መልእኽተይ ንካቶሊካውያን ኣመንቲ ኣብ ለንደን

catholicchurchመባእታ

ብመጀመርያ ርሑስ በዓለ ልደት ይግበረልና። ንሕዝብና፡ ጸሎቱ ሰሚዑ፡ ንዝጸምኦ ሰላምን ፍትሕን ዝህብ፡ ንሕማቑን ጠንቂ ሓዘኑን ዝቕንጥጥን በዓለ ልደት ይግበረሉ።

ምኽንያት መጽሓፍየይ፡ ብ 12 ታሕሳስ 2010፡ ኣብ ለንደን ኣብ ናይ ኤርትራውያን ካቶሊካውያን ስርዓተ-ቅዳሴ ዝፍጸመሉ ቤተክርስትያን፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ዘይትጽበዮን ዘይክርስትያናውን፡ ንዕድመ ህግደፍን ንስቃይ ሕዝብናን ዘናውሕ ተግባር፡ ብፍቓድ ወይ ኣማልድነት ኣባ ኤፍረም ዓንዶም፡ ኣብቲ ውሽጢ ቤተክርስትያን ዝተፈጸመ፡ አዝየ ስለዝሓዘንኩ፡ ነዚ ብቅሉዕ ክጽሕፍ ተገዲደ። ዕላማ’ዚ ጽሑፍ’ዚ፡ ብመጀመርይ ንናይ ለንደን ካቶሊካውያን መእመናን ሓላፊኡን፡ ዘተኮረ ኮይኑ፡ 1) ብዛዕባ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ ፖሊቲካ ዓለም፣ 2) ምድንጋራት ህግደፍ ብስም እገዳን ሃገርን፡ 3) እንታይነት ህግደፍን፡ ሕዝብና ኣብትሕቲ ህግደፍ ዘሕልፎ ዘሎ ስቓይን፡ ብሓጺር ቃል ንምሕባር እዩ። ድሕሪ’ዚ ቅሉዕ ሓበሬታ ምምሕልላፍ፡ ጉዳዩ ንምምዕርራይ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብሓላፍነት ራኺበ ምግባር ዘድሊ እመስለኒ።

  1. ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን አብ ፖሊቲካ ዓለም ብኸመይ

ሃይማኖት (መንፈሳዊ ጉዳይ) ካብ ፖሊቲካ፡ ፍሉይ ምኻኑ ንርዳእ። ዓለማውያን ይኹኑ መንፈሳውያን መራሕቲ’ውን፡ ኣፍልጦን ሓላፍነትን ናይ’ዚ ጉዳይ ክህልዎምን፣ ንሕዝቦም በቢምርጫኦም፡ ብስራዓት ከማሓድሩን፣ ናይ ዘለናዮ ዘመን ሰነፍልጠታዊ መሰረታዊ ጠለብ እዩ። ቤተክርስትያን፡ ኣብ ዓለም መንግስቲ እግዚኣብሔር [ጽድቂ] ንምስፋሕ፡ አብ ወንጌላዊ ተልእኮ እትሰርሕ፡ ተጋዓዚት ሓዋርያ እያ። ግን ከኣ ወላ’ውን ናይ ገዛእ ርእሳ ውሽጣዊ ሕጊ ይሃልዋ፡ ንሕጊ ወይ ንመንግስቲ እቲ እትሰርሓሉ ዘላ ሃገር፡ ተማእዚዛ ትኸይድ። ኣብዚ ግን ብቑዕ መረዳእታ ኪህልወና ይግባእ። “ቤተ ክርስትያን በቲ ዝለዓለ ሕግን (ወይ ቁዋምን) ሕግታትን እቲ ዘላቶ ሃገር ወይ መንግስቲ ትምእዘዝ” ማለት፡ ቤተክርስትያን ንትግባረ ፖሊቲካውን ፕሮፖጋንዳውን ኣጀንዳ እቲ መንግስቲ ወይ ፓርቲ ትሰርሕ ማለት ኣይኮነ፡፡ ተልእኮ ቤተክርስትያን መንፈሳዊ ስለዝኾነ፡ ናይ ዝኾነ መንግስቲ ርእዮተ ሓሳብ ወይ ፖሊቲካ ጽግዕተኛ ከይኮነት፡ ንሕዝባ ብመንፈሳውያን ሓያላት (Christian virtues) ንምህብታም ትሰርሕ። ኣብ መድረኽ ማሕበረ-ሰባኣዊ-ፖሊቲካዊ ዓለም ከኣ፡ ንክብሪ-ሰብን ማሕበራዊ ፍትሕን (the dignity of human person and social justice) ሕሞረታ ብምግባር፡ ምእንቲ ሰላም፡ ጽድቂ/ፍትሒ፡ ሕብረት ኣብ ሓበራዊ ረብሓ (solidarity): ግብረገብነታዊ ሕይወት ደቂ ሰባትን፡ ሓባራዊ ረብሓን (common good) ወዲሰብን ማሕበረሰብን ንምግልጋል ትጽዕር፤ ሠናይ ቃልሲ ትቃለስ። ባህርያዊ ሕግን (natural law) ቅ. መጽሓፍን (Scripture) ተደጋጋፋይ ስለዝኾነ፡ በዚ መስረት’ዚ፡ ቤተ ክርስትያን ኣብ ክብሪን ፍትሕን ሰላምን ናይ ወዲ ሰብ ተገዲሳ ትሰርሕ። ነዚ ዝርኢ፡ ገለ ካብ “መትከላት ትምህርቲ ቤተክርስትያን አብ ሕብረተሰብ” (the principles of Social Teaching of the Church) ምውካስ ይከኣል1። ሕጂ፡ ህግደፍ ብሰንኪ ዘራጊ ሰላም ተግበራቱ ንዝወረዶ እገዳ፡ ገልቢጡ ብኻልእ ይገልጾ ስለዘሎ፡ ብዛዕባ እገዳ ብሓፈሻ፡ ብዛዕባ እገዳ ህግደፍ ብፍላይ፡ ኣሕጽር ኣቢለ ክገልጽ።

  1. እገዳን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተበየነ እገዳን

እገዳ፡ ብዙሕ ዓይነት’ዩ፤ ብውሕዱ ዲፕሎማስያዊ፣ ቁጠባዊ ወይ ንግዳዊ፣ ፖሊቲካዊ ወይ ወተሃደራዊ፡ ከምኡ ስፖርታዊ ወይ ናይ መገሻ ወዘተ ዝርኢ እገዳ አሎ። እቲ ካልኣይ ዓይነት ኣገላልጻ እገዳ፡ ሓፈሻዊ (general sanction against a State / organisation) ወይ ፈልዩ ዝወቅዕ እገዳ (targeted sanction): ማለት ንገ ውልቀ-ለሰባት ወይ ማሕበር ብፈለያ ዓለመ እገዳ፡ ተባሂሉ ይግለጽ። እቲ ብ23 ታሕሳስ 2009 ዝተበየነ፡ እገዳ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኤርትራኸ ከመይ እዩ?

ኩላትና ከምንፈልጦ፡ ህግደፍ ኣብ ምዝራግ ሰላም ዞባና ንዝገበሮ ምትእትታው፡ ብውድብ ሕቡርት ሃገራት ንዝተዋህቦ መጠንቀቅታት ዕሽሽ ኢሉ፡ ንሕዝቢ “ዓለም ዘርያትና!” ብማለት፡ እናኣደናገረ ንዓመታት ኪኸይድ ጸኒሑ። ስለዚ፡ እቲ ብ23 ታሕሳስ 2009 ዝተበየነ፡ ብቁጽሪ 1907 ዝፍለጥ እገዳ፡ ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ ኤርትራ ዘይኮነስ፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ሕጊ ዘይፈልጥ ጉጅለ ህግደፍ፡ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝተበገሰን ብባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዝጸደቐን፡ ፖሊቲካዊ መቅጻዕቲ እዩ። እቲ ምኽንያት ከኣ፡ ምብሰንኪ ባዕሉ ህግደፍ ንዓለም ለኻዊ ሕጊ ብምጥሓሱን ንሰላም ዞባና ኣብ ሓድጋ ስለዘሳጥሐን (ኣብ ልዕሊ መስርሕ ሰላም ሶማል ካብ 2002 ጀሚሩ ዝገበሮ ዘራጊ ምትእትታውን፡ ኣብ ጂቡቲ ብወርሒ ሰነ 2008 ዝፈጸሞ ናይ ውግእ ተግባርን) እዩ። እቲ ንህግደፍ ፈልዩ ዝቐጽዕ እገዳ አብ ሰለስተ ዝተኸፍለ እዩ፦ 1) ህግደፍ ኣብ ዕዳጋ ኣጽዋር/ብረት ንኸይዋፈር ዝእግድ፡ 2) ላዕለዎት ኣባልት ህግደፍ ንኸይጋየሹ ዝኽልክልን፡ 3) ኣብ ወጻኢ ንዘሎ ናይ ህግደፍ ንብረት (ገንዘብን ካልእ ተመሳሰሊ ትካላትን) ምድስካል። ህግደፍ ተግባራቱ እንተ ዘየቓሪጹ ግን፡ ካብዚ ብዝለዓለ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰደሉ ይኽእል እዩ። እቲ ህግደፍ፡ አብ ልዕሊ’ቲ ተሓላቒ ስኢኑ ደም ዝነብዕ ዘሎ ሕዝቢ ኤርትራ፡ ዝፍጽሞ ዘሎ ኣሰቃቒ ግፍዕታት ግን፡ ዓለም ንግዜኡ ናባና ናብ ደቂ ሃገር ተገዲፉ’ሎ። ምስ’ዚ ኣካል’ዚ ምትሕብባርን ንዓኡ ምጥባቕን (እሞኸኣ ኣብ ቤተክርስትያን) ግን፡ ኣነዋሪ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ብሕጊ’ውን ተሓታትነት ከኸትል እዩ። ስለዚ፡ እዚ እገዳ ኣብ ልዕሊ ህግደፍ እምበር፡ አብ ልዕሊ ሕዝቢ ኤርትራ ዝተበየነ እገዳ ኣይኮነን። ሓደ ኤርትራዊ ክነግድ እንድሕሪ ደልዩ እዚ እገዳ’ዚ ኣይክልክሎን’ዩ። “ዘይስንኽን ሑጻ ቆርጥማሉ” ከምዝብሃል፡ ውግእ ዝኣመሉ ህግደፍ፡ ካብ 1994 ጀሚሩ፡ ምስኩለን ጎረባብትና ብምንኻስ፡ ብውግእ የጥፍኣና ኣሎ። ህግደፍ፡ ንሕዝቤኤርትራ ብሕግን ስርዓትን ክነብር ዘይፈቅድስ፡ ከመይ ኢሉ ድኣእዩ ብዓለምን ብሕጊ ዓለምን ዝጡቂ!!!

  1. ህግደፍ ማለት ኤርትራ ማለት ኣይኮነን፡ ሕጋዊ መንግስትና’ውን ፈጺሙ ኣይኮነን

ህግደፍ ዘይሕጋውን፡ ብተግባሩ ኣንጻር ሰናይ ሕዝቢ ኤርትራ ዝቖመን ኣካል ምኻኑ ፍሉጥ እዩ። ብመሰረቱ፡ መንግስቲ ንምትካል ቀንድን መጀመርያን ዘድልየሉ ምኽንያትን፡ ሕዝባዊ ስልጣን መስሪትካ፡ አብ ዜጋታት ፍትሒ ንምትግባርን፡ ኣብቲ ሕዝቢ’ቲ ሃገር፡ ግላዊ/ውልቃዊ ናይ ሕነፍዳ ተግባራት ንኸይነግስን ንኸይፍጸምን ንምክልኻልን (to uphold the rule of law and protect the privatisation of justice [i.e., revenge]) እዩ። እዚ እዩ እቲ ቀንዲ፤ እቲ ካልእ (ከም ንምዕባለ ምስራሕ፡ ምምሕዳር ትምህርቲ ናይ ወጻኤኢ ስምድና ምምስራት ወዘተ)፡ ኩሉ ተውሳኺ ወይ ካልኣዊ እዩ። ህግደፍ ካብዚ ርሑቕ እዩ፤ ብኣንጻሩ፡ ኣብ ሕገ-ኣልቦ ወይ ልዕሊ ሕግን ተፈጥሮኣዊ ሰባአዊ ማዕርነትን ንርእሱ ብምስራዕ፡ ከምቃሕ ዝበሎ ገባርን ሓዳግን ኮይኑ፡ ንሕዝብና ብትግርኛ ዝዛረብ ባዕዳዊ ጨቓኒ ኮይኑ ይሳቕዮ ኣሎ። ሕዝቢ ኤርትራ ንናጽነት ሃገሩን ሕርነት ሕዝቡን ሓያልን መሪርን ቃልሲ ዝተቓለሰን መስዋዕቲ ዝኸፈለን እዩ። ጉጅለ ህግደፍ ግን ሕድሪ ሰማዕታትና ጠሊሙ’ሎ፤ ሃገርና መንግዝቲ የብላን። ሃገረ ኤርትራን ህግደፍን ዘራኽብ የብሎምን፡፡ ከመይ መንግስቲ ሓደ ናይ ልዑላዊ ሕዝቢ ልኡኽን መገልገልን እዩ ኪኸውን ዝነብሮ። ሃገር ማለት ሕዝቢ ማለት ሰለዝኾነ፡ እቲ ሕዝቢ ወይ ሃገር አይኮነን ናይቲ ሓደ ጉጅለ ክኸውን ዘሎዎ። ሕዝቢ ከኣ፡ ብወከልቱ ሰብ ቆጽሊ (መንግስቲ) ብሕግን ሥርዓትን ይግልገል፡ ንወከልቱ/ንመንግስቱ ይልእኮም (delegated power)። ኣብዚ ምዕቡል ዘመን፡ ንገባቲ ህግደፍ መንግስቲ ከብሎ ዘኽእል ረቓሒታት የብሉን። ኤርትራን፡ ሓንቲ ንብረት ወይ ካምፓኒ ናይ ህግደፍ እያ፤ እቲ ህግደፍ ንባዕሉ ናይቲ ሓለቓኡ ብሕቱ እዩ። ሓደ ሕብረተሳብ (መራሒ ይኹን ተመራሒ) ብሕጊ ብሰላም ይናበር (all social power is under the law: the principle of the supremacy of law)። እዚ ኩሉ አብ ናይ ሎሚ ኤርትራ ሽታ ማይ እዩ። እቲ ዘገርም ግን፡ ምስ ኣእምሮ ዝምድና ዘይብሉ ኣፍ ተረኺቡለይ፡ “መንግስትና ጽርግያ ይሰርሓልና’ሎ…” ይብሃል’ዩ፤ እቲ ገንዘብ ብመን ተዋሂቡ፡ ብናጻ ጉልበት መንከ ተሰሪሑ ከይፈለጥካ፤ ብዘይ ሕግን ሓርነት ሕዝብንከ እቲ ጽርግያ ንመን! ዘገርም። ምሉእ መሰልካ ዝኸብረላ ጥራሕ እያ ሃገርካ። ኣብ ኤርትራ፡ ካብ ቤት ትምህርቲ ቤት ማእሰርቲ ይበዝሕ፤ ከሉ ዝተማህረ ይገድፋ’ሎ። ከምቲ ስልጡናት ኣቦታትና ማሕለኻ ዘይብሉ ጸባ ድፉእ፡ ሕጊ ዘይብሉ ሃገር ጥፉእ” ዝበልዎ፡ ሃገረ ኤርትራ’ውን ሃገራዊ ሕጊ ስለዝሰኣነት፡ ትጠፈፍእ ኣላ።

ግን ሕዝብናን ሃገርናን ብሕዝባዊ ቕዋምን ሕግን እትመሓደረሉ እዋን ከምዝመጽእ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ከመይ፡ ሕዝብና ቅድሚ 600 ዓመታት፡ ንምሕደራ ሕግን ፍትሕን (ብሓጋጎን ጸራቦን ዝፍለጡ) ተሞኪሩሉን፤ ንፈሪሓ-እግዚኣብሔርን ፍትሕን ከየነጻጸለ ኣተኣሳሲሩ ዝናበር ዝነበረን እዩ። ግን ሎሚ ንሕና ተመላለስቲ ቤትክርስትያንን ናይ ምዕቡል ዘመን ዜጋታትን እንብሃል፡ ስለምንታይ ንደናገር? ነቲ “ብሓሶት አይትመስክር”፡….“ንጣዖት ኣይተምልኽ” ዝብል ትእዛዛት እግዚ/ር ዘይነስተብህለሉ!! ንሃገሩ ንወለዱ ዝጸልእዶ ኣሎና እዩ? ንምኻኑ እኹል ግንዛቤ ኣብ መሰልን ፍትሕን ማዕርነትን ደቂ ሰባት ወይ’ውን ብቐንዱ እቲ ፈሪሓ-እግዚኣብሔርን ብጻይን አሎናዶ? ቤተክርስትያንን ህግደፍን እንታይ ዘራኽብ ኣለዎም? ካህንኸ ካብ መንፈሳዊ ኣቦን፡ ንሕዝቢ ሰሚዑ ናብ መገዲ ጽድቂ ምምራሕ ሓሊፉ፡ ካልእ ተልእኮ ኣለዎድዩ? ሕዝብና/ሰበኻታትና ኣብ ዓዲ ከመይ ድዩ ዘሎ?

  1. ኣይግድን ካቶሊካውያን ለንደን! ብፍጻሜ 12/12/2010 አብ ቤተክርስትያን ተዓንቂፈ

ከም ክርስትያን፡ ሰንበት እነኽብራ ቅድስቲ ዕለት እያ፤ በዛ ዕለት’ዚኣ ብውሕዱ ቤተ ክርስትያን ንሳለም፡ ብሓባራዊ ሥርዓተ-አምልኾ ንጽሊ። ንሠናይ ክንስዕቦ፡ ንእኪት ክንርሕቆ መእንቲ፡ ትምህርተ ወንጌል ንሰምዕ፡፡ ዕለት 12 ታሕሳስ 2010፡ ሓንቲ ካብተን ንልደት ብመንፈስ እንቀራረበለን ሳምንቲ እያ፤ ብኣጸዋውዓ ምሥራቓዊ ስርዓተ-አምልኾና ከኣ፡ “ሰንበት ዘደብረዘይቲ” ተባሂላ ተሰሪዓ ኣላ። እቲ ምስማክ ናይታ ሰንበት፡ “ይጸውዖ ለሰማይ በላዕሉ፡ ወለምድርኒ ከመ ይኮንን ሕዝቦ፡ ኣስተጋብኡ ሎቱ ጻድቃኑ” ይብል። ግን ኣብዛ ሰንበት እዚኣን፡ ብፍላይ ከኣ ኣብዚ ሕዝብና ፋሕ ጨንገዳሕ አትይዎ፡ አብ ውሽጥን ኣብ ስደትን መሪር ስቓዩ ኣብ ዘስምዓሉ ዘሎ እዋንን፡ ኣብ ቤተ ክርስትያን ካቶሊካውያን መእመናን ለንደን ዝተፈጸመ ጌጋ አሎ። ንሱ ከኣ፡ በዚ ዕለት እዚ፡ ዓቀይቲ ህግደፍ፡ ብዛዕባ ንእገዳ ዝምልከት ቅጥዒ ወረቀት (form) ሒዞም፡ ናብቲ ቤተ ክርስትያን መጹ። እቶም ልኡኻት ህግድፍ፡ ምኽንያት መምጺኢኦም ኣቀዲሞም ንዝምልከቶ ሓቢሮም ኪኾኑ ስለዘለዎም፡ ኣባ ኤፍረም ዓንዶም (ሓላፊ ካቶሊካውያን መእመናን ኣብ ለንደን)፡ ብህግደፍ ዝተዋህቦም መስርሕ ንምትግባር፡ አብቲ ቅደተ-ቅዱሳት ቦታ ኮይኖም፡ ወረቐት… ኪዕድልኹም እዮም እሞ፡ በጃኻትኹም ተሓባበርዎም፤አብቲ ፎርም (ወረቐት) ስምኩምን ኣድራሻኹምን ግበርሉ፤…. ዝብል ኣማልድነት ወይ ለበዋ ንሕዝበ ክርስትያን ኣመሓላለፉ። እቲ ጌጋ ድርብ እዩ፡፡ 1) ኣብ ውሽጢ ቤተክርስትያን ዝተፈጸመ ምኻኑ፡ 2) ንመጋፍዕን ጨቓንን ጸረ-ሃገርን ዝኾነ ጉጅለ ህግደፍ ምንባሩን እዩ። ብኣንጻሩ፡ እቲ ብዝያዳ ክግበር ዘድሊ፡ ምእንቲ እሱራትን ሑዙናትን ደቂ ሃገርና፡ ምእንቲ ናብ ባራዩ ተለዊጦም ዘለዉ ዜጋታትና፡ ምእንቲ ሰላምን ፍትሕን ኣብውሽጥናን ምስ ጎረባብትናን፡ ምእንቲ ዝተበታተነት ስድራቤት ኤርትራን ምጽላይ እዩ። ኣብ ውሽጢ ሃገርና ግን እዚ ቅዱስ ስራሕ ብትብዓት ይግበር እዩ።

ብድሕሪ ዕለት 12/12/2010 ይኹን ቅድሚኡ፡ ብዛዕባ’ዚን ቅድም’ዚ ዝተፈጸም ተመሳሳልን፡ ናይ ግዱሳት ፈተውቲ መረረን ማዕዳንብ፡ ብተለፎንን ኢመይልን መጺኡኒ እዩ። ካልእ፡ አብዚ ሃገር’ዚ ዘለዋ ኣሓት ቤተክርስትያናት ተዋሕዶ ኤርትራውያን፡ “ቤተ ክርስትያና፡ ቤት ጸሎት እምበር፡ ናይ ፕሮፖጋንዳ ህግደፍ ቦታ ኣይኮነን፣ ብዘይፍቃድና’ውን ኣብ ቤተክርስትያና ዝኾነ ጉዳይ ከይትገብሩ፡…..” እንክብሉ፤ ከምኡ ኣቦና ር. ሊ. ጳጳሳት በነዲክት መበል 16፡ ምእንቲ ዝተጨውዩ ስደተኛታት ኤርትራውያን እንክጽልዩን ንዓለም ጸዋዒት እንከቕርቡን፤ ኣብ ለንደን ዘለዉ ከቶሊካውያን ግን ብኣንጻሩ፡ ካብ ናይ ቅድሚሕጂ ዝገደደ፡ ስቓይ ሕዝብና ንምንዋሕ፡ መሳርሕቲ ዓቀይቲ ህግደፍ ኮይኖም ወዓሉ። እዚ ከኣ ኣዚዩ የጉህየካ። ሕዝብና፡ ነቲ ጠንቂ’ዚኹሉ ውርደቱን ስቓዩን ዝኾነ ህግደፍ፡ “መኣስ እግዚኣብሔር ንህግደፍ ይቕንጥጠልና” ኢሉ እናጸለየስ፡ ኣብ ወጻኢ ብኣንጻሩ ምርኣይ፡ ኣይግድን! ግን ታሪኽ እዩ። ቤተክርስትያን ንሰባት ብፍልጠትን ብመንፈስን (ጸጋን) ሓርነትን ንምህብታም፣ ምድራዊ ናብራኦም ዘመሓይሽሉ ትምህርቲ ምሃብ፡ ካብቲ ቀንዲ ሓዋርያዊ ሓላፍነታን ዕላማኣን ምኻኑ ትርዳእ።

ልኡኻት ህግደፍ፡ ብዕለት 12/12/2010፡ ኣብ ቤተክርስትያና መጽዮም ከምኡ ክገብሩ ዝደለይዩ ዕላማ፡ ካልእ ዘይኮነስ፡ ኣብቲ መእመናን መን ናይ ህግደፍ መንከ ይቃወም ንምፍላጥን፡ ነቲ መእመናን ንምፍልላይን፡ ከምኡ ነቲ ር. ሊ. ጳጳሳት ብጉዳይ ኣሕዋትና ዝበልዎ፡ ግምት ንኸይግበሮን፡ ተባሂሉ ዝተበገሰ እዩ። ብሰንኪ እቲ ኣብ ቤተክርስትያን ዝተባህለን ዝተፈጸመን ጉዳይ እገዳ’ውን፡ እቲ መእመናን ኣብ ሰለስተ ተመቂሉ፡ 1ይ ክፍሊ፡ ነቲ ዝምላእ ወረቀት (ፎርም) ህግደፍ፡ ከም ስየ ሆሳዕና ዝቕበል፤ 2ይ ክፍሊ፡ “ህግደፍ ድኣ፡ ወላ ካልኣይ እገዳ ዘይድገም” ዝብል፤ 3ይ ክፍሊ፡ “ኣባቴ ስለዝሓተቱና ኢና ነቲ ወረቐት ተቐቢልናዮ” በሃልትን ኮይኖም። ስለዚ ህግደፍ፡ ኣብ መንጎ’ቲ መእመናን ምትሕምማይን ዘይምትእምማን ስለዝፈጠ፡ ረዕላማኡ ፈጺሙ። ብዝተረፈ ብዛዕባ እገዳ ፈሪምካ ዝብጻሕ ነገር የለን። እቲ ሕዝቢ በዚ ፋሕፋሕ ኢሉ፡ ብዛዕባ’ዚ ከኣ ክዝረብ ቀንዩ። ካልእ፡ ካቶሊካውያን ኣብ ለንደን ከምዝተጸርፉ፡ ንኣባ ኤፍረም’ውን ገል ሰባት ደዊሎም “ኣባቴ ሕማቕ ተግባር ፈጺምኩም” ከምዚበሉን ክፈልጥ ኪኢለ።

ኣቀዲመ ብዛዕባ እገዳ ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ገሊጸ። ግንከ ሕዝብና፡ ኣብ ገዛእ ዓዱ ብህግደፍ ካብ ዝእገድ (መሳላቱን ደቁን መሬቱን … ካብ ዝሕደግ)፡ ሕግን ፍትሕን ካብ ዝሓርሞን፡ ዓሰርተታት ዓመታት ሓሊፉ ከምዘሎ ስለምንታይ ንዝንግዕ!! ኤርትራ ናብ ዓባይ ቤት ማእሰርቲ ዜጋታታ ተለዊጣ፤ ዝነኣሰን ዝኸኣለን ኩሉ ዜጋ፡ እግሩ ናብዝመርሖ ይነፍጽ ኣሎ። እቲ እንኮ ምኽንያት፡ ህግደፍ ብሰላምን ሕግን እናተማህረን እናነገደን፡ ሰሪሑ ድሞዙ እናተኸፍለን፡ ምስ ስድራቤቱን፡ ብመሰል ዝነብረላ ዓዱ ዋጋ ሰማዕታት ደቁ/ኣያታቱ ስለ ዘሕደጎ እዩ። ህግደፍ ግን፡ ሕድሪ ጀጋኑ ሰማዕታትና ጥራሕ ኣይኮነን ጠሊሙ፡ ነቲ ብባህሉን ልምዱን  ዝከባበርን ዝተፋቐረን ሕዝቢና፡ ብወረዳን ኣውራጃን ሃይማኖትን ንምፍልላዩን ንምቅርሓኑን ተዋፊሩ ዘሎ ጉጅለ’ዩ። እቲ ዘይተደላይን ዘይሕጋውን ውግእ ዶብ ወሊዑ፡ ንምኽሪ ብጾቱን ኪኢላታት ደቂ ሃገርን ሓንጊዱ፡ ንሃገርናን መንእሰያትናን ዘጥፍአን ኣካል፡ ውልቀ ህግደፍ እዩ። ኣብ ቅድሚ ከምዚ ዝበለ ኩነታት፡ ትም ኢልካ ምርኣይ ዘይሓላፍነታዊ’ኻ እንተኾነ፡ ዝበኣሰ ከኣ ብ 12/12/2010 ተፈጺሙ፤ ስቅታን ምትሕብባርን ከኣ፡ ንህግደፍ “ኣጆኻ፡ እቲ ትገብሮ ዘሎኻ ቀጽል፡ … ” ምባል ምኻኑ ክንፈልጥ ይግባእ።

    1. ከም ክርስታን፡ ጸዋዕታና ናይ ዘመንና ሓዋርያ፡ ኣምባሳደር ሰላምን ፍትሕን ምኻን እዩ፤ መደምደታ ለበዋ

መሸም ብግብሪ ኩልና ምሉኣት ኣይኮናን፤ ግን፡ ብኽርስትናዊ መለክዒ ንምልኣት እንተዘይተኻእለ፡ እንተወሓደ ከም ሰብ፡ ሰብኣዊ ሓላፍነት ከነብኩር ኣይግባእን። ዕንቅፋት ምሃብ ኣዝዩ ሕማቕን ኣዕናውን ተግባር’ዩ። ከም ሰብን ክርስትያንን፡ ሕልናውን መንፈሳውን ሓላፍነት ለቢስና፡ ምእንቲ “እሱራትን ሕዙናትን ሓርነት ዝረኽብሉ መገዲ ምንዳይ” (ኢሳ. 61፡1-2፤ ሉቃ፡ 4.18)፣ ምእንቲ እግዚኣብሔር ኢልካ ንእግዚኣብሔር ገዲፍካ ብግብሪ ምምስካር (ቅ. ቪንሸንሶ በዓል ጳውሊ)፣ ከምኡ ንኣብነት መንፈሳውያንን ሃገራውያንን ኣቦታትና (ከም ብጹዕ አቡነ ኣብርሃ ፍራንስዋ፡ አባ ኣጎስጢኖስ ተድላ፡ ….ካልኦትን) ምስዓብ፡ እዋናዊ ሓለፍነትና እመስለኒ፤ ንሕዝብናን ሃገርናን ኣኽቢርና፡ ናይ ዘመንና ሓዋርያት (ወይ ናይ ዝሓለፉ ዜጋታትና ሕድሪ ተግበርቲ) ክንከውን ጽውዓት ኢና። ከም ት/ቲ ወንጌልን  ማሕበራዊ ት/ቲ ቤተክርስትያንን(social teaching of the Church)፡ ምምልላእን ምትሕልላይን (solidarity)፣ “ኣነዶ ሓላው ሓወይ እየ” (ዘፍ. 4፡9) ምባል ዘይኮነስ፡ ብዓይኒ ልቦና ክንርኢ ክንጅምርን፡ ንኹሉ’ቲ ብምሳሌ ዝተነግረና ክንትግብርን፡ ከም ሕዝቢ ንሓባራዊ ሓጎስና (common good and interest) ምእንቲ ክንጭብጥ ክንጽዕርን፡ ሰብ ሓላፍነት ኢና። ከምቶም ካልኦት ቅኑዓትን ተባዓትን ኣሕዋት ክርስትያንን ኣስላምን ደቂ ሃገር፡ እቲ ቅዱስ ጊደና ነበርክት፤ ከም ካቶሊክ ስምናን ጸዋዕታናን ንሓሉ፤ ከም ሕዝቢ ንሕሰብ። ግን፡ ንህግደፍን ንሕዝቢ ኤርትራን (መእመናንን) ብሓንሳብ ከነፍቅር፡ ብማዕረ ከነገልግል ኣይንኽእልን ኢና፤ ዑጹብ እዩ ክብል እደሊ። ግብዝናን ክርስትናን ተጻራሪ ተግባር እዩ። ጽባሕ’ውን ምድሪ ምውጋሓ ኣይተርፍን እዩ። ቅ. ኤፍረም “እቲ እግዚኣብሔር ንሓደ ሕዝቡ ዝገብረሉ ዝዓበየ ጸጋ፡ ነቲ ሕዝቢ ቅዱስ ካህን (መራሒ) ምሃብ እዩ” ይብል። እዚ ቃል’ዚ፡ ልፍንታዊ ሓላፍነት (ብጸሎት፡ ብጽቡቕ ምኽሪ ወይ ብግብሪ) ከምዘሎና’ዩ ዘዘካኽር።   እንተኾነ ሕጂ’ውን፡ ጸጋ ግዜ ስለዘሎ፡ ካብ ትማሊ’ውን ሎምን ጽባሕን ስለዘገድስ፡ እስከ ሓላፍነታዊ ቀጻልነትና ኸመይ ይስጉም….። ኣብ መወዳእታ፡ ፍቁራን መእመናንን ክቡር ኣባ ኤፍረምን፡ ውልቃውን ማሕበራውን ሞራላውን ዓይነት ሓላፍነታት ከምዘሎና ከዘካኽር እደሊ፤ እቲ ምኽንያት እቲ ብዕለት 12/12/2010 ዝተፈጸመ ተርባር’ዩ። ስቅ ምባል፡ ሕማቅ’ዩ፤ ሓባራዊ ረብሓን ወንጌላዊ/ማሕበራዊ ትምህርቲ ቤተክርስትያንን ኣዝዩ ጥሙር ስለዝኾነ፡ በዚ መንፈስ’ዚ ግዜይን ግቡአይን ንምግባር፡ ሓበሬታን ንምምሕልልላፍ ተበጊሰ። ብሓቂ ንሕዝቡን ሃገሩን ዝሓልን፡ ሓላፍነት ዝርዳእን ግን፡ ምስ ህግደፍ ኣይስራዕን እዩ።

ዶ/ክብር-ኣብ ይሥሓቕ (ለንደን)

 

VN:F [1.9.22_1171]
Rating: 0.0/5 (0 votes cast)
VN:F [1.9.22_1171]
Rating: 0 (from 0 votes)

What do you think?

Your email address will not be published. Required fields are marked *

You may use these HTML tags and attributes: <a href="" title=""> <abbr title=""> <acronym title=""> <b> <blockquote cite=""> <cite> <code> <del datetime=""> <em> <i> <q cite=""> <strike> <strong>