Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ውድድራት አብ መንጎ ውልቀ-ውድባትን ባይቶ’ኣዊ ኣገባብ ኣሰራርሐን

ደንበ  ተቓውሞ ከምቲ ዝድለን ትጽቢት ዝተገብረሉን ንቕድሚት ይስጕም የሎን። ጠንቁ ድማ ብየማናይ ኢድና ዝሃነጽናዮ ባይቶኣዊ ኣገባብ ኣሰራርሐ ተጠዊና ብጸጋማይ ኢድና ንሓላልኾ ስለ ዘሎና’ዩ። ከም ሓባራዊ ኣገባብ ኣሰራርሐ መጠን ቅደም ክብል ንኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን (ኤድኪ) ከም

ደንበ  ተቓውሞ ከምቲ ዝድለን ትጽቢት ዝተገብረሉን ንቕድሚት ይስጕም የሎን። ጠንቁ ድማ ብየማናይ ኢድና ዝሃነጽናዮ ባይቶኣዊ ኣገባብ ኣሰራርሐ ተጠዊና ብጸጋማይ ኢድና ንሓላልኾ ስለ ዘሎና’ዩ። ከም ሓባራዊ ኣገባብ ኣሰራርሐ መጠን ቅደም ክብል ንኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን (ኤድኪ) ከም ዚድለ ዘየዐወቶ ጠንቂ ከአ ውልቀ ውድባት ዝዀና ኣባላቱ ሓሊኸን ስለ ዝሐዝኦ’ዩ። ሎሚ’ውን ብሓፈሻኡ ክርአ ከሎ ንኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤሃዲለ) ሓሊኹ ዝሐዞ ከም ትማሊ ኣባላቱ ዝኾናን ብፍቓደን ንምዕዋቱ ዝፈረማን ውድባትና ኢየን። አብዚ እምብኣር ድልየታትናን ተግባራትናን ይሳነ የሎን ምባል ንኣይ አብ ቦታኡ እመስለኒ። ቀንዲ ጠንቁ ጎሲና ናብ ዘካሱሱና ደረት-ምርኢት ከይነቃዕርር መታን፡ እስከ እምብኣር አብ መንጎ ውልቀ ውድባትን ባይቶ’ኣዊ ኣሰራርሐን ዘሎ ዘንተ-መጎት ጠሊቕና ንርአዮ።

ጠባያትን ቁምነገርን እንኮ ፖለቲካዊ ውደባ፡-

1) ሓደ ዓይነት ርእዮታ-ዓለምን ዕግበታትን ምስ ዝውንኑ ብጾት ሓቢርካ ምስራሕ

2) ንዕላማታትካ መዓርፎታትካን አቕሪብካ ምጥማትን አብ ሓጺር ጕዕዞ ከተዕውቶም ምኽአልን/ምህቃንን

3) ንመቃናቕንትኻ ምስዓር

4) ንነብስኻን ውድብካን አብ ቦታ ሓለፋን ሓያልነትን ምቕማጥ

5) ብእንኮ ውድባዊ ራኢኻ ሃገርን ህዝብን ምምራሕ

ጠባያትን ቁምነገርን ባይቶኣዊ ኣገባብ ኣውዳድባ፡-

1)  ንዅሉ ሃገር ማእከሉ ዝገብር ወዲ ሃገር ብሓባር ምውሳእ

2) ንፍትሓውነትን ደሞክራስያን ምቕዳም

3) ኩሉ ኣብ ደረት-ምርኢት-ዓወታት ዘንጠብጥብ ጸጋታት ብኣቆራጭ ዘይኮነስ ብርጡብ ጻዕሪ ከም ዝብጻሕ ምስትምሃር

4) ነቲ ስልጣን ናይ ህዝቢ’ዩ ዚብል መትከል ምትግባር

5) ንቅዋማዊ ኣገባብ ምሕደራ ምርዓም

ምህናጽ ሃገር ከም ጕዕዞ ማራቶን ማለት ናይ ፍርቂ ኪሎ-ሜትር በርቃዊ መጥቃዕቲ’ዶስ ወይሲ ናይ 40 ኪሎ-ሜትር ዘገምታዊ ቅድድም ሕቶ ዝምሰል አይምስለንን። ስለዚ ከአ ነናብ ነድማዓሉ ንሰለፍ ክንብል አይንኽእልን፤ የግዳስ ቅድም ብሓባር ብባይቶኣዊ ኣገባብ ኣሰራርሓ ተጠሚርናን ነዚ ኣገባብዚ ብንቕሓት ቅድምያ ሂብናን ክንውደብ ግድን እመስለኒ። ከምዚ ምስ እንገብር ጥራይ ከአ’ዩ እቶም ፖለቲካ ውድባት’ዶስ ህዝቢ’ዶስ ዝብሉ ምኻናት ክትዓት አብ ዘዘይሰዓቶም ዘይልዓሉና። ሎሚ ዕምም ደሞክራስያዊ ለውጢ፤ ብሓደ ሸነኽ፡ ንፖለቲካዊ ውድባት ጥራይ ዝግደፍ ዘይኮነስ ወዲ ሃገር ብኣልማማ ክስለፈሉ ዘለዎ ማእከላይ ሃገራዊ ሕቶ’ዩ፤ ብካልእ ድማ ውድባት ነናተን ውልቀ-ውድባዊ ዕላማታት ንምዕዋት ዝወዳደራሉ ህሞት አይኮነን። ሎሚ ንኤርትራን ህዝባን ካብቲ ለኪምዎም ዝጥሕል ዘሎ ህግዲፍ’ኣዊ ምልኪ ምድሓን’ዩ። ስለዚ ከአ’ዩ ብቅድምያ ባይቶኣዊ ኣገባብ ኣሰራርሓ ዝበሃል ዘሎ።

ካብዚ ዘንተ-መጎታዊ-መትከል’ዚ ብምንቃል ኣብ ባሕቲ መስከረም ከባቢ ብተበግሶ ግዱሳት ኤርትራውያን ዚተፈነዉ መዋጽኦታት ክንውከስ ንኽእል። ንዝያዳ መብርሂ ናብዘን መርበባት ተወከሱ፡-

ተጎሩባ.ኦርግ፡ ተበግሶ ግዱሳት ኤርትራውያን

ኣሰና.ኮም፡  ተበግሶ ግዱሳት ኤርትራውያን

 ገርገር.ኮም፡ ተበግሶ ግዱሳት ኤርትራውያን

ጀበርቲ.ኮም፡ ተበግሶ ግዱሳት ኤርትራውያን

 

ከምቲ አብ ዝተባህለ መጽናዕቲ ተዘርዚሩ ዝርከብ ከአ ደጊምሲ ብመንጽር ህግዲፍ’ኣዊ ጥልመት አብ ውዕልካ ምቕያድ ናይቶም ደቂ-ሕጊን ሓላፍነታውያንን ዝዀና ኤርትራውያን ይሕተት አሎ ማለት’ዩ። ከም ደቂ-ሕጊ መጠን ብዕቱብነት ተወካኺስናን ተሰማሚዕናን ንዝአተናዮ ባይቶ’ኣዊ ትካል ዘፍርስ ሓይሊ የሎን ንብል። እሞ

  • አብ ጽባሕ ትቐውም ቅዋማዊት ሃገር ካብ ተፈራረምና፣
  • ስልጣን ብመሰረቱ ናይ ህዝቢ ምዃኑ ካብ ተቐበልና፣
  • ህግዲፍ’ኣዊ ምልኪ ክህረም ዘለዎ ጸላኢ ምዃኑ ካብ አስመርናሉ ወዘተ…

እንኮ ምርጫ ብዝተባህለ ባይቶኣዊ ኣገባብ ተጠርኒፍካ ምስራሕ ጥራይ’ዩ ሕጋዊ መዓልቦታቱ ዝኸውን።

እዚ ደረጃ’ዚ ክብጻሕ ኵሉ ተቓዋሚ ዝበሃል ሰብ/ኣካል እጃሙ አበርኪትሉ’ዩ። ስለዚ ብዅላትና ክሕሎን ክሕብሐብን ዘለዎ ክብሪ’ዩ። ነዚ ፈንጢሕና ሀ-ቢልና ንጀምር ዝብሉ ሸነኽ ጌና ምስ ዘጋጥሙ ክአ ብአጋ ክእረሙ አለዎም። ሓቂ’ዩ፡ ነዚ መሪሖም ከዋስኡ ዝነበሮም መሪሕነት ባይቶ አብ ”ድሙ ሓለፈት ኣንጭዋ ተዓንቀፈት” ምባል ዕድመ-ስልጣኖም  ጸንቂቖም’ዮም፤ ይኹን’ምበር ባይቶ ንብረት ህዝቢ’ዩ። ከም ኣገባቡ ደጊምካ ደጋጊምካ ነዚ መሪሕነት ባይቶ ናብ ልብኹም ተመለሱ ዘይብሃል ኣይነበረን፣ የግዳስ እቲ ባይቶ’ቲ ነዚ ዝበቅዕ ዓቕመ-ጽሮት አይነበሮን። በዚ ኸአ’ዩ ”ተበግሶና” ናብቲ ቅድሚ ባይቶ ዝነበሮ ሕጋዊ ደረጃን መሪሕነትን ምምላስ ዚተማሕጸነ። ማለት ንሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ናይ ምድላው ካልአይ ሃገራዊ ጕባኤ ዕማም ምስ ዝወሃቦም፤ ሃገራዊ ባይቶ ዘለዎ ስነ’እምራዊ ይኹን ተግባራዊ ተጽዕኖ ስለ ዘይብሎም ብዘይ ሽግር ናብ ባይቶኣዊ ባይታ ክመልሱና ይኽእሉ። ኣውራ ቁምነገሩ ድማ ካብ ሕጋውነት ከይወጻእና ዕማማትና ከነሳልጥ ንኽእል። እዚ አብ ውሱን ኣካል/መድረኽ ስለ ዝፈሸልካ ንዅሉ ዛጊት ሰሪሕካ ዝሓፈስካዮ ጸጋታትካ ምፍራስ ቅድሚ ደጊም ናብ መስርሕ ብረታዊ ቃልሲ’ውን ዘድከመና ተመክሮ ብምዃኑ ሕጊ ተቐኒትና ኣንጻር ፋሕ-ብትን ተውለ ክንብል ግዜኡ እመስለኒ።

ሰናይ ቅንያት ንኵላትና!

ኃውኹም ተክልሰንበት ተኽላይ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT