Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዕድመ ናብ ሕዝባዊ ኣኼባ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ኣብ ከተማ ሎንዶን

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ኤርትራውያን ኣሓትናን ኣሕዋትናን፥ ንዕለት 16 መስከረም 2017 ኣብ ከተማ ሎንዶን ሕዝባዊ ኣኼባ ክነካይድ ስለዝኾንና፡ ክትሳተፉ ብኽብሪ ንዕድመኩም። ዕላማ ናይዚ ኣኼባዚ ኮሚቴ ሓድነት ዘሰላሰሎም ዕዮታት ንምግምጋምን፥ ንዝመጽእ ዘሎ ኣዋርሕ ክንፍጽሞም መዲብናዮም ዘለና መደባት ንሕዝቢ ንምቕራብን

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ኤርትራውያን ኣሓትናን ኣሕዋትናን፥ ንዕለት 16 መስከረም 2017 ኣብ ከተማ ሎንዶን ሕዝባዊ ኣኼባ ክነካይድ ስለዝኾንና፡ ክትሳተፉ ብኽብሪ ንዕድመኩም።

ዕላማ ናይዚ ኣኼባዚ ኮሚቴ ሓድነት ዘሰላሰሎም ዕዮታት ንምግምጋምን፥ ንዝመጽእ ዘሎ ኣዋርሕ ክንፍጽሞም መዲብናዮም ዘለና መደባት ንሕዝቢ ንምቕራብን ኢዩ። ብተወሳኺ ድማ ኣብ ሕብረተሰብና ዘጋጥሙ ዘለዉ ሓደሓደ ማሕበራዊ ግድላት ንምቅላል ክሕግዙ ዝኽእሉ ኣገደስቲ ሓበሬታታት ክንለዋወጥ ኢና። ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት እናዖደት ኣብ ዝገበረቶ ኣኼባታት፡ ብርክት ዝበሉ ትዕዝብትታት ቀሲማ፡ ዝተፈላለዩ ርእይቶታት እውን ተቐቢላ ኢያ። ካብዚ ተላዕሊልና እምብኣር፥ ኣብ ልዕሊቲ ሥሩዕ ናይ ሓድነት ዕማምና ተወሳኺ ማሕበራዊ ግድላትና እንፈትሓሉ ኩነታት ክንድህስስ ከምዘለና ተርድእና ኣለና። በዚ መሠረት፥ ኣብዚ ኣኼባዚ ብዛዕባ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት መሠረታዊ ዝኾነ መረዳእታ ክነቕርብ ኢና። ገሊእቶም ማሕበራውያን ግድላት፥ ንሕብረተሰብና ኣጋዪሽ ስለዝኾኑ፥ ከቢድ ማህሰይቲ ይፈጥሩ ከምዘለዉ ዝፍለጥ እዩ።

  • ሥነ-ኣእምራዊ ጸቅጢ/ ጭንቀት/ ቅዛነት (mental health, stress/anxiety/depression)፣
  • ወልፊ ኣልኮላዊ መስተን ዕጸፋርስን (ሓሽሽ) (drugs & alcohol)፣
  • መሰልን ድኅንነትን ሕጻናትን መንእሰያትን ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ብመንጽር ሕጊ ዓባይ ብሪጣንያ
  • ውሑስ ኣጠቃቕማ መርበብ ሓበሬታ (Internet Security)

 

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን፥ ንሕብረተሰብና የግድስዩ እትብልዎ ኣርእስትታት ሒዝኩም እንተመጺእኩም ኣብ ቀጻሊ እኼባታት ክኢላታትን ሙኩራትን ሰባት ዓዲምና፥ ምስቲ ናይ ኮሚቴ ሓድነት ቀዳማይ ዕማም ኣወሃሂድና፡ ክነቕርቦ ምዃንና ብኣኽብሮት ንሕብር።

 

ዝግበረሉ ኣዳራሽ

Hargrave Community Centre,

Hargrave Road,

London, N19 5SP

ዕለት: ቀዳም 16 መስከረም 2017

ስዓት: 13:30 – 17:30

 

ብደሓን ምጽኡ!

መኽበርትኹም፥ ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT