዝቐተሉዋ ካብነገሩና ግን መን’ዩ ተሓታቲ? በዓልመን’ዮም መቓብር ኰዓ ትቲ? በዓል መንከ ብሂወታ ደፈንቲ? ንሕና ከም ዕዱማት መቓብር ብሞት ህሉው ካብዘይኣመንናን ንቀበርቲ ካብ ዘይተማእዘዝናን ብዝ ፈጠሮ ናይ እምነት ብድሆ ዝተሻቐለ ጣልማይ ስርዓት ነዛ ናይ መወዳእታ ደቒቕ ህላወ ትንፋስ ትሰኹዓሉ ኩነት ክቐራርም ይጋደል ኣብ ዘለወሉ እዋን ንሕናኸ ቅዋምና ብሂወታ ከምዘላ ኣሚንና ከነእምን እንታይ እንዳገበርና ኢና? ዝወደቐት ገረብ ምሳር ከምዝበዝሓ መቸም ምንም ዘጠራጥር የብሉን። ዝወደቐት ሃገርከ? ዝብል ሕቶ ድማ ናብ ህሉው ዛዕባ መጋቢት ሸሞንተ ዘንጥር መሰጋገሪ ይኹነልና።

ጓለንስተይቲ ብድርብ ጭኮና ትሳቐ ኣካል ሕብረተ-ሰብ ምዃና ክዝንቶ ንሰምዕ። እናሳዕ ድማ ውሻጠ ከምዝሰገረት ተመሲሉ ንዝውረ ከ ም ጭብጢ ዝቐርባ ውልቀ-ሰባት ንርኢ። ሓራይ፡ ግና ብወገንና ነቕርቦ መርትዖ ክስመዓልና ድማ ንምሕጸን። ንኣብነት በዓል ሸሞንተ መ ጋቢት ነዛ መንእሰይ ሓረስተይቲ ኣደ እንታያ ኢዩ? ‘መሰላ’ ትብለና እንተ ኣልያ ንሕና ድማ ንሳ’ሞ በዓልቤታ ክትሓቁፍ ከምትብህግ ጭ ብጢ ኣለና። እዛ ኣደ ኣበይኣሎ በዓልቤታ? እቲ ብመሰል ጓለንስተይትን ውላድን ልቡ ዝተመልሐ ስርዓት ወላዲ ዘሪፉ ዝበለ እንተበለ ዕ ጥቁ ንምብራስ ክሳብ ዝዓጠቐ ሓቁ። ንሕናኸ ንሱ ብሓንቲ እምኒ ንኣደን ውሉድን ይቐትል ከምዘሎ ኣይተረዳአናን ዲዩ ዶስ ለሚድናዮ?

ሕጊ ኣጥፊኡ ብሕጋውነት ዝዋዘን ዝጣላዕን መራሒ፡ እታ ዝቐተላ ቅዋም ብዛዕባ መሰል ስድራ ቤት እንታይ ትብል?

ምዕራፍ ሰለስተ– መሰረታዊ መሰላትን ሓርነታትን፡                                                                                                   ዓንቀጽ 16፣ ተርታ 3፡ ዝኾነ ሰብ ብጊልያነት ወይ ብግዲ ብምዕሳብ ኪቑረን፡ ወይ’ውን ሕጊ ብዘይፈቕዶ ብሓይሊ ኪዓዪ ኣይፍቀድን። ዓንቀጽ 22፤ ስድራቤት፡–                                                                                                                                     1፡ ስድራቤት ናይ ሕብረተሰብ ባህርያዊትን መሰረታዊትን ኣሃዱ እያ። ብሕብረተሰብን ብመንግስትን ከኣ ክትሕሎን ክትሕብሓብን ይግባእ።                                                                                                                                                        2፡ ብሕጊ ዝኣኸሉ ሰብኣይን ሰበይትን ብናጻን ብሙሉእ ፍቓዶምን ብዘይ ዝኾነ ይኹን ኣድልዎን ክምርዓዉን ስድራቤት ክምስርቱን መ ሰል ኣለዎም። ኣብኩሉ ጉዳይ ስድራቤት ከኣ ማዕረ መሰልን ግቡእን ኣሎዎም።                                                                           3፡ ወለዲ ንደቆም ብግቡእ እናዀስኮሱን እናተኸናኸኑን ኬዕብይዎም መሰልን ግዴታን ኣለዎም። ውሉዳት ከኣ ብግዲኦም ንወለዶም ኬ ኽብሩን ምስሸምገሉ ክሕግዝዎምን መሰሎምን ግዴታኦምን ኢዩ።

በዓልቤት ናይ’ዛ መንእሰይ ኣደ ብመሰረት ዓንቀጽ 16፡ ብጊልያነት ናይ ልዕሊ ሕጉግ ኣስገዳድ ኣገልግሎት ተዓሲቡ ምስከደ ኣይተመልሰን ። ስለዚ ሕጋዊት ተጠቃሚት መሰል ናይ ተርታ 1፡ 2ተን 3ተን ክትከውን ኣይከኣለትን። በዓልቤታ ጥራይ ዘይኮነ ወላዲኣን ሓሙኣን’ውን ትማሊ ተገፊፎም ባሕሪ ብምውራዶም፡ ወላዲታን ሓማታን ድማ ከምኣ ኣብታ ቆራሪት ገዛ ዝሕልሕል ይብላ ምህላወን ተዓዘብቲ ግድን ሓበሬታ “ጎደፋ” ዝተባህለ ጉሑፍ ስራኪን መዋዕልቲ ደቂ ሕድርትና ኣየድልየኩምን። በሉ ጠዋሪት ሰለስቲኡ ሓዳር ንሳ’ዛ መንእሰይ ኣደ ኢያ ኮይና ዘላ። ክንዲ ሓንቲ ዕትሮ 3 ዕትሮ ማይ ክትወርድ ኣለዋ። ቀውዒ ብምዃኑ ክንዲ ሓንቲ ግራት፡ ሰለስተ ግራውቲ ክትዓጽድ ኣ ለዋ። ምህርቲ ሰለስቲኡ ግራውቲ ከተኽይድን ከተእቱን ኣለዋ። ብዝሒ ግራት ብመጠን ስድራ ምስተባዝሕዎ ኣብልዕሊ’ዛ መንእሰይ ኣደ ዝተጻዕነ ርዖ ከጨንቀኩም ይኸውን።

ኣነ ድማ ነቶም ንኣሽቱ ደቃ ናብ ዓባያቶም ኣጸጊዓ ንርእሳ ክትዓጥቕ ኢዩ ዝረኣየኒ። እንኮላይ ብድሕሪኣ እታ ተኻርያታ ዝነበረት ገዛ ክት ስራሕ ከምዘይረኣዩ “ኣይሕጋዊትን” ተባሂላ ብቡልዶዞር ከዕንዉዋ ኢዮም። ሽዑ ንሳ ኩሉነገር (እንኮላይ ሂወት) የብላን። እሞ ከምዚ ካ ብኮነ ሸሞንተ መጋቢት እንታያ ኢዩ ነዛ ንእስቲ ኣደ? እንታዩ’ዩኸ ነቲ ሓዚላቶ ወይ ሓዚላታ ዘላ? እንተ ንዓይ ካብ ሓደ ዛንታ ናብ ካልእ ዛንታ፡ ካብ ሓደ ሕማቕ ናብ ካልእ ዝኸፍአ ኢዩ ሃጽ ዘብለኒ። እንኮላይ መልሓሰይ ኣይመባልዕተይን ኮይናስ “ንገሮም ንገሮም” ይመጸኒ።

ሓደ እዋን ኣብሓደ ዓዲ ዝተገብረ ኢዩ። ህበይሲ ዘራእቲ ናይቶም ጭቃ ዓዲ ብምብላዓ ክትጠፍእ ተፈርደት። ሽዑ መብዛሕትኦም ተቐ ማጦ ንህልኪ እንተዘይኮይኑ ህበይ ከምዘይትጠፍእ ተዛረቡ። ካብ ንህበይ ከተጥፍእ ምቕላስ ዘራእትኻ ምሕላዉ ከምዝሓይሽ’ውን መስ ከሩ። ገሊኦም’ሞ ብልቦም ክሳብ ከምንብረት ዓዶም ዝሓስቡዋ’ዃ እንተነበሩ ትእዛዝ ኮይኑ ውሳነ ስለዝጸደቐ ዝግበር ኣይነበረን።

ህበይ መቸም ብሓቂ ህበይ ኢያ። ተጸራፊ ነገር ግዲ ተለማዲ ኮይኑ ምናዳ ኣተኩር ኣቢሉ መመሊሱ ንዝረኣያ ክትውቅብ ርኢኹም ኣይት ፈልጡን። ትርኢት ህበይ ብኣስማቱ ጨው ዝግሕ ኢዩ ባቃ! ኣብ ቃልሲ ንምምባር ብትጣበቦ ብልሓት ምስደቂሰብ ኩሉሳዕ’ያ ትራጸም። እሞ ደቂሰባት ድማ በቲ ሓደ ከምእንስሳ መጠን ከም ግርማ ሞሮር ይበቁዋ፡ በቲ ካልእ ነቲ ባህርያዊ መበቆላ ከም እኪት ግብሪ እናጸብ ጸቡ ዘይልመድ ኮይንዎም ኣብረብሓ ምስምማዕ ብምስኣኖም ንብርሰታ ተሰማምዕሉ። ግንከ ንሳ’ውን ብዕስለ ስለትነብርን ከም መበቆላዊ ት መጠን ክትምክት ተኽእሎ እንተነበራን፡ ሰብ ብልጫ ናይ ሰብነት ስለዘላቶ ኢሉ ኢሉ ንሳ ትበርሰሉ ጥበብ ካብምብልሓት ዓዲ ኣይወ ዓለን። ብምዃኑ ንጽንተት ህበይ ወሓለ መደብ ወጸ።

ለይቲ ብለይቱ፡ ፋሰ-ጭማራን ጉራዴ-ካራን ዝዓጠቑን ሓሽከት ኣኽላባት ዘኸተሉን ኣጓብዝ ኣኽበቡዋ ንህበይ። ህበይ መፈጠራ ኮይኑ ሰ ማይ ከይጸድፋ ስለትሰግእ በቢእብረ ምልእቲ ለይቲ ኣንቃዕሪሮም ዝሕልዉ ዋርድያታት ኣለዉዋ ኢሎማ። ካብቲ ጥንቁቕ ወተሃደራዊ ኣነባብራኣ ድማ ሓደ ሽደን ዋርድያ ከምገለ ጣሕሸም እንተሰሚዑ ብዘመሓላልፎ ናይ ተጠንቀቕ ሓበሬታ ቅጽበት ተበራቢራ ከምትዳሎ ይዝንቶ። በታ መዓልቲ ሃደን ጸላኢ በቲ ዝወልዖ ባርዕን ዘድመጾ ዋጭዋጭታን ዉሕዉሕታን ከምዝዓጠቐላ ምስፈለጠት ገጢማ ብዝሰዓ በ ግብግብ ነቲ ጸዳፍ መሕደሪኣ ዘኽበበ ድብያ ኣኽላባተ-ደቂ-ሰብ ፈንጢሳ ተጸርገት። ሽዑ ብዘይካ ሰማይ ብሰማዩ ሃነው ኢሉ ከምዝጸ ደፋ’ምበር እቲ ለኽላኽ ሸያኒ ወዲሰብ ምስቲ መእወይ ከልቡ ተመሻጢሩ ከምኡ ከምዝገበራ ከይኣመነት ኢያ ካብ መምበሪኣ ዝነፈጸት።

ወዲ-ሰብ ንህበይ ቀቲሉ ኣይውዳኣን ብምዃኑ’ዩ ክንድኡ ዝተጣበበ። ንሳ ድማ ዝሓዘት ሒዛ ብምንስሓብ ዳግማይ ኣብ ቦታ ስደት ተጣየ ሰት። እንተኾነስ ብናታ መዐቀኒ ንሓድሽ ሰፈራ ስለዘይረዓመቶ እናሓደረት ብተግባርን ተንኮልን ሰብ ምሒር ተማረረት። እቲ ኣውራ ዘጉ ሃያ፡ ሰብ ንከልቡ ኣስዲዑ ኣብ ርእሲ’ታ ብረብሓ ዘይትጻብኦን ዳርጋ መፋጥርቱን ህበይ ሃደጋ ምውዳቑ ክቱር ጽልእን ቂምን ስለዝሓደራ ነበረ። በቲ ሓደስ ሓቃ ኢያ። ፍረታትን ሳዕረ-ቆጽልን ትበልዕ ህበይ ምስ ብሰብ ዝተዳለወ ብልዕን ስጋን ዝምገብ ባህርያዊ መሓዛኣ ከል ቢ ከናቑትዋኸ እንታይ ዘየቐይም ኣልይዋ። እቲ መመሊሱ ንህበይ ዝገረማ፡ ገለ ሰብ ኣብውሽጢ’ቶም ብመትከል ናብራ ዝተሃዳደኑ እንስ ሳታት ፍቕሪ ክምስርት እንከሎ ገለን ድማ ብምትፍናን ናይዞም ክፋቐሩ ዝኽእሉ ዝነበሩ እንስሳታት ክነብር ምጥባቡ ነበረ። መታን ንሓዋ ሩ ዕርቂ ከይርከብ ተዓሊሙ’ውን ከልቢ ስጋ ናይታ ዝተገደየት ህበይ ክበልዕ ምስተቐረበሉ ክበልዖ ዘይምድላዩ ዓጀብ ኮነ። ስለዚ ሰብ ዳ ግማይ ክጣበበ ተራእየ። ከልቢ ንወዮ ስጋ ህበይ ከይፈልጦ ምእንቲ ተጠቢሱ ተቐረበሉ! ብምትፍናን ህበይን ከልብን ክኸስብ ዝሓለነ ሰ ብ ከልቢ ስጋ ህበይ ምብልዑ ኣሐጎሶ። ከምኡድኣ’ምበር ከልቢ’ኮ ጥቡስ ስጋ ጥራይ ኢዩ በሊዑ። እቲ ስጋ ናይታ ንሱ ብልቢ ዝፈትዋ ተ ሃዳኒቱ እናመሰሎ ኢዩ ውሕጥ-ውሕጥ ዘበሎ። እምበር ስጋ ህበይ ከምቲ መፈጠራዊ እምነቱ ፈጺሙ ኣይምቐረቦን።

እታ ስደት ዘይዓለዋ ህበይ ጠፊኣ ኣይነበረትን። ነገር መፈጠርን ዜግነትን ኮይንዋ ድማ ሓደ እዋን ድንገት ኣብ መበቆላዊ ቦታኣ ተደርገመ ት። ሽዑ’ቲ ብጥፍኣታ ቀሲኑ ዝነበረ ሰብ ንኸብዱ ጥራይ ከምዝሓስብ ተረድአት። ብኣውራኡ ሰብ ነቲ ወዲ መፋጥርታን ወዲ መሬታን ዝኾነ ከልቢ ኣስዲዑ ዝፈጠሮ ተጻብኦ እናገረማ ደጋጊማ ተማረረት። ኣብ ዝቐጸለ ርክቦም ከልቢ ምእንቲ ክበልዕ ንህበይ ክጻብኣ ኣይረኣ የትን። ከምተመኩሮኣ’ውን ኣብ ቅድሚ ጸላኢ ስምረት ኣኽላባት ከምዝሕይል ስለትፈልጥ ልቦናኡ ኣድነቐትሉ። ቂምን ቅርሕንት ከይተሰ ማዓን ከይተሓተተትን’ውን ብልባ “ይቕረ ይኹንካ፡ ፈጣሪ ኩሉ ኣለም ካብ መቑረንቲ ሰብ የናግፍካ” ብማለት በይናዊ ይቕረ ኣወጀት። እ ንተ ብተግባር ሰብ እምብዛ እናተማረረት ከምቲ ወኻርያ ዝበለቶ “ሰብሲ ሞት’ዃ ክንእሶ” ትብል ነበረት ህበይ።

መቸም “እዞም ሓዲኦም ዘገዳም ካልኣይ ዘቤት እንስሳታትከ እንታይ ኣራኸቦም” ከምዘይትብሉ እግምት። እንተደለኽሞ ግና ኩሎም ናይ በረኻን ናይ ገዛን ኢዮም። ግናኸ እዚ ሃለውለው’ዚ ከም ዛንታ ናይቲ “ጎናይ” እናተባህለ ዝተደርፈሉ ህበይ ይኹን ዝተፈለየ ድኣ እንድዒ ’ምበር ትርጉም ከምዘለዎስ እሙን ኢዩ። ብወገነይ ፍታሑ ንዓኹም ይምልከት። ንግዚኡ ግና’ታ ንክልተ-ሰለስተ ወርሒ ተቖጺራ ዝነበረ ት ናይ መፈጸምታ ዕዮ ክቡር ፕረሲደንትና ምልክታ ድሮ ተቐልቂላ ከምዘላ ከዘኻኽር እፈቱ። ሰብ ኣሲርካን ቀቲልካን ከምዘይትውድኦ ዝፈለጠ መራሒ ብፍጹም ጥሕሰት መሰልን ምቁራጽ ኣገልግሎታትን ከምዝስደድን ዝሽየጥን ገይሩ’ውን ካብዘይሰለጦ ብርሰት ብዕንወት ኣባይትን ብዕንወት ኤርትራዊት ማህጸንን ትሰላሰል እነትልኩም። እታ ወወሊዳ ደቃ ክተረክብ ዝተቐሰበት ንእስቲ ኣደ ደጊም ዋላ ከምዝ ኾነላ ከይትወልድ በረኻኣ ካብሰፈረት ብድሕረኣ ዓበይቲ ወለዳ ቀባሪ የብሎምን። ደቃ ድማ ሽሻይ ጓና ከምዝኾኑ ንመን ይጠፍኦ?

እዚ እዋን እንታይ ይመስል?

ብዘይጥርጥር መርኣያ ናይታ እዋን ቀውጢ ቅብጸት! ግና ነታ ትመጽእዘላ መዓልቲ እንታይ ሒዝናላ ኣለናዶስ ኩሉ ይትረፈና?

“እምባጋሮን ዕግርግርን ጥርዚ እንተበጺሖም፡ ሂወት ሰብ ይሓቱ’ምበር መዕረፊ ክህልዎም ግድን ኢዩ” በለ ንጉስ ጫካ።

ሰላም ቅነ ሸሞንተ መጋቢት።

ጎደፋ፡

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT