Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ድሓን ኩኒ ኣሞይ ለተንኪኤል ገብሪ ሂወት!!!!

ሃይለ ገብረትንሳኤ ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና! መልቀስ ድሓን ኩኒ ኣሞይ ለተንኪኤል ገብሪ ሂወት!!!! ወየ!! ኣነ!!ወየ!!!!ኣነ!!! ወየ!!!ኣነ!!!! ወየ!!!!!ወየ!!!!!ወየ!!!!!!!!! እዛ  ዝፈትዋ ኣሞይ ሞይታ!!!!! ኣርኪባቶም እምበር ነቦታታ ኣርኪባተን ነተን ኣደታታ ኣርኪባተን፡ ንዝሓለፋ፡መሓዙታ።   ኣሞይ!! ለተንኪኤል ጓል ኣባ ቡላ ኣብ ዳምባ ተወሊዳ፡ ከም ብተይ ዘሊላ ካብ ምድሪ ፈላሲ፡ ደቂ በኹሪ፡ መራጉዝ ብኹላ ጓል ኣድከመ

ሃይለ ገብረትንሳኤ ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና!
መልቀስ
ድሓን ኩኒ ኣሞይ ለተንኪኤል ገብሪ ሂወት!!!!
ወየ!! ኣነ!!ወየ!!!!ኣነ!!! ወየ!!!ኣነ!!!!
ወየ!!!!!ወየ!!!!!ወየ!!!!!!!!!
እዛ  ዝፈትዋ ኣሞይ ሞይታ!!!!!
ኣርኪባቶም እምበር ነቦታታ
ኣርኪባተን ነተን ኣደታታ
ኣርኪባተን፡ ንዝሓለፋ፡መሓዙታ።
 
ኣሞይ!! ለተንኪኤል ጓል ኣባ ቡላ
ኣብ ዳምባ ተወሊዳ፡ ከም ብተይ ዘሊላ
ካብ ምድሪ ፈላሲ፡ ደቂ በኹሪ፡ መራጉዝ ብኹላ
ጓል ኣድከመ ምልጋእ፡ ኣብ ማእከላ
ጓል ስረትክን ትብል መላሲ ዘይብላ።
 
ኣሞይ!! ኣሞይ!!!ጓል ኣስመራ
ለቲ!!!!!!! ተባሂላ ሽም ቀይራ
ብኣውቶቡስ ትመጽእ ሓጀት ጸይራ
ሳንጆርጆ ተማሃርይ ነይረ መንደፈራ
ጎልፎ ትኸድነኒ በዓል ግዜ ካብ ኣስመራ
ንፉዕ ንክኸውን ብዙሕ እያ ጽዒራ
ጽንሕ ኢላ ንዓዲ ጣልያን ቀይራ።
 
ኣሞይ ንኽርእያ፡ ዓዲ ጣልያን ዘይረ
ተቐበልቲ ጋሻ እንዳቦይ ስኞረ
ሽሻይ ተቐሪቡ፡ ነቢት’ውን ዓቲረ
ምስ ዓበይቲን መካንንትን ማዕረማረ
ሰትየ ነቢት፡ ዓመታት ዝተዓቑረ
ባኖታት ተኸዲነ ብዙሕ እየ ቐይረ
ወዲ ሓዋ! ንኣሞይ ብዙ እየ ከቢረ።
 
ኣሞይ!!! መዓረይ!!!ፍሽኽታ ዝኣመላ
ቀሪባ!!! ዘይትደክም፡ ምሃብ ዝኣመላ
ኣብ ጸሓይ ዕርበታ!! ኣነን ኣጉዲለላ
ክሓስብ ብሃገር፡ ፍትሒ ስለ ዝጎደላ
ከይደ ንኸይርእያ፡ ኣይኮንኩን ብሻላ
ነዛ ኣሞይ!! በይነይ ኣብ ስደት በኸኩላ
ስድራ ቤት ኤርትራ ኣኻኻቢ ዘይብላ
ሃገርና ኤርትራ ምሕረት የውርደላ።
 
እዛ ኣሞይ!!! ድርብ ዝቕናታ
ከተማታት ጣልያን ኩለን በጺሓታ
ንበይና ኣይኮነትን ምስ ኩለን መሓዙታ
ኣብ ሃገራዊ ቃልሲ፡ ብዙሕ እያ ከቲታ
ካብ ዝጅመር ኣትሒዛ ክሳብ መፈጸምታ
ሃገረይ እናበለት፡ ዓለም ወዲኣታ።
 
ኣሞይ!!መዓርይ!!! ድሓንኩኒ
ኣብ ስደት ኮይነ ንዓይ በርቲዕኒ
እንተዘፋንወኪ ነይረ ንዓይ ምሕሸኒ
ዘይኸውን ኮይኑ ዘበን ጠሊሙኒ።
 
ኣሞይ!!! ዕድለኛ ኢኺ
ኣሕዋትኪ  ንድሕሪት ገዲፍኪ
ብኽብሪ እኮ ኢኺ ተፋኒኺ
ይኣኽለኪ ብዙሕ እምበር ስሒቕኪ
ኣይነኣስክን፡ ዕድመውን ጸጊብኪ
ኣደይ ማርያም ትጽናሕ ኣብ ቅድሜኺ
ጎይታና ክርስቶስ ኣብ ጎኑ የንብርኪ።
 
ዝፈትወኪ! ወዲ ሓውኪ!!!
ሃይለ ገብረትንሳኤ፡ ዘብሄረ ሰራየ!!!!
ኢንድያናፖሊስ፡ ኢንድያና።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Munir Adem June 4, 2017

    My condolences to you, Mr. Haile. your ‘melqes’ is very good.

POST A COMMENT