ኪዳን ምስ መን?

ኤፍሬም፡- ያ ወዲ መሓመድ ያኣኸ፡ ጸላኢ ሳሕል በጺሑ፡ ንሕና ድማ ኣብ ክንዲ ሻምብቆ ብረት ዝነቐጸ ተኽሊ ሻምብቆ ሒዝና ንሃድም ኣለና። (….ኣብ ጎኑ ዝነበረ ጥማር ሻምብቆ እናጠፍጠፈ።) ምሽ ተጋዳላይ ይሃጅም ምበር ኣይሃድምን ኢኻ ትብለና። (ንድር ኢሉ ይዛረብ)

7ይ ትርኢት፡ ፍላሽ ባክ
ጉዕዞ ምዝላቕ (1978)


ኣጋ ምሸት እዩ። ተሪር እምባ ብማዕዶ ይርአ። ምስ ቀጻሊ ግዕዞ ተጓዓዝቲ ጎቦ እናቐረበ እናቐረበ ይመጽእ። ኣብ ፍርቂ ናይቲ ጎቦ፡ ብናእሽቱ ቆልዑ ዝተመርሐ ነዊሕ መስርዕ ፊተውራሪ (ተማሃሮ ቤ/ት ሰውራ) ከም ኣካይዳ ጻጸ ተኽ ኢሉ ይርአ ። ኩሉ ተማሃራይ ገለ ዚንጎ፡ ሻምብቆ፡ ሰደቓ፡ ኮበርታ፡ ሳንጣ፡ ተሰኪሙ ኣሎ። ቀጻሊ ምብርራይ ሰኸም ኣሎ። ዝበዝሑ ካብቶም ተማሃሮ ዝተለጋገበ ብላይ ሳእኒ፡ ገለ ድማ ሓደ እግሮም ጥራይ ሳእኒ ለቢሱ፡ ብርሃጽ ጠልቂዮም፡ ብድኻም ነብሶም እናጎሰሱዎ ይጓዓዙ። ምብርራይ ግን ኣየቋርጽን። ኤፍሬም ሓደ ካብቶም ብሓንቲ ሳእኒ ዝጓዓዙ ዘለዉ እዩ። ንሳ ‘ውን ኣብ ቀረባ ስለዝዝጸንሐት በቃ ኢላ ትተርፍ። ድሕሪኡ ዝነበረት ኣልማዝ ሓደ ሳእና ኣውጺኣ ክትልግሰሉ ትርአ።


ወዲ መሓመድ፡ (ሃንደበት “ኣቡሩክ” ዝብል ትእዛዝ የመሓላልፍ።…..) ኢቲ ቲሰምዒዎ ድምጢ ታንኪታት ናይ ጠላኢ ኢዩ። (ናብ ጥርዚ ናይቲ ጎቦ እናኣመልከተ ድማ) እዚ ጎቦ ከሻፋ ‘ያ። ኣብዚ ሓንሳብ ኪንዓሪፍ ኢና። ኮዪስ። ኩሉ ዋሒድ ዘረባ ይኣቃርጥ፡ ማፊ ከላም።
 
ኤፍሬም፡- (ኣብ ጎኑ ናብ ዝነበረ ተማሃራይ (ኣሕመድ) ቁሊሕ ኢሉ። ክምስ እናበለ) ኣታ ካብ ወዲ መሓመድ ሲ ወላሂ እዘን ጦር ይሕሻ፡ ድምጸን ‘ኳ ኣስሚዐናና። ካላሽን እንተዝህልወናስ ‘ምበር ምቐረብናየን ምበር ኣይምተሓባእናን።


ወዲ መሓመድ፡- ኢፍሬም ዘረባ ኣይቲገዲፍ። ኣዋዓ ያ ወለድ!


ኤፍሬም፡- ያ ወዲ መሓመድ ያኣኸ፡ ጸላኢ ሳሕል በጺሑ፡ ንሕና ድማ ኣብ ክንዲ ሻምብቆ ብረት ዝነቐጸ ተኽሊ ሻምብቆ ሒዝና ንሃድም ኣለና። (….ኣብ ጎኑ ዝነበረ ጥማር ሻምብቆ እናጠፍጠፈ።) ምሽ ተጋዳላይ ይሃጅም ምበር ኣይሃድምን ኢኻ ትብለና። (ንድር ኢሉ ይዛረብ)


ወዲ መሓመድ፡ ዕትብ ኢሉ፡ ያ ወለድ ንሒና ኢድና ኣይኮናን ንሂብ ዘሌና። ኣብ ዚጢዒም ጊዘ ዎ ቦታ ኣምሓራ ሓመድ ኪትኬውን ኢያ። (ከምኡ እናበለ ናብቲ በሪኽ ጎቦ ገጹ ብግስ ይብል)


 


8ይ ትርኢት


ፊተውራሪ፡- ኣብ ትሕቲ ኣግራብ፡ ገለ ኣብ ሑጻ ደቂሶም፡ ገለ ሻሂ ከፍልሑ። ገለ ሳእኒ ክልሕሙ ይርኣዩ። ብጎኖም ድማ ተጋደልቲ ብመካይን ተመራሪሖም፡ ብረቶም ንላዕሊ ክብ ኣቢሎም እናደረፉን እናወጨጩን ይሓልፉ። ገለ ውን ተሰሪዖም ይሓልፉ። ከም ድሕረ ባይታ፡ ብርሑቕ ድምጺ ከቢድ ብረት ይስማዕ። ፊተውራሪ ቀጨውጨው ዝበዝሖ ሃዋህው ኣብ ገጾም የንጸባርቑ። ሕጉሳት ኣይነበሩን።
(ክራር ክወቅዕ ዝጸንሐ ኤፍሬም፡ ብኡ ንብኡ፡ ድምጹ ሓዊሱ፡)
 
መተካእታ ብጻይ ፊተውራሪ ነብሲ
ዶብ እንተሰጊርካ የብልካን መምለሲ
ይወናጨፍ ኣሎ መሰታኻ ረአ
ስደተኛ ኴንካ ሱዳን ከይትርአ፡


…… ኢሉ ኣናሰሓቐ ይደርፈሎም።
 
ፊተውራሪ፡-ካብ ድኻምን ቀጨውጨውን ተበራቢሮም፡ ኩሎም ብሓባር የጣቕዑሉ፡ ዓሽ! ዓሽ! ይብሉዎ። ይዓጉዎ ውን። (ከም ስልማት) ፒሮ ኣብ ርእሱ ይሰዅዑሉ። ገለ ፒሮን ወረቐትን፡ ሒዞም ጽሓፋ፡ ጽሓፋ ’ ዛ ደርፊ ከይትጠፍእ ይበሃሃሉ። ገለ ውን ምስኡ ክደርፉ ይጅምሩ።


ወዲ መሓመድ፡- ኣብ ፍንትት ዝበለ ቦታ፡ ኣብቲ ኩነታት ከየስተብሃለ፡ “ያላ ኩሉ ዋሕድ ኣብዚ ገረብ ተኣከብ፡” ኢሉ ዓውታ ይጭድር። እቶም ካልኦት ፊተውራሪ ‘ውን ከካብ ዘዕረፉሉ ገረብ ኣብቲ ቦታ ክተኣካኸቡ ይረኣዩ።



9ይ ትርኢት


ብዙሓት ተማሃሮ ኣብ ሓንቲ ጽላል ገረብ ተኣኪቦም ኣለዉ። ወዲ መሓመድ ኣቓልቦኦም ንኽስሕብ ድሙቕ ጣቕዒት ይገብር። ጸጥታ ይሰፍን።


ወዲ መሓመድ፡ ጢባሕ ጉዕዞ ቀጣሊ ዩ። ሕጂ ላኪን ጀጋኑ ሓይሊታትና ዝገበራኡ ዓወታት ኪኣነብብ ‘የ። (ብሕጉስ መንፈስ) ኩሉ ዋሕድ ደረባ ይኣቃርጥ። “……….ጀጋኑ ሓይሊታት ኣብ መፍገርገሊል ኣብ ዚገበሮ ውጊእ ፡ 500 ወተሃደር ጸላኢ ሞይታ። ሽሕ ቆሲላ፡ 5 ታንኪታት ተሓምሺሻ። 2 ተማሪከን። ፊተውራሪ…. መሬት ዓወት ጢራይ ኮይና ላ!……..”


ኣልማዝ፡- ጣቕዒት ትጅምር። ዝስዕባ ስለዘይረኸበት ግን፡ ስሕተት ከምዝፈጸመት ቁሊሕ-ምሊሕ እናበለት ቀስ ኢላ ዝሕጥ ትብል። እቶም ካልኦት ድማ ጌጋ ከምዝገበረት ብመግናሕቲ ቁሊሕ-ቁሊሕ ይብሉዋ።
 
ወዲ መሓመድ፡ (ናይ ሓጎስ ምልክት ብዘይምርኣዩ ደንጽዩዎ) ንድሕሪት ንቕድሚት ቀባሕባሕ ይብል ‘ሞ። ያ ጀማዓ፡ እዚ ዓወታት ኮ ቢደም መጺኣ ምበር ካብ ዲኳን ብሰልዲ ይኮኒ።


ጸጥታ ይሰፍን፡ ወዲ መሓመድ መልሲ ይስእን።



 
ኤፍሬም፡- ( ቁሩብ ጽንሕ ኢሉ፡ ብጸጋማይ ኢዱ ክራሩ ብትሪ ኣትዒቱ፡ የማናይ ኢዱ ብነድሪ እናወሳወሰ) ወዲ መሓመድ፡ ንሕና ክንደይ ሻዕ ከነጣቕዕ ኢና። ሕጂ ካብ ጣቕዒትና ቶኽስና እንተሰማዕካ ይሓይሽ።


ፊተውራሪ፡- (ብሓባር ድሙቕ ታቕዒት ይገብሩ።) “ዓሽ፡ ዓሽ ኤፍረም” ኢሎም ድማ ኣብ ሓደ ኣረኣእያ ምስማሮም ይገልጹ።


ኤፍሬም፡- (ነድሪ እናወሰኸ) ካላስ ንሕና ገባር ኣይኮናን፡ ኣብ ድሕሪት ኮንና መሳቱና ብዘምጽኡዎ ዓወታት ከነጣቕዕ እንነብር። ንሕና ወፈጸምቲ ሕድሪ ምበር፡ መድነቕቲ ሕድሪ ኣይኮናን፡ ንሜዳ ክንዕቆብ ኣይመጻእናን ።


(ኩሎም ‘ቶም ተማሃሮ ምሉእ ደገፍ ይገብሩሉ፡ ዓሽ ኤፍሬም፡ ተዓወት ይብሉዎ። ኤፍሬም መመሊሱ ይረስን). . “ .ስለምንታይ ተወዚዕና ግቡእና ዘይነወፊ። ትምህርቲ ደኣ ኣብ እምንን ገረብን ዘይኮነ ኣብ ሰድያን ፐላሶን እንዲና ኣብ ኣስመራ ገዲፍናዮ። ንሕና ስደተኛታት መዓስ ኮንና ሱዳን ንኸይድ። ብረት ዝተሰውኡ ብጾት ደኣ ነልዕል ምበር ዶብ ሱዳን ፈጺምና ኣይንሰግርን! ” (ብትሪን ርእሰ ምትእምማንን ናብቶም ካልኦት ብጾቱ እናጠመተ ዘረብኡ ይዛዝም፡ ካልኦት ክስዕቡዎ ብኢዱ ሃየ እናበለ)
 
ኣልማዝ፡- ትማሊ ትማሊ ዝኸተቱ መማህራናን ኣለይትናን ‘ኳ ድሮ ገሊኦም ተወጊኦም በዚ እናተቐንዘዉ ክሓልፉ ርኢናዮም። ክንደይ ድማ ተሰዊኦም ይኾኑ፡ ነዚ እናረኣና ናበይ ኢና ንኸይድ? (ናይ ደገፍ ርኢቶ ትውስኽ)


ኤፍሬም፡- ብናይ ደገፍ ርኢቶኣ እናተሓበነ ኣተኵሩ የስተብህለላ። ኢዱ ዓሚኹ ስኑ ነኺሱ ከኣ ሓበን ወሲኹ ይረአ።
 
ፊተውራሪ፡- ብሓባር ኩሎም “…ካላስ ካላስ ፡ ካላስ ዋጭዋጭታ ብምግባር ናይ ስምረት ርኢቶኦም የንጸባርቑ። ብኡ ንብኡ ኤፍሬም፡ ክራሩ ኣልዒሉ ደርፊ ይቕጽል፡


መተካእታ ብጻይ ፊተውራሪ ነብሲ
ዶብ እንተሓሊፍካ የብልካን መምለሲ
ይወናጨፍ ኣሎ መሰታኻ ረአ
ስደተኛ ኬንካ ሱዳን ከይትርአ!


ኩሎም ሓቢሮም ምስኡ ይደርፉን ይስዕጽዑን፡
 


10ይ ትርኢት


ወዲ መሓመድ ንኤፍሬም ኣብ ጨው ቀትሪ እናቐጽዖ  ከሎ ይርአ። ኣብ’ቲ ዘዘድድ ሑጻ ከም ተመን የንፋሕኾ።


ኣልማዝ፡- ኤፍሬም እናተቐጽዐ ከሎ ንኤፍሬም ብጎቦ ዓይና ብድንጋጸ  ትጥምቶ


ወዲ መሓመድ፡- ንኤፍሬም ሓፍ በል፡ ተጠንቀቕ ሰጥ በል።


ኤፍሬም፡ ዝተኣዘዞ ይገብር፡ ገጹ ከሰል መሲሉ ብሕርቃን ተሸፊኑ ይርአ።
 
ወዲ መሓመድ፡ ጌጋካ ተረዲኣተካ ዶ?


ኤፍሬም፡- ኣይተረደኣንን።


ወዲ መሓመድ፡ ደሓን ጢባሕ ከማን ዋጅባ ኣላቲካ፡ ሺዓ ትረድኣካ


ኤፍሬም፡ ሕንክስ እናበለ ናብቲ ኣልማዝ ዘላቶ ገረብ ገጹ ይመጽእ።


ኣልማዝ፡- ኤፍሬም ሃባ ‘ስከ ካምቻኻ ኣብቲ ሩባ ክሓጽበልካ።
 
ኤፍሬም፡- ድኻሙ ከየርኢ ብሓይሊ ክምስ እናበለ፡ ምሕጻብ ሲ ብረሃጽ ተሓጺቡ እዩ።
 
ኣልማዝ፡- ኣንታ መሰንኮር፡ ከምዛ ጌጋይ ተረዲኡኒ ኣይደግምን እየ ክትብል ዘይጸናሕካስ ላግጺ ጀሚርካ እምበኣር።


ኤፍሬም፡ ካምቻኡ ኣብ መንኮቡ ሰቒሉ ጥራይ ዝባኑ ብምዃን፡ ኣበይ ሰሚዕክኒ ኣንቲ ለኽባጥ፡ ኢሉ ንየማን ጸጋም ቁሊሕ እናበለ ኢዳ ክጠዊ ይጅምር።


ኣልማዝ፡- ኢደይ! ኢደይ! ትብል ባህታን ሰሓቕን እናሓወሰት


ኤፍሬም፡- ብብጾቱ ይርአ ከይህሉ ከባቢኡ፡ ቁሊሕ ምሊሕ ኢሉ እንደገና ከባቢኡ እናተቖጻጸረ፡ ምስ ፍሽኽታ፡ በቲ ሓደ ኢዱ ምዕጉርታ በጻብዕቱ ጠፍ የብላ።


ኣልማዝ፡- ብኣፋ ኢዱ ክትነክስ እናተመታጠረት በቲ ነጻ ኢዳ ካምችኡ ትወስደሉ (ክልቲኦም ናይ ዓይኒ ቆላሕታ እናተለዋወጡ ንሓንሳብ ፍዝዝ ኢሎም ይጠማመቱ)


ይቕጽል……

This entry was posted in ኪዳን ምስ መን? and tagged , , . Bookmark the permalink.

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

*

 characters available

You may use these HTML tags and attributes: <a href="" title=""> <abbr title=""> <acronym title=""> <b> <blockquote cite=""> <cite> <code> <del datetime=""> <em> <i> <q cite=""> <strike> <strong>

ኪዳን ምስ መን?

 ኪዳን ምስ መን? – ኣብ ሓቀኛ ታሪኻዊ ፍጻሜታት ዝተመርኮሰት ንፊልም ተባሂላ ዝተነድፈት ዛንታ እያ። ግዜ ተሓባቢሩዋ ፊልም ምዃን ክሳብ ዝሰምረላ ግን እንሀትልኩም። በብትርኢት ተኸፋፊላ ክትቀርብ እያ። ንመዘከርታ ተባሂሉ፡ ኣስማት ጠባያታ ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ናይ ዝተሰውኡ ብጾት ኣስማት እዩ። ሰናይ ንባብ።



1ይ ትርኢት
ኣስመራ፡


ፍርቂ መዓልቲ ኢዩ። ሓፈሻዊ ስእሊ ኣስመራ ይርአ። ቀንዲ ጎደና ሹቕ-ኤየርፖርት ጻዕቂ ምንቅስቓስ መካይንን ሰብን ይረኣዮ። ኣብ ኣፋፌት ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ቀይሕ ባሕሪ ክመሃሩ ዝጸንሑ ተማሃሮ ክፍደሱ፡ እቶም ናይ ምሸት ተማሃሮ ናብ ቤ/ት ክኣትዉ፡ ኣፍደጊኡን ከባቢኡን ዲቪዛ ብዝተኸድኑ ተማሃሮ የዕለቕሊቑ ኣሎ። ኣብ ውሽጢ ቲ ቀጽሪ ቤት ትምህርቲ ሓንቲ ናይ 9ይ ደረጃ ክፍሊ፡ ቀሪባ ትርአ። ተማሃራይ (ዳኒኤል) ካብታ ክፍሊ ቅልቅል ኢሉ ናብ ክፍሉ ይምለስ፡ ውጥም-ቅልቅል ይብል። ኣብ ገጹ ትጽቢት የንጸባርቕ። ገለ ነገር ይጽበ ከምዘሎ የርኢ። ኣብ ውሽጢ ታ ክፍሊ ተመሳሳሊ ትርኢት ሰፊኑ ኣሎ። ኩሎም ተመሃሮ ብስነርዓት ኮፍ ኢሎም ክጽበዩ ይረኣዩ።


ዳኒኤል፡- (ኣብ ቅድሚ ኩሎም ተማሃሮ ክልቲኡ ጉምቦ ኢዱ እናፋሓፍሐን ጸጸኒሑ እናኣጣቐዐን) “ዓሽ! ዓሽ! መምህር ጠዓመ ጋሻ ሒዞም መጺኦም﻾፡……” (ብሓጎስ ይጭድር)


ኩሎም ተማሃሮ ድማ ብፍሕሹው ገጽን ሓጎስን ቆላሕታ እናተለዋወጡ ኮፍ ኣባህላኦም ከጠዓዕሙ ይረኣዩ። ኣብታ ክፍሊ ጸጥታ ይሰፍን። ኩሎም ተማሃሮ ኢዶም ኣጣሚሮም ኮፍ ይብሉ።



መምህር ጠዓመ ምስ ጋሽኡ ኣብ ክፍሊ እትው ክብል፡ ኩሎም ተማሃሮ ብሓባር ሓፍ ይብሉ።


መም ጠዓመ፡- የቐንየልና ተማሃሮ ኮፍ በሉ


ተማሃሮ፡- ኮፍ ኢሎም እንደገና ኢዶም ኣጣሚሮም፡ ሃንቀውታ ከንጸባርቑ ይርኣዩ


መም ጠዓመ፡- ኣብ ናይ ሎሚ መደብ ታሪኽን ወረስትን መደብና ተዓዲመን ዘለዋ ጋሻ መምህር ኣልማዝ ይብሃላ።


ተማሃሮ ኩሎም ናብ መምህር ኣልማዝ የተኩሩ;


መም ጠዓመ፡- ንሰን ኣብ ንኡስ ዕድሚኤን ብ1977 ናብ በረኻ ኳ እንተውጻ፡  ዕድሚኤን ንገድሊ እኹል ስለዝይነበረ ኣብ ሳሕል ቤት-ትምህርቲ ሰውራ እየን ተማሂረን። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ማእከላይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ናጽነት ከም መምህር የገልግላ ኣለዋ።


ተማሃሮን ኣልማዝን ቀው ኢሎም ይጠማመቱ። ኣብ ተማሃሮ ክቱር ትጽቢት ኣብ ኣልማዝ ክብደት ይንጸባረቕ። 


መም. ጠዓመ፡- ናብ ኣልማዝ ግልጽ ብምባል፡… ንሰን ዝብለን ዘለኹ ብተመክሮአን ምበር ብዕድሚኤን ኣይኩንኩን፡ ካባይ ኣዝየን ይንእሳ። ሕጂ፡ ተመክሮአን ብዛዕባ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ከካፍላና እየን።


ተማሃሮ፡- ጣቕዒት።


መም ኣልማዝ፡- የቐንየለይ፡ ብምባል ኣብ ሰሌዳ ﷽ታርኽን ወረስትን﻾ ዝብል ኣርእስቲ ብኩሩሽ ትጽሕፍ


ተማሃሮ፡- ገለ ኢዶም ኣጣሚሮም፡ ብጉምቦ ኢዶም መንከሶም ደጊፎም፡ ገለ ኣጻብዕቶም ኣወሳሲቦም ኣብ ሰደቓ ተደጊፎም ድሕሪ ምጽናሕ መሊሶም ትጽቢቶም ንምርኣይ ፍሕትሕት ኢሎም ትዅረቶም ይስሕሉ። ዝቕጽል ዛንታ ንምስማዕ ኮፍ ኣባህሎም ንምጥዕዓም ፍሕትሕት ድሕሪ ምባል ከኣ፡ ከም ቀደሞም ነብሶም ኣርኒቦም ትጽቢት የንጸባርቑ።
 


ኣልማዝ፡- ከመይ ኣለኹም ተማሃሮ?


ተማሃሮ፡- ጽቡቕ (ብሓባር)


ኣልማዝ፡- መቸም እዛ ናይ ሎሚ መዓልቲ መደብ ካብቲ ስሩዕ ክፍለ ግዝያትኩም ወጻኢ እያ። ኣርእስታ ውን ቅድሚ ሓያለ ዓመታት ኣብ ገድሊ ምስ ዝኣተኹዎ መብጽዓ ስለዝተሰማመዐ ባህ ኢሉኒ ሎ። ሕድሪ ሰማእታት ከመይ ከቢድ ይመስለኩም፡ ኩሉ ሳዕ ሕሹኽ ይብለካ፡ ኣይለቀካን እዩ።


ተማሃሮ፡- ፍሕትሕት ይብሉ። ክብደት ናይ ኣጀማምራኣ ዝተሰመዖም ክመስሉ መሊሶም ንቕድሚት ውርም ይብሉ።


ኣልማዝ፡- ሓንሳብ ዝን ትብል፡ ጉምቦ ኣእዳዋ ኣጣቢቓ ድምጺ ጣቕዒት ብምግባር ናይ ምጅማር ምልክት ትህብ ሞ ኣብ ቲ ቀዳሞት ተማሃሮ ዝተቐመጡሉ ከባቢ ብምቕራብ ኣብ ሰደቓ  ኮፍ ትብል ። ሓንሳብ ንሰማይ ኣንቃዕሪራ ዓይና ቋሕ ሰም ተብል። ካብ ማእከል ንሓደ ካብ ተማሃሮ ብመመልከቲቶኣ እናፈለየት፡ 


ስምካ ሞ መን ዩ?


ተማሃራይ፡- (ንየማን ጸጋም ቁሊሕሊሕ ድሕሪ ምባል፡ ዝንግዕ ኢሉ ሓፍ ይብል ሞ)  “የማነ ሃብቶም”﻾


ኣልማዝ፡- ግርም የማነ፡ (ቃላታ ምጥጥ ኣቢላ) ሃብቶም እንታይካ እዩ?


ተማሃራይ(የማነ)፡- ኣቦይ፡


ተማሃሮ፡- (ብኡንብኡ ብሓባር ስሓቕ ይድርጉሑዎ ፡ ነዚ ፍሉጥ መልሲ መሊሱ ብዝብል ትዕዝብቲ ድማ ነንሕድሕዶም ይጠማመቱ። ካልእ ምስጢር ዘለዎ መልሲ ስለዝተጸበዩ።)


የማነ፡- (ብናይ ምድሃል መንፈስ ቀባሕባሕ ይብል፡ ርእሱ ሓኸፍ-ሓኸፍ እናበለ ድማ ባዕሉ ኮፍ ይብል።)


ኣልማዝ፡- (ሃሳስ ክምስታ እናኣርኣየት።) ደሓን የማነ፡ ኣይተጋገኻን። ተማሃሮ ንስኻትኩም ውን ኣይተጋገኹምን። ኩሉኹም ጽቡቕ ኣለኹም።


ተማሃሮ፡- ነንሕድሕዶም እናተጠማመቱ ከምዝደንጸዎም ይረኣዩ።


ኣልማዝ፡- ንዓኻትኩም እታ ሕቶ ቀላል፡ መልሳ ድማ ቀሊል ኢዩ። ኣብ ሳሕል፡ ቅድሚ 13 ዓመት ግን ልክዕ እዛ ሕቶ እዚኣ ንሓበን ዝብሃል ወዲ ሸውዓተ ዓመት ተማሃራይ፡ ኣዝያ ከባድ እያ ነይራ።


ተማሃሮ ነንሕድሕዶም ብምግራም ይጠማመቱ:


ኣልማዝ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሰውራ መምህር ኣብ ዝነበርኩሉ ግዜ፡ ንሓበን ተስፋይ፡ “ተስፋይ እንታይካ እዩ?” ኢለ ምስሓተትኩዎ “መጸውዒየይ” ኢሉ መሊሱለይ። ሽዑ ካብ መሳትኡ ዝተገረመ ኣይነበረን። ኣነ ግን ሰምቢደ። ሽዑ፡ ሓበን፡ ሽም ኣቦኡ ኣብ ዝርዝር መጸውዒ ኣስማት ተማሃሮ ድሕሪ ሽሙ እትስዕብ መፍለይት ምዃና ጥራይ ኢዩ ዝፈልጥ ነይሩ። ሓበን ንኣቡኡ ክፈልጦ፡ ፍቕሪ ኣቦ ክረክብ ዕድል ኣይረኸበን።


ተማሃሮ፡- ክብደት ናይቲ ዝቕጽል ዛንታ ክስምዖም ከምዝጀመረ ኣብ ገጾም ይንበብ፡ ናይ ሓደ ተማሃራይ ዕቱብ ገጽ ቀሪቡ ይርአ።


ኣልማዝ፡- ሓበን ወዲ ዓመት ከሎ፡ ኣቦኡ ኣብ ሻድሻይ ወራር ተሰዊኡ። ኣዲኡ ድማ ሰላሕታ ወራር ስዒባቶ። ክሳብ 6 ዓመት ኣብ መናበይ ህጻናት ዓብዩ። ሻውዓይ ዓመቱ ምስ ረገጸ ድማ ናብ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ተሰጋጊሩ ቀዳማይ ክፍሊ ጀሚሩ። ካብ መንጎ ቶም ተመሳሳሊ ታሪኽ ዘለዎም ሓያለ ህጻናት ንሓበን፡ ኣቦኡ መጸዊዕኡ ጥራይ ኢዩ ነይሩ። ብዘይ ኣቦን ኣደን ካብ ሕብረተሰብ ኣብ ዝተገለለ ስንጭሮ ምዕባይ ክሳብ ክንደይ መሪር ምዃኑ ሽዑ ተፈሊጡኒ። ገለ ኣብ ከብዲ ኣዲኦም ከለዉ ዝተወግኡ፡ ገለ ካብ ማእከል ኵናት ኣብ ሕቝፊ ሬሳ ወላዲቶም ኮይኖም ጡብ ክጠቡ ዝጸንሑ ሞ መፍለዪ ስም ተሳኢኑዎም፡ ብ ﷽ህዝባዊ ግንባር﻾ ዝጽውዑ ነይሮም። ልዕሊ ኩሉ፡ መሳቱ ሓበን ሽም ኣቦኦምን ኣዲኦምን ጽሒፎም ከይከኣሉ፡ ካርታ ኤርትራ ግርም ገይሮም ምስኣሎም የገርመኒ ነይሩ።


(ኣልማዝ ካብ ኮፍ ዝበለትሉ ብድድ ኢላ። ክልተ ከብዲ ኢዳ ኣጣቢቓ እናፋሕፈሐት) ተማሃሮ እስከ ካልኣይቲ ሕቶ ክሓተኩም። ኣብዚ ተመሃሮ ዘለኹሙሉ ደረጃ ትጽቢትኩም እንታይ ዩ፡ ንመጻኢ እንታይ ይረኣየኩም?


ተማሃሮ፡- (ኩሎም ኢዶም ዊጥ ኣቢሎም ኣብዚኣ ኣብዚኣ ይብሉ) ኣልማዝ ንሓንቲ ጓል ዕድል ትህብ፡


ተማሃሪት፡- ካልኣይ ደረጃ ወዲኤ ዩኒቨርሲቲ ክኣቱ፡ ሽዑ ዶክተር ኮይነ ነብሰይን ስድራይን የመሓይሽ።


ኣልማዝ፡- (ናብ ሰደቓኣ ተመሊሳ ኮፍ እናበለት) እዚ ንቡር መልሲ እዩ። ጽቡቕ ኣለኺ። ሽዑ ተመሳሳሊ ሕቶ ኣብ ዝሓተትኩሉ ግዜ ግን፡ ኩሎም ቶም ተማሃሮ “ኣነ ክውዛዕ እየ ዝደሊ﻾” ኢሎምኒ። “ምውዛዕ”፡ ናብ ተዋጋኢ ሰራዊት ተመዲብካ ኣብ ዓውደ ውግእ ኣንጻር ጸላኢ ምግጣም፡ መውጋእቲ፡ መስዋእቲ ማለት እዩ። ሽዑ ካብዚ ሞያ ዚ ወጻኢ ዝብህግ ተማሃራይ ኣይነበረን።


ኣብ መንጎ ሓደ ኣብ ካልእ ክፍሊ ዝመሃር ተማሃራይ ንማዕጾ ናይታ ክፍሊ ትንክፍ እንተበላ ክፍት ትብል እሞ፡ ተመሃሮ መሊኣ ምስ ረኣየ ስምብድ ኢሉ ንድሕሪት ይምለስ ገልጠም ከየብላ መታን ብጥንቃቐ ቀስ ገይሩ ክዓጽዋ ከሎ፡ ስሩዕ ትምህርቲ ከምዘይኮነ የስተብህል እዝኑ ኣብ ፈኻኽ ናይቲ ማዕጾ ኣላጊቡ ዛንታ ምስማዕ ይቕጽል;;


ኣልማዝ፡- ተማሃሮ፡ ጾር ታሪኽ ካብ ዝኽረይ በብሓደ ንዳእቲ መዚዘ ኣብ እንግዳዓኹም ክጽፍጽፎ ከምዝጀመርኩ ይስምዓኒ ሎ። ንዓኻትኩም እናኸበደኩም ይኸይድ ምህላዉ ውን ኣይጠፍኣንን። ንግዚኡ ንዓኻትኩም ክኸብደኩም ኢዩ፡ ደሓር እቲ ጽዕነት ክፈዅሰኩም ምዃኑ ስለዝኣምን ግን ኣይስከፍን የ።


ካልኦት ተማሃሮ ነቲ ብደገ ዝጸናጸን ዘሎ ተማሃራይ በብሓደ እናተደረቡዎ ክበዝሑ ይርኣዩ። እታ ማዕጾ ድማ ጸጸኒሓ ገልጠም፡ ክፍት ዕጽው ክትብል ትርአ። መምህር ጠዓመ እታ ማዕጾ ጸጥታ ከይትዝርግ ኢሉ ከግጥማ ናብ ቲ ኣፍደገ በጺሑ ትንክፍ እንተበላ ኩሎም ቶም ተማሃሮ ህዱድ ኢሎም ይሃድሙ። እቲ ፈለማ ዝተጸገዐ ተማሃራይ ከኣ ከይሃደመ ኣብኡ ብፍርሒ ፈጠጥ ፈጠጥ ብምባል፡ ከይተሓተተ፡ “መምህር ዋርድያ ዕጸዋ ኢሎምኒ ምስ መጻእኩ እየ።﻾” ዘርባዕባዕ ይብል ምሕረት ዝልምን ዘሎ እናመሰለ።


መምህር ጠዓመ፡- ንኹሎም ቶም ተማሃሮ ብምጽዋዕ ኣብቲ ክፍሊ ክኣትዉ የፍቅደሎም፡ ገሊኦም ኣብ መሬት የሳፍሑ። ገሊኦም ጠጠው ይብሉ ክፍሊ መሊሳ ካብ ጻት ናብ ጻት ትመልእ።


ኣልማዝ፡- ኣልማዝ ገለ ጽዕነት ከምዘራገፈት ኣዕሚቛ ተስተንፍስ፡  ሰዓት ድማ ትርኢ።…….. ኩሎም ተማሃሮ ጸጥ ኢሎም ይርኣዩ። ገና ኣይሰልቸዎምን። ቀው ኢሎም መቐጸልታ ዛንታ ይጽበዩ።


ዳኒኤል፡- (ብድድ ኢሉ።) መምህር ብሰዓት ምሳሕ ኣይትሻቐላ፡ ምሳሕ ንሎሚ እንተተረፈና ዋላ ሓንቲ። ብዛዕባ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ካብ መጀመርያ ኣትሒዝክን ኣዕልላና። ካብቶም ካልኦት መማህርቱ ደገፍ ከምዝረክብ ብምትእምማን ንድሕሪት ናብ መማህርቱ ቁልሕ ይብል።
ተማሃሮ፡- እወ! እወ!…. (በብወገኖም ይምልሱ።)


ኣልማዝ፡- ግርም። ኣነ ውን ከማኹም የ። ሕጂ ሕልናይን ሕልናኹምን ይጽገብ። ምሸት ድማ ከብድና ክጸግብ ኢዩ። ሰኣን ምሳሕ ኣይንመውትን ኢና። ታሪኽ ዘይብሉ ግን መንነት የብሉን፡ መንነት ዘይብሉ ከኣ ህይወት የብሉን።


ተማሃሮ፡- ፍሕትሕት ኢሎም ንነዊሕ ዛንታ ይዳለዉ።


ኣልማዝ፡- (ኣጻብዕታ ኣብ ክልተ መታልሓ ደጊፋ፡ ናብ ቶም ተማሃሮ ቀው ኢላ ትጥምት…………………….) ቀው ኢላ ከላ፡ ኣብ ኣእሙሮኣ ስእልታት ቀደም ይቕልቀል። ኣዕሚቛ ትዝክር …ጸወታ፡ ማእቶት፡ ትምህርቲ፡ ጉዕዞ. ኵናት፡ መስዋእቲ…. ዘንጸባርቕ ስእልታት) ብቕጽበት ሕልፍ-ሕልፍ ኢሉ ናብ ሓደ ውሱን ትርኢት ይመርሓ የዒንታ ኣፍጢጣ ድማ ንገለ ካላኢታት ቀው ትብል። 


                                                                                                                                               ይቕጽል….

This entry was posted in ኪዳን ምስ መን? and tagged , , . Bookmark the permalink.

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

*

 characters available

You may use these HTML tags and attributes: <a href="" title=""> <abbr title=""> <acronym title=""> <b> <blockquote cite=""> <cite> <code> <del datetime=""> <em> <i> <q cite=""> <strike> <strong>