Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ካብ ህግደፍ ዝጽበ

ንታይ ዝኾነ ዩ: ካብ ህግደፍ ዝጽበ ፍረ ዕንወት: መሰረት ድንቁርና ካብ ሕማቕ ናብ ዝኸፍአ ዘውረደና ዘር ኢ ሙስሉያት ዝገበረና ኣብ ሰጣሕ ጎልጎል ኣውሪዱ ዝደርበየና ጥሙያት: ፈራሓት ጌሩ: ስረ ዘፍተሓና ህግደፍ ኳዩ ኣብዚ ዘብጸሓና ካብ ህግደፍ ንጽበ ደኣ;ሞ: ስለምንታይ ኢና?   ክብረት ስለዘይንፈቱ ዶ ዋላስ ሓንጎልና

ንታይ ዝኾነ ዩ: ካብ ህግደፍ ዝጽበ

ፍረ ዕንወት: መሰረት ድንቁርና

ካብ ሕማቕ ናብ ዝኸፍአ ዘውረደና

ዘር ኢ ሙስሉያት ዝገበረና

ኣብ ሰጣሕ ጎልጎል ኣውሪዱ ዝደርበየና

ጥሙያት: ፈራሓት ጌሩ: ስረ ዘፍተሓና

ህግደፍ ኳዩ ኣብዚ ዘብጸሓና

ካብ ህግደፍ ንጽበ ደኣ;ሞ: ስለምንታይ ኢና?

 

ክብረት ስለዘይንፈቱ

ዶ ዋላስ ሓንጎልና ስለዘይሰርሕ

ዋላ ኣብ ስደት ከለና ብህግደፍ ክንፈርሕ

ኣንታ እንታይ መዓቱ

ንሰማዒ ዘደንጹ: ንለባም ዘሕፍር

ኣዝዩ ዘነውር: ጠሪሱ ዘይንቡር!

 

ኣይከም ናትናን

ኣብ ካልእ ኣይረኣናን: ኣይሰማዕናን

 

ተገላብጦሽ! ኣብ ግዜ ህግደፍ

ጽቡቕ – ብሕማቕ: ተቐይሩ ክተርፍ

ኣቦ ሓጎ ክሰርሕ: ኮለኔል ከዕርፍ

ክኢላ ኣብ ትሕቲ መሬት: በዓል ካላሽን ዲጋ ክሰርሕ

ኣብዚ እንሀልካ ናይ ጥፍኣት መሪሕ!

እዋይ ህግደፍ: ናይ ተንኮል ኮነ ጥፍኣት በሊሕ

 

ግን: ግንየ ዝብለኩም: ስጋዕ ሕጂ ንህግደፍ ዝጽበዩ

ፋዱስ ከይ ኣኸለ: ዘንቧህቑ

ደም መጽረዪ መሲሉዎም: ዊስኪ ዝጭልጡ

ን ኤርትራ ረሲዖም: ህግደፍ ክብሉ ዝዋጥዩ

ኣብ ቃልዕ ከሞግሱ: ብሒቶም ዝበኽዩ

መጓሂቱ ህዝቦም: ስረኦም ዘጠልቀዩ

 

እምበር! በዚሎምደኣ: ንህግደፍ?

ግደፍዶ ነዚኦም ኣረሜናት ክትድግፍ

ደጋፊኦም ኔረ:  ኢልካ ክትዛረብ ከማን ዘሕንኽ

 

እሞ መንደኣ ‘ዩ ዝድግፎም

ነዞም ኣረሜናት ሓተላ ታሪኾም

ይፍልጦም የ ክትብል ዘሕፍር: ሙሽ’ዶ ክትድግፎም

በዓል ኣይሓፍራ/ኣይሓፍሩ: ባንዴራ ተጠቕሊሎም

ተጠሊዖም ዘዂዱዱሎም

ፍጥረት ሰብ ዘይብሎም

 

ፓፓጋሎታት ናይ ዘመና

ሰብ ድኹማት ሕልና

ጸሓይ ምስ በረቐ: ምስ ህግደፍ ተትጠፍኡልና

እንታይ ከይተርፈና

 

Simon G.

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Berhe Tensea December 2, 2016

    Thank you for the exceptionally excellent cartoon.

POST A COMMENT