Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዕድመ ንህዝቢ – ብምኽንያት ባሕቲ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ንናጽነትን ሓርነትን ኤርትራ።

ዕድመ ንህዝቢ ። ብምኽንያት ባሕቲ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ንናጽነትን ሓርነትን ኤርትራ። ከምዝፍለጥ ፣ ባሕቲ መስከረም ብረታዊ ቃልሲ ንናጽነትን ሓርነትን ኤርትራ ዝትጀመረላ ዕለት እያ። እዛ ዕለት እዚኣ፡ ብዘይ ናጽነትን ሓርነትን ክብረት የለን ብምባል ንኹሎም እቶም ብሉጽ ህይወቶም

ዕድመ ንህዝቢ ።

ብምኽንያት ባሕቲ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ንናጽነትን ሓርነትን ኤርትራ።

ከምዝፍለጥ ፣ ባሕቲ መስከረም ብረታዊ ቃልሲ ንናጽነትን ሓርነትን ኤርትራ ዝትጀመረላ ዕለት እያ። እዛ ዕለት እዚኣ፡ ብዘይ ናጽነትን ሓርነትን ክብረት የለን ብምባል ንኹሎም እቶም ብሉጽ ህይወቶም ከይበቀቑ ንኤርትራን ህዝባን ዝወፈዩ እንዝክረላ ክብርቲ ዕለት እያ።

ስለዝኾነ ድማ እነሆ ሕጂ ውን ማሕበርና ማሕበር ምጥርናፍ ኤርትራውያን ኣምስተርዳምን ከባቢኣን ፣ ነዛ ታሪኻዊት ዕለት ንምዝካር ኣገዳሲ መደብ ኣውጺኣ ፣ ኩሉ ኤርትራዊ ደላይ ፍትሒ ብዛዕባ ጉዳይ ሃገሩ ዝግደስ ፣ መጺኡ ነዚ መደብ እዚ ክካፈሎ ብትሕትና ትዕድም።

 

ዕለትን ቦታን

ዕለት 3 መስከረም 2017.   (3-08-2017)
ጊዜ ሰዓት 14:00  ድሕሪ ቀትሪ
ቦታ Derde Oosterparkstraat 159
1092 CW Amsterdam
መጓዓዝያ

Metro 51 / 53 /54   (Wibautstraat)

 

 

 

ብደሓን ምጽኡ

ሽማግለ ማሕበር

Subscribe to ASSENNA YouTube to get Radio Assenna on time: 

 

 

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Amba August 27, 2017

    እንታይ በልኩም ” … መበል 56 ዓመት ባሕቲ መስከረም 1961 ዓ.ም.ፈ መጀመርታ ብረታዊ ቃልሲ ሕዝቢ ኤርትራ ንምብዓል … “?

    ዋእ! ገለ ክንሰምዕ ኢና ጽንሕ ኢልና። ኣብ ዝሓለፈ ውሽጢ ሓምሳን ሹድሽተን ዓመት ኣብ ኤርትራ ፡ ተሓጒስና ብደስታ እነብዕሎ ዝኾነ ይኹን በዓል ኣይፈጠርናን። ናይዚ መርኣያ እዚ ኣብ ኤርትራ ተፈጢሩ ዘሎ ኵነታትን ፣ ብፍላጥ ይኹን ብግርህና ወይ ብዕሽነት ገድልናን ሰውራናን ዝፈጠሮ ኩሉ ሕስመን ሕፍረትን ዉርደትን ዓለም ኩሉ ዝፈልጦ ምስክር እዩ።
    ኣብዚ ኹሉ ናይ ውርደትን ሕሰምን ታኼላ ከመይ ጌርና ተሸሚምና? በየናይከ ንወጽእ ? እዩ፤ እቲ ሕቶ።

    እምበር ናይ ሓምሳን ሹድሽተን ዓመት ፡ መገዲ ሰንፈላልሲ ርኢናዮ ፤ ማእቶቱ ድማ ከንቱ እዩ። ከምቲ ብዙሓት ለባማት ዝበልዎ ፡ ናይዚ ጥፍኣት እዚ ቐንዲ ግዳያት ፡ እቶም ንጹሃት ተጋደልቲ እዮም ።

POST A COMMENT