Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዕድመ ንህዝባዊ ኣኼባ – ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ጨንፈር ዓዲንግሊዝ።

ብመሰረት ጠለብ ህዝቢ፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ (ኤሃባደለ) ጨንፈር ዓዲንግሊዝ ንኽፉት ህዝባዊ ኣኼባ ይጽውዕ፡፡ ከም ዝፍለጥ ብዕለት 24 ሕዳር 2013 ብምክትል ኣቦ ወንበር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኤሃባደለ ኣቶ የውሃንስ ኣስመላሽ ዝተጸውዐ ኣኼባ፡ ብተኻፋልነት ካብ ዝተፈላለያ

ብመሰረት ጠለብ ህዝቢ፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ (ኤሃባደለ) ጨንፈር ዓዲንግሊዝ ንኽፉት ህዝባዊ ኣኼባ ይጽውዕ፡፡

ከም ዝፍለጥ ብዕለት 24 ሕዳር 2013 ብምክትል ኣቦ ወንበር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኤሃባደለ ኣቶ የውሃንስ ኣስመላሽ ዝተጸውዐ ኣኼባ፡ ብተኻፋልነት ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ዓዲንግሊዝ ዝመጹ ደለይቲ ፍትሒ ተኻይዱ ነይሩ።

ኣብቲ ኣኼባ፡ ኣቶ የውሃንስ ባይቶ ካብ ዝምስረት ኣትሒዙ ክኸዶ ዝጸንሐን ዘሎን መስርሕ ብኣወንታውን ኣሉታውን መልክዑ ንህዝቢ መብርሂ ከም ዝሃበ ዝዝከር እዩ፤ ምስኡ ኣተኣሳሲሩ’ውን ኩነታት ሃገርናን ዝኸዶ ዘሎ ቅልጡፍን ተሃዋስን ኩነታት ምስ ኣኼበኛ ግሉጽ ናይ እንካን ሃባን መድረኽ ከፊቱ ነይሩ።

ኣብ ክፉት ምይይጥ ናይቲ ኣኼባ ዝተፈላለዩ ሃነጽቲ ሓሳባት ብደለይቲ ፍትሒ ክውሕዙ ተሰሚዖም ነይሮም፤ ብሕጽረት ግዜ ምኽንያት ኩሉ ዝቐረበ ሓሳባት ክዕመም ስለ ዘይተኻእለ ግን ኣብ ዝቐልጠፈ እዋን ዳግማይ ኣኼባ ክጽዋዕ ጠለብ ቀሪቡ፡፡

ጠለብ ህዝቢ ንምትግባር እምበኣር፡ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ጨንፈር ዓዲንግሊዝ ንሰንበት ዕለት 15 ታሕሳስ 2013 ንኹሉ ደላይ ፍትሒ ኤርትራዊ ብኽብሪ ይዕድም።

ቦታ

Abrar house

45 Crawford Place

Edgware Road

London: W1H 4LP

ግዜ

ካብ ሰዓት 3 ድሕሪ ቀትሪ ክሳብ ስዓት 8 ናይ ምሸት፡

ብድሓን ምጹ፣

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ጨንፈር ዓዲንግሊዝ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Almaz December 8, 2013

    We are now nearly to see change in Eritrea but the Baito is not that much effective to take any step forward, the Lampudsa issues was important to represent the vicitms at least. Still the case on table and needs to communicate to send the corps to Eritrea as their families are still expecting their beloved. Baito needs to be inclusive all walk of life from Eritrea, the representation must be fair……..

POST A COMMENT